ዝርዝር ዜና 05-07-2018

0
178

ኤርትራውያን ጉያ ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ የሻቕሎም ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝኻየድ ዘሎ ኩነታት ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝምዕብል ዘሎ፡ ነቲ ናይቀደም ባንዴራ ኣልዒሎም ዝገብርዎ ዘለው ሰላማዊ ሰልፍታት ካብታ ዓባይ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኤርትራ ወሲኽኻ ዝለዓል ዘሎ ባሕሪ ዝብል ጉዳይ ንህዝቢ ከሻቕል ጀሚሩ ከምዘሎ ገለ ጉዱሳት ይገልጹ።

ጉያ ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክስተታት ናበይ ዘቕነዐ’ዩ፡ ንብዙሓት ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ስግኣት ፈጢርሎም ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ጉዱሳት፡ ህግደፍ ምስ ናጽነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ድምጺ ክፈጥር ምፍታኑ ንኤርትራ ንኸጥፍ ካብ ዝሓዞ ኣጀንዳ ምኾኑ ኣነጺሮም።

እሶም ብተወሳኺ ኤርትራውያን ልዕሊ ማንም እዋን ከነሰተውዕሎ ዝግባእ እዋን ሎሚ’ዩ ብምባል ድማ ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላውነትን ኣብ ሓደጋ ከይኣትው ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ህንዱድ ኣካይዳ ክንምርምሮን ብዕምቆት ክንሓስበሉን ይግባእ ክብሉ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቦም።

———————————-//////////////////——————–

ረቡዕ 5/07/2018

ኣኼባታት ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ይብዳህ ይኸውን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ስርዓት ህግደፍ ብዝወሰኖ ናይ ሰላም ተበግሶ መሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ከተማታት ዘካየዶ ኣኼባ ብህዝቢ ዓቢ ተቓውሞን ብድሆን ይገጥሞ ከምዘሎ ሬድዮ ስምረት ሓቢራ።

እቶም ተሳተፍቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ቅድመ ኲነት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ኣለዎ ዝብል ዛዕባ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ልኡኽኩም ናብ ኣ/ኣበባ ምስዳድኩም ኣብ ባይታ ከመይ ይትግበር ከመይ’ዩ ዝፍጸመ፡ ዝብል ዝተነጸረ የለን ብምባል ሰላም ደኣ ብኸመይ መለክዒ’ዩ ክህሉ ዝኽእል ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል ተቓውሞኦም ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ተግባር እቲ ናይ ዶብ ምጥራር ኮነ ኣፈጻጹሙኡ ህዝቢ ክሳተፍ ኣለዎ፡ ኣብ ዶብ ዘለው ኣህዛብ መጻኢ ዕድሎም ዝምልከት እንታይ ምዃኑ ክንጸር ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣትኩረት ጌሩ ጉዳይ ዶብ ሕጊ ዝተላበሰ ንክኽውን ጊዴና ክንገብር ኣለና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

——————————//////////////———————-

ረቡዕ 5/07/2018

ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ንግዲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ ኣሎ።

ህግደፍ ብዝኽተሎ ናይ ምዕብላልን ምግባትን፡ ጸጋታት  ናይ ምቁጽጻር ባህግን ኩቱር ድሌትን ንዝሐለፈ ዓመታት ንኹሉ ውልቃዊ ዋኒን ዜጋታት ብመደብ ከድክም ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ደውታ ክኣትው ጌሩ’ዩ ዝበላ ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ሃገርና ዕላምኡ ድማ ኩሉ ንጥፈታት ብኡኡ ክበሓትን ክዝመትን ካብ ምህቃነ ዝዓለመ ምኾኑ ጠቂሰን።

እዚ ዝፈጠሮ ኩነታት ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ኮንትሮባንድ ዘይሕጋዊ ንግዲ ካብ ግዜ ናብግዜ ብዝኸፍኣ መልክዑ እናባኣሰ ይኸይድ ምህላው ኣገንዚበን።

ህግደፍ በቲ ዘካይዶ ዘይሕጋዊ ንግዲ ልዕሊ ዓቐን ሃብትን ንብረትን ይግብት ከምዘሎን  ኣብ ዘይሕጋዊ ኮንትሮባንድ ከምኡውን ስግረ ዶብን ዝዋስኡ ኣካላት፡ ካብቶም እሙናቱ እቶም ቀንዲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምኾኖም’ውን ወሲኸን አነጺረን።

——————————–///////////—————————–

ረቡዕ 5/07/2018

ሕብረት ኤውሮፓ ኣብ ኣፍሪቃ ክሃንጾ ዝውጥኖ ዘሎ መደበር ስደተኛታት ዳግም ክሐስበሉ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣተሓሳሲቡ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ከምዝሐበሮ ሕብረት ኤውሮፓ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክሃንጾ ዝውጥኖ ዘሎ ጊዚያዊ ማእከል መጻረይ ስደተኛታት እቲ መስርሕ በተን ሃገራት ስጋብ ዘይተመርሐ ኣድማዒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ክብል አጠንቂቁ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብ ናይጀርያ ዑደት ስራሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ብሕብረት ኤውሮፓ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክህነጽ ዝሕሰብ ዘሎ ማእከል ንስደተኛታት ዝያዳ ዝስሕብ ክኸውን ስለዝኽእል ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ስግኣት ሐዲርወን ምህላው ኣገንዚቡ።

ሕብረት ኤውሮፓ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና መጀመርያ ወርሒ ኣብ ብራስለስ በልጅይም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ማእከል ስደተኛታት ክህነጽን ገንዘባዊ ሐገዝ ክበርከትን’ኳ እንተወሰነ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ነቲ ማእከል መጻረይ ስደተኛታት ከተአንግድ ዝተሰማምዔት የላን ክብል እቲ ሓበሬታ የነጽር።

ሕብረት ኤውሮፓ ኣብ ውሳኔ ሃገራት ኣፍሪቃ ጣልቃ ክኣትው ኣይክእልን’ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ኣህጉር ዝህነጽ ማእከላት ተግባራዊ ዝኸውን ገለ መንግስታት ኣፍሪቃ ንክተሓባበሩ ምስ ዝውስኑ ጥራሕ’ዩ ክብል ኣስሚሩሉ።

ኣብዛ ሒዚናያ ዘለና ዓመተ 2018 ባሕሪ ሜዲተራንያን ሰናጢቆም ኤውሮፓ ናይ ዝኣተው ኣሃዝ ስደተኛታት ኣስታት 56 ሽሕ ዝበጽሐ ኮይኑ ልዕሊ 1000 ሽሕ ሰባት ድማ ግዳይ ሞት ከምዝኾኑ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት IOM ኣፍሊጡ።

—————————-/////////////————————

ረቡዕ 5/07/2018

ወዱ ንዕሉል መራሒ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሶሪያ ተቐቲሉ ይባሃል ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ወዱ ንዕሉል መራሒ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ኣቡ ባክር አል ባቕዳዲ ሶሪያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከምዝቐተለ ብጉጅለ IS ዝውነና መደብር ዜና ኣቃሊሐን።

ወዲ 14 ዓመት ምዃኑ ዝተነገረሉ ሑድ ሃይፉህ ኣል ባድሪ ኣብ ዞባ ሆምስ ኣብ ዝርከብ መመንጨዊ ጻዓት ኣንጻር መንግስቲ ሶሪያን ሓይልታት ሩስያን ኣብ ዝተገብር ስርሒት ኮማንዶ’ዩ ህይወቱ ክሐልፍ ዝከኣለ።

ከም ሓበሬታ ወኪል ዜና ኣማቕ ዳዒሽ ወዱ ንመራሒ ጉጅለ ዳዒሽ ኣል ባቕዳዲ ንካልኦት ደገፍቲ ንከላዕል ክብል ኣብቲ ዝተወጠነ ስርሒት ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ዝተሰውኣ ጅግና’ዩ ብምባል’ዩ ኣወዲስዎ።

ሐቀኛ ሸሙ ኢብራሂም ኣዋድ ኢብራሂም ኣል ባድሪ ምዃኑ ዝዝረበሉ ኣብ ኢራቅን ሶርያን እስላማዊ መንግስቲ ንኽምስርት ዝተበገሰ ዕሉል ኣሸባሪ ኣቡ ባክር ኣል ባቕዳዲ ነፈርቲ ኣሜሪካ ብዘካየደኦ ተደጋጋሚ ደብዳብ ህይወቱ ከምዝሐለፈት’ኳ እንተተነገረ ንሱ ግና ብህይወት ኣሎ ዝብሉ ብዙሐት ፖለቲኸኛታት ይቐላቀሉ ኣለው።

————————————///////////////———————-

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here