ዝርዝር ዜና 05-12-2017

0
292

ስርዓት ህግደፍ ዝጀመሮ መናውራ ፖለቲካ ጽሩይ ዝስተ ማይ ይቕጽል ኣሎ፡፡

 

ድሕሪ ፍጻመ 31 ጥቅምቲ ኣብ ፍጹም ራዕዲ ዝተሸመመ ስርዓት ህግደፍ እቲ ብሽፋን ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣቢሉ ዝጀመሮ ፖለቲካዊ መናውራታቱ ኣብ ዞባታት ይቅጽሎ’ሎ፡፡

ህግደፍ ድሕሪ’ቲ ኩነታት ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ክሕዞ ከምዘይክእል ተደጋጋሚ ካብ ዝፈጸሞ ተግባራት ብምግንዛቡ፡ ሜልኡ ብምቅያር እቲ ኣብ ኣስመራ ጀሚርዎ ዘሎ ኣየሕዊ ኣየምውት ዕደላ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ከረንን ተሰነይን ’ውን ይቅጽለሉ ከም ዘሎ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም፡፡

ማይ ዘይተሳእነ ክንሱ ኮነ ኢሉ ህግደፍ ዓጺዎ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ሕጂ ናዕቢ ኣኽርያ ነውጺ ምስ ፈጠረሉ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ቅሩብ ማይ ክዕድል ምጅማሩ ድማ ቅሩብ ተደናጋጽነት ህዝቢ እንተረኸብኩ ካብ ዝብል ዝብገስ ከምዝኾነ ምንጭታትና ገሊጾም፡፡

—————————————–/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 05/12/2017

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብግዴታ ክትስጎም ከምዘይትኽእል ተገሊጹ፡፡

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኡጋንዳን ሩዋንዳን ክትሰጎም ሓያል ጻዕሪ ተካይድ ከም ዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ብግዴታ ናብ ካልኦት ሃገራት ክትስጎም ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ግን ዝከኣል ከምዘይኮነ ኣባል ማሕበር ኤርትራውያን ተበግሶ ንማሕበራዊ ለውጢ ተኽሊት ሚኪኤል ገሊጹ፡፡

ሓንቲ ሃገር መን ኣብ ሃገራ ክቅመጥ ይኽእል መን’ከ ኣይክእልን ናይ ባዕላ ሕጊ ኣለዋ ዝበለ እቲ መንእሰይ ከም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንዓለም እንተኣእሚና ናይ ምስጓግ መሰላ ዝተሓለወ’ዩ ክብል ገሊጹ እስራኤል ንሓደ ሓታቲ ዑቅባ ብድሌታ ክትሰጎ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ስልጣን ከምዘይብላ ብምጥቓስ፡፡

Ins -1-

ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ምዕጻው ኣብኡ ንዘለው ኤርትራውያን ዓቢ ጸገም ፈጢርሎም ዘሎ ጉዳይ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ኣቶ ተኽሊት እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣሉታዊ ጎኒ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ ምስ ህይወት  ስሃራ በረኻ ኣነጻጺርካ ግን ንኤርትራዊ ስደተኛታት ይጠቕም ከምዝነበረ ኣረዲኡ፡፡

Ins -2-

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈላለዩ በደላት ክፍጸም ከምዝጸንሐን ሕጂ ድማ ናብ 3 ሃገር ክጥረዙ እታ ሃገር ጸቅጢ ትገብረሎም ከም ዘላን ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዝከር፡፡

—————————————–/////////////////————————————–

 

 

 

ሰሉስ 05/12/2017

ኣብ ባረንቱ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘቕነዐ ወረቓቅቲ ከምዝተበተነ ተሓቢሩ፡፡

ብ19 ሕዳር 2017 ኣብ ባረንቱ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘቅንዑ ወረቓቅቲ ዝተዘርግሑ ኮይኖም፡ ኣብቲ መልእኽቶም ድማ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክስለፉ ዝጽውዕ ከምዝነበረ ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ፡፡

ሰራዊት ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን ምስ ውጹዕ ህዝብኻ ወግን፡ ገዛእ ርእስኻን ህዝብኻን ካብ ባርነት ህግደፍ ሓራ ኣውጽእ፡ እምቢ ንምልካዊ ስርዓት በል ዝብሉ ገለ ካብ ትሕዝቶታት ናይቶም ኣብቲ ወረቐት ዝሰፈሩ መጸዋዕታታት ኮይኖም፡ ብኻልእ ወገን ተቓውሞ ህዝቢ’ውን እናበርተዐ ይመጽእ ከምዘሎ ተጠቒሱ’ዩ፡፡

ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና 17 ሕዳር ኣብ መስጊድ ገዛ ባንዳ ጥልያን ብዛዕባ ሓርነት ሃይማኖትን ጉዳይ ኣኽርያን ተዛሪብኩም ተባሂሎም 7 ሰባት ዝተኣሰሩ ኮይኖም ናብ 6 መደብር ፖሊስ ተወሲዶም ኣለው፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ ማእሰርቲ ዜጋታት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ በዚሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ተቓውሞን ትብዓትን ዜጋታት ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ለውጢ እናርኣየ ይመጽእ ኣሎ ክትብል ብተወሳኺ ገሊጻ’ላ፡፡

—————————————–/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 05/12/2017

ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድሉውነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ከካይዶ ዝጸንሐ ልምምድ ዛዚሙ፡፡

ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድሉውነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንመዓልታት ኣብ ሱዳን ከካይዶ ዝጸንሐ ሓባራዊ ልምምድ ብዓወት ከም ዝዛዘመ CGTN ኣፍሪቃ ጸብጺቡ፡፡

እዚ ብጀካ ካብ ኤርትራ ካብ ኩለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝተዋጽኡ ወተሃደራት ዝቖመ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕላማ መቖሚኡ ኣብ ኣባል ሃገራት ንዘጋጥም ሓገዝ ዘድልዮ ሽግራት ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ንምሃብ ከምዝኾነ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ኣብ መዛዘሚ እቲ ልምምድ ኣብ ዘስመዖ ቃል ሓቢሩ፡፡

ገለ ሃገራት እዚ ዞባ ኣብ ውሽጠን ዘይምርግጋእ ይረአየን የለን፡ ኣሸባርነት’ውን ምንጪ ስግኣት እዚ ዞባ ኮይኑ’ሎ ዝበለ እቲ ሱዳናዊ ሚኒስተር፡ ነዚ ድማ ሓቢርካ ብምስራሕ ጥራሕ ከም ዝብዳህ ኣዘኻኺሩ፡፡

—————————————–/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 05/12/2017

ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብሑቲ ተቐቲሉ፡፡

ንየመን ንልዕሊ 30 ዓመታት ብፕረዚደንትነት ክመርሕ ዝጸንሐ’ሞ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብዕጡቓት ሑቲ ከም ዝተቐተለ ማዕከናት ዜና ዓለም ይገልጻ ኣለዋ፡፡

ብዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ተወኒና እትርከብ ማሲራህ ዝተባህለት ቴሌቪዥን ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሐቶ ዜና፡ ሞት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ስዒቡ ቅልውላው የመን መፈጸምታ ከም ዝረኸበ ሓቢራ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ ዝተፈላለያ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ምስ ዝተፈላለዩ ምስ ዑጡቓት ሑቲ ክዋጋእ ምጽንሑ ይፍልጥ፡፡

—————————————–/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY