ዝርዝር ዜና 06-01-2017

0
1146

ኣንጸላልዩ ዘሎ ሕሰም ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ጥራይ ከምዝፍታሕ ተገሊጹ፡፡

ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ተረኺቡ ብዛዕባ መሰል ስደተኛታት ንዓለም ንክትግንዘቦ ኣስተምህሮ ዝህብ ነባርነቱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር ምስ ሬድዮ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ እንኮ መፍትሒ ጸገም ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ጥራይ እዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ 11 ክፍሊ ትምህርቱ ምስ ወደአ ካብ ሃገሩ ከም ዝወጸ ዝገለጸ መንእሰይ፡ ቀንዲ ምክንያት መውጽኢኡ ዘ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ህግደፍን እቲ ስርዓት ንትምህርቲ ዘለዎ ኣርኣእያ ድኹም ብምዃኑን ብምግላጽ ብፍላይ ድሕርቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርስቲ ምዕጻው ስዒቡ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብ’ውን ከም ዝኾነ የረድእ።

እቲ መንእሰይ ብሰንኪ መላኺ ኢሳይያስ ዝክተሎ ስንኳፍ ምሕደራ ብዙሕ ፈተና ህይወት ከም ዝሓለፈን ብዙሓት የዕርኩትን ኣብ ጉዕዞ ስደት፡ ኣብ ምድረባዳ ሲናይን፡ ማእከላይ ባሕሪን ከም ዝሰኣነን ድሕሪ ምግላጽ ከኣ ኣብ ኩሉ ዝረኸቦ መድረኽ ኣብ ጉዳይ መሰል ስደተኛታት ኣድሂቡ መደረ ከም ዘስምዕ ተገሊጹ’ዩ።

———————————/////////////////////—————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ06/01/2017

ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ሱዳን ከም ዝኣተው ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ካብ መደበሮም ደሴት ዳህላክ ነቒሎም ናብ ሱዳን ብሰላም ከም ዝኣተውን ፖለቲካዊ ዑቅባ ከም ዝሓተቱን ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ገሊጹ።

ኣብታ ጃልባ ብጀካ እቶም ኣባላት ሓይል ባሕሪ ገለ ስድራቤቶም’ውን ከም ዝነበሩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ቀንዲ ምኽንያት መሰደዲኦም’ውን ዘይቅርዑይ ምሕደራ ህግደፍ ብሓፈሻ ጨቋኒ ጸጥታዊ ኣታሕሕዛ እቲ ትካል ከኣ ብፍላይ ከም ዝኾነ  ኣረዲኡ።

ብሰንኺ ገባቲ ህግደፍ ዝተማረሩ ኣባላት ሓይሊ ምድሪ፡ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኹሉ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ናብ ስደት ምውሓዝ ልሙድ ተርእዩ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክልተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ነቲ ስርዓት ብምርሕራሕ ምስታ ዝሰገሩ ዝነበሩ ነፋሪት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዘኣተው ዝዝከር’ዩ።

—————————————-/////////////——————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 06/01/2017

ዓበይቲ ሓለፍቲ መላኺ ኢሳይያስ ንሰፊሕን ስቡሕን ሕርሻዊ መሬት ኤርትራ ብዘራእቲ ጫት መሊኦምዎ ከምዘሎው ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ፍሽይምራራ ዝርከብ ሰፊሕን ስቡሕን ሕርሻዊ መሬት ሃገርና ዓበይቲ ሓለፍቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንግላዊ ረብሓኦም ክብሉ ብዘራእቲ ጫት መሊኦምዎ ከምዘለዉ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ቀንዲ ኣዋፈርቲ ናይቲ ዘራእቲ ጫት ኣዛዚ ሓይሊ ባሕርን ምብራቓዊ እዝን ጀነራል ሑመድ ካሪላሬን  ከምኡ’ውን ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ወዲ መምህር ከምዝኾኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ካብቲ መሸጣ ምህርቲ ጫት ዝረኸቡዎ ገንዘብ ከኣ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ የስፋሕፍሕዎ ከምዘለዉ ኣረዲኡ፡፡

በዓልቲ ቤት ጀነራል ሑመድ ካርካሬ ኣብ ኣስመራ ስግሬቶ ብምኽፋት ብስውር  ንብዙሓት መንእሰያት ብጫት ክባላሸው ትገብር ከምዘላ ዝተጠቅሰ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍን ይኹን ጀነራላቱን ድማ ነዚ መጻኢ ዕድል መንእሰያትና ዘበላሹን ካብዚ ኣብ ባህልና ፍጹም ውጉዝ ዝኾነን ወልፊ ዘተኣታቱ ንግዲ ዘይተኣደነ ሃብቲ ይድልቡ ከምዘለዉ እቲ ግንባር ወሲኹ ገሊጹ’ዩ፡፡

———————————-//////////////////////————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ06/01/2017

ሕሰም መከራ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ካብ እዋን ናብ እዋን እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዝርከቡ ግዱሳት ዜጋታትና ዝመጸና ዝተፈላለየ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ ብብእዋኑ ብስንኪ ሕሱም ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ብርክት ብዝበለ ቑጽሪ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለው ስደተኛታት ዜጋታትና ግዳይ ዝተፈላለየ መከራ ይኾኑ ከምዘለው ኣረጋጊጾም።

ብፍላይ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ናይ ዝፍትኑ ቑጽሪ ዜጋታትና  መዓልታዊ ይውስኽ ከምዘሎ ዝገለጹ’ቶም ግዱሳት በንጻሩ ድማ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ብዝተፈላለየ ሓደጋታት ይስእኑ ከም ዘለው ኣብሪሆም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብተመሳሳሊ ሓደ መንእሰይ ናብ ብሪጣንያ ክሰግር ፈቲኑ ህይወቱ ምስአኑ ስዒቡ ሪኢትኦም ዝለኣኹ’ዞም ወገናት እዚ ተወሳኺ ህልቂት’ዚ ንከበቅዕ ድማ እንኮ ፍታሕ ስሙርን ውሁድን ቃልሲ ጥራይ ምዃኑ ገሊጾም።

————————————//////////////———————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ06/01/2017

ኣብ ስዌዘርላንድ ኤርትራውያን ዝከብዎም ልዕሊ 8ሽሕ ሐተቲ ዑባ ከምዝተሰወሩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2016 ኣብ ስዌዚርላንድ ዑቕባ ንምሕታት ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ልዕሊ 8ሽሕ ስደተኛታት ንመንግስቲ ከይሓበሩ ካብቲ መስርሕ ከምዝወጹ ቤት ጽሕፈት ኤሜግሬሽን እታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት እቲሓበሬታ ካብቶም ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ ሕዳር 2016 ዝተሰወሩ ሓተትቲ ዑቑባ እቶም 801 ኤርትራውያን ክኾኑ ከለው እቶም ዝተረፉ ድማ ዜጋታት ጋምብያ፣ናይጀርያ፣ጊኒ፣ ኣልጀርያን ሶማልያን ከምዝኾኑ ኣረዲኡ ኣሎ።

ኣብ ስዊዝርላንድ ካብ ዘለው ስደተኛታት በዝሒ ሓተትቲ ዑቑባ ኤርትራውያን ኣብ ቐዳማይ ደረጃ ከምዝስርዑ ይፍለጥ።

————————————–/////////////////—————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ06/01/2017

ፕሮጀክት መስመር ባቡር ኢትዮን ጅቡቲ ካብ ዝዓበዩ ትሕተ ቅርጻታት ዓለም 2016 ተባሂሉ።

ንሃገራት ኢትዮጵያን ጅቡትን ከራኽብ ተባሂሉ ህንጸቱ ኣብዛ ቅድሚ ገለ መዓልታት ዘፋነናያ ዓመተ 2016 ዝተዛዘመ ፕሮጀክት መስመር ባቡር ኢትዮጵያን ጁቡትን ሓደ ካብ ዓበይቲ ትሕተ ቅርጽታት ዓለም እቲ ዓመት ተባሂሉ ከም ዝተመዝገበ መርበብ ሓበሬታ ዋየር ጸብጺቡ።

ብመኪና ንምጉዓዝ 3 መዓልታት ይወስድ ንዝነበረ ናብ ጉዕዞ 12 ሰዓታት ዘሕጸረ እዚ ፕሮጀክት ንቁጠባዊ ድንፈዐ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝለዓለ ፋይዳ ዘበርክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንርክብ ህዝብታተን  ብዝበለጸ ዝጠምር ከም ዝኾነ’ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።

ንህንጸት እቲ መገዲ ባቡር 4 ቢልዮን ዶላር ዝወጻኣሉ ኮይኑ ኣብ ሓደ ግዜ ን50 ሽሕ ሰባት ከጓዓዕዝ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ’ሎ።

————————————///////////————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 06/01/2017

ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምድልዳል ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከም ዘላ ተሓቢሩ።

ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ርክብ ዝያዳ ንምድልዳል ኣብርቲዓ ትሰርሕ ከም ዘለን ካብ 7 ክሳብ 12 ጥሪ 2017 ድማ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታ’ሃገር ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ስራሕ ከም ዘካይድን ዥንዋ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑደት ዘካይዳለን ሃገራት፡ ማዳጋስካር፡ዛምብያ ታንዛንያ ዴሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ናይጀርያን ኮይነን ምስ ነፍሲ ወከፍ መረሕቲ እተን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊ ርክባት ኣድሂቡ ዘተ ከም ዘካየድ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

መንግስቲ ቻይና ካብ ዓመተ 2015 ዝጀመሮ ኣብ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት ዑደት ስራሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ጽቡቅ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ይፈጥረሉ ከም ዘሎ ተሓቢሩ ኣሎ።

———————————-/////////////////——————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY