ዝርዝር ዜና 06-02-2018

0
338

ኣንፈት ቃልስና ክንስሕት የብልናን ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

ብሙሉእ ሓይሎም ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ይቃለሱ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ዜጋታትና ገሊኦም ናብ ኢመይል ኣድራሻና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ፡ ኣንፈት ቃልስና ዕላምኡ ክስሕት የብሉን ክብሉ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቶም ዜጋታት ነዚ መዘክር ዝጸሓፍሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ እስራኤል ናይ ምስጓጉ ሓደጋ ዘንጸላሉዎም ዘሎ ዜጋታትና ኣንጻር መንግስቲ ሩዋንዳ ክጭርሑ ድሕሪ ምስመዖም ከምዝኾነ ኣነጺሮም፡፡

መሰረታዊ ምንጪ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንሃገር ኣመሓድር ኣለኹ እናበለ ዘዕንዋ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ’ዩ ንሱ ድማ ኣብ ኤርትራ’ዩ ዘሎ ዝበሉ እቶም ዜጋታት ኣንጻር እቲ ቀንዲ ጸላኢና ኣብ ክንዲ ምንጽጻር ኣብ ጎድናዊ ጉዳያት ምዝንባልና፡ ኣብ ግምት ዘእትወና ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካብ ሽግርና’ዉን ኣየገላግለናን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

———————————/////////////////——————————————— 

ሰሉስ 06/02/2018

ኣብ ልዕሊ እምነታትናን ክብርትታናን ተኣዊጁ ዘሎ ኲናት ህግደፍ ክምከት ኣለዎ ተባሂሉ፡፡

ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እምነታትን ክብርታትን ተኣዊጁ ዘሎ ኲናት ህግደፍ ኩሉ ክምክቶ ከምዘለዎ ተገሊጹ፡፡

እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ እምነታትን ስድራቤታትን ማሕበራዊ ክብርታትን ዝፍጸም በደል ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣማኒ ናብ ዝደልዮ እምነት ከየምልኽ ተኣጊዱ መንእሰያት ኮነይኢልካ ክብረዙ ይግበር ምህላው’ውን ተነጺሩ፡፡

እምነት መሰረት ስነምግባርን መንገዲ ሓቅን ስለዝኾነ ኣንጻር ስጋዊ ዓመጽን ኣካላዊ ዕንወትን ዝግበር ቃልሲ ንኽብረት እምነታትን ንልዕልና ስድራቤትን ኣብ ሃገር፡ ንምዕቃብ ብዘይ ኣፈላላይ ባህልን ጾታን ዝሓየለ ቃልሲ ክካየድ ከምዘለዎ ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡

————————————–//////////////////————————————— 

ሰሉስ 06/02/2018

ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ህልው ኩነታት ኣድሂቡ ኣኼባ ኣሰላሲሉ፡፡

ብ3 የካቲት 2018 መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ዙርያ ህልው ኩነታት ሃገርና፡ ህዝብናን ከባቢናን ኣድሂቡ ስሩዕ ኣኼብኡ ምስልሳሉ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የነጽር፡፡

እቲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዕዝኡ፡ ንምዕባይን ንምሕያልን እንታይ ክገብሮ ብዛዕባ ዘለዎን፡ ናብ ዓወት ከብቅዖ ኣብ ዝኽእል መንገድታት ብዕምቆት ምዝታዩ ተፈሊጡ፡፡

እቲ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝሰፈኖ ኣኼባ፡ መሰረታት ዞብኡ ንምስፋሕን ቁጠባዊ ሓይሉ ንምድላብን ንዝካየድ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ዝምድንኡ ንከደልድልን ጸላኢ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምእላይን ዝሓንጸጾ መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል መሪሕነት ዞባ ሽማግለ ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚርሉ፡፡

————————————–//////////////////————————————— 

ሰሉስ 06/02/2018

ኣብ ካሌ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተኹሲ ዝኸፈተ ኣፍጋኒስታዊ ብፖሊስ እታ ሃገር ይህደን ምህላው ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ካሌ ፈረንሳ ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታውያንን  ዘይምስምማዕ ናብ ጎነጽ  ከምዘምረሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ድማ ሓደ ኣፍጋኒስታዊ ስደተኛ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኹሲ ከምዝኸፈተሎም ሬድዮ ኤሬና ሓቢራ፡፡

እቲ 37 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣፍጋኒስታዊ ብዝተኮሶ ጠያይት ን4 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ መቑሰልቲ ከም ዘውረደሎም ዝተሓበረ ኮይኑ ፖሊስ እታ ሃገር ድማ ነቲ ተኹሲ ዝኸፈተ ኣፍጋኒስታዊ ይሃድንዎ ምህላዎም ኣነጺራ፡፡

እቶም ብኸቢድ ዝቆሰሉ 4 ኤርትራውያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል መጥባሕቲ ተጌርሎም ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ትብል ሬድዮ ኤሬና፡፡

————————————–//////////////////————————————— 

ሰሉስ 06/02/2018

ኣሜሪካ ዜጋታተን ክቕበላ ፍቓደኛታት ኣብ ልዕሊ ዘይኮና፡ ኤርትራ ትርከበን ሃገራት ትህቦ ዝነበረት ረዲኤት ከምእተቛርጽ ኣጠንቒቓ፡፡

መርበብ ኤርትራውያን ንቅዋማዊ ምሕደራ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተሰጎጉ ዜጋታተን ሓንጎፋይ ኢለን ክቕበላ ፍቓደኛታት ኣብ ልዕሊ ዘይኮና ኤርትራ ትርከበን ሃገራት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓገዛት ደው ክብል ምዃኑ ምጥንቃቑ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት መግለጺ እቲ መርበብ፡ እቲ ማዕቀብ እንኮላይ ንምኽልካል ቪዛ ዘጠቓልል’ዩ፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት መለሳ ናቶም ብርክት ዝበለ ገንዘባዊ ግንዖ ክቕበል ከም ዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ’ውን መርበብ ኤርትራውያን ንቅዋማዊ ምሕደራ ኣዘኻኺሩ’ዩ፡፡

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተኾይኖም ንሓድሕዶም 50 ሽሕ ዶላር ክቕበል ከም ቅድመ ኩነት ምቕራቡ ብምጥቓስ ድማ እቲ መርበብ ከም ኣሜሪካ ካብ ዝበላ ካልኦት ሃገራት’ውን ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከቕርብ ዝሓፍር ከም ዘይኮነ የነጽሩ፡፡

————————————–//////////////////—————————————

ሰሉስ 06/02/2018

ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2018 ጥራሕ ልዕሊ 3000 ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ጎረቤት ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ተገሊጹ፡፡

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ወርሒ ጥሪ 2018 ጥራሕ ብውሑዱ ሰለስተ ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከም ዘምርሑ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ደርቂ ዘስዓቦ ሕጽረት መግብን ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት’ዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም 1118 ናብ ደቡባዊ ዳርፉር፡ 958 ናብ ምብራቕ ዳርፉር፡ 536 ናብ ምዕራብ ኮርዶፋን ዝኣተው ክኾኑ ከለው፡ እቶም 452 ድማ ናብ ደዕዳኒልን ደቡባዊ ኮርዶፋንን ዝተሰደዱ ምዃኖም ኣብሪሁ፡፡

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፡ ዋሕዚ ስደት ካብዚ ንላዕሊ ክብርኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ፡፡

ክሳብ ሕጂ ናብ ሱዳን ናይ ዝሰገሩ ደቡብ ሱዳናውያን ቁጽሪ ልዕሊ 700 ሽሕ በጺሑ ምህላው እቲ ጸብጻብ የመልክት፡፡

————————————–//////////////////—————————————

ሰሉስ 06/02/2018

ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ኣዋፊራቶም ናይ ዝጸንሐት ወተሃደራታ ቁጽሪ ክትንኪ ጀሚራ፡፡

ኣሜሪካ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ንምድምሳስ ይግበር ኣብ ዝጸንሐ ስርሒት ክሳተፉ ኣብ ዒራቕ ኣዋፊራቶም ናይ ዝጸንሐት ወተሃደራታ ቁጽሪ ክተጉድሎ ከም ዝጀመረት ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ፡፡

ኣሜሪካ ንቁጽሪ ወተሃደራታ ክትንኪ ዝወሰነትሉ ምኽንያት ዒራቕ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዓወት ከም ዝተጎናጸፈት ድሕሪ ምርግጋጻ ከምዝኾነ ጸብጻብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ፡፡

ሰራዊት መንግስቲ ዒራቕ ብሓይልታት ኣሜሪካ ተደጊፉ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ሕጂ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ንዝኾነት ሞሱል ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሸባሪ ንዝጸንሓ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከም ዘእተወ’ውን ተሓቢሩ’ሎ፡፡

————————————–//////////////////—————————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here