ዝርዝር ዜና 06-03-2018

0
277

ኣባላት 29 ዙርያ ብከቢድ ተላባዒ ሕማም ቆርበት ይሳቐዩ ኣለው፡፡

ኣብ ከባቢ ወርሒ መስከረም 2017 ተቓውሞ ኣስሚዕኹም ብዝብል ምስምስ ብምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዓዲ ሃሎ ተገፊጦም ናብ በረኻታት ሳሕል ክወርዱ ዝተገደዱ ኣባላት 29 ዙርያ ብከቢድ ተላባዒ ሕማም ቆርበት ኣብ ሽግር ከምዝርከቡ ውሽጣዊ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣፍሊጦም፡፡

ናብ ሳሕል ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ ከቢድ ወተሃደራዊ ታዕሊም ተጸሚዶም ምጽንሖም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታትና ካብ 31 ጥሪ 2018 ድማ ገደም ናብ ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ከባቢ ዝተወሰዱ ኮይኖም ግዳያት እቲ ተላባዒ ሕማም ኮይኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ኣነጺሮም፡፡

ተማሃሮ ኣባላት 29 ዙርያ ንሞያዊ ትምህርቲ ተባሂሎም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ናብ ዓዲ ሃሎ ክመጹ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ዝተኣትወሎም ቃል ኣብ ተግባር ብዘይምውዓሉ ሕቶታት ብምቕራቦም ንመቕጻዕቲ ናብ በረኻታት ሳሕል ክወርዱ ከምዝተገብረ መልእኽቲ ምንጭታትና የዘኻኽር፡፡

—————————————–///////////////——————————————

ሰሉስ 06/03/2018

ኣመት ኣብ ሽግር ዝወደቑ ዜጋታቱ ዘይገብር ኤርትራዊ ዳርጋ ዘየለ ምዃኑ ክግንዘብ ከምዘለዎ ተገሊጹ፡፡

ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ሽግር ወዲቆም ናይ ኣድሑኑና ኣውያት ዘየስምዑሉ ኩርናዕ ናይ ዓለም የለን፡ ነዚ ኣውያት’ዚ ሰሚዖም ዝድንግጹን ንምድሓኖም ዝጓየዩን ግን ውሑዳት ከምዝኾኑ ዝገለጸ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ምስ’ዚ ዘሎ ከቢድ ሃለዋት ግን ኣብ ዝዓበየን ዝነኣሰን ሽግር ጥሒሎም ናይ ዘለው ዜጋታቱ ኣመት ዘይገብር ኤርትራዊ ዳርጋ ዘየለ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ ክብል ጠቒሱ፡፡

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ኣፍገደል ተንጠልጢሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን ኣንጻር ህግደፍ ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ክብረት ሰብኣዊ መሰልን ንቓለስ ዘለና ፖለቲካውያን ውድባት ግቡእና እንተዘይጌርና ተገዳስነትና ብኸመይ ክግለጽ ይኽእል ብምባል ከኣ፡ ነቲ ህግደፍ ዝሃንጾ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ግንባር ንምፍራሱ ክንቓለስ ይግባኣና ክብል ኣነጺሩ፡፡

ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ስደትን ኣብ ሃገሮምን ሕማቅ ህይወት ኣብ ዘሕልፍሉ ዘለው ወቅቲ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሎም ሓዎም እናተሳቐየ ሱቕ ዝብሉ ቡዙሓት ሕልና ኣልቦ’ለው ክብል ገሊጹ’ሎ፡፡

—————————————–///////////////—————————————-

ሰሉስ 06/03/2018

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን ኣኼብኡ ከምዘሰላሰለ ሓቢሩ፡፡

ብኢመይል ዝተላእከልና ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ ኣብ ጀርመን ዝምቅማጦም ኣባላት ግሃድኤ ሕድሪ ብ3 መጋቢት 2018 ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣሰላሲሎም፡፡

ኣብቲ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ብዝምልከት ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸሞ ዘሎ ግፍዕታትን ጭቆናን ብዝርዝር መብርሂታት ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኩነታት እቲ ውድብን ንጥፈታቱን ከምኡ’ውን ነቲ ውድብ ንምሕያልን ኣብ ኣበርክቶ ኩሉ ኣባል ዝምልከት መግለጺ ተዋሂቡ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ሕድሪ ብዛዕባ ምምስራት 4 ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ካብ ኣበጋግስኡ ጀሚሩ መብርሂ ከምዝተዋህበን ንዑዑ ንምሕያል’ውን ካብኦም ዝጥለብ ዘበለ ከምዘማልኡን ገሊጾም፡፡

—————————————–///////////////——————————————

ሰሉስ 06/03/2018

ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ብ10 ቢልዮን ዶላር ሓድሽ ከተማ ክሃንጻ ተሰማሚዐን፡፡

ክልቲአን ሃገራት ብዝመስረተኦ ሓባራዊ ፊናንሳዊ ትካል፡ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሲናይ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ሓደ ሽሕ ትርቢዒት ኪሎሜትር ኣብ ዝተዘርገሐ ስፍሓት ብ10 ቢልዮን ዶላር ሓዳሽ ከተማ ክሃንጻ ከም ዝተሰማምዓ ዘኢስት ኣፍሪካን ሞኒተር ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

ኣፈኛ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ህንጸት እታ ሓዳሽ ከተማ ብተወሳኺ ምክልኻል ኣሸባርነትን ንምውጋድ ምክፍፋል ኣብ መንጎ ሃገራትን  ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት’ውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓቢሩ፡፡

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዋንነት ገለ ደሴታት ናይ ይብጽሓኒ’ዩ ምስሕሓብ’ኳ ዘለወን እንተኾና፡ ኣብቲ ዝያዳ ንዝምድነአን ዘጎልብት ብሓባር ክሰርሓ ከም ዝወሰና ግና እቲ ጸብጻብ የነጽር፡፡

—————————————–///////////////——————————————

ሰሉስ 06/03/2018

ህንዲ ንዓመታት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሸፋቱ ባሕሪ ፈቲሓ፡፡

ህንዲ ካብ ቅድሚ 7 ዓመታት ጀሚራ ቀይዳቶም ንዝጸንሐት 120 ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ብናጻ ከምዝፈነወቶም ማዕከን ሓበሬታ CGTN ጸብጺቡ፡፡

እቶም ካብ ማእሰርቲ ናጻ ዝተለቁ ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ሃገሮም ኣብ ዝበጽሕሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ብዝርከቦም ሓያሎ ዜጋታት ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡

ህንዲ ንሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ትፈትሕ ዘላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ብመሰረት ዝበጽሓቶ ስምምዕ’ዩ፡፡

ህንዲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ’ውን ን41 ሶማላውያን እሱራት ከምዝፈትሐት ጸብጻብ CGTN የመልክት፡፡

—————————————–///////////////——————————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here