ዝርዝር ዜና 06-07-2018

0
168

ውሽጣዊ ሰላም ክረክብ ዘይካኣለ ህዝቢ ሕጂ’ዉን ናብ ስደት ይግዕዝ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘተ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝዝመረሉ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ካብ ስርዓት ህግደፍ ተስፋ ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ዝገብሮ ዘሎ ዋሕዚ ከቶ ኣየቋረጸን ዝበሉ ምንጭታትና፡ ኣብዛ ዝሰገርናያ ወርሒ ሰነ ጥራይ፡ ልዕሊ 1 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረዲኦም፡፡

ካብዞም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ፖለቲካዊ ዑቑባ ዝሓተቱ 1912 ኤርትራውያን፡ እቶም 350 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝነበሩ ኮይኖም ካብዚኦም’ዉን ሓደ መራሒ ክፍለ ሰራዊት፡ ሓደ መራሒ ብርጌድ፡ ሓደ መራሒ ቦጦሎኒ፡ ክልተ መራሕቲ ሓይሊ 7 መራሕቲ ጋንታን 6 መራሕቲ መስርዕን ከምዝርከብዎም እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ካብዞም ናብ ስደት ዊሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን’ዉን፡ መጻኢ ዕድል ዓበይቲ የሕዋቶም ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ናብራ ጊላነትን ምዃኑ ዝተገንዘቡ 864 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ኮይኖም እቶም 389 ህጻናት ድማ ብዘይ ኣላይ ስድራን ሓብሓብን ዝተሰደዱ’ዮም፡፡

ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ብሕጋዊ መገዲ ዕቑባ ሓቲቶም ናይ ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሃዝ ልዕሊ 200 ሽሕ ምብጽሑ ካብ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

—————————-//////////////////////—————————–

ዓርቢ 06/07/2018

ፍትሓውን  ዲሞክራሲያውን ሕቶ ቃልስታት ህዝብታት ኤርትራ ክሳብ ዘይተፈትሐ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ክቕጽል’ዩ ተባሂሉ፡፡

ፈጻሚ ኣካል ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ኣብ ህልው ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ሕቶ ቃልስታት ህዝብታት ኤርትራ ክሳብ ዘይተፈተሐ ውጽዕ ተቓላሳይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዝተፈላለየ መልክዕ ውደባ ብሕራነ ቃልሲ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ፡፡

ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ተስፋ ፡ ምስ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ክረአ እንከሎ ዘላቒ ውሑስነት ዘይብሉን ንገለ ረብሓታት ክብል ብውሽጥን ብደገን ተደፊኡ ዝኣተዎን’ዩ ዝበለ እቲ ግንባር በዚ ድማ ህዝብታትና ከይድህለሉን ኣርሒቖም ክጥምቱ ከምዘለዎምን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ህግደፍ ንሰላም ቁሩብ ከምዘሎ ኣምሲሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ንዘውርዶ ዘሎ ግህሰት፡ ትካል ሰብኣዊ መሰል ፍታሕ ክገብረሉ ኣብ ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን፡ ሕጂ’ዉን ግህሰት ዝበሃል የለን ኢሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ከደናግር ምፍታኑ፡ ብዋጋ ህዝቢ ክጣላዕን ክዕንድርን ምህቃኑ ዘመላኽት ምዃኑ ሓቢሩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ደምበ ተቓውሞታት ኣብ ሕሉፍ ጉዕዞታቶም ከጋጥሞም ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ባዕላውን ውድባውን ጸገማትን ብድሆታትን ትምህርቲ ብምቕሳም ሕጂ’ዉን፡ ዓቕምታቶም ኣዋሃሂዶም ክቃለሱ ጻዕርታቶም ክብ ከብሉ ይግባእ ክብል ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ጻዊዒቱ ኣቕሪቡ፡፡

————————////////////////////////—————————

ዓርቢ 06/07/2018

ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ 10ታት ዕጡቓት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ኣብ ከባቢ ገርገፍ ተታሒዞም ይበሃል ኣሎ፡፡

ከምሓበሬታ ሬድዮ ኤሬና፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ዕጡቓት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝተገልጹ ኣስታት 30 ዝኾኑ ወተሃደራት ብመንገዲ ኦምሓጀር ናብ ሃገሮም ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብሰራዊት ኤርትራ ተኸቢቦም 22 ሰነ ኣብ ከባቢ ገርገፍ ከምዝተታሕዙ ደንጉዩ ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ፡፡

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ዕጡቓት ፡ ሓርበኛታትን ኣባላት ግንቦት ሸውዓተን ናይ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ናይ ልፍንቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝሓበረት ሬድዮ ኤረና ኣቐዲሞም’ዉን ሓያሎ ዕጡቓት ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ኣነጺራ፡፡

እቶም ዕጡቓት ናብ ሃገሮም ንምስጋር ብእኩብ ተበግሶታት ዝወስድሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘሎ ናይ ለውጢ ኣካይዳታት ተስፋታት ብምርኣይ’ዮም ዝሰግሩ ዘለዉ ከምሓበሬታ እታ ሬድዮ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዞም ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ፡ ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጻዊዒት ከምዘቕረበሎምን ዝነበሮም ክሲ ግብረሽበራ ክለዓል ከምዝወሰነሎምን ዝፍለጥ’ዩ፡፡

————————-//////////////////////——————————

ዓርቢ 06/07/2018

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘጋጠመ ግርጭት ዓመታዊ ዘጋጥም ተርእዮ ምዃኑ ተገሊጹ፡፡

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተወልዐ ግርጭት፡ ዓመት ዓመት ኣብ እዋን ክራማት ዘጋጥም ልሙድ ተርእዮ’ዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣልዲርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ ምግላጹ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኑ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ስትራቴጂካዊ ርክብ ከምዘሎ ብምሕባር ሃገሩ ምስ ዶባት ተዛሚዱ ንዝለዓል ጸገማት ብሙሉኡ ንምፍትሑ ክትሰርሕ’ያ ክብል ገሊጹ፡፡

ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ዝተፈጠረ ኵናት ኣድሂቡ ምስ ፕረዚደንት ፊልድ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ከምዝተዘራረበ’ዉን እቲ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ኣብ ከባቢ ኣል ፋሻጋ ብሰንኪ ዝተወልዐ ግርጭት ወተሃደር ዝርከቦም ገለ ሓረስቶት ሱዳን ካብ ኢትዮጵያዊ ዕጡቕ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም ኣለዉ ከምሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፡፡

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከምእትርከብ ዝንገረላ፡ ግዝኣት ኣልፋሻጋ 250 ትርቢዒት ኪሎሜትር ስፍሓት ዝወነነት፡ ኣስታት 600 ሽሕ ሄክታር ሉሙዕ መሬት ዝወነነት፡ ብዋሓይዝ ሩባታት ኣትባራ ሰቲትን ባስላምን እትዕጀብ ተባሃጊት ዓዲ’ያ፡፡

————————////////////////////———————————-

ዓርቢ 06/07/2018

ጅቡቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ኣመሪቓ፡፡

መንግስቲ ጅቡቲ፡ ምስ ቻይና ብምትሕብባር፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝሃነጾ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ጉዙፍ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት፡ ዲፕሎማሰኛታት ዓበይቲ ዓድን ሙሁራትን ኣብ ዝተረኸበሉ ብወግዒ ተመሪቑ፡፡

እዚ ኣብ ውሽጢ 2 ዓመታት፡ ናይ 7 ቢልዮን ዶላር ንግዳዊ ዓቕሚ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕሮጀክት፡ ንኣስታት 15 ሽሕ ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥረሎም ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ፡፡

ጅቡቲ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደን እተደኾነት ስትራተጂክ ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበረ ዘ ኢስት ኣፍሪቃን፡ ንኢትዮጵያ ድማ ኣውራ ኮሮድዮ ኣታውን ወጻእን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኮይና፡ ንሃገራት ደቡብ ሱዳን ሶማልያን ዞባታት ዓበይቲ ቃላያትን ኣውራ ኣፍደገ ማለት መተሓላልፎ በሪ ክትኸውን ዓሊማ ምህላዋ ኣነጺሩ፡፡

እዚ ኣብ ጅቡቲ ዝተሃንጸ ማእከል ናጻ ንግዳዊ ዞባ ኣካል ናይቲ ቻይና ኣብ 60 ሃገራት እትገብሮ ዘላ ሓድሽ ወፍሪ ሰንሰለታዊ ትሕተ ቅርጺ ከምዝኾነ’ዩ ዝንገረሉ፡፡

ኣብቲ ዝተኻየደ ጽንብል ምርቓ፡ ብጀካ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣቦወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣህጉርናን ተረኺቦም ነይሮም’ዮም፡፡

——————————//////////////////////—————————-

ዓርቢ 06/07/2018

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና ዘንበረቶ ተወሳኺ ቀረጽ ኣብ ተግባር ዊዒሉ፡፡

ኣሜሪካ፡ ካብ ሎሚ 6 ሓምለ 2018 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ኣቑሑት ቻይና ናይ 34 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ቀረጽ ከምዘንበረት መደበር ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ተወሲዱ ዘሎ ናይ 25 ሚኢታዊ ተወሳኺ ቀረጽ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ዓለምና ጉዙፍ ቁጠባ ዝወነና 2 ሃገራት፡ ኩለንትናዊ ንግዳዊ ኵናት ምጅማሩ ዘመላኽት’ዩ ተባሂሉ፡፡

ኣሜሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ቁጠባ ዓለምና ጉዙፍ ንግዳዊ ኵናት ጀሚራ ኣላ ዝበለት ቻይና፡ ኣድላይ ዝበለቶ ግብረመልሲ ክትህብ ምዃና ቃል ኣትያ ኣላ ብመሰረት እቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ዝውሰድ ዘሎ ሓደገኛ ውሳኔ፡ ንንግዳውን ዕቤትን ዓለምና ዘዕንው ተግባር’ዩ ብምባል ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ’ዮም፡፡

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ፍርያታት ሕብረት ኤውሮጳ ካናዳን ሜክሲኮን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰደትሉ እዋን’ዉን ካብተን ሃገራት ተሪር ነቐፌታ ዝተዋሃባ ኮይኑ፡ ተመሳሳሊ ግብረመልሲ’ዉን ይዋሃባ’ሎ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማዕከን ገንዘብ ዓለምን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መስርሕ ንግዲ እትወስዶ ዘላ ስጉምታት ዘይሓላፍነታውን ኣዝዩ ሓደገኛን’ዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ከምዝኾነንዎ ይፍለጥ፡፡

—————————////////////////////—————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here