ዝርዝር ዜና 06-12-2017

0
233

ኣብ ኤርትራ ሃገር ከማሓድር ዝኸእል ስርዓት ዘይኮነ ዜጋታት ዝበልዕ ኣራዊት’ዩ ዘሎ ክብል ሐደ ኤርትራዊ ገሊጹ፡፡

 

ብምሕደራ ህግደፍ ተማሪሩ ናብ ስደት ዘምረሐ ዑስማን ኢብራሂም ዝተባህለ ኤርትራዊ፡ ኣብ ኤርትራ ሃገር ከመሓድር ዝኽእል ስርዓት ዘይኮነ ዜጋታት ዝበልዕ ኣራዊት’ዩ ዘሎ ክብል ምስ ልኡኻት ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዘካየዶ ቓለ መሕተት ገሊጹ፡፡

ንሳዋ ክወርድ ከለኹ ዋላ’ኳ ብግፋ እንተኸድኩ ንሃገረይ’የ ከገልግል ዝብል ሓሳብ ስለዝሓዝኩ ግን እቲ ኣብ ስድራይ ይኹን ኣብ ልዕለይ ዝነበረ ጸገም ክሓልፎ’የ ወሲነ ዝበለ መንእሰይ ዑስማን፡ ኣብ ፓራ ኮማንዶ ተመዲበ ንመጎራይብ ድሕሪ ምኻደይ ግን ህግደፍ ንኤርትራዊ ከጥፍእ ዝተላዕለ ጨካን ምዃኑ ተረዲኡኒ ክብል ገሊጹ፡፡

ኣገዛዝኣ ዘቤታዊ ባርነት ህግደፍ ካብቲ ኣብ ግዜ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ኣዝዩ ዝኸፍአን ዓቐኑ ዝሓለፎን’ዩ ድሕሪ ምባል ከኣ ኣብ ትሕቲ ባርነት ህግደፍ ብዘሕለፍኩዎ ግዘይ ከይተዛነኹ ንቅድመይ ሓደ ውሳነ ክውስን ተገዲደ ብምባል ኣብሪሁ፡፡

ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ሕሉፍ ምዃኑ ዝተፈላለየ ኣብነታት ብምጥቓስ ዝገለጸ እዚ ኤርትራዊ ኣብ መወዳእታ ነዛ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ከመሓድራ ዝኽእል ስርዓት ከምዘይኮነ ኣነጺሩ፡፡

—————————————-//////////////——————————————–

 

 

 

 

 

 

ረቡዕ 06/12/2017

ብዲክታቶርያዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ዝተማረሩ 9 ወተሃደራት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፡፡

ከም ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኦምን ልዕሊ ስድራቤቶምን ግፍዕታት የውርድ ብዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝተማረሩ 9 ወተሃደራት ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 32 ዶብ ኣቛሪጾም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው፡፡

ንስርዓት ህግደፍ ዕድመ ልክዕና ኣገልጊልናዮ ኢና ከምኡ’ውን ኣብ ዓሰብ ብዘይ ዕረፍትን ፍታሕን ንልዕሊ 4 ዓመት ዝኣክል ደው ኢልና’ኳ እንተነበርና ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ልዕሌና ግን እንትርፎ ሕሰምን መከራን ጥዑይ ለውጢ ኣይረኣናን ክብሉ ኣብቲ ምኽንያት መሰደዲኦም ንዝኾነ ሽግር ብምልዓል ጠቒሶም፡፡

ንሳቶም ብተወሳኺ ህግደፍ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ንህዝብና እናተዓሻሸወ ሓሪሱ ዝበልዓሉ መሬት እናመንጠለን ሃብቲ ህዝቢ ኣብ ካዝንኡ እናጓረተን ዝመጾ ዕድመ ከይኣኽሎ ሕጂ’ውን እቲ ህዝቢ ንምጥፋእ ብዘለዎ ሓይሊ ይቓለስ ኣሎ ብምባል ኣብሪሆም፡፡

ብመሰረት’ቲ ዝተላእከኸልና ሓበሬታ እቶም 9 ወተሃደራት ኣባላት 32 ክፍለ ሰራዊት ሓለፎም ይሕደጎ ተፈሪ፡ ሙሳ ኢድሪስ መሓመድ፡ ሓየሎም ሓድጉ በርሀ፡ መጎስ መርሃዊ ተወልደ፡ ኣብርሃለይ ከሰተ ገ/ኣብ፡ ኣሚነ ሰመረ ቦኹሩ፡ ሄኖክ ክፍለ በየነ፡ ኣማኒኤል ባህረ ምሕረትኣብን ፍትዊ በዳሊ ጎይትኦምን’ዮም፡፡

—————————————-//////////////——————————————–

 

 

 

 

 

ረቡዕ 06/12/2017

ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ክትከፍት ንዘቅረበቶ ሓሳብ ብውሳነ ባይቶ እታ ሃገር ውድቒ ኮይኑ፡፡

ብ4 ታሕሳስ 2017 ኣብ ክትዕ ዝወዓሉ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ፡ እቲ ኤምባሲ ስዊዝ ኣብ ኤርትራ ክኽፈት ዝብል ዝቐረበ ሓሳብ ውድቒ ከምዝገበርዎ ካብታ ሃገር ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ክልተ ክንፍታት እታ ሃገር ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ’ዚ ዝተላዕለ ኣርእስቲ ኣልዒሎም ዝተመያየጡ ኮይኖም እቲ የማናይ ክንፊ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ክኽፈት፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስምምዕ ምስ መላኺ ኢሳይያስ ክፈራረሙ’ዩ ሓቲቱ ዘሎ፡፡

እቲ ጸጋማይ ክንፊ ብወገኑ ኣቐዲምና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ክንጽዕር ኣለና ዝበለ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ድማ እቲ ውሳነ ናይ የማናይ ክንፊ ውድቒ ኮይኑ’ሎ፡፡

ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዑቅባ ሓቲቶም ናብ ሃገሮም ዝመላለሱ ኤርትራውያን ክትጥርዞም ምዃና ዝገልጽ ጽኑዕ ሕጊ ከምዘውጸአ ይዝከር፡፡

—————————————-//////////////——————————————–

 

 

 

 

 

 

 

ረቡዕ 06/12/2017

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ን15 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ከውጽእ’ዩ፡፡

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሊብያ ሓደጋ መሸጣ የንጸላልዎም ንዘለው 15 ሽሕ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ፡፡

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ሕብረት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናይ ምውጻእ መስርሕ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ከም ዝሳለጥ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ብውሑዱ 20 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዘለው ዝጠቐሰ ቢቢሲ፡ መስርሕ ምፍታሕ እዞም ግዳያት ምስ ላዕለዋይ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝፍጸም ሓቢሩ፡፡

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከም ንብረት ይሽየጡ ምህላዎም ብማዕከን ዜና ሲኤንኤን ካብ ዝቃላሕ ንነጀው ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ካብ ምኹናን ሰጊሩ ስጉምቲ ይወስድ ምህላው ይፍለጥ፡፡

—————————————-//////////////——————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ረቡዕ 06/12/2017

ሱዳንን ጫድን ኣብ ዙርያ ጸጥታ ዶባተን ዘትየን፡፡

መራሕቲ ሃገራት ሱዳንን ጫድን ርእሰ ከተማ ጫድ ኣብ ዝኾነት እንጀማይና ተራኺቦም ኣብ ዙርያ ዶባዊ ጸጥታ ኣድሂቦም ሰፊሕ ዘተ ከም ዘካየዱ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ፡፡

ብጉዳይ ዕጡቓት ዳርፉር ንነዊሕ ዓመታት ክስሓሓባ ዝጸነሓ እዘን ሃገራት መራሕተን ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ ፍሕፍሓተን እናተመሓየሸ ይመጽእ ከም ዘሎ ይንገረሉ፡፡

ዝምድና ክልቲአን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ናይ ምውራድ ስርሒት የካይድ ብምህላው’ዩ፡፡

መንግስቲ ጫድ ብወገኑ ሱዳን ትወስዶ ብዘላ ስጉምቲ ሕጉስ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ፡፡

————————————–////////////////——————————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY