ዝርዝር ዜና 07-01-2018

0
1613

መላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ እናዳናገረ ዝነብረሉ ጊዜ ከምዘብቀዐ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

ተነጽሎታት ዝበርትዖ መላኺ ኢሳይያስ፡ ንህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምድንጋር ክመጻደቕ ይረኣ ‘ሎ ዝበሉ ርእይቶታቶም ናብ ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ዝለኣኹ ዜጋታት፡ ህግደፍ ንህዝቢ እናደናገረ ዝነብረሉ ግዜ ከም ዘኽተመ ገሊጾም።

ልሳናት እቲ መላኺ ዝኾና ማዕኸናት ሓበሬታ፡ ኣብ ዘቃለሐኦ ዘለዋ ምልክታታት መላኺ ኢሳይያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2017 ቃለ መሕትት ከካይድ ምዃኑ ይገልጻ ምህላወን ዝጠቐሱ እቶም ዜጋታት፡ ንዝለመዶ ናይ ምድንጋር መግለጺታት ክደግም እምበር ሓድሽ ብተግባር ዝሽረፍ ተስፋ ከምጽእ ኣይክእልን እናበለ ህዝቢ የዕልለሉ ምህላው ከኣ ኣፍሊጦም።

እቲ ዝግበር ቃለ መሕትት ንባዶ  ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጸኦ ፋይዳ የለን ዝብል ስምዒት ህዝቢ ተቐባልነት ህግደፍ ብህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ተበሊሉ ምህላው መርኣያ ’ዩ ‘ውን ኢሎም።

ብዘይ ህዝባዊ ፍቓድ ን25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ተኾድጩ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ መላኺ ኢሳይያስ ዓመት መጸ ኣብ ተግባር ዘይትርጎም መብጽዓታት ክድርድር ምጽንሑ ይፍለጥ።

———————————-////////////////———————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 07/01/2017

ኣብ ውሽጢና ተቐቢሩ ዘሎ ጽልኣት ምልኪ ናብ ቃልዕ ክሳብ ዘይወጸ ዕምሪ መላኺ ክሓጽር ዘይሕሰብ’ዩ ተባሂሉ፡፡

ገለ ደለይቲ ፍትሒ ናብ ኢመይል ኣድራሻና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ጽልኣት ምልክነት ናብ ቃልዕ ኣውጺእና ኣንጻር መላኺ ህግደፍ ክሳብ ዘይተቓለስና ቀጻልነትና ኣብ ሓደጋ’ዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም፡፡

ልዑል ርእሰ ተኣማንነት ከምዘለዎ መሲሉ ዝቐርብ መላኺ ኢሳይያስ ብውሽጡ ብነብስ ምትሓት ዝተሳቐየ’ዩ ዝበሉ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ስቕታና ግና ትብዓት ይፈጥረሉ ምህላዉ ኣገንዚቦም፡፡

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጥና ቀቢርናዮ ዘለና ፍርሒ ናብ ቃልዕ ኣውጺእና ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ መቓብር ክነውርዶ ይግባእ ኢሎም፡፡

————————————-////////////////——————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 07/01/2017

ዘለናዮ መድረኽ ዋሕዚ ስደት ዜጋታትና መዕገቲ ክርከቦ ዝጠልብ እዋን ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ብዘሎ ዋሕዚ ስደት ቡዙሓት ዜጋታትና ግዳይ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ሓደጋ’ዚ ክግደበሉ ዝኽእል መንገዲ ንምንዳይ ዘለናዮ መድረኽ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሬድዮ ወጋሕታ ዝተወከስቶም ወገናት ገሊጺም።

እቶም ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ናይ ተሌፎን ዕላል ዘካየዱ ዜጋታት ንምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ እንገብሮ ዘለና ስደት ካብ ግዜ ናብ ግዜ መመሲሉ ይሃስየና ከምዘሎ ኣነጺሮም።

ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ድማ ብኹሉ መዳይ ንለውጢ ተበጊስና ሓደ ኣድማዒ ተግባር ክሰርሕ ኣለና ክብሉ ኸኣ ተላብዮም።

————————————-//////////////———————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 07/01/2017

ሰእነት ስራሕ መንእሰያታ ንምውጋድ ኣበርቲዓ ተሰርሕ ምህላዋ ኡጋንዳ ኣፍሊጣ።

ማዕኸን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ – ኡጋንዳ መነባብሮ ህዘባ ንምምሕያሽ ብሓፈሻ፡ ስእነት ስራሕ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ንምውጋድ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ ገሊጹ።

ካብ ጠቕላላ ኡጋንዳውያን መንእሰያት እቶም 66 ሚኢታዊት ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ዝሓበረ ኣልጀዚራ ነዚ ንምፍዋስ መንግስቲ እታ ሃገር ቆሪጹ ተበጊሱ ምህላው ኣፍሊጡ።

ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር መንእሰያት ፈጠርቲ ስራሕ ክኾኑ  ብዘኽእል መልክዑ ይቕረጽ ምህላው ዝጠቐሰ ኣልጀዚራ እዚ ከኣ መንግስቲ ኡጋንዳ ህይወት መንእሰያቱ ንምምሕታሽ ንዘለዎ ድሉውነት ዘመስክር ከም ዝኾነ  ኣብሪሁ።

——————————————-///////////////—————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 07/01/2017

ሓይልታት ዒራቕ ንሓያሎ ከባቢታት ሞሱል ከም ዝተቖጻጸሩ ተገሊጹ።

ንኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ምህዳን ዝወፈሩ ሓይልታት መንግስቲ ዒራቕ ንዝበዘሐ ክፋል ሞሱል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከም ዘእተውን እዚ ድማ ንዝቕጽል ስርሒቶም ዝያዳ ሓይሊ ዝፈጥር ከም ዝኾነን ዥንዋ ኣብ ዘወሃሃዶ ዜና ገሊጹ።

እቶም ሓይልታት ንሰሜናዊ ከፋል እታ ከተማ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁጽጻሮም ድማ ንፈለማ ግዜ ምስ ምዃኑ ተኣሳሲሩ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ነቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ንምድምሳስ ዝተኻየደ ስርሒት 55 ኣኽረርቲ ሚሊሻታት ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ከም ዝቆሰሉን’ውን እቲ ዥንዋ ዘወሃሃዶ ዜና ኣፍሊጡ’ሎ ።

———————————////////////————————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY