ዝርዝር ዜና 07-02-2018

0
232

200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ከተማ ኣዲስኣበባ ተጠቀምቲ ዕድል ስራሕ ክኾኑ’ዮም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጎኒጎኒ ናይቲ ንዜጋታቱ ዝፈጥሮ ዕድላት ኤርትራውያን ንዝርከቡዎም ኣብ ሃገሩ ተዓቒቦም ንዘለዉ ስደተኛታት’ዉን ዕድላት ስራሕ ከምዝኸፍት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተቓነዐ ንስደተኛታት ዝምልከት ጉባኤ ቃል ምእታው ዝዝከር ኮይኑ፡ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ናብ ተግባር ይሰጋገር ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ፡፡

ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካል ትራስት ፈንድ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣፍሪቃን ኣብ ቀጸልቲ 2 ዓመታት ን1700 ዜጋታት ስራሕ ዕድል ከም ዝኽፈተሎም ዝተፈልጠ ኮይኑ ካብዚኦም እቶም 200 ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም፡፡

ነዚ ዕድል ስራሕ ናይ ምፍጣር ፕሮጀክት ልዕሊ 61 ሚልዮን ብር ፊናንሳዊ ባጀት ተመዲብሉ ዘሎ ኮይኑ ዕላምኡ ድማ ህይወት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ንምምሕያሽ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ቅድም ኢላ’ዉን ኢትዮጵያ ብ10ታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትና ንዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ህይወቶም ጠቓሚ ዝኾነ መስርሕ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ከምዘካየደትሎም ይዝከር፡፡

————————————-//////////////////—————————————–

ረቡዕ 7/02/2018

ንዓወት ዘቃላጥፍ ሓድሽ ናይ ቃልሲ መንገዲ የድሊ ምህላዉ ሙሁራት ዜጋታትና ኣፍሊጦም፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዕኡ ዘብቀዐሉን፡ ዓወቱ ዘቃላጥፍን ሓድሽ ስልታዊ  ቃልሲ  ይደሊ ምህላዉ ምንጭታትና ዝተወከሱዎም ገለ ሙሁራት ዜጋታትና ኣተንቢሮም፡፡

እቶም ሙሁራት፡ ሎሚ ህዝብና ሓደ ጥዑይን ከዐውት ዝኽእልን ኣገባብ ቃልሲ ይጠልብ ምህላዉ ዝሕብር’ዩ ብምባል፡ በዚ ከኣ ኩሉ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ዜጋ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ብመልክዕ ወፈራ ነቲ ስርዓት ኣብ ምልዋጥ ክጽመድ ከምዘለዎ ይሕብሩ፡፡

እቶም ዜጋታትና ኣብ መወዳእታ ፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዜግነታዊ ሓላፍነትና ኣብ ግብሪ ከነርኢ ምስንኽእል’ዩ ዓወትና ዝቀላጠፍ ብምባል መልእኽቶም ብተወሳኺ ሓቢሮም፡፡

———————————–/////////////////////————————————–

ረቡዕ 7/02/2018

እስራኤል ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ከምዝሃበት ይሕበር ኣሎ፡፡

መንግስቲ እስራኤል ኤርትራወያን ንዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ  ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ምጽናሕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም መርኣያ ናቱ ድማ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክወጹ ዝእወጅ ምልክታ ምዝርጋሓ ይሕበር ኣሎ፡፡

እቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ምልክታ፡ እቶም ስደተኛታት ቪዛ ከሐድሱ ናብ ቤትጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝኸድሉ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጽእ ፡መንግስቲ እስራኤል ድማ ናይ ነፋሪትን ተወሳኺ 3500 ዶላር ክፍሊት ከዳልወሉ ምዃኑን ዝገልጽ’ዩ፡፡

መንግስቲ እስራኤል ካብቲ ዘርጊሕዎ ዘሎ ምልክታ ብተወሳኺ፡ ነቲ ካብታ ሃገር ናይ ምውጻእ መስርሕ ዝነጸገ ስደተኛ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ምዃኑ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እንተኾነ እንተኣብዮም ነቶም ስደተኛታት ዝኣክል ቤት ማእሰርቲ ከምዘየለ’ዉን ሬድዮ ኤሬና ኣነጺራ’ላ፡፡

————————————//////////////////////———————————–

ረቡዕ 7/02/2018

ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከስመዖ ተመዲቡ ንዝነበረ መኽፈቲ መደረ ንዓመታዊ ኣኼብኡ ናብ ካልእ መዓልቲ ኣሰጋጊሩዎ፡፡

ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መኽፈቲ ዓመታዊ ኣኼብኡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጃኮብ ዙማ ከስመዖ ተመዲቡ ንዝነበረ መደረ ቀሪብሉ ምስዘሎ ክሲ ተዛሚዱ ናብ ካልእ ግዜ ከምዘሰጋገረ ቢቢሲ ጸብጺቡ፡፡

ኣብ ብልሽውና ኢድ ኔሩካ ዝብል ብርክት ዝበለ ክስታት ዝቐርበሉ ዘሎ ፕረዚደንት ዙማ፡ ስልጣኑ ክሓድግ ሓያል ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ፡፡

ፍቓደኝነት ናይቲ ፕረዚደንት ንምሕዳግ ስልጣን ዘይምህላዉ፡ ድማ ኣብቲ መኽፈቲ ጉባኤ ቃሉ ከየስምዕ ንምክልኻሉ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል’ዉን እንዳተገልጸ’ዩ፡፡

———————————–//////////////////////————————————–

ረቡዕ 7/02/2018

ሰሜን ኮርያ ምስ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ንዝጸነሓ ወጥሪ ዘፍኩስ ስጉምታት ትደፍኣሉ ምህላዋ ተገሊጹ፡፡

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ፡ ምስ ጎረቤት ሃገሩ ደቡብ ኮርያ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ንዝጸንሖ ሓርፋፍ ዝምድና ክፈትሕ ይኽእል’ዩ ዝበሎ ስጉምታት ክወስድ ጀሚሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ከም ናቱ መቐጸልታ ድማ ላዕለዋይ በዓል ስልጣኑ ናብ ሲኦል ንምልኣኽ ኣብ ምድላዋት ከምዝርከብ ኣገልግሎታት ዜና ቢቢሲን ቴሌግራፍን ጸብጺቦም፡፡

ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሳለጥ ኣህጉራዊ ውድድር ኦሎምፒክ ንሰሜን ኮርያ ዝውክሉ ስፖርታውያን ናብ ደቡብ ኮርያ ምእታዎም ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ደቡብ ኮርያውያን ሓቢሮም ብሓንቲ ባንዴራ ዝውከሉ ምዃኖም ድማ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ብናይ ሓጎስ ተስፋ ክሰራሰሩ ዝገብሮም’ዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

ኣባል ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፕዮንግዮንግ ናብ ሲኦል ዓርቢ 9 ለካቲት 2018 ክኣቱ ምዃኑ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ዝጠቐሱ እቶም ኣገልግሎታት ዜና፡ እዚ’ዉን ተወሳኺ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ተንቲኖም፡፡

————————————/////////////////////—————————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here