ዝርዝር ዜና 07-03-2018

0
279

ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘየሕለፈቶ ህይወት ከተሕልፍ ትቕሰብ ከምዘላ ተገሊጹ፡፡

ተቓላሲት ንፍትሒ ወ/ሮ ኣስገደት ተስፋሃንስ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕተት ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘየሕለፈቶ ህይወት ከተሕልፍን ክትሳቐን ተፈሪዳ’ላ ክትብል ገሊጻ፡፡

ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ጨርቃን ወርቃን ጥራይ ዘይኮነ ህይወታ ወፍያ’ዉን ታሪኽ ሰሪሓ’ያ ዝበለት ወ/ሮ ኣስገደት ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ህያው ታሪኻ ረሲዑ ዝወለደቶም ደቃ ይቅንጥጣን ናብ ዝኸፍአ ህይወት የሳጥሓን ኣሎ ክትብል ኣነጺራ፡፡

እዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ቃልሲ ዝሑል ከምዝኾነን ንሱ ድማ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ደቀንስትዮ መንፈስ እንታይ ገደሰኒ ስለዝዓብለለን እቲ ወጽዓ ክጋደድ ከምዝገበሮን ኣረዲኣ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕማቕ ደልሃመት ግዒዙ’ሎ፡ ኣዴታት ኣብ ጽርግያ ለመንቲ ኮይነን ክድርበያ ከለዋ እተን ኣብ ሃገር ኮይነን መሳርሒ ምልኪ ምዃን መሪጸን ዘለዋ ይኹና ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽቡቕ ናብራ ዘለዋ ደቀንስትዮ እዚ ጉዳይ ዳግመ ሪኢቶ ክገብራሉን ንድሕነት ህዝበን ሓቢረን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክጽንበራን ከኣ ኣብ መወዳእታ መልእኽታ ኣመሓላሊፋ፡፡

———————————–/////////////////////—————————–

ረቡዕ 07/03/2018

ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ኣብ ዘሄግ ዋዕላ ከካይዳ’የን።

ንፍትሕን ርትዕን ህዝቢ ኤርትራ ዝቓለሳ ዘለዋ ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ነበርቲ ዞባ ኤውሮጳ ብምኽንያት እቲ ንመበል 107 ዓመት ዝኽበር ዘሎ 8 መጋቢት ኣብ ዘሄግ ዓቢ ዋዕላ ከካይዳ’የን።

እቲ ዋዕላ 9 10 መጋቢት 2018 ዝሰላሰል ኮይኑ ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ዘለውኦ ሃለዋት ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ከምኡ’ውን ንፍጹም ዓወት እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓቢ ነጥቢ ክመያየጣየን ብመሰረት’ቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።

ብጀካ’ዚ ኣብ ሓሙስ 8 መጋቢት’ውን ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ይወርድ ንዘሎ ዓመጽን ግፍዕን ንምቅዋም ኣብ ዘሄግ ቀጽሪ እቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ’ውን ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

———————————-/////////////////———————-

ረቡዕ 07/03/2018

እስራኤል ኣብ ሆሎት ዝርከቡ ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ክወጹ ብምውሳና ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ከም ዝርከብ ይግለጽ ኣሎ።

ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠረት ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ክትሰጉግ ጻዕርታት ከተካይድ ዝጸንሐት እስራኤል ሕጂ’ውን ትቅጽለሉ ዘላ ኮይና ኣብ መዓስከር ሆሎት ሒዛቶም ዝጸንሐት ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ክወጹ ወሲና’ላ ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ትግርኛ።

እዞም ካብ ሆሎት ክወጹ ዝእዘዙ ዘለው ስደተኛታት ናብተን 7 ዝዓበያ ከተማታት እታ ሃገር ክአትው ዘይፍቐደሎም ብምዃኑ ብዘይ ዝኾነ መዕለቢ ኣብ ጎደናታት ይድርበዩ ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ።

ድሕር’ዚ ዝወጸ ውሳነ ኣብ 2መዓልቲ ጥራይ 76 ሰባት ካብ ሆሎት ዝወጹ ኮይኖም እቲ መዓስከር ክሳብ 14 መጋቢት ክዕጾ ምዃኑን ብሓፈሻ ድማ 550 ስደተኛታት ሒዙ ከምዝነበረን ወኪል ማሕበረኮም ስደተኛታት ኣድሓኖም ተኽለሚካኤል ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

 ነቶም ስደተኛታት ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ 2 ወርሒ ዝወደቕ መንቅሳቐሲ ፍቓድ ወረቐት ተዋሂብዎም ከምዘሎ’ውን ወሲኹ ጠቑሱ።

———————————-/////////////////———————-

ረቡዕ 07/03/2018

ድሕሪ መስዋእቲ ሓጂ ሙሳ፡ ስርዓት ህግደፍ ቤት ማእስቲ ዓዲ ኣቤቶ ብግፋ መንእሰያት ከም ዝመልኦ ተሓቢሩ።

ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዲያእ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሓጂ ሙሳ ዝተወሰደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ን4 ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽንሑ እቶም ሓርበኛ ኣቦ ኣብቲ ቤት ማእስርቲ ከም ዝዓረፉ ዝፍለጥ ኮይኑ ድሕሪ መስዋእቲ እዞም ኣቦ ድማ ስርዓት ህግደፍ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምግፋፍ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ከምዝዳጎኖም ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጀበርቲ ደይ ሚድያ ጉሩብ ልዕሊ 1000 ዝግመቱ መንእሰያት መብዛሕትኦም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ደቂ 9ተን 10 ዓመት ህጻናት ብ7ዓበይቲ በጥሓት እናተጻዕኑ ከም ዝተወሰዱን፡ ክዳንን መግብን ሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ንዝኸዱ ስድራ እሱራት ድማ ብዝመጽዎ ክምለሱ የፈራርሕዎም ከም ዘለውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ድማ እዞም ተኣሲሮም ዘለው ቆልዑ ባዕላቶም’ዮም ናዕቢ ኣልዒሎም ብምባል ጉጅለ ኢሳያስ መመሳመሲ ሓሳባት የቅርብ ከም ዘሎን ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ከኣ ኣብቲ ቤት ማእስርቲ ክጸንሑ ምዃኖም ከም ዝሓበሮምን የነጽር።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ወዶም ኣሕመድ ሙሳ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት ኣቡኡ ንሓቒ ዝሞቱ ጅግና ምንባሮም ገሊጹ’ሎ።

ስውእ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ቤት ትምህርቲ ዲያእ ንከይትዕጾ ክሳብ ህይወት ዝሓትት መስዋእቲ ከምዝኸፍሉ ሓደ እዋን ኣብ ዘስመዕዎ መደረ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

———————————-/////////////////———————-

ረቡዕ 07/03/2018

ባንኪ ዓለም ፕሮጀክት ጽዓት ኢትዮጵያ ንምድንፋዕ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ኣጽዲቑ።

ኢንተርናሽናል ደቨሎፕመንት ኣሶሴሸን ዝተባህለ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ማሕበር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ አብ ጽላት ጽዓት ተሳልጦ ንዘላ ገዝፍቲ ፕሮጀክታት ንምቅልጣፍ ዝውዕል ናይ 375 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ከም ዘበርከተ ጸብጺቡ።

ኢትዮጵያ ብቀረብ ካብ ብኽለት ኣየር ናጻ ዝኾነ ጽዓት ኣብ ትሕተ ሳሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣብ 2 ተርታ ከም እትስራዕ ዝጠቐሰ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ናእሽቱ ከተማታትን ገጠራትን እታ ሃገር ተጠቀምቲ ኤሌክትሪሲቲ ኮይነን ኣለዋ ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ዓለም ብምትሕብባር ካብ ህንጸት ምንጭታት ጽዓት ናብ ዝርግሐ ሙሉእ ጽዓት ክትሰጋገር ዘኽኣላ ስትራተጂክ ውጥን ብመገዲ ቀዳማይ ሚኒስተራ ብወግዒ ዕላዊ ከም ዝገበረት ዝዝከር’ዩ።

ባንኪ ዓለም ድማ ነዚ ውጥን ንምዕዋት ነቲ ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዘበርክት ገሊጹ’ዩ።

———————————-/////////////////———————-

ረቡዕ 07/03/2018

ልኡል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ከም ዝዘተየ ተገሊጹ።

ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ብጹእ ወቅዱስ ቴድሮስ 3 ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ።

ኣብተን ሃገራት ንደቀንስትዮ ዝወሃብ ዘሎ ግቡእ ቆላሕታ ንርክብ ክልቲኦም ወገናት ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኸኣለ’ውን ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት የነጽር።

ንደቐንስትዮ ዝወሃብ ትኩረት ኣብ ሃገራት ኤስያ ጽቡቕ ገስጋስ ይረኣ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ዝነኣድ ከም ዘይኮነ እቶም ተዛተይቲ ገሊጾም።

ብመዳይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ድማ ኣቡነ ቴድሮስን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን፡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ቅድም ክብል ካብ 5 ሓንቲ ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ ትቃላዕ ምንባራ ብምጥቃስ ኣብዚ ሕጂ ግን ካብ 3 ሓንቲ ንተመሳሳሊ ሽግር ከም ትቃላዕ ሓቢሮም።

———————————-/////////////////———————-

ረቡዕ 07/03/2018

ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ስጡም ምሕዝነት ክትምስርት ድልየታ ምዃኑ ገሊጻ።

ስርዓት ሰሜን ኮርያ ምስ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ንዓመታት ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድና ብምፍታሕ ስጡምን ሕውታውን ርክብ ንምምስራት ድሉው ምህላው ዝሕብር ምንቅስቓሳት የርኢ’ሎ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ደቡብ ኮርያ ብወገና ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ዝምራሕ 10 ኣባላት ዝሓዘ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብ ሰሜን ኮርያ ልኢኻ’ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝኣንገደቶ ኣህጉራዊ ውድድር ኦሎምፒክ ክልቲአን ኮርያታት ብሓንቲ ባንዲራ ተወኪለን ካብ ምጽዋተን ብተወሳኺ ሓፍቲ መራሒ ስሜን ኮርያ ኪም ጆንግኡን እትመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ሰበስልጣን ፕዮንግዮንግ ናብ ሶውል ኣምሪሑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ናይ ምትሕውዋስ ግዚኦም ከም ዝቐረበ ተስፋ ከንብሩ ከም ዝሓገዞም ይንገር።

———————————-/////////////////———————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here