ዝርዝር ዜና 07-12-2017

0
260

ብናዕቢ ኣኽርያ ዝተሰናበደ ጉጅለ ህግደፍ ሰለይቲ ቓርማታት ኣብ ምውፋር ተጸሚዱ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ ኣብ ኣኽርያ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ኣብ ፍጹም ምስንባድ ኣትዩ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዞባታት ከይተረፈ ሰለይቲ ቓርማታት ኣዋፊሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ’ውን ይቕጽለሉ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ሬድዮ ሰራሕተኛታት ገዛን ጸሓፍቲ ኣብያተ ጽሕፈትን ንላዕለዎት ሓለፍትን ዝኾና ደቀንስትዮ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኮይነን ከሰርሓ ይግደዳ’ለዋ።

እተን ደቀንስትዮ እቲ ዝወሃበን ዕማም ከም ሃገራዊ። ኣበርክትአን ርእየን ግድን ክሰማምዓ ጸቕጢ ዝገብር ምዃኑ ዝገለጸት እታ ሬድዮ ንዓዓተን ንምስዳዕ ድማ ክሳብ 1200 ናቅፋ ተወሳኺ ክፍሊት ክግበረለን ምዃኑ ሓቢራ’ላ።

ቀንዲ ዕማመን እቶም ሓለፍቲ ኣብ ገዝኦምን ቤትጽሕፈቶምን ዝገብርዎ ርክብ፡ ዝመጾም ሰብን ዝገብርዎ  ምንቅስቓስን ምሕባር’ዩ ።

———————————////////////————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 07/12/2017

ኤርትራ ንክትጓዓዘለን ዘፍርሓ ሃገራት ተባሂለን ካብ ዝተቐመጣ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።

ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝብል ስም ዝተዋህባ ሃገርና ኤርትራ፡ ንክትጓዓዘለን ኣፍራሕቲ’የን ተባሂለን ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ከም ዝተሰርዐት ኤክስፕረስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣቃሊሑ።

ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይ ቪዛ ናብ ኤርትራ ክኣትው ኣዝዩ ዝተኸልከለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ  ቪዛ ንምሕታት’ውን ክንደይ ገልታዕታዕ ከም ዘጋጥም ማዕከን ሓበሬታ ኤክስ ፕረስ ጸብጺቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ቪዛ ረኺቦም ናብ ኤርትራ ዝኣተው ወጸእተኛታት’ውን እንተኾኑ ናብ ዝደለዩዎ ናይ ምኻድ መሰል ከም ዘይበሎም ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ከይጓዓዙ ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ክህብ ምጽንሑ ይዝከር።

ሰሜን ኮርያ፡ ቱርክሚስታን፡ ኢራን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቡሕታን፡ ኣንጎላን ኪርባቲን ድማ ካብ ኤርትራ ስዒበን ኣስጋእቲ ተባሂለን ካብ ካልኣይ ክሳብ 7ዝተሰርዓ ሃገራት’የን።

———————————-//////////////————————–

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 07/12/2017

ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂሰባት መግትኢ ክግበረሉ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ዝተፈላለዩ ማሕበራት ተገደስቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣህጉራውያን ውድባት፡ ትካላት መራኸቢ ቡዙሃን ብዓቢኡ ድማ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ይካየድ ንዘሎ ግህሰት መሰል ይኹንኑ ዘለው ኮየኖም ግዳያት ባርነት ንዝኾኑን ይኾኑ ንዘለውን ሰባት ንምድሓን ገበነኛታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ንምእታው ይዝተዩን መደባት የወጽኡን ከም ዘለው ንጸብጻብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብምጥቓስ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ኣብ ዝለኣኸልና ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂ ሰባት ውጽኢት ናይቲ ዓለምና ትምርሓሉ ዘላ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩታትን ተፈጢሩ ዘሎ ሕሉፍ ነብሰ ፍትወትን ኮይኑ ነቶም ብቐጥታ ኣብዚ ገበን ዝዋፈሩ ዘለው ሰባት ብምቑጽጻር ጥራይ ደው ዝብል ዘይኮነ ግዳይ ይገብርዎም ንዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓታት ዘየላቡ ስጉምቲ ምሃብ ከም ዝኾነ ኣነጺሮም።

እዚ ጸረ ሰብኣዊ ፍጡር ዝኾነ ተግባር ካብ ዘለዎ ከይሰፍሕ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ብምጥቓስ ድማ ዝተፈላለዩ ትካላትን ኣካላትን ተስፋ ዘለዎ ምድላዋት ይገብሩ ከም ዘለው ጠቒሳ።

———————————//////////////////———————-

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 07/12/2017

ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ዝዘርግሐቶ ልምዓታዊ ትሕተ ቅርጽታት ወደብ ጁቡቲ ን50 ዓመታት ክትጥቀመሉ ዘኽእላ’ዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ጅቡትን ንድሕሪት ክምለሰሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ምትሕግጋዝ ዝርከባ ኮይነን፡ ብኩለመዳያዊ ልምዓታዊ ትሕተ ቅርጻ ይተኣሳሰራ ምህላወን ድማ ናቱ መግለጺ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሸዴ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሃገሩ ናብ ጁቡቲ ዝዘርግሓቶ ልምዓታዊ ትሕቲ ቅርጻን ወደብ ጅቡቲ 50 ዓመታት ንዝኣክል ግዜ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክትጥቀም ከም ዘኽእላ ሓቢሩ።

ብ4 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ህንጸቱ ተዛዚሙ ሙሉእ ኣገልገሎት ንምሃብ ኣብ ምድላዋት ዝርከብ ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ ዘመናዊ መስመር መንገዲ ባቡር ሓደ ካብቲ ትሕተ ቅርጻታት’ዩ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ እዚ ድማ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘስጥም’ዩ ኢሉ።

ዝርግሐ መስመር ጽሩይ ዝስተማይ’ውን ተወሳኺ መደልደሊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

—————————————–///////////////—————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 07/12/2017

ኣሜሪካ ኢዩሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ክትከውን ኣፍልጦ ሂባ፡ ሓያሎ ሃገራት ድማ ንኣፍልጦኣ ወቒሰን።

ኣሜሪካ ኢዮሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ክትከውን ምሉእ ድጋፍን ኣፍልጦን ሂባ ክብላ ማዕከናት ዜና ዓለም ይገልጻ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራም ኣብ መግለጺኡ፡ እስራኤል ንኢዮሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ክትከውን ድሕሪ ምውሳና ሃገሩ ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዝሃበት ብምጥቃስ፡ ካብ 1995 ጀሚሩ ኣብ ቴልኣቪብ ንዝነበረ ኤምባሲኡ ናብ ኢዮሩሳሌም ከም ዝግዕዝ ሓቢሩ።

ዝሓለፉ መራሕቲ እታ ሃገር ንከምዚ ውሳነ ክቃወሙ ምጽንሖም ዝጠቐሳ እተን ማዕከናት ዜና ንውሳነ ትራምፕ ሓያሎ ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ እንዳተቓወመኦ ይርከባ።

ፕረዚደንት ትራም ግና እስራኤል ርእሰ ከተማኣ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዋ በሃሊ’ዩ።

ፍልስጤማውያን ድማ ንውሳነ ኣሜሪካ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው።

ካልኦት ሃገራት ዓረብ’ውን ውሳነ እስራኤልን ኣፍልጦ ኣሜሪካን ብተግባር እንተተሸሪፉ ንመስርሕ ሰላም ፍልስጤምን እስራኤልን ከሐንኩሎ’ዩ ብምባል ቅሬትአን ገሊጸን ኣለዋ።

እተን ሃገራት ኣብ መግለጺአን ኣሜሪካ ዝሃበቶ ኣፍልጦ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ዘይሕጋዊ ሰፈራ ክተስፋሕፍሕ መገዲ ዝጸርግ’ዩ ክብላ ኮኒነነኦ ኣለዋ።

————————————–///////////////—————————-

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY