ዝርዝር ዜና 08-01-2017

0
1406

ህዝባዊ ባዓላት ከም ቀንዲ መደልደሊ ዝምድና ህዝብታት ኮይኖም ምህላዎም ስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጾም፡፡

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2017 በዓል ልደትን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ዝርከቡ ዜጋታትና ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነብር ህዝቢ ጽምብል ምክያዶም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ህዝባዊ በዓላት ንዝምድና ክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ምድልዳል ዝለዓለ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ተሳተፍቲ እቲ ጽምብል ዝነበሩ ዜጋታትና ንሬድዮና ብቴሌፎን ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።

ብደረጃ ኣመሓዳሪ ንመዓስከር ሓዲ ሓሩሽ ዘመሓድር ዘሎ ኣቶ ያቆብ ኣብርሃ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ መዓስከር ምስ ህዝቢ ከባቢኦም ብስኒትን ሓድነትን ይነብሩ ምህላዎም ብምጥቃስ ማሕበራዊ ርክባቶም የደልድሉ ካብ ዘለው ድማ ንኣብያተ ጸሎትን ስግዳንን ከምኡ ‘ውን ዕዳጋን ኣብያተ ትምህርትን ብኣብነት ዘርዚሩ።

ነባሪ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝኾነ መንእሰይ ቶፊቕ ኑርሑሴን ብግዲኡ እቲ ዝተኻየደ ጽምብል ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ሓደ ካብ ዕላማታት ምስጣም ሕውነት ክልቲኡ ህዝብታት ምንባሩ ኣብሪሁ።

እቶም ዜጋታት ኣብ መወዳእታ ንወደብቲ እቲ ጽምብልን ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ንህዝብን ምምሕዳር ወረዳ ጸለምቲን ድማ ብፍላይ ልባዊ ምስጋንኦም ድሕሪ ምቕራብ ከምዚኦም ኣብ ዝበሉ ህዝባዊ በዓላት ሰላምን ስጡም ምሕዝነትን ምስባኽ ተግባርና ይኹን ክበሉ ተላብዮም።

———————————-////////////////////——————————-

 

 

 

 

ሰንበት 08/01/2017

መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ሃብቲ ህዝቢ ናይ ምዝማት ተግባራቱ ሕጂ’ዉን የስፍሖ ምህላዉ ተገሊጹ፡፡

ግዱሳት ዜጋታት ካብ ውሽጢ ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ መጠን ግብሪ ንምብራኽ ብዝብል ምስምስ ገንዘብ ህዝቢ ንምዝማት ኣንቂዱ ምህላዉ ኣፍሊጦም፡፡

ህግደፍ ቁጠባ ሃገር ንምድንፋዕ ብዝብል ሕቡእ ሽርሒ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ግዱሳት  ምልካዊ ህግደፍ ኪንዮ ምዕናው ቁጠባ ዘመዝግቦ እወታዊ ለውጢ ከምዘየለ ብምጥቃስ ሕጂ ይገብሮ ብዘሎ ጉያ ጉያ ተወሳኺ ዕንወት ንምውራድ እምበር ዝሰርሖ ተኣምር ከምዘይህሉ ገሊጾም፡፡

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ብዝብል ምስምስ ንገንዘብ ህዝቢ ኣብ ባንክታት ክእሰር ዝገበረ መላኺ ኢሳይያስ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ሓድሽ ሜላ’ዉን ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፡፡

———————————-////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 08/01/2017

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብነጻ ዘሰጋግር ገባር ስናይ ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተኸሲሱ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ብነጻ ከሰጋግር ዝጸንሐ ፈረንሳዊ ገባር ስናይ ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

እቲ ስድሩክ ሄሩ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ሓረስታይ ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ብባብሩን ካልኦት ህዝባዊ መጓዓዝያታትን ምስጋር ንዘይከኣሉ ስደተኛታት ብመንገዲ እታ ንሱ ዝነብረላ ቁሸት፡ ጎቦታት እናቆራረጸ ከም ዘሰግሮምን ኣብ ጉዕዞኦም ከኣ ከም ማይ፡ መግብን ክዳንን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ከምዘቕርብሎም እቲ ሓበሬታ ወሰኹ የረድእ።

ቤት ፍርዲ ፈረንሳ በቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ገበነኛ ‘ዩ ኢሉ እንድሕር ወሲኑ ንሲድሩክ ሄሩ ናይ ሓደ ዓመት ጽኑዕ ማእሰርትን 30 ሽሕ ዩሮ ገንዘባዊ መቅጽዓትን ክብየነሉ ከም ዝኽእል ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ካልኦት ከምቲ ናቱ ዝዓይነቱ ሰናይ ምግባር ዝፈጸሙ ፈረንሳውያን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ኣበርቲዖም ይቃወምዎ ከም ዘለው ተገሊጹ።

ስድሪክ ሄሩ ብወገኑ ምእንቲ ሰብኣውነት ክብል ብዘይ ዝኾነ ረብሓ ዝገብሮ ዘሎ ብምዃኑ ከምዘይጥዓሰሉን ንቀጻሊ ‘ውን ተመሳሳሊ ጸገም ንዘጋጥሞም ስደተኛታት ካብ ምሕጋዝ ድሕር ከምዘይብልን ኣፍሊጡ።

———————————-////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

ሰንበት 08/01/2017

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምዕቛብ ቀዳመይቲ ምዃና ተገሊጹ።

ንትካል ስደተኛታት ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ከለር ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ኣብ ዓመተ 2015 በቲ ትካል ዳግመ ጥየሳ ክግበረሎም ካብ ዝተታሕዘ ውጥን እቶም 62 ሚኢታዊት ናብ ኣሜሪካ ከም ዝተጣየሱ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት CIS ዝተባህለ መጽናዕታዊ ትካል ካብ ዓመተ 2015 ንድሓር ናብ ኣሜሪካ ናይ ዝኣተው ስደተኛታት ቁጽሪ ልዕሊ 81 ሽሕ ከም ዝኾነን ብዝሒ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ 3 ደረጃ ከምዝርከብን ተፈሊጡ ‘ሎ።

ካናዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኖርወይን ዓባይ ብሪጣንያን ድማ ብብዝሒ ዝተቐበለኦምን ዑቕባ ዝሃበኦምን ስደተኛታት ካብ 2 ክሳብ 5 ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

———————————-////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 08/01/2017

ብኣቦ ዲሞክራሲ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ፖርቱጋል ነበር ዓሪፉ።

ብፖርቱጋላውያን ኣቦ ዲሞክራሲ እናተባህለ ዝጽዋዕ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ማርዮ ሶረስ ኣብ መበል 92 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈለየ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ን10 ዓመታት ዝኣክል ብዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ብዜጋታቱ ኣቦ ዲሞክራሲ ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ማርዮ ሶርስ ን12 ዓመታት ብመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትነትን ንሃገሩ ከም ዘገልገለ ጸብጻብ ቢቢሲ የነጽር።

ኣንጻር ምልኪ ብዝነበሮ ተሪር መርገጺ ን12 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበሊ ዝተፈረዶ ማርዮ ሶርስ በዚ ከይተሰናበደ ብዘካየዶ ቃልሲ ድሕሪ 48 ዓመታት ሃገሩ ካብ ምልካዊ ምሕደራ ሓራ ክትከውን ብምግባሩ ኣብ ልቢ ዜጋታቱ ልዑል ቦታ ክረክብ ኣኽኢሉዎ ‘ዩ።

———————————-////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 08/01/2017

ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ጋና ዕላዊ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ተረጋጊጹ።

ኦል ኣፍሪቃ ዳት ኮም ኣብ ዝዘርገሖ ዜና፡ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2016 ጋና ኣብ ዘሳላሰለቶ ፕረዚደንተኣዊ ምርጫ ብዓብላሊ ድምጺ ዝተዓወተ ናና ኣኩፎ ኣዶ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ጎደና ጸሊም ኮኾብ ተረኺቡ ሓድሽ ፕረዚደንት ሃገር ጋና ምኳኑ ዕላዊ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ብ7 ጥሪ 2017 ብዕሊ ስልጣኑ ዝተረከበ ፕረዚደንት ኣኩፎ ኣዶ ኣብ ዘስመዖ መደረ ድማ፡ ነዚ ሕያዋይ ህዝቢ ጋና ኣይከሕፍሮን ‘የ ድሕሪ ምባሉ፡ ንቁጠባዊ ዕቤየት ሃገሩ ናብ ዝለዓለ ጸፍሒ ንምብራኹ ዝከኣሎ ዘበለ ኩሉ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ውሕስነት ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ እጃሙ ንምብርካት ምስ ጎረባብቲ ሃገሩ፡ ተሓጋጊዙ ክሰርሕ ምኳኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓመተ 2008 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዘገልገለ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ናና ኣኩፎ ኣዶ፡ ኣብቲ ብ7 ታሕሳስ 2016 ዝተኻየደ ፕረዚደንተኣዊ ምርጫ 53.85 ሚአታዊት ብምርካብ ክዕወት ከሎ፡ ስዕረቱ ብጸጋ ዝተቐበለ ኣብ መንበረ ስልጣን ዝጸንሐ ጆን መሃማ ድማ፡ 44 ሚኢታዊት ድምጺ ‘ዩ ረኪቡ ነይሩ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ጋና 14ተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳተፍቲ ምንባሮም እቲ ዜና ወሲኹ የረድእ።

———————————-////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY