ዝርዝር ዜና 08-05-2018

0
223

ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሕማቕ ህይወት የሕልፉ’ለው።

ልዕሊ 15 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብሩላ ሃገረ ግብጺ፡ ንኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ዝገደደት ሲኦል ኮይናቶም ከም ዘላ ቅድም ክብል ኣባል ኮሚቴ ስደተኛታት ኣብ ካይሮ ሕጂ ድማ ኣባል ምምሕዳር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ኢክራም እስማዒል ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

ንሱ ኣብዛ መብዛትኦም ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ዝበዝሑላ ሃገር ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ግህሰት መሰልን ዝወርዶም ዘሎ ኮይኑ ነዚ ጸገሞም’ዚ ኣያ ኮይኑ ዝከላኸለሎም ወገን ከምዘይብሎም ኣነጺሩ’ዩ፡፡ ኣብታ ሃገር ተታሒዝካ እንተተቐጥቐጥካ ዋላ’ውን  እንተተቐተልካ ዘገድሶ ትካል ከምዘየለ ብምጥቃስ።

ጸገም ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤርትራዊ ፍሉጥ እናሃለወ UNHCR ይኹን ዋላ’ውን  ምስኡ ሓቢረን ዝዓያ ልዕሊ 15 ትካላት ስለኦም ተሓሊቐን ከምዘይማጎታን እቲ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ንጹር ስእሊ ከምዘይብሉን ዝሓበረ መንእስይ ኢክራም ኣብ ግብጺ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት’ውን 80 ሚኢታዊት ሰራሕተኛታቱ ግብጻውያን ምስ ምዃኖም ተዛሚዱ ብቋንቋ ናይ ምርድዳእ ጸገም ከምዘጋጥሞምን ብዙሓት ድማ ግዳይ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ክኾኑ ከምዝቕሰቡን ኣፍሊጡ።

ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ግፍዕታት ዝፈልጥ’ኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ግን ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘየለን መሕልፎ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እግሪ እግሮም እናተኸታተለ ኣብ ምፍርራሕ ተጸሚዱ ከም ዘሎን’ውን መንእሰይ ኢክራም ኣብቲ ምስ ድምጺ አስና ዘካየዶ ቃለ መሕታት ገሊጹ’ዩ።

ብርክት ዝበለ ቑጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ነበርቲ እታ ከተማ ብ6 ግንቦት 2018 ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ካይሮ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ብኻልእ ዜና ጉጅለ ህግደፍ ብ4 ግንቦት መንፈሳዊ መምህር ዜማ ዝኾኑ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝነብሩ ዝነበሩ ፈላሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ከም ዘሎ’ውን እታ መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ’ላ።

 

 

 

ምኽንያት መእሰሪ እዞም መነኮሰ ሽመት ኣባ ሉቓስ፡ ካህንን ዲያቆንን ክሽይም ከምዘይክእልን ቅዱስ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ዝጠልብን ሕቶ ብምቕራቦም ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

ብጀካ’ዚ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ብሰንኪ ተቓውሞ መነኮሳት ደብረቢዘን ደው ኢሉ ዝነበረ ምውራድ ካህናት ናብ ታዕሊም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕጽልን ተቓውሞ ንዘርእዩ ድማ ሓያል ስጉምቲ ክውሰደሎምን ብመገዲ ሃገራዊ ድሕነት ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያሪክ መጠንቐቅታ ኣውሪዱ ከም ዘሎን ተሓቢሩ’ሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኣላዪ ቤት ኤል ቃለ ህይወት ቤተክርስትያን ደቀምሓረ ፓስተር ዑቅባ ሚካኤል ተኽለ ሃይማኖት ጥዕንኡ ናብ ሞት ኣብ ዝተቓረብሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ጉጅለ ህግደፍ ፈቲሑ ንስድርኡ ኣረኪብዎም ከም ዘሎ ካልእ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

—————————————————–/////////////////———————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 08/05/2018

ብጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ትምእዘዝ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ከም በዓል ዓዲ ኣቤቶ ከቢድ ግፍዒ ዝፍጸመላ ከም ዝኾነት ተሓቢሩ።

ካብ ኣስመራ ኣስታት 6 km ርሒቓ እትርከብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ኣብ ዝሓለፉ 18 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሜጀር ጀነራል ገ/ሄር ውጩ ደሓር ድማ ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ትመሓደር ዘላ ኮይና ኣብዛ ቤት ማሕዩር እዚኣ’ውን ኣብ ከም በዓል ዓዲኣቤቶ ዝኣመሰላ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸም ግፍዒ ከም ዝካየደላን ብዙሓት ዜጋታት ግዳይ ኣሰቓቒ ሕልፈት ይኾኑ ከም ዘለውን ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ ሓሳብ ሳክቲዝም ገሊጹ።

ኣብ ፈለማ 2000 ብፖለቲካዊ ገበናት ንዝጥርጠሩ ዜጋታት ንምቕያድን ብዝተፈላለየ ምስምስ ብፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣቢሎም ንዝመጹ ፍሩዳትን ብትሪ ንምሓዝ ተባሂላ ቅድሚ ምቋም ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝተደኮነት ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ 76 ሸላታትን 85 ኮንተይነራትን ዝሓዘት ኮይና እተን ሸላታት በብ6ተን ልዕሊኡን ተላጊበን ዝተሃንጻን ነናተን መጸውዒ ዝተዓደለንን’የን።

ኣብ ማይ ስርዋ ዝተደኮና ኣብያተ ማእሰርቲ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ተባሂለን ዝምቐላ ኮይነን ኣብ ዘይረኣዩ ተባሂሎም ዝጽውዑ እሱራት 41ብ መዝነት ሓለፍቲ፡ ምሁራት፡ በርገሳውያን ተጠርጢሮም  ኣብ ዝተፈላለዩ ኮንተይነራት ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ምስምስ ዝተኣሰሩ 12 ኣዴታት ዝርከብኦም 40 እሱራት፡ ልዕሊ 9 ዓመታት ዝተኣሰረ ሓደ ኢትዮጵያውን ከምዝርከቡ ዝሓበረ ሳክቲዝም ፡ እዞም ንልዕሊ 5 ዓመታት ዝተሓየሩ ዜጋታት ብዝተፈላለዩ ከበድቲ ሕማማት ይሳቐዩን ግዳያት ሕዱር ሕማማት ኮይኖም ከምዘለውን ኣነጺሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ልክዕ ከም ዓዲ ኣቤቶ ኣብ ኣስመራ ዝሰኣንካዮ እሱር ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ከም ዝጸንሓካን ገለ ካብኣቶም ድማ ንእስነቶም ኣቡኡ ዝበለየ ኣባላት ሬድዮ ባናን ሓለፍቲ ፖሊስ ኤርትራን ኣብዛ ዚንጎ ዝማዕጾኣ፡ ብሓጹር ኳና ዝተኸበት ጽንዕቲ ቤት ማእሰርቲ ዘይትመስል ኣብ ውሽጣ ሸላታትን ኮንተይነራትን ዝሓዘት ቤት ማእሰርቲ  ከምዝርከቡ ሳክቲዝም ኣፍሊጡ’ሎ።

ብጀካ’ዚ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ላዕላዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ዜጋታት ብምብስባስ ከም መተሃላለኽን ከም መግለጺ ጅግንነቶም ከም ዝጥቐሙላን’ውን ተገሊጹ’ዩ።

 

ሰሉስ 08/05/2018

ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ስነ ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ፡ ድሑር ስምዒታት ዝፈጥሮ ምፍልላይ ከም ዝዓቢ ተሓቢሩ።

ቅድሚ 1991 ይኹን ድሕሪኡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ምፍልላይ ዝፈጠረ ድሑር ስምዒታት ውድባዊ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ፡ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃውን ከባብያውነትን ስምዒታት ከም ዝኾነ ኣቶ ፍስሃ ናይር ገሊጹ።

ብዝተፈላለየ ኣርእስታት ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኽቦ ጽሑፉ ዝዝርግሕ ኣቶ ፍስሃ ኣብ ባይታ ተፈጢሩ ዘሎ ድሑር ስምዒታት ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ዝንቡዕ ፖለቲካዊ አንፈትን ህዝቢ ኣብ ምፍልላይ ዝኽተሎ ኣካይዳን ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኤርትራ ዝተፈላለየ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ መበቆልን ታሪኽን ዘለዎ ህዝብታት ዝሓቆፈት ሃገር’ኳ እንተኾነት ተወዲብካ ጸላእን ፈታውን ተነጺሩ ንምቅላስ ብኸምቲ ዝድለ ደረጃ ስለ ዘይተበቕዐ’ዩ እዚ ቅልውላው ክመጽእ ክኢሉ ክብል ከም ዝጠቐሰ’ውን ነዚ ዜና ዝለኣኸልና ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጓስጓሳት ህግደፍ ብንቕሓት ክጥንቐቑ ከም ዝግባእ’ውን ተላብዩ’ሎ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ጽልኢ ንምፍጣር እስላማዊ ምንቅስቓስ እናበለ ብኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን’ውን ተዘሪና እናበለ ኣብ ባይታ ዘየለ ምስምስ እናመሃዘ ንህዝቢ ከደናግር ዝተፈላለየ ፈተነታት ከም ዘካየደን ሕጂ ድማ ኣብ ፓልቶካት ምስ ኢትዮጵያ ፌዴረሽን፡ ሓድነት እናበለ ኣቓልቦ ህዝቢ ክጥምዝዞ ብዙሕ ይዓ¥ ከም ዘሎን ነዚ ድማ ኩሉ ክነቅሓሉ ከምዝግባእን ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ኣብ ዝለኣኸልና ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

———————————————//////////—————————————–

 

 

 

ሰሉስ 08/05/2018

ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ንግድን ዲፕሎማስን ዘለወን ርክብ ዝያዳ ከደንፍዖኦ ተሰማሚዔን።

ካብ ናይሮቢ ኣብ ዝተዘርገሐ ዜና ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገሩ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት ስራሕ ናብ ሃገረ ኬንያ ኣምሪሑ’ውን ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ተራኺቡ ኣብ ሓያለ ክልታኣዊ ረብሓ ኣድሂቡ ዝተዘራረበ ኮይኑ ሃገሩን ኬንያን ኣብ መዳይ ንግድን ዲፕሎማስን ዘለወን ቁሩዕይ ርክብ ከሓይልኦ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ከም ዘለዋ ኣነጺሩ’ሎ።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መዳይ ቁጠባን ጸጥታን ከሙኡውን ወደብ ላሙ ብሓባር ኣብ ምልምዑን ኬንያ ካብ ኢትዮጵያ ንእትሽምቶ 400 ሜጋዋት ዝዓቐኑ ጸዓት ብዛዕባ ኣተገባብራ ዋጋ መሸጢኡን አድሂቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም’ዮም።

እቶም መራሕቲ ብተወሳኺ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ንዝርከቡ ሩባታትን ብዛዕባ ኣጠቓቅመኦምን ኣድሂቦም ዝተዛራረቡ ኮይኖም ብፍላይ ንክልቲኤን ሃገራት እተራኽብ ሞያሌ ማእከል ንግድን ቢዝነስን ምብራቕ ኣፍሪቃ ንክትኸውን ብሓባር ከልምዕዋ ተሰማሚዖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውን ሰብኣዊ ክብሮም  ተሓልዩ ንክነብሩን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ንክፍትሑን ብመሰረት ዘቕረቦ ሓሳብ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሓንጎፋይ ኢሉ ብምቕባል ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተግባራዊ ከምዝገብሮ ቃል ኣትዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ’ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ብምቕራብ ኣብ ማሕዩር ንዝነበሩ ዜጋታቱ ክፍትሑ ኣክኢሉ’ዩ።

————————————————//////////////—————————————————-

 

 

 

 

ሰሉስ 08/05/2018

3 ዑጡቓት ጉጅለታት ዳርፉር ንዝቕጽል 3 ኣዋርሕ ተግባራዊ ዝኸውን ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣካይዶም።

ሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ኣብ ዘቃለሖ ዜና ምንቅስቃስ ንፍትሕን ማዕርነትን (JEM) ምንቅስቃስ ሓርነት ሱዳን ሚኒ ሚንናዊ (SLM- MM)ን መሰጋገሪ ካውንሰል ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SLM-TC)ን ዝተባህሉ 3 ዕጡቃት ጉጅለታት ዳርፉር በብውልቐ ኣብ ዝወሰድዎ ተበግሶ ካብ 7 ግንቦት ጀሚሩ ን3 ኣዋርሕ ዝቕጽል ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተግባራዊ ገይሮም ኣለው።

ብ7 ግንቦት 2018 ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር መግለጺ ዕላማ ምቁራጽ  ተጻብኦታት፡ ድሕነት ሲቢካውያን ዜጋታት ንምውሓስን ንዝርከብ ሰላም ምችኡ ዝኾነ ከባቢ ንምፍጣርን’ዩ ክብል ድሕሪ ምንጻር እቲ ውሳኔ ኣብ ኩሉ ብግርጭት ዝተሓመሰ ዞባ ዳርፉር ተግባራዊ ክኸውን’ዩ ኢሉ።

እንተኾነ እዞም ኣብ ዳርፉር ዝቃለሱ ዘለው 3 ዑጡቓት ጉጅለታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጀበል ማራ ዝኾኑ ሰላማውያን ዜጋታት ዝወሰዶ መጥቃዕቲ ኮኒኖም ኣለው።

ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝርከብ ሉኡኽ ሕቡራት ሃገራት ግና ብዛዕባ ዕጡቓት ዳርፉር ዘቕረብዎ ኩነኔ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዋላሓደ ግብረ መልሲ የለን።

መንግስቲ ሱዳንን ክልተ ዑጡቓት ጉጅለታት ዳርፉርን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየድዎ ዘተ ሰላም ብዘይ ዋላ ሓደ ፍረ’ኳ እንተተዓጸወ ኣብ ቀጻሊ ተራኺቦም ዳግም ክዛራረቡ ግና ክልቲኦም ወገናት ድልዋት ምህላዎም’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

——————————————/////////////—————————————–

 

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here