ዝርዝር ዜና 08-06-2018

0
239

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ዶብ ባድመ ሓድሽ ዝህቦ መግለጺ ከምዘየለ ኣፍሊጡ፡፡

ንኩነታት ዶብ ባድመ ብዝምልከት ዝሓተቶ ምስ ዝፍጸመሉ ጥራይ ንዕርቒ ድሉው ከምዝኸውን ክገልጽ ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ቅሩብነት ንሰላም ዝህቦ መግለጺ ከምዘየለ ብመንገዲ ሚኒስተር ዜና የማነ ገ/መስቀል ኣቢሉ ገሊጹ፡፡

ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክትገብሮ ወሲና ኣብ ዝገለጸትሉ እዋን፡ ስርዓት ህግደፍ ንመዓልታት መልሲ ከይሃበ ሱቕ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ መርገጺና ንጹር’ዩ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ይኹን ውሳነ ዶብ ብዘየወላውል ካብ ንቅበሎ 16 ዓመታት ኮይኑ’ሎ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኤርትራ ከም ሓድሽ ትህቦ መግለጺ የብላን ክብል ነቲ ይተግበር እናበለ ከም መመሳመሲ ክጥቐመሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ባድመ መሊሱ ክሓላልኾ ይፍትን ኣሎ፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያ ዘርኣየቶ ቅሩብነት ናእድኦም ዝገለጹ ኤርትራውያን ደምበ ተቓውሞ፡ እንተኾነ ግን ጉዳይ መሬት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተዳዕኒኑ ዘሎ  ባርነትን ምንፋግ ቅዋምን ዝምልስ ስለዘይኮነ ቓልሶም ህግደፍ ንምእላይ ኣበርቲዖም ክቓለሱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ኣለው፡፡

—————————————-//////////////////————————————-

ዓርቢ 08/06/2018

መሬትና ንኢትዮጵያ ኣሕሊፍና ምሃብ ናብ ዳግማይ ምፍንቓልን ከርተትን ምስጣሕ’ዩ ክብሉ ነበርቲ ጾሮና ተቓውምኦም ገሊጾም፡፡

ዝነብሩሉ ዘለው ከባቢ ኤርትራዊ መሬትን መንነትን ከምዝኾነ ዝገለጹ ነበርቲ ጾሮና፡ ብመሰረት እዚ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣቅሪባቶ ዘላ ጻውዒት ሰላም መሬትና ናብኣ ዝኸይድ ብምዃኑ ንዳግማይ ምፍንቓልን ከርተትን ዕድል ኣይንኸፍትን ኢና ክብሉ ኣስሚሮም፡፡

ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ዕድመ ሰላም፡ ባህጊ ህዝቢ ዝጠልቦ ብምዃኑ እቲ ህዝቢ ብሰላም ከምዝተቐበሎ ዝገለጸ ሳሚኤል ዝተባህለ ተቐማጢ ከባቢ ጾሮና፡ እንተኾነ ግን እቲ ህዝቢ መሬትና ክውሰድ’ዩ ብዝብል ፍርሒ ኣብ ስግኣት ተሸሚሙ ከምዘሎ ገሊጹ’ዩ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ብህግደፍ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ምፍንቓልን ምሕዳግ መሬትን ከምዘጋድዶ ብምግላጽ፡፡

ኣብ ገዛእ መሬቶም ሰላም ተሓሪሞም ጥቅኦም ኣብ ዘሎ ሩባ ከይጥቐሙን ምስ ዝቀትለኩም ህዝቢ ከመይ ኢልኩም ትሓብሩን ዝብል ምስምስን ጸቅጥን ህግደፍ ብቐጻሊ ክወርዶም ዝጸንሐ ነበርቲ ጾሮና፡ ሕጂ ከኣ ኣሽሓት ህይወት ንዝኸፈሉሉ ቦታ ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ ብኣጽንኦት ገሊጾም ኣለው እቲ ኩነታት ዳግማይ ክሕሰበሉ ብምጥላብ፡፡

ነባሪ ጾሮና ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝርከቡ ተጋሩ ኣሕዋቱ ካብ ቀደም ስጡም ፍቅሪ ከምዝነበሮን ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ’ውን ዋላ’ኳ ብህግደፍ ጸቅጢ እንተበዝሖ ብወገን ኢትዮጵያን ግን ጽቡቕ ምቅርራብ ከምዝነበረን እቲ መንእሰይ ኣብቲ ምስ SBS ዘካየዶ ቃለ መሕተት ገሊጹ’ዩ፡ ብተደጋጋሚ ዓጋመ ኢኹም ዝብል ጸርፍን ተነጽሎን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝበጽሖም ብምጥቓስ፡፡

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን መሬትና ክውሰድ ስለዘይነፍቅድ ንህዝብን ዓበይቲ ዓድን ዕድል ዘተ ክፍጠረሉ ኢና ንጠልብ ክብል’ውን ገሊጹ፡፡፡

—————————————-//////////////////————————————

ዓርቢ 08/06/2018

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሓለውኡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከዛይድ ጸዊዑ፡፡

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ፈሊፖግራንዲ ኣብ እስራኤልን ሊብያን ብፍላይ ዘለው ሓለዋ ዘድልዮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገብሮ ክትትል ከዛይድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ጎንጺ ዝምልከት ዘውጸኦ መግለጺ ጸዊዑ፡፡

ቅዳሕ ናይቲ ናብ ኮሚሽን ስደተኛታት ዝተሰደ መዘክር ናብ ሕብረት ኣፍሪቓ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ዘለዋ ኤምባስታት ኣፍሪቓን ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጄኔቫ ናብ ዝርከብ ልኡኽ እስራኤልን ዝተላእኸ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤምባሲታት ህግደፍ ጠንቒ ግጭትን ምፍልላይን ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ’ሎ፡፡

ብጀካ’ዚ እስራኤላውያንን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ካልኦት ኣካላትን ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት ብዝብል ጉልባብ ንህግደፍ ዝድግፉ ዜጋታት ናብ ዓዶም ክሰድዎም መሰረታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡

ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ካልእ ከባቢታት’ውን ኣሻቓሊ ምህላውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ነቶም ካብ ጭውያ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ዝገበሮ ደገፍ ከዛይድን ብዕቱብ ክከታተሎን ’ውን ብተወሳኺ ተማሕጺኑ’ዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡፡

—————————————-//////////////////————————————-

ዓርቢ 08/06/2018

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ እገዳ ኣንቢሩ፡፡

ከም ሓበሬታ መደብር ዜና ቢቢሲ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሃገረ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝዓረዱ 2 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 6 መራሕቲ መርበባት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ፡፡ እዞም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መዝገብ እገዳ ዓለም ይሰፍሩ ከምዘለው ብምንጻር፡፡

እዞም ኣብ ጸሊም መዝገብ እገዳ ሰፊሮም ዘለው ኣውራ ተዋሳእቲ ድማ፡ ሊብያ ኣብ ዝግበር ምስግጋር ደቂ ሰባት ሽሙ ዝገነነ ኤርትራዊ ኤርምያስ ግርማይ፡ ኤርትራዊ ፍትዊ ዓብደል ረዛቕ፡ ሊብያውያን ድማ መራሒ ሚልሽያ ኣሕመድ ዑመር፡ ሙሳብ ኣቡ ቃሪን፡ መሓመድ ካችላፍ ከምኡ’ውን ኣብ ምዕራብ ሊብያ ንዝዓረደት ሹሃዳ ኣልናስር ንዝተባህለት ብርጌድ ዝመርሕን ሓላፊ ኣሃዱ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዝኾነን ኣብድ ኦል ራሕማን ኣልሚላድን’ዮም፡፡

እዞም ገበነኛታት ንብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከል መቐየዲ ሊብያ ዳጉኖም ግዳይ መግረፍትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝገብርዎም ዘዘኻኸረ እቲ ሓበሬታ፡ ብተወሳኺ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝግመቱ ስደተኛታት ኣሽሓት ዶላራት እናኽፈሉ ውሑስነተን ኣብ ዘይተሓለዋ ጀላቡ ብኣስገዳድ እናጻዓኑ ናብ ሓደጋ ባሕሪ ከምዘሳጥሕዎ’ዮም ዝንገር፡፡

እዚ ብመንግስቲ ሆላንድ ቀሪቡ ብማሕበረሰብ ዓለም ሙሉእ ደገፍ ዝረኸበ እገዳዊ ንድፈ ሓሳብ፡ ኣብ ልዕሊ’ዞም ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ዘለው ገበነኛታት እገዳ ዓለምለኻዊ ጉዕዞ ክግበረሎምን ንብረቶም ክድስክልን ዝብል’ዩ፡፡

—————————————-//////////////////————————————-

ዓርቢ 08/06/2018

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ብኽብሪ ኣሰናቢትዎ፡፡

ከም ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ፡ ኣብ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ብክብሪ ከምዝተሰናበተ ኣፍሊጠን፡፡

ፕረዚደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ኣብቲ ዝተገበረ ስነስርዓት ምፍናው ተረኺቡ ንጀነራል ሳሞራ ዮኑስ፡ ናይታ ሃገር ዝለዓለ ሽልማት ኒሻን ኣበርኪቱሉ’ዩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ ቃል ድማ፡ ናብ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ክብሪ ንዝበጽሐ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ እንቋዕ ሓጎሰካ ብምባል፡ ሃገር ኣብ ምክልኻል ዝለዓለ ናይ ኣመራርሓ ግደ ተጻዊቱ’ዩ ክብል ገሊጽዎ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንጀነራል ኣደም መሓመድ ድማ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕነት ገይሩ መዚዝዎ’ሎ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ደስኪሎም ዝጸንሑ፡ ክልተ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ነበር፡ ሙሉእ መዓርጎም ተሓልይሎም ብጥሮታ ክፋነው መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኑ ኣሎ፡

እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ጽገናዊ ለውጢ ድማ ብብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ገዚፍ ተቐባልነት ይረክብ ከምዘሎን ምትኽኻእ ስልጣን’ውን ስጋብ ታሕቲ ክወርድ ከምዝግብኦን ሪኢትኦም ይገልጹ ኣለው፡፡

—————————————-//////////////////————————————-

ዓርቢ 08/06/2018

ተቐናቐንቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ኣብ ካርቱም ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ፡፡

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪርን ኣውራ ተቐናቓኒኡ ሪክ ማቻርን ኣቦ ወንበር ኢጋድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣብ ዝተረኸበሉ 17 ሰነ 2018 ኣብ ከተማ ካርቱም ክራኸቡ ከምዝተወሰነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ዝተዘርገሐ ዜና የፍልጥ፡፡

መራሕቲ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ንልዕሊ 4 ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ሕድሕድ ኲናት ሓንሳብን ንሓዋሩን መዕለቢ ንክግበረሉ ብኢጋድ ይግበር ንዘሎ ጻዕሪ ኣዕጋቢ ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ ፊት ንፊት ተራኺቦም ክዘራረቡ ተዳልዮም ምህላዎም ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሱዳን ኣመልኪቱ፡፡

ድሕሪ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝካየድ ኣኼባ ድማ፡ 2ቲኦም መራሕቲ ጎኒ ንጎኒ ሞውሪታንያ ኣብ ዝጋባእ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ከካይዱ ምዃኖም ውጥን ተታሒዙ ኣሎ፡፡

ኣብ ህልኽ ተሸሚሞም ዝርከቡ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን፡ ነዚ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት በሊዑ ብሚልዮናት ንዘፈናቐለ ሕድሕድ ኲናት ኣብዛ ተዋሂባቶም ዘላ ናይ ዜሮ ሰዓት ዕድል ክፈትሕዋ እንተዘይኪኢሎም ድርብራብ እገዳታት ይጽበዮም ከምዘሎ ኣብ ናይ ትማሊ እወጃ ዜናና ምቅላሕና ይዝከር፡፡

—————————————-//////////////////————————————-

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here