ዝርዝር ዜና 09-12-2017

0
588

ካብ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ድሕነት ምጽባይ ካብ ዳንዴር ስርናይ ምጽባይ’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሊብያ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ዜጋታተን ኣብ ምውጻእ ተጸሚደን ዝርከባ ኮይነን ገለ የውሃት ዜጋታትና ጉጅለ ህግደፍ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ሓዘን ከምዝተሰመዖም ዝጠቐሱ ገለ ሙሁራት ወገናትና፡ እንተኾነ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ጽቡቕ ምጽባይ ማለት ካብ ዳንዴር ስርናይ ምሕፋስ ማለት ከምዝኾነ ገሊጾም፡፡

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነቶም ብሕሱም ምሕደርኡ ተማሪሮም ዝወጹ ዜጋታትና ሓተላ ግለት ክብል ምዝላፉ ብምዝኽኻር ድማ እቶም ሙሁራት፡ ሕጂ ብተኣምር መልኣኻዊ ስራሕ ክፍጽም ትጽቢት ከምዘይግበረሉ ኣነጺሮም፡፡

እቶም ሙሁራት ኣብ መግለጺኦም ካብ ምልካዊ ህግደፍ ግዝያዊ ይኹን ዘላቒ ፍታሕ ካብ ምጽባይ ንዕኡ ንምእላይ ናብ ቃልሲ ምውፋር ከምዘዋጽእ ምዒዶም፡፡

————————————————///////////////////———————————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 09/12/2017

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሳዋ ኣሲሩዎም ንዝጸንሐ ኣመንቲ ጅሆቫ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ናብ ማይ ስርዋ ኣሰጋጊሩዎም ተባሂሉ፡፡

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ኣብ ዘቃለሐቶ ዜና ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሳዋ ኣሲሩዎም ንዝጸንሐ ብርክት ዝበሉ ኣመንቲ ጆሆቫ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ናብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ከምዘሰጋገሮም ሓቢራ፡፡

ብዝሒ ናይቶም ንግዚኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሳዋ ናብ ማይ ስርዋ ግዒዞም ዘለዉ ኣመንቲ ጆሆቫ 19 ኮይኑ ጳውሎስ ኢያሱ፡ ነገደ ተኽለማርያምን ኢሳቕ ሞጎስን ዝተባህሉ ካብ መስከረም 1994 ኣትሒዞም ዝተኣሰሩ ይርከቡዎም ክትብል’ዉን እታ መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ፡፡

እዞም ግዳያት ንክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ብዘይዝኾነ ፍርዲ ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኮይኖም ወለዶም’ዉን ብድሕሪኦም ተኣሲሮም ምስ ዝጸንሑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ከምዝተራኸቡ’ዉን ኣፍሊጣ፡፡

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዘስፈረቶ ጽሑፍ እቶም ግዳያት እንታይ የጋጥመና ብምባል ብሃንቀውታ እንዳተጸበዩ እንዳሃለዉ ሃንደበት ብዝኾነ ሰብ ከይብጽሑ ካብ ምልካዊ ህግደፍ መምርሒ ወሪዱ’ሎ፡፡

——————————————————–///////////////———————————————-

 

 

 

 

 

ቀዳም 09/12/2017

ፕረዚደንት ሱዳን ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ብኩሉመዳዩ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብራኹ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ፡፡

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብምኽንያት መበል 12 ዓመት ምጽዳቕ ቅዋም ኢትዮጵያን መዓልቲ ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን እታ ሃገርን ኣብ ዝተጸምበለ ስነስርዓት ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ምዕሟቕ ዝምድና ሃገሩን ኢትዮጵያን መግለጺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝህረም ዘሎ ስትራተጂካዊ ሸቶ’ዩ ክብል ገሊጹዎ፡፡

ፕረዚደንት ኣልበሽር ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንቋዕ ኣብጽሓካ ብምባል መደርኡ ድሕሪ ምጅማር ስጡም ርክብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ክንዮ ክልቲአን ሃገራት ንመላእ ማሕበረሰብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ዉን ኣርባሒ ከምዝኸውን ሓቢሩ፡፡

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ብኣሜሪካ ተነቢሩ ንዝጸንሐ ማዕቀብ 20 ዓመታት ክለዓል ሰሪሐን’የን ዝበለ እቲ ሱዳናዊ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ድማ ኣብዚ መዳይ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዋ መስኪሩ፡፡

ርክብ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ብኩሉ መዳዩ ናብ ዝለዓለ ጫፉ ንምብራኽ ድማ ከይተሓለለ ከምዝሰርሕ ተመጻቢዑ፡፡ ምንጪ ዜናና ሱዳን ትሪቡን’ዩ፡፡

————————————————–//////////////////————————————————-

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 09/12/2017

መንግስቲ ዒራቕ ካልኣይ ዙር በርቃዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣይኤስ ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ፡፡

ማዕከን ሓበሬታ ሮይተርስ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ወተሃደራት ኢራቅ ኣብ በረኻታት ሃገሮም ዓሪዱ ንዘሎ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣይኤስ ሙሉእ ንሙሉእ ንምድምሳሱ ዝዓለመ ካልኣይ ዙር ወፍሪ በርቃዊ መጥቃዕቲ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

እቲ ብኣሸሓት ኣጽዋርን ድሩዓት ታንክታትን ዝተዓጀበ ሰራዊት ኢራቅ ኣብ ሞንጎ ግዝኣታት ኒንቨህን ኣንበርን ናብ እትርከብ ዞባ ብምቕናዕ ኣንጻር ጉጅለ ኣይኤስ ዘቕንዐ ጽዑጹዕ ኵናት የካይዱ ኣለዉ፡፡

ኣብቲ ኵናት ናይ እትሳተፍ ዘላ ኣሃዱ ሓላፊ ዝኾነ ሓደ ብርጋዴር ጀነራል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ መጥቃዕቲ ኣብዛ በረኻ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ጸላኢ ፍርቁ ተገሚዑ ከምዝተወገደ ድሕሪ ምሕባር እዚ ናይ ሕጂ ዕላማ ድማ ነዚ ኣሸባሪ ጉጅለ ሙሉእ ብሙሉእ ምድምሳስ ወይ’ዉን ጸራሪግካ ምውጻእ’ዩ ክብል ኣረዲኡ፡፡

ካብ ዓመተ 2014 ጀሚሩ ዳርጋ ኣብ መላእ ግዝኣተ ኢራቅ ከምቅንጣሻራ ኣስፋሕፊሑ ንዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ንዓለምና ድማ ብሓፈሻ ኣውራ ስግኣት ኮይኑ ዝጸንሐ ኣኽራር ጉጅለ ኣይኤስ ካብ ሓይልታት ኢራቕ ብዝወረደን ገና’ዉን ይወርዶ ብዘሎ ሓያል መጥቃዕቲ ሕቑኡ ተጎዝዩ ኣብ ገምገም ናይ ዜሮ ሰዓት ከምዝርከብ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ የስምሩሉ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣሸባሪ ኣይኤስ ኣብ ምድሪ ሶሪያ ዝነበሮ ህላዌ’ዉን እናተጸንቀቐ ከምዝርከብ ብተደጋጋሚ ምሕባርና ፍለጥ፡፡

—————————————————-/////////////////////—————————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here