ዝርዝር ዜና 10-02-2017

0
1708

ውልቀ ምልካዊ ጉጅለ ኢሳይያስ መሻርኽቲ  ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኮይኑ ይቕጽል ምህላው ተፈሊጡ።

ውሽጣዊ ምንጭታትና ብኢመይል ኣድራሻና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ፡ ምልካዊ ጉጅለ ብዝኽተሎ ጋሕማጥ ፖሊሲ ምስ ህዝቡ ተባእሱ ካብ ዓለም ተነጺሉ ምህላው ብምዝኽኻር፡ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ባይታ ከሊኡ ኣብ ሱዳን ምስ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ዕርክነት መሰሪቱ ይቕጽል ምህላው ኣቃሊዖም።

እዚ ምልካዊ ጉጅለ ንሕጋውያን ነጋዶ ምሳይ ሽርክና እተው እናበለ ከም ዘገድዶምን ካብ ዝኣተውዎ ሽርክና ቀስ ብቐስ እናርሓቐ ባዕሉ ከም ዝግብቶን ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታትና ከም ሳዕቤኑ ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ምቁራጾም ስዒቡ፡ ምስ ኣብ ኮንትሮባንድ ዝነጥፍ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ምሕዝነት መስሪቱ ንቁጠባ ሃገር ባይታ የዝብጦ ምህላው ኣፍሊጦም።

ብመገዲ ኮንትሮባንድ ዝኣተወ ብሚልዮናት ሊትሮታት ዝግመት ነዳዲ ኣብ ሓድ ሕድ መከፋፈሊ ተዓቒሩ ኣሎ ብምባል ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዘሎ ክልተ ማዕቐባት ከኽርር ከም ዝኽእል ካብ ዘለዎ ስግኣት ተላዒሉ ንህዝቢ ካብ ምዕዳል ተዓቂቡ ምህላው ኣብሪሆም።

—————————————////////////////—————————————- 

ዓርቢ 10/02/2017

ህዝቢ ኤርትራ ባህጉ ከይረኸበ ዝሓለፎ ነዊሕ ዓመታት ከብቅዕ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ሬድዮ ወጋሕታ ዝተወከሰቶም ወገናት ከምዝገለጽዎ ንዓመታት ተቃሊሱ መሬታዊ ናጽነቱ ጋህዲ ዝገበረ ህዝቢ  ኤርትራ እቲ ዝበሃጎ ሓርነት ከይረኸበ ክሳብ ሕጂ ብስቅያት ዝመጾ ግዜ ከብቅዕ ኣለዎ።

ካብ ኩሉ ‘ቲ ንድሌታት ህዝቢ መሰረት ጌሩ ዝተኻየደ ቃልሲ ዋላ ሓንቲ ‘ኳ ኣብ ግብሪ ኣይተረጋገጸን ዝበሉ ‘ቶም ዜጋታት ስልጣን ህዝቢ ብሒቱ ዝርከብ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ፡ ውሁድን ሓበራውን ቃልሲ እቲ ወሳኒ ኩነት ምዃኑ ኣነጺሮም።

እቲ ክረጋገጽ እንደልዮ ለውጢ ድማ ክንድቲ ዝሓለፍናዮ ግዜ ከይወሰድና ንተግባራውነቱ ክንተብዕ ኣለና ክብሉ ኣነጺሮም።

—————————————////////////////—————————————- 

ዓርቢ 10/02/2017

በስገዳድ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ክኾኑ ዝተመዘዙ መንእሰያት እምቢትኦም ይገልጹ ከም ዘለው ተሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ፡ ሞያዊ ትምህርቲ ንምቕሳም ተባሂሎም ናብ ኩርሙድ ዝመጹ‘ሞ ክሳብ ‘ታ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ዝረኽቦም ዝኾነ ኣፍልጦ ከይተዋህቦም ዝጸንሑ 160 ተማሃሮ መበል 29 ዙርያ እቶም ልዕሊ 70 ሚኢታዊት  ኣብያኦም  ገሊጾም ኣለው።

ሞያ ትምህርቲ ኣለኩም ተባሂልና ተሓሪና መጺና ክነስና መን‘ዩ ናብ ዘይንደልዮ ስራሕ ከእትወና ወሲኑ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ተቓውሞታትን ድሕሪ ምልዓሎም ብጀኻ ‘ቶም 43 እቶም 117 ነቲ ዝተባህለ ስራሕ ፍቃደኝነቶም ከምዘይፈረሙ ተገሊጹ ‘ዩ።

እቶም ነዚ ኣብያ ዘርኣዩ ሰባት ንጽባሒቱ ንልዕሊ 9 ስዓታት ኣድካሚ እግሪ ጉዕዞ ክገብሩ ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብረሃ ካሳ መቕጻዕቲ ከምዝተበየነሎም ‘ውን እታ ሬድዮ ገሊጻ‘ያ።

—————————————////////////////—————————————- 

ዓርቢ 10/02/2017

መንግስቲ ሱዳን ኣስታት 30 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ንክምለሱ ጸቕጢ ይገብር ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ካብ ዶባት ግብጺ ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝተመልሱ ኣስታት 30 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣጥበራ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጊኖም ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ንክምለሱ ልዑል ጸቅጢ ይግበረሎም ከም ዘሎ ድምጺ ሰላምን ዴሞክራስን ኤርትራ ብኢመይልና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እቲ ዝተልኣኸልና ሓበሬታ፡ መንግስቲ ሱዳን ብዙሓት ኤርትራውያን ቅድም ክብል ተመሳሳሊ ማእሰርቲን ድሕሪ ማእሰርቲን ድማ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ከረክቦም ዝጸንሐ ኮይኑ እቶም ናብቲ ጉጅለ ዝተረከቡ ዜጋታትና ብህይወት ምህላዎምን ‘ውን ሓበሬታ ከምዘየለ ‘ዩ ዘረድእ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሱዳን ዘለው ዜጋታትና ኣብ ዓሚቕ ሻቕሎት ከም ዘለውን ኩሎም ግዱሳትን ዝምልከቶም ሰብኣውያን ትካላት ኣብ ምድሓኖም ክረባረቡ ተማሕጺኖም ኣለው።

—————————————////////////////—————————————- 

ዓርቢ 10/02/2017

ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ሶማልያ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም።

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ሶማልያ ማሕመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ከም ዝሰደዱ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ገሊጸን።

ዛጊት  መራሕቲ ኢትዮጵያ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን መልእኽቲ እንቋዕ ሓጎሰካ ዝሰደዱ ኮይኖም እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘበን ስልጣኑ ንሃገሩ ካብ ኩሉ ጸገምን ዘይምርግጋእን ንምውጻእ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ደገፎም ካብኡ ከምዘይፍለ ኣረዲኦም።

ሶማልያ ንልዕሊ 25 ዓመታት ጽዑቕ ኵናት ሕድሕድን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣልሸባብን ዝፈታተና እኳ እንተኮነ ነዚ ኩሉ ጸገማት በዲሃ ሰላማዊ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን መስርሕ ምርጫ ብምግባር ዕውት ምስግጋር ስልጣን ብምክያዳ ናእዳ ማሕበረሰብ ዓለም ረኺባ ከም ዘላ እቲ ዜና ወሲኹ የረድእ።

—————————————////////////////—————————————- 

ዓርቢ 10/02/2017

ኬንያ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ንምዕጻው ዘቕረበቶ ውጡን ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንጹግ ከምዝገበሮ ተሓቢሩ።

ብመንግስቲ ኬንያ ካብ ዓለምና ብግዝፈቱ ዝፍለጥ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ንምዕጻው ዝቐረበ ሓሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከምዝነጸጎ ስኤንኤ ሓቢሩ።

እዚ መዓስከር ንልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ሶማልያ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ተቐቢሉ ከአንግድ ዝጸንሐ ኮይኑ ኬንያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘጋጠማ ተዳጋጋሚ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክትዓጽዎ ውጡን ከምዝነበራ የረድእ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ኣስታት 260 ሽሕ ሶማልያውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጡ ዝሓዘ ኮይኑ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንዝሃቦ ውሳነ ድማ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝደገፍዎ የረድእ።

እዚ ከምዚ ‘ሉ እንከሎ ጀርመን ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ውጡን ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

መራሕቲ መንግስቲ ጀርመን ኣንጌላ ማርከል ናይ ስደተኛታት ሕቶ ኣቕሪቦም ጉዳዮም ተቐባልነት ዘይረከቡ ስደተኛታት ናብ ዝመጽሉ ሃገራት ናይ ምምላስ ውጡን ከም ዘለዎ ቢቢሲ ሓቢሩ ‘ሎ።

—————————————////////////////—————————————- 

ዓርቢ 10/02/2017

ልዕሊ 50 ዕጡቓት ኣባላት ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ተቀቲሎም።

ሓይልታት ቱርኪ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ 58 ዑጡቓት ኣባላት ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ከም ዝቐተሉ ተሓቢሩ።

ቱርኪ ንኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ንመጀመርያ ግዜ ኣሸባሪ ክትብል ዝመዝገበት ሃገር ኮይና፡ ምስቲ ጉጅለ ንዘይቃደው ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ብምድጋፍ፡ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ማዓስከራት እቲ ጉጅለ ብምድብዳብን ኣጋር ወተሃደራታ ብምስላፍን ትቃለስ ከም ዘላን ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ፡ እትርከብ ከተማ ኣልባብ ካብቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ሓራ ከም ዘውጽኣታን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብ3 የካቲት 2017 ብደብዳብ ነፈርቲ ኵናት ኣሜሪካ ዝተቐተሉ 11 ኣባላት ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ቀንዲ ፈተውቲ መራሒ እቲ ጉጅለ ነበር ኦሳማቢን ላድን ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

—————————————////////////////—————————————- 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY