ዝርዝር ዜና 10-03-2018

0
319

ጽዑቕ ግፋ ጉጅለ ህግደፍ ዘማረሮም መንእሰያትና ተተወዲቦም ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ፡፡

ካብ ህዝቢ ፈጺሙ ብምንጻሉ ኣብ ዓሚቕ ሻቕሎት ተሸሚሙ ዝርከብ ውልቀ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ጽዑቕ ግፋ የካይድ ብምህላው ዝተማረሩ መንእሰያት ዜጋታትና ተተወዲቦም ናብ ስደት ዝገብሩዎ ዋሕዚ ሕጂ’ውን ቀጺሉ’ሎ።

እቲ ምልካዊ ጉጅለ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ቀይሕ ጽዑቕ ግፋ ከም ዘካየደ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ነዚ ብምቅዋም ድማ 15 መንእሰያት እቲ ን/ዞባ ብ4 መጋቢት 2018 ተወዲቦም ናብ ጎሬቤት ኢትዮጵያ ከም ዝሰገሩ ሓቢሮም።

ህዝቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሕሱም ጥምየትን ከርፋሕ መነባብሮን ተሳጢሑ’ሎ ዝበሉ ገለ ካብቶም ተወዲቦም ናብ ስደት ዘምርሑ መንእሰያትና፡ ምልካዊ ህግደፍ ንጸገማት ህዝቢ ክንዲ ዝፈትሕ ንኮተቴነት ንዝበጽሑ መንእሰያትና እናመንጠለ ናብ ውትህድርና ክወርዱ ይገፎም ምህላው ኣቃሊዖም።

——————————/////////////////————————–

ቀዳም 10/03/2018

ተቓወምቲ ውድባት ካብ ዘርእይዎ ዘለው ድኽመታት ተላቂቖም ቃልሶም ከሐይሉ ግደ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ክዓዝዝ ጻዊዒት ቀሪቡ።

ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣብ ዘወጸኦ ውድባዊ መግለጺ፡ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብና ዝኾና ደቐኣንስትዮ ኤርትራ፡ ተቓወምቲ ውድባትና የርእይዎ ካብ ዘለው ድኽመታት ተላቒቖም ንኽቃለሱ ግደአን ክጻወታ ከምዘለወን ጸዊዑ።

ንህዝባዊ ቃልስና ካብ ዘይጠቅምን ብኣንጻሩ ንጸላኢ ካብ ዘገልግልን ድኽመታትና ክንድሕን ፡ ንዝፈላልዩና ጉዳያት ብምጽባብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ክንቃለስ ኣለና ክብል ብተወሳኺ ኣብ ጻዊዒቱ ኣነጺሩ።

እዚ ከምዘሉ ከሎ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም ኮይነን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተዓጢቀን መሰለን ዳግም ንምርግጋጽ ዝገብረኦ ዘለዋ ጉዕዞ ብምንኣድ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እምበር መላእ ሓርነት ህዝብና ዝረጋገጸሉ እዋን ርሑቐ ክኸውን ከምዘይክእል ኣብ ዘውጸኦ ጻዊዒት ገሊጹ።

——————————/////////////////————————–

ቀዳም 10/03/2018

ክትመስል ዘይኮነ ክትከውን ምስትበቅዕ’ዩ ጸላኢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝእለ ክብል ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘወጸኦ ርእሰ ዓንቀጽ፡ ኣንጻር ጸላኢ ኣብ ዝግበር ግብግብ ከምተቃላሳይ መሲልካ ምጉዓዝ ዘይኮነ ብተግባር ሓቀኛ ተቃላሳይ ኮይንካ ምስትበቅዕ’ዩ ጸላኢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝእለ ኢሉ።

እቲ ሰልፊ፡ ደምበ ተቓውሞ ከምቲ ዝረኣን ዝህረፍን ኮይኑ እንተዝርከብ ኩነታትና ከምቲ ንዕዘቦ ዘለና ኣይምፈዘዘን ብምባል፡ ክንዲ ዝኾነ  ከም በዝሕና ኣብ ሓቀኛ ቃልሲ ኣቲና  ቀዳምነት ንዝወሃብ ዕማም ክንቀሳቀስ ኣለና ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ በዝሒ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ናይ ኣተሓሳስባ ኣማራጽታት ሒዝናሉ እንተንቐርብ ግን እቲ ምብዛሕና ሃብትናን መልክዕናን ካብ ሙዃን ሓሊፉ፡ ዓወት ንምዕታር ዝሓጸረ መሳርሒ ምዃነ ክብል ብተወሳኺ ኣተንቢሁ።

——————————-/////////////////////———————

ቀዳም 10/03/2018

ሩስያ ንኢትዮጵያ ኣለቂሓታ ካብ ዝነበረት ገንዘብ ነቲ 162 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰረዘት ተገሊጹ።

ምስ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዝዘለቐ ምሕዝነት ዘለዋ ሩስያ፡ ንኢትዮጵያ ኣለቂሓታ ካብ ዝጸንሐት ገንዘባዊ ልቓሕ ነቲ 162 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰረዘትላ ገሊጻ።

ሩስያ ነቲ ዕዳ ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ምውሳዳ ዘፍለጠት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ዘሳለጠሉ እዋን’ዩ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ገዘፍቲ ንግዳዊ ንጥፈታት ሓቢረን ክሰርሓ ኣብ ዘኽእለን ውጽኢታዊ ስምምዓት ከም ዝበጽሑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

——————————-/////////////////////———————

ቀዳም 10/03/2018

መራሒ ሰሜን ኮርያ ምስ ፕረዚደነት ኣሜሪካ ተራኺቡ ክዘራረብ ድሉው ምህላው ተገሊጹ።

መደብር ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝዘርጋሐ ሓበሬታ መራሒ ሃገረ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆን ኡን ብመንገዲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ ደብዳቤ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ ድሉው ምህላው ሓቢሩ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሖም ምስ ኣሜሪካውያን መዘንኦም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ከምዝሓበርዎ ሚስተር ኪም ጆን ኡን ፈተነታት ኒክሊየርን ሚሳይላትን ደው ከብልን ንምፍራዮም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቃስ ክገትኦ ከምዝተሰማምዐን ገሊጾም’ዮም።

ብወገን ዶናልድ ትራምፕ ዝተወሃበ ግብረ መልሲ ድማ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለ ገዚፍ ገስጋስ’ዩ ክብል ድሕሪ ምግላጹ እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዝትግበር ኣድማዒ ስምምዕ ስጋብ ዝግበር ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣብ ቦትኡ ምህላው ኣስሚሩ’ሉ።

ብወገን መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ብቀጥታ ዝተዋህበ ዕላዊ መግለጺ ከምዘየለ ዝሓበረ እቲ ዜና እንተኾነ ግና ንዕድመ ኪም ጀንግ ኡን ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ዝገለጸ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክራኸብ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ እተካይዶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ምፍብራኽ ሓደገኛ ኣጽዋር ኒክለርን ንዓስርተታት ዓመታት ካብ መድረኽ ማሕበረሰብ ዓለም ተነጺላ ጸኒሓ’ያ ።

——————————-/////////////////////———————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here