ዝርዝር ዜና 10-05-2018

0
177

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዓጻጸፈ ይብርኽ ኣሎ፡፡

ካብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን  ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ዜና ከምዝሕብሮ፡ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ የውርዶ ብሰንኪ ዘሎ ተደጋጋሚ ወጽዓ ዋሕዚ ስደት ሕጂ’ዉን መዕገቲ ዘይተረኽቦ ኮይኑ ካብ 30 ሚያዝያ ክሳብ 6 ግንቦት 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ኣስታት 530 ኤርትራውያን ዶብ ኣቋሪጾም ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣለዉ፡፡

ካብቶም 530 ዜጋታት እቶም 282 ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ኩለመዳያዊ ዘይርጉእ ኩነታት ዝተሰዱ ትሕቲ ዕድመ ክኾኑ ከለዉ 16 ድማ ኣብ ኮሌጃት ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛሞም ኣብ ሚኒስትሪታት ኮንስትራክሽን፡ ትምህርቲ፡ ምክልኻል፡ ህንጻን ጥዕናን ብትሑት ደሞዝ ዝሰርሑ ዝነበሩን ብሕሉፍ ምልክነት እቲ ስርዓት ዝተማረሩን’ዮም፡፡

እቶም ዝተረፉ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዓፋኒ ኣርዑት ውትህድርና ህግደፍ ተቖሪኖም ዝርከቡን ንዝተባህለ ወሰኽ መሃያ ሰራዊት ተስፋ ሰኒቖም ክጽበዩ ዝጸንሑን ኣባላት ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ከምዝኾኑ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ፡፡

ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገር ብሰንኪ  ፈጢርዎ ዘሎ ኩለንተናዊ ውድቀትን ጭቆና መሰልን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብበዝሒ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም ይፍለጥ፡፡

————————————-/////////////////////————————-

ሓሙስ 10/05/ 2018

መንግስቲ ትግራይ ኣዕቑብዎም ንዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክረኽብዎ ዝግብኦም ረብሓታት ከምዘስፍሓሎም ገሊጹ።

ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና BBC ትግርኛ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ተዓቑቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ክረኽቡ ከም ዝጸንሑን ከም ዘለውን ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ድማ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ምስ ማሕበረሰብ ተጸንቢሮም ዝነብሩሉን ዕድል ስራሕ ዝረኽቡሉን ኣገባባት ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ክልል ኣቶ ሰለሙን ገ/ሄር ኤርትራውያን ስደተኛታት ክብሪ ተሰሚዕዎም ልክዕ ከም ሃገራውያን ዘሎ መሰላት ተጠቐምቲ ዝኾኑሉ መስርሕ ክውን ንምግባር መንግስቶም ጻዕርታት የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፓርክታት ኢንዳስትሪ 70 ብ 30 ብዝበሃል ኣገባብ ዕድል ስራሕ ክፍጠረሎምን መንግስቲ  እቲ ክልል’ውን ብጀካ’ቲ ካብ ደገ ዝርከብ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቦታን ካልኦት ቀረባትን ብምድላው ግዲኡ ከም ዘበርክት’ውን ኣነጺሩ።

እዚ ኣብ ስደተኛታት ዝረአ ዘሎ ለውጢ ኣካል ናይቲ ኩለመዳያዊ ምላሽ ንስደተኛታት ብደረጃ ዓለም ለኻ ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎ መስርሕ ኮይኑ ኢትዮጵያ ድማ ነዚ 9 መብጽዓታት ዝሓዘ መስርሕ ተግባራዊ ከም ትገብር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍሊጣ ኔራ’ያ።

ኢትዮጵያ ሰነድ ኩለ መዳይ ግብረ መልሲ ንስደተኛታት ንምጅማር ካብ ዘበሰራ 13 ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣብ መበሰሪ እማመ እቲ ውሳነ ዝተረኽቡ ተወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህዝቢ ኢተዮጵያ ንዝገበረሎም ድጋፍን ኣቐባብላን ብምምስጋን ፡እቶም ስደተኛታት ተጸበይቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ባዕላቶም ሓገዝቲ ኮይኖም ከም ዝሰርሑ’ውን ቃል ኣትዮም።

———————————————/////////////————————

ሓሙስ 10/05/ 2018

ኤርትራ እትርከበን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቓ ከቢድ መጠን ዕዳ ከምዘመዝገባ ተሓቢሩ።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ IMF ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ትሕተሳሃራ ኣፍሪቓ ቅልጡፍ ዕቤት ምጣነ ሃብተን ቐጻልነት ክህልዎ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ከቢድ ዕዳ ዝኣትዋ ዘለዋ ኮይነን ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብኣተን ምዃና ገሊጹ’ሎ።

እዘን ሃገራት ኣብ መንጎ ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ዘሎ ክፍተት እናዓበየ ብምምጽኡ ዝልቅሕኦ ዘለዋ መጠን ገንዘብ ኣብ ከቢድ ዕዳ ከም ዘለዋን 40 ሚኢታዊት ካብ ሃገራት ኣፍሪቓ ክውጽኦ ናብ ዘይክእላ ጸገም ክውድቓ ከም ዝኽእላን’ውን ግምታቱ ኣስፊሩ’ሎ።

ብህግደፍ ትመሓደር ኤርትራ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓሳ ብምማቱ ኣብ ተርታ’ዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ተሰሪዓ’ላ።

ጫድ፡  ደቡብ ሱዳን፡ ሞዛምቢክ፡ ኮንጎን ዚምባብ’ውን  ንኤርትራ ስዒበን  ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ኮይነን ኢትዮጵያን ዛምብያን ከኣ ምስ ዘለወን ሃገራዊ ምህርቲ ዘይመጣጠን ዕዳ የመዝግባለዋ ክብል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ገሊጹ’ሎ።

ብህግደፍ ትምራሕ ኤርትራ ንወተሃደራዊ መዓላ ብዝሒ ገንዘብ ካብ ዘውጸኣ 10 ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ከም ዝኾነት ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።

———————————/////////////———————- 

ሓሙስ 10/05/ 2018

ስርዓት ህግደፍ ንበዓል ናጽነት ብዝምልከት ቀጢን መምርሒ ኣውጺኡ።

ስርዓት ህግደፍ ን 24 ግንቦት ብዝምልከት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ዝርከባ ምምሕዳራት ኣብ ከባቢአን ዘሎ ህዝቢ ወዲበን ነቲ ሃገራዊ ባዓል፡ ከብዕልኦ እቲ ዝግበር ጽንብላት ካብ ህዝቢ ዝተዋጸአ ክኸውን ኩሉ ወናኒ ትካል ኮነ ኣብ ስራሕ ዘሎ ዜጋ ውጽኢት ተሰሊዕሉ ክኸፍል  ከምዘሎዎ፡ ዝሕብር ምኾኑ ሬድዮ ስምረት ኣነጽር።

ብተወሳኺ ኩሎም ውደባታት ህግደፍ ብዝተወደበ መልክዑ ክሳተፉ፡ ኣብቲ ዕለት ዝወዓሉ ኣካላት ንተሳታፍነቶም ዘረጋግጽ ዝርዝራት ክዳሎን። ዓበይትን ናኣሽቱን ከተማታት ነፍሰወከፍ ወነንቲ ትካላት ባንዴራ ክሰቅሉ፡ ነቲ ዕለት ንምድማቕ ማሓውር ህግደፍ ሓደ ዓይነት ኣልባሳት ክኽደና ከምዘለወን ዝሕብር ዓዴታዊ መምርሒ’ውን ተመሓላሊፉ ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።

———————————/////////////———————– 

ሓሙስ 10/05/2018

ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ንዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር የጣይሶም ኣሎ፡፡

ንመደብር ዜና ሮይተርስ ብምጥቃስ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕድሕድ ኵናትን ሓደገኛ ኩነታትን ኣብ ጸገም ወዲቖም ካብ ዝርከቡ ብኣሸሓት ዝግመቱ ስደተኛታት፡ ነቶም መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ 132 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሃገረ ኒጀር ከምዘጓዓዓዞም ኣፍሊጡ፡፡

እዞም ትሪፖሊ ካብ እትርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሚቲጋ ዝተበገሱ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ተሳፊሮሙላ ዝነበሩ ነፋሪት ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገማት ናብ ዝተበገሱሉ’ኳ ተመሊሶም እንተነበሩ ንጽባሒቱ 9 ግንቦት 2018 ግና ናብ ሃገረ ኒጀር ከምዝተፋነዉ፡ ሰበስልጣናት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ፡፡

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሃገር ኒጀር ከምዘጓዓዓዞም ዘፍለጠ’ኳ እንተኾነ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንስደተኛታት ዝህበኦ ዝነበራ ዕድል ዳግመ ጥየሳ ግና ስለዝሰረዘኦ፡ እቲ መስርሕ ምጥያስ፡ ተቋሪጹ ከምዝጸነሐ’ዩ ኣፍሊጡ፡፡

ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም፡ ካብ ትሕተ ሰሃራ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሕጂ’ዉን፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኮይኖም ካብዚኦም፡ ብመገዲ ጉዕዞ ባሕሪ ኣቢሎም ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝህቅኑ ከምዝኾኑ ይፍለጥ፡፡

ከም መግለጺ ሰበስልጣን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዑመር ቡግሃርሳ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ተመሳሳሊ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ክግዕዙ መደብ ምህላዉ ኣነጺሩ፡፡

ብመገዲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ማእለያ ዘይብሉ ሕሰመ መከራ ጸጊቦም ከም ዕድል ሊብያ ዝኣተዉ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝግመቱ ስደተኛታት፡ ኣብታ ሃገር’ዉን ግዳይ ግዱድ ዕዮን መስቐይትን ይኾኑ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ክሕበር ምጽንሑ ይዝከር፡

ሓሙስ 10/05/2018

ስምምዕ ኒኩሌር ኢራን ክጸንሕ ሃገራት ኤውሮጳ ድሌት ከምዘለወን ገሊጸን፡፡

ኣሜሪካ ካብቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ኦባማ ዝተፈጸመ ስምምዕ ኒኩለር ኢራን ከምትወጽእ ብመንገዲ መራሒኣ ትራምፕ ኣቢላ ድሕሪ ምግላጻ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ግን ኣካል እቲ ስምምዕ ኮይነን ክቕጽላ ድሌት ከምዘለወን ቢቢሲ ገሊጹ፡፡

ኢራን ብወገና ትግባረ እቲ ውዕል ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ንምትግባር ትሰርሕ ምህላዋ ዝገለጸት ኮይና፡ ኣብ ዓመተ 2015 ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ ሩስያን ቻይናን ከኣ ሓገዘን ከምዘይቋረጽ ኣፍሊጠን ኣለዋ፡፡

እዘን ሰለስተ ሃገራት እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ክኸውን ምስ ኩለን’ተን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ ኣባል ሃገራት ክሰርሓ ድሉዋት ከምዝኾና ኣብ ዝገለጻሉ እዋን ትራምፕ እቲ ብመሰረት እቲ ውዕል ተላዒሉ ዝነበረ እገዳ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከምዘንብሮ ገሊጹ’ሎ፡፡

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ዘሕርቕ ውሳነ ትራምፕ ክትብል ከላ፡ ጃፓን ብወገና ምውጻእ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ብቐረባ ከምትቆጻጸሮ ገሊጻ’ላ፡፡

ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ እቲ ሕብረት ነቲ ውዕል ጸኒዑ ከምዝዕቅቦ ገሊጻ’ላ፡፡

እዘን ሃገራት ዝኣተወኦ ውዕል ኢራን ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ከይትሰርሕ ዝእግድን ፡ ምምዕባል ጸዓታዊ ኒኩሌር ንምቁጽጻርን ኣብ መንጎ ኢራንን ምዕራባውያን ሃገራትን ከምኡ’ዉን ሩስያን ቻይናን ዝተበጽሐ ስምምዕ’ዩ፡፡

—————————————-//////////////////———————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here