ዝርዝር ዜና 11-01-2017

0
1112

ተራ ናይቶም ብስነጥበባዊ ስራሓቶም ንምልኪ ዘቃልዑ ዘለዉ ሞያውያን ዜጋታትና ካብ ልቢ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣይድምሰስን ክብሉ ገለ ወሃብቲ ሪኢቶ ገሊጾም፡፡

 

ካብ ሓደገኛ መንጋጋ መላኺ ህግደፍ ንስክላ ኣምሊጦም ኣብ ስደት እናነበሩ ብስነጥበባዊ ስራሕቶም ንፋሽታዊ ምሕደራ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ዘቃልዑ ዘለው ዜጋታትና ሞያኦም ኣብ ልቢ ህዝቢ ተሰሚሩ ከም ዝነብር ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

ስነ ጥብብውያን ዜጋታትና ደኺሙና ከይበሉን ብገንዘብ ከይሰሰዑን ልሳን እቲ ኣፉ ተዓቢሱ ዝርከብ ህዝብና ይኾኑ ከም ዘለው ዝጠቐሰት ምሕረት ነጸረኣብ ዝተባህለት ዜጋ፡ እቶም ንግዝያዊ ረብሓ ክብሉ ውሽጦም ዘይ ኣምነሉ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለው ሞያውያን ስነ ጥበብ ካብቶም ዝቃለሱን ንምልኪ ዘቃልዑን ዘለውን ዜጋታት ክመሃሩ ጸዊዓ።

በርሀ ገብረማርያም ዝተባህለ ወሃቢ ርእይቶ ብተርኡ ንሞያዊ ስራሕ ስነ ጥበባውያን ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታትና ዘለዎ ክብሪ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ ኩሉ ብሃገረይ እግደስ’የ፡ ንህዝበይ እሓሊየ ዝብልን ዜጋ ብፋይናንስ ንዋትን ሞራልን ደገፋ ከበርክተሎም ተላብዩ።

—————————————-//////////———————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 11/01/2017

ምህዳም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ መረጋገጺ ዘይቅርዑይ ምሕደራ እቲ ውልቀ መላኺ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ 2 ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ናብ ኣሜሪካ ዑቕባ ምሕታቶም መረጋገጺ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ዘሎ ልሙስ ምሕደራ እቲ ውልቀ መላኺ’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝኽተሎ ዘሎ ግህሰት ስብኣዊ መሰላት ሃገር ብሃገራ ጥርሓ ክትተርፍ ዝገበረ ኮይኑ ቑጽሪ ናይቶም በብእዋኑ ሃገር ራሕሪሖም ናብ ስደት ዝወጹ ዘለው ላዕለዎት ሓለፍቲ’ውን ይበራኸት’ዩ ዘሎ።

ሕጂ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቓ በዓል መዚ ቑጠባዊ ምትሕግጋዝ ከምኡ’ውን ሓላፊ ፋይናንስን ምምሕዳርን ዝነበረ ኣቶ ኣሎርድ ኣስገዶምን ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀቡቲ ወኪል ኤርትራ ዲፕሎማት ዑመር ሰርማዕን በብአንፈቶም ናብ ስደት ምኻዶም ድማ እቲ መላኺ ጉጅለ ዓቢ ክሳራ ወሪድዎ ከምዘሎ ዘነጽር ከም ዝኾነ ኣሚቶም ።

ብርክት ዝበሉ ላዕዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት በብእዋኑ ነቲ መላኺ ጉጅለ እናራሕርሑ ምስ ህዝቦም ይወግኑ ከም ዘለው ይፍለጥ።

—————————————–//////////////——————————

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 11/01/2017

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዘይሕጋውያን ኣስጋገርቲ ዘለዎ ርክብ ብተዘዋዋሪ መገዲ ተኣሚኑ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ምልካዊ ጉጅለ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ብሓይልታት መንግስቲ ኢጣልያ ተታሒዙ ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ጥርጡር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ዝለኣኾ ደብዳቤ እቲ ጥርጡር ብጌጋ ‘ዩ ተኣሲሩ ምባሉ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ንዘለዎ ኢድ ብተዘዋዋሪ ዝኣመነሉ ‘ዩ፡ ክብሉ ገለ ዜጋታት ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ገሊጾም።

ምልካዊ ህግደፍ ኣብቲ ዝለኣኾ ደብዳቤ ጥርጡር መድሃኔ ይሕደጎ ነቲ ገበን ከም ዘይወዓሎን ብዘይፈጸሞ ግዳይ ማእሰርትን ኮይኑ ከም ዘሎ ምግላጹ ኣብ ጋዜጣ ዘጋርድያን ንዝወጸ ሓበሬታ ብምጥቃስ ዝሓበሩ እቶም ዜጋታት፡ ህግደፍ፡ መድሃኔ ነጻ ‘ዩ ዝብል እንተኾይኑ ነቲ ገበነኛ እፈልጦ ‘ዩ ማለት ‘ዩ። ስለዚ ከቃልዖ ይግበኦ ነይሩ ኢሎም።

ካብ ምስ ገበነኛታት ዝመጻደቕ፡ ነቶም ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝኾኑን እናረኣዩን እናሰምዑን ናውቲ ውሽጣዊ ኣካላቶም ዝጉሕጓሕን ዘሎ መሳኪን ዜጋታትና ክጣበቕ ነይሩዎ ብምባል ድማ እንተኾነ ህግደፍ ኪንዮ ሓልዮት ህዝቢ ንሸፋቱን ኣሸበርትን ናይ ምሕቛፍ ባህርይ ከም ዘለዎ እቲ ዝለኣኾ ደብዳቤ ምስክር ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ኣነጺሮም።

——————————/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 11/01/2017

ብጨካን ግብሩ ዝፍለጥ መርማሪ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ተሃሪሙ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝበጽሖ ተገሊጹ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ መርማሪ እሱራት ኮይኑ ክነጥፍ ዝጸንሐ ብጨካን ግብሩ ዝፍለጥ ካፕቴን እቲ ጉጅለ ተስፋልደት ኣለምሰገድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ተሃሪሙ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝበጽሖ ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ።

እቲ ካፕቴን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት እሱራት ዜጋታት ከቢድ ጭካኔ ዝተመልኦ ተግባራት ክፍጽም ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ እቲ ዜና ኣብ ከባቢ ማይተመናይ ካብ ዝርከብ ቤት መስተ ክወጽእ ከሎ ኣድብዮም ብዝጸንሑ ሰባት ሃንደበት ተወቒዑ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝበጽሖን ሕጂ ኣብ ሰንበል ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወቒዑከም ዘሎን ተፈሊጡ ‘ሎ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዝርከቡ መርመርቲ መላኺ ኢሳይያስ ኣዝዩ ጭካኔ ዝተመልኦ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ወገናት ከም ዝፍጽሙ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብቲ ስርዓት ኣምሊጦም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር ‘ዩ።

——————————/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 11/01/2017

መላኺ ኢሳይያስ ንጽግተኝነት ጉልባቡ ቐሊዑ ዝተቐበለ ስርዓት ምዃኑ ተገሊጹ።

ስርዓት ህግደፍ ብባህሪኡ ኣብ ህዝቡን ጭቡጥ ውሽጣዊ ዓቅሙን ተኣማሚኑ ክኸይድ ዘይክእል ብምዃኑ  ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ወይ ጎቦ ኩን ወይ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ ዝብል አምር ብምሓዝ ብወግዒ ኣብ ስግር ባሕሪ ኮይኖም ዘመሓድርዎ ጎይቶት ኣብ ምምራጽ ኣትዩ ክብል ዝገለጸ ወግዓዊ ልሳን ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንጽግተኝነት ጉልባቡ ቐሊዑ ዝተቐበለ ስርዓት’ዩ ክብል ኣነጺሩ።

ህዘቡ ዘይፈቱን ዘየኽብርን ግን ከኣ ልዑል ህርፋን ፖለቲካዊ ስልጣን ዘለዎን ውሕስነትን ቀጻልነትን ስልጣኑ ካብ ካልኦት ዝደልን ስርዓት ዋላ’ኳ ዋሕስና ሓራ ፖለቲካዊ መስመርና’ዩ ኢሉ እንተጨርሐ ብተግባር ግን ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ዝጣላዕ ሰማዊ ጽግዕተኛ ስርዓት’ዩ ኢሉ።

ህግደፍ ነብሱ ናብ ጨረታ ኣውሪዱ ዘተኣማምን ጎይታ ክሳብ ዝረክብ ንኹሎም ተጽዕኖ ይፈጥሩ’ዮም ንዝበሎም ሰብ ገንዘብን የማነ ጸጋም እናተላኸዐ ክሳብ ብዋጋ ልኡላዊ መሬትና ከገልግል ቑሩብ ኮይኑ ጉልባቡ ቀሊዑ ይነጥፍ ከም ዘሎ’ውን ተገሊጹ’ዩ።

————————————-////////////////////—————————

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 11/01/2017

ኤርትራዊ ፍልልያት ብምጽባብ ንሓድነትን ለውጥን ዝነጥፍ ማሕበር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተመስሪቱ።

ብመድረኻት ፖልቶክ ኣቢሎም ብዝፈጠርዎ ሌላ  ኣብ ነንሕድሕዶም ምትእምማን እናፈጠሩ ዝመጹን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ተወኪሎም ብዝመጽኡን ሽማግለታት ዝቖመ ኤርትራዊ ፍልልያት ብምጽባብ ንሓድነትን ለውጥን ዝነጥፍ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝተባሃለ ማሕበር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝመስረተ ሽማግለ’ቲ ማሕበር ጠቒሱ ክብል ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ገሊጹ።

1 ዕማም ሽማግለ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ሽግር ኤርትራውያን ኣብ ምቅላልን ምፍታሕን ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ዝኸእል ብደረጃ ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ድልዱል ኮሚቴ ናይ ምጥያስ መደብ ዘለዎ ኮይኑ እቲ ዝቀውም ኮሚቴ ብኩለንትንኡ ህዝባዊ ኮይኑ ብሕጋውን ግሉጽነትን ዝዋሳእ ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ’ዩ።

እዚ ማሕበር ፍልልያት ኤርትራውያን ንምጽባብ ዓቅሙ ዘፍቅዶ ክሰርሕ ከምዝኾነ’ውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ’ዩ።

————————————-////////////////////—————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 11/01/2017

ንጁቡትን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዝነወሐ መስመር መገዲ ባቡር ወግዓዊ መመረቕታ ተገይርሉ።

ን752 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ ንወደብ ጁቡቲ ምስ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ዘመናዊ መስመር መንገዲ ባቡር ህንጸቱ ምሉእ ብሙሉእ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ ምንባሩ ዝተጠቕሰ ኮይኑ ብሰሉስ 10 ጥሪ 2017 ድማ ብወግዒ ተመሪቑ ‘ሎ።

እዚ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራትን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ ብድምቀት ዝተመረቐ ሓዲድ፡ ሰባት ንዘሳፍራ ባቡራት ኣብ ስዓት 160 ኪሜ ንክጎዓዛ ብዘኽእለን መገዲ ዝተሃንጸ ኮይኑ ናይ ጽዕነት ባቡራት ድማ ብስዓት 120 ኪሜ ንክሕምበባ ዘኽእለን ‘ዩ ተባሂሉ ‘ሎ።

እዚ ኣብ ምድንፋዕ ቁጠባን ምድልዳል ዝምድናታት ህዝብታትን ክልቲአን ሃገራት ዝለዓለ ግደ ክጻወት ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ መገዲ ባቡር ኣብ ዓመተ 2016 ካብ ዝተሳለጡ ዝዓበዩ ትሕቲ ቅርጽታት ዓለምና ሓደ ኮይኑ ከም ዝተመዝገበ ይዝከር።

——————————/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 11/01/2017

ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሕጂ ‘ውን ብምርጫ ዝተሳዕረ ፕረዚደንት ጋምብያ ብፍቓዱ ክወርድ የጠንቅቓ ኣለዎ።

ኣብ ስልጣን ብዝነበሩ ዘለውን መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ጋምብያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ኣብ ዘካየደቶ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ ፕረዚደንት ያሕያ ጃሜህ ሕጂ ‘ውን ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ክወርድ ኣጠንቂቑ ‘ሎ።

እቲ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ዝተመርሐ ዞባዊ ልኡኽ ናብ ጋምብያ ዘምርሐ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ያሕያ ጃሜህ ተሪፈነኦ ኣብ ዘለዋ ሒደት መዓልታት ስልጣኑ የብቅዕ ምህላው ፈሊጡ ስልጣኑ ብሰላም ንዝሰዓሮ ኣዳማ ባሮው ከረክብ ንምትሕስሳብ ቀንዲ ዕላማ እቲ ጉዕዞ ምዃኑ ኦል ኣፍሪቃ ዶት ኮም ጸብጺቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ያሕያ ጃሜህ ኣብቲ ዝተቐመጠ ዕለት ብፍቓዱ ስልጣኑ እንተዘይለቒቑ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ቁጠባዊ ውድብ ኤኮዋስ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምእላዩ ክግደድ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ‘ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ያሕያ ጃሜህ ካብ ስልጣን ኣይወርድን ክብል ምሕንጋዱ ስዒቡ ሚኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር  ተቓውምኡ ንምግላጽ ብፍቓዱ ስልጣኑ ሓዲጉ ‘ሎ።

——————————/////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY