ዝርዝር ዜና 11-07-2018

0
201

ስነጥበባዊ ንሰላም ንፍቅርን ስኒትን ክዝምር ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

ነፍሲ ወከፍ ስነጥበባዊ ጸላዊ ሕብረተሰብ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ሰላም ሓድነትን ፍቅርን አትኪሉ ክሰርሕን ልዕሊ ኩሉ መምህር ጽቡቕ ኮይኑ ክዓዪ ከም ዘለዎን ስነጥበባዊ ተስፋኣለም ኣረፋይነ ቆርጫጭ ገሊጹ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ሓጺር ዕላል፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከምዘሐጎሶ ዝገለጸ ኮይኑ ስነጥበባዊ ድማ ዝጥርንፍን ዝእክብን ክኸውን  ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ካብዚ ብምብጋስ’ውን ጥዑም ወረ ዝብል ኣርእስቲ ዝሃባ ስርሑ ክዝርግሕ ከም ዝኸአለ’ውን ኣነጺሩ።

ኩሉ ስነጥበባዊ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ዘሰልድል ስርሓት ክዓዩ ከም ዝወርሑ ዝገለጸ እቲ ስነጥበባዊ ፈጣሪ ድማ ነዚ ድሌት’ዚ ሰሚዑ ሓሳብና ኣስሚሩልና’ሎ ክብል ጠቒሱ።

ስነጥበባዊ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ዝሰርሖ ስራሕ ነቲ ህዝቢ ተስፋን ሞራልን ዝህብ እንተድኣ ኮይኑ ብፍላይ ነዚ ኣብ ሽግር ዝጸንሐ ህዝቢ ዓቢ ደበሰ’ዩ ክብል ድማ ገሊጹ።

———————————////////////—————————- 

ረቡዕ 11/07/2018

ጠንቂ ሰደት ኤርትራውያን ብዳባዊ ግጭት ተሳቢቡ ክሕለፍ የብሉን ተባሂሉ።

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኩነታት ዶባዊ ግጭት ጥራሕ ኣይኮነን ዝበለ ገለ ዜጋታትና ድሕሪኡ ዝሰዓበ ማሕበረ ቁጠባን ሚሒር ስቃይን መከራን ምስበዝሐ’ዩ ብኣልማማ ክሰደድ ዝተገደደ ኢሎም።

እቶም  ዜጋታት፡ ኤርትራዊ ዜጋ ፈቆዶ ሃገራት ክሰደድ ዝገብሮ ኩነታት ዶባዊ ግጭት ኣይሰላም ኣይኩናት’ዩ ናተባህለ ብሰበብ ክሕለፍ የቡሉን ብምባል ነዚ ድማ ኤርትራውያን ብዝግባእ ተረዲእና እቲ ሓቀኛ ኩነት ከነረድእ ሓለፍነትና ክንዋጻእ ኣለና ኢሎም።

ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኤርትራዊ ዜጋ ቀሲኑ ክነብርን ዳግም ናብ ኩናትን ወረኲናትን ክኣትው ትጽቢት ኣይነበሮን ዝበሉ እቶም ዜጋታት እንተኾነ ብዝኸፍአ ናብ ዘይተደለየ — ብምእታው ንኣደዳ ስደትን ሞትን ክቕሰብ ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ኣዘኻኺሮም።

በዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ሰላም ህዋህው ነቲ ዘይተሐሰበ ደማዊ ግጭትን ሕሰማትን ዘብቀዐሉ ኩነታት ይረአ ስለ ዘሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ንሙሉእነት ሰላም ከነረጋግጽ፡ ሐቀኛ ኩነታት ህዝብና ናቀመጥና ቃልስና ከነሐይል ኣለና ኢሎም።

———————————-////////////————————— 

ረቡዕ 11/07/2018

ኤርትራን ኢትዮጵያን ወደባት ብሓባር ከማዕብልኦ ምዃነን ይሕበር ኣሎ።

ከም ጸብጻብ ሮይተርስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕር’ቲ 5 ነጥቢ ዝሓዘ ዝኸተምዎ ስምምዕ፡ እዘን ሃገራት ነቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ብሓባር ከማዕብልኦ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝርከቦ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሓቢረን ክሰርሓ ከምዝተሰማምዓ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ  ገሊጹ ዝነበረ ኮይኑ እቶም ልኡኻት ናይ ስራሕ ግዚኦም ወዲኦም ምስ ተመልሱ’ውን ክልቲኤን ሃገራት ወደባት ብሓባር ከማዕበልኦ ከም ዝገለጻ ወግዓውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ንዝጸንሐ ወጥሪ ንምፍታሕ መራሒ ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ጽዑቕ ጻዕርታት ከም ዘካየደ ኣልኸሊጅ ዝተባህለ ብዓረብ ዝሕተም ጋዜጣ ኢማራት ሓቢሩ።

ንሱ ብ10 ሓምለ ኣብ ዝዘርገሖ ሕታም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢማራት ዓብደላ ቢን ዛይድ፡ ነቲ ኣልህያን ዝገብሮ ጻዕሪ ድሕሪ ምምጓስ እቲ ርክብ ንቕሳነትን ሰላምን ክልቲኤን ሃገራት፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓን እቲ ዞባን ብሓፈሻ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ድማ አገንዚቡ’ሎ።

——————————////////////////////////——————-

ረቡዕ 11/07/2018

ብዙሓት ዜጋታትና ጉዳይ ዶብ ሰላምታይ ክጉሰን ክውንዘፍን ይድለ ኣሎ ይብሉ ኣለው።

ኣብ ውሽጥን ወጸእን ዘለው ኤርትራውያን ብዛዕባ ቀንዲ ኣጀንዳ ጉዳይ ዶብ ኣብ ባይታ ምምልካትን ሰላምታይ ቀንዲ ሓበሬታ ዘየሎን ኣብ ባይታ ናይ ምትግባሩ ስለምንታይ ክጉሰ ይደለ ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታት የልዑሉ ከምዘለው ሬድዮ ስምረት ትሕብር።

ብዙሓት ደገፍትን ተደናገጽትን እቲ ስርዓት ዝነበሩ ኣካላት እቲ ቀዳማይ ክፍጸምን ክትግበርን ዘለዎ ጉዳይ ተገዲፉ ኣብ ካልኣዊ ጉዳይ ስለምንታይ ፍሉይ ኣተኩሮ ፡ ይግበር ኣሎ ዝበል መሰረታዊ ሕቶ የልዕሉ ምህላዎም ‘ውን ኣነጺራ።

እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ተበግሶ ጽቡቕ ምኾኑ ከምዝገለጹ ዝሐበረት ሬድዮ ስምረት ነባርን ውሕስን ሰላም እቲ ዶብ ምስ ዝሕንጸጽ ኣብ ተግባር ምስ ዝውዕልን’ዩ ክብሉ ብተወሳኺ ኣስሚሮምሉ።

———————————-///////////—————————–

 ረቡዕ 11/07/2018

ንኣስታት ክልተ ሰሙን አብ ውሽጢ በዓቲ ተዞሪዖም ዝጸንሑ ልዕሊ10 ትሕቲ ዕድመ ታይላንደ’ውን ሓራ ወጺኦም።

ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ሰሜናዊ ታይላንድ ብሰንኪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ውሑጅ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ኣጸጋሚ በዓቲ ተዓቢጦም ዝጸንሑ 12 ትሕቲ ዕድመ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ምስ አሰልጣኒኦም ሐራ ከምዝወጹ መንግስቲ ታይላንድ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሰሳ 5 ተጻወትን አሰልጣኒኦምን ከምዝወጹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣቐዲሞም ዝወጹ 8 ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ታይላንድ ድማ ኣድላይ ዘበለ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ።

እዞም ካብ 11 ስጋብ 16 ዝዕድሚኦም ተተካእቲ ተጻወቲ እግሪ ኩዕሶ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምስ ምኽትል ኣሰልጣኒኦም ታም ሉዋንግ ናብ ዝተባህለ ብዓቲ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ሓያል ዝናብ ዘኒቡ ናብቲ በዓቲ ደርማሰ ውሕጅ ብምእታው’ዩ ኣብ ውሽጡ ዝተዘርዑ ኢልና ኣሎ ኣልጀዚራ።

———————————-//////////////———————–

ረቡዕ 11/07/2018

ኣሜሪካ ምስ ቻይና ዝፈለመቶ ንግዳዊ ቁርቁሰ ተጋድዶ ምህላዋ ይሕበር።

ምስ ዳርጋ ኣብዛሐ ሙዑብላት ሃገራት ዓለምና ኣብ ንግዳዊ ቁርቁሰ ዝተሸመመት ኣሜሪካ ምስ ቻይና ዝፈለመቶ ንግዳዊ ቁርቁሰ ዝያዳ እናግደደቶ ትኸይድ ምህላዋ ዝሓበረ ቢቢሲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ዝትግበር ተወሳኺ ናይ 200 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ተወሳኺ ቀረጽ ከተንብር ዓሊማ ምህላዋ ኣረዲኡ።

ኣሜሪካ ነዚ ክተወስድ ዝደፋፋኣ ቻይና ኣብ ልዕሊኣ ንዝተዳዕነነ ተወሳኺ ቀረጽ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ኣብ ዝሃበቱሉ ድሕሪ ሒደት መዓልታት’ዩ። ሕድሕድን ናይ 34 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ቀረጽ ከምዝተወሳሰኻ ብምንጻር።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ እንተሃቄና ተወሳኪ እገዳ ቀረጽ ከምዝግበረላ ኣጠንቂቁ ምንባሩ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ መንጎ ሓያላት ብቁጠባ ዝበልጸጋ ኣሜሪካን ቻይናን ዝግበር ዘሎ ንግዳዊ ቁርቁስ ንዓለምና ናብ ኣዝዩ ዝከፍአ ኩነታት ከውደቃ ከምዝክእል ኪኢላታት ስነቁጠባ ይገልጹ ኣለው።

——————————–///////////—————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here