ዝርዝር ዜና 11-12-2017

0
496

መሸጣ ኣሕምልቲ ዕዳጋ ሓሙስ ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ተደምሲሱ፡፡

ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ፡ ኣብ ከተማ ኣሰመራ ከባቢ ቤተክርስትያን እንዳስላሰ ዝነበረ ኣሕምልቲ ሽጉርትን ኮሚደረን ክሻየጠሉ ዝጸንሐ ዕዳጋ ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ተደምሲሱ’ሎ፡፡

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ብጀነራል ፍሊጶስ ዝተኣዘዙ ኣሃዱታት ነቲ ሰፈር ብሓይሊ ድሕሪ ምፍራስ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝደምሰስዎ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ጀነራል ፍሊጶስ ነዚ ቡዙሓት ስድራቤታት ብመጠኑ ዝዕንግል ዝነበረ ናይ ዕዳጋ ቦታ ዝዓጸወሉ ምኽንያት ንጹር’ኳ እንተዘይኮነ ደቂ’ቲ ከባቢ ኣንጻር ህግደፍ ዘለዎም ዘይዕግበት ዓው ኢሎም ይገልጹ ስለዝነበሩ ንዓዓቶም ንምቅጻዕ ተባሂሉ ዝተገብረ ስጉምቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን እታ ሬድዮ ግምታታ ገሊጻ’ላ፡፡

ብኻልእ ወገን ኣብቲ ዕዳጋ ሰባት ተራኺቦም ንምረት ህይወቶም ብተደጋጋሚ ዝገልጽሉ መተኣኻኸቢ ስለዝኾነ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ እዝኒ ኣዋፊሩ ሓበሬታ ድሕሪ ምእካቡ እቲ ከባቢ ምንጪ ተቓውሞ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ገምጋም ስለዝወስደ’ዩ ክብሉ’ውን ወገናት ይገልጹ ከም ዘለው ብተወሳኺ ሓቢራ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 11/12/2017

ዘይቅርዑይ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ንዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት የበርኾ’ሎ፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኽተሎ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ንኩለመዳያዊ ቅልውላው ኤርትራ ጠንቂ ኮይኑ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ ዋሕዚ ስደት ዜጋታትና ድማ ናቱ ሓደ መግለጺ’ዩ፡፡

ብመሰረት ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣራ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ዝተማረሩ 41 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 106 ዜጋታትና ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣለዉ፡፡

ካብዞም ብ6 ታሕሳስ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ 106 ዜጋታትና ሓደ መራሒ ጋንታ ዝርከቦም 23 ኣብ ግዱድ ወተሃደራዊ ጊላነት ዝጸንሑ ወተሃደራት ክኾኑ ከለው እቶም 43 ድማ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት’ዮም፡፡

እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ካብቶም 43 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እቶም 28 ብዘይ ኣላÀ ዝተሰደዱ’ዮም ኢሉ’ሎ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 11/12/2017

ጭንቀት ጉጅለ ህግደፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ይመጽእ ኣሎ፡፡

ካብ ፍሽለት ናብ ፍሽለት ዝሰጋገር ዘሎ ዓቅሊ ጽበታዊ ፈተነ ጉጅለ ህግደፍ መጠን ጭንቀቱ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ምጉጅጃል ’ውን ብኡ መጠን እናዛየደ ይመጽእ ከም ዘሎ ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ገሊጹ፡፡

እዚ ተርእዮ ምጉጅጃል ህዝቢ መርኣያ ምፍላም ተሪር ተቃውሞ ህዝቢ’ዩ ዝበለ እቲ ፕሮጀክት፡ ህግደፍ ብሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ክፈላልዮ ዝፈተነ ስምረት ህዝቢ ምዃን ምስ ኣበዮ ብብሄርነት የሳብብ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡፡

ምስ’ዚ ዝተሓሓዝ ካብዚ ጭንቀት’ዚ ዝተበገሰ ተዓላሞ መዓስከር ሳዋ ጽኑዕ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ኮይኑ ተማሃሮን መምሃራንን ተሌፎን ሒዞም ከይርከቡ ተኸልኪሎም ኣለው ኢሉ ስዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ከም ዘሎ ብምሕባር፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ወድና ኣብ ሊብያ ሞይቱ፡ ጓልና ኣብ ኡጋንዳ ተጎዲኣ ዝብሉ ወረቓቅቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣስመራ ተዘርጊሑ ይርአ ከም ዘሎን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓዘን ጥሒሉ ከምዘሎን ኣረዲኦም፡፡

ንግዚኡ ኣቛሪጹ ዝጸንሐ ምፍራስ ኣባይቲ’ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ጀሚሩ’ሎ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 11/12/2017

ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ንባህላውን ሃይማኖታውን ግህሰታት ህግደፍ ንምብዳህ ክለዓል ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

ብ2 ታሕሳስ 2017 ኣብ ከተማ ሻርለት ሰሜን ከሮላይና ህዝባዊ ኣኼባ ዘካየደ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ብሓደ ድምጺ ንባህላውን ሃይማኖታውን ግህሰታት ስርዓት ህግደፍ ንምብዳህ ክለዓል፡ ደንጉዪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጸዊዑ፡፡

እቲ ምልዕዓል ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣኽርያ ንዝተላዕለ ተቓውሞ ስዒቡ ዝተኻየደ ማእሰርቲ ብምኹናን፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንዘመናት ከቢሩን ተኸባቢሩን ብሓባር ክነብር ዝጸንሐን ዘሎን ህዝብና ኣብ ነንሕድሕዱ ንምንቛት ዘካይዶ ዘሎ ፍሹል ፈተነታት ህዝቢ ክነቅሓሉን ብትብዓት ክምክቶን ተማሕጺኑ፡፡

ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኣመት ናይቶም ኣብ ፈቆዶ ቤት ማእሰርቲ ዕድሚኦምን ህይወቶምን ዝበሊ ዘሎ ፖለቲካዊ እሱራት ክገብርን ብዘይ ወዓል ሕደር ንክፍትሑ ክቓለስን ’ውን ተላብዩ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 11/12/2017

ስርዓት ባሻር ኣልዓሳድ ናብ ዘተሰላም ጀነቫ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘተ ሰላም ሶርያ ኣብ ጀነቫ ኣዳልዩ ንመንግስትን ተቓወምትን እታ ሃገር ዓዲሙዎም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስርዓት ባሻር ኣልዓሳድ ግን ነቲ ዕድመ ክነጽጎ’ዩ ጸኒሑ፡፡

ሕጂ ግን ስርዓት ባሻር ኣልዓሳድ ነቲ ጻውዒት ተቐቢሉ ናብቲ ዘተ ከም ዝምለስ ምፍላጡ’ዩ ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ ዘሎ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነቲ ዘተ ሰላም ክካፈል ኣምባሳደር ሶርያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ጀነቫ ምእታው’ውን ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ኣስታት ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዘቑጸረ ቅልውላው ሶርያ ኣብ ህይወትን ንብረትን ሰፍ ዘይብል ዕንወት ከምዝወረደ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ሎ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 11/12/2017

ተደጋጋሚ ቀረጽ ንስግረ ዶባዊ ንግድን ወፍርን ኣፍሪቃ ዕንቅፋት’ዩ ተባሂሉ፡፡

ስግረዶባዊ ንግድን ወፍርን ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣርባሒ’ዩ ዝበሉ ተሳተፍቲ መድረኽ ወፍሪ ኣፍሪቃ፡ እዚ ኣብ ተግባር ዝውዕል ግና እተን ሃገራት ካብ ተደጋጋሚ ቀረጽ ምስ ዝቑጠባ ምዃኑ ገሊጾም፡፡

ምንቅስቓስ ስግረዶባዊ ንግዲ ኪንዮ እቲ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ዘለዎ ፋይዳ፡ ንርክብ ህዝብታት እተን ሃገራት ኣብ ምስጣም ዝህሉዎ ተራ’ውን ዝለዓለ ምዃኑ እቶም ተሳተፍቲ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ጎረባብቲ ንዘለዋ ንግዳዊ ርክብ ዘበርኽ ባንክ ኣብ ምኽፋት ከም እትርከብ ተሓቢሩ’ዩ፡፡

ኣቦ ወንበር ቁጠባዊ ዞን ስዊዝ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሃገራት ኣብ ስግረዶባዊ ንግዲ ዝገብረኦ ተደጋጋሚ ቀረጽ ንኣውፈርቲ ጉድኣት ከም ዘለዎ ብምጥቃስ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ምዒዱ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

 

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here