ዝርዝር ዜና 12-03-2018

0
295

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዝማዕበለ ህግደፋዊ ፍልስፍና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይተኣደነ በደል ይወርድ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡

ካብ 8 ክሳብ 10 መጋቢት 2018 2ስሩዕ ኣኼብኡ ዘሰላሰለ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ሕድሪ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ህግደፋዊ ፍልስፍና ኣማዕቢሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ዘይተአደነ በደል የወርድ ከም ዘሎን እዚ ጉዳይ ኣብ ህዝቢ’ውን ዓቢ ሽግር ይፈጥር ከም ዘሎን ሪእዩ።

ፖለቲካዊ፡ ቑጠባዊን፡ ማሕበራዊን መነባብሮ ህዝቢ፡ ምምሕደዳርን ዲፕሎማስን ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ህግደፍ ብምእታው ህዝቢ ን26 ዓመታት ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቑ ከም ዝርከብ’ውን መዚኑ።

ኣብዚ ተኣፋፊ መድረኽ ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ ናይ ሓባር መዋጽኦ ንምንዳይ ዋዓል ሕደር ዘየድለዮ እዋናዊ ጠለብ ምዃኑ ኣሚኑ ክለዓል’ውን  ግሃድኤ ሕድሪ ጸዊዑ’ዩ።

——————————-/////////////////////———————

ሶኒ 12/03/2018

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ በለዛ ስቱር ኣኼባ ከካይድ ቀንዩ ተባሂሉ።

ጀነራል ቁንጮ ህግደፍ፡ ፍሊጶስ ወልደ የውሃንስ፡ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ለካቲት ምስ መራሕቲ ግንባራትን ስታፉት ምክላኻል ኣብ በለዛ ሕቡእ ኣኼባ ከካይድ ከምዝቐነየ ሬድዮ ስምረት ሓቢራ።

ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ፡ ናይ ኣሃዱታት ተኽሊጥ ንኽግበር ትእዛዝ ንምውራድ ምንባሩ ዝገለጸት እታ ሬድዮ፡ ድሮ እኳ እቲ ናይተኽሊጥ መስርሕ ብህዝባዊ ሰራዊት ማለት ምልሻ ጀሚሩ ከምዘሎ’ውን ኣነጺራ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብግዴታ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት፡ ከብድን ሕቖን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ዓመታት ከምዘቑጸረን ተወዲቦም ሓደጋ ከይወድቅዎ ብምፍራሕ በብእዋኑ ናይ ሰራዊት ምቅይያራት  ከምዝገብርን ይፍለጥ።

——————————-//////////////////————————

ሶኒ 12/03/2018

ስምረት ምቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ዑውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

ንኡስ ጨንፈር ማንችስተር ህዝባውያንን ሓላፍነታውያንን ዝኾኑ ኣባላት ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ህልው ኩነታት ሃገር ን/ጨንፈር ማንቸስተር ዘድሃበ ዑውት ህዝባዊ ኣኼባ ምክያዶም ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ብርክት ዝበሉ መንእሰያትን ካልኦት ተባዓት ተቓለስቲ ኤርትራውያንን ከምዝተረኸቡን፡ ነቲ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ንሃገርናን ህዝብናን ዝገጥሞ ዘሎ ሕሰምን መከራን፡ ንምእላዩን፡ ኣብ ዝሓጸረ ዓወት ንምዕታርን ንዝብል ዛዕባ ብዝግባእ ከምዝዘተዩሉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ካብቶም ኣኼቤኛታት ሕቶ ዝተላዕለ ኮይኑ በቶም ተቃለስቲ ኣባላት እቲ ስምረት ድማ ብዝግባእ መልሲ ብምሃብ፡ ኣብ ቀጻሊ ክገብረዎ ዝግባእ ምቅስቓስ ሓሳብ ብምግላጽን እቲ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

——————————-/////////////////————————

ሶኒ 12/03/2018

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናጻ ንግዳዊ ዞባ ክምስርት’የ ኢሉ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን  ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብደረጃ ኣህጉር ናጻ ንግዳዊ ዞባ ንምምስራት ኣብ ንጡፍ ምንቅስቓስ ከም ዝርከብ ገሊጹ።

ኮሚሽነር ሙሳ ፋቂ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ መበል 31 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሓያሎ ኣገደስቲ ስምምዓት ከም ዝተበጽሑ ብምዝኽኻር፡ ሓደ ካብኣቶም ድማ ምምስራት ናጻ ንግዳዊ ዞባ ምንባሩ ኣነጺሩ።

እቲ ኮምሽነር ወሲኹ፡ መራሕቲ ኩለን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ምቅልጣፍ እቲ ምንቅስቓስ ርኡይ ለውጢ ንምምጻእ ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾኑ ጻውዒት ቀሪብሎም ምህላው ኣፍሊጡ።

——————————-/////////////////———————–

ሶኒ 12/03/2018

ፈረንሳ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቐወምትን ሱዳን ንዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ክሰርሕ’የ ኢላ።

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን ንዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ዘይተሓለለ ጻዕሪታት ክተካይድ ምዃና ኣፍሊጣ።

ፈረንሳ ነዚ ዘፍለጠት ብመንገዲ ኣምባሳደራ ኣብ ሱዳን ኢማኑዌል ብላትማን ኣቢላ ኮይና፡ ኣብ ደረጃ ትሕዝ ግድፍ ንዝነበረ መስርሕ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብምትሕብባር ንምቅልጣፉ ክትሰርሕ ምዃና ኣረጋጊጻ።

መንግስቲ ሱዳን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ሃገሩ ዕጥቆም ክፈትሑ ንምግዳዶም ኣብ ዝግበር ቃልሲ ካብ ፈረንሳ ሓገዝ ምሕታቱ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

——————————-///////////////———————

ሶኒ 12/03/2018

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ንጉዳይ ብልሽውና ዝምርምር ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ንጉስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ኣብታ ሃገር ንዝረኣዩ ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዘጻሪ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ክምስረት ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ሚኒስትሪ ዜና ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና እቲ ንጉዳያት ብልሽውና ዝምርምር ቤት ጽሕፈት ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ’ታ ሃገር ዝጥርነፍ ኮይኑ፡ ብብልሽውና ንዝጥርጠሩ ግለ ሰባት ኮኑ ትካላት ኣጻርዩ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ክህሉዎ’ዩ።

እዚ ውሳነ ስዑዲ ዓረብ ኣንጻር ብልሽውና ንዝጀመረቶ ቃልሲ ዝያዳ ዘሐይል’ዩ ተባሂሉሉ ኣሎ።

——————————-//////////////////————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here