ዝርዝር ዜና 13-04-2018

0
193

ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ ተገምጢሎም ዝሞቱ መንእሰያት ዝኾነ ሓበሬታ ዘይምሃቡ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጽልእን ንዕቀትን ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ፡፡

ምሕደራ መላኺ ኢሳይያስ ብዛዕባ’ቶም ብ4 ሚያዝያ ንታዕሊም እናኸዱ ኣብ ጋሕቴላይ ከባቢ ባጽዕ ዝተገምጠሉ መንእሰያት ብማዕከናት ዜንኡ ዝኾነ ሽፋን ዘይምሃቡ እቲ ስርዓት ኣብ ህዝቢ ማዕረ ክንደይ ጽልእን ንዕቀትን ከምዘለዎ እኹል መረጋገጺ’ዩ ክብሉ ብርክት ዝበሉ በቲ ፍጻሜ ዝጓሃዩ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

ኣብ ዓመተ 2013 ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝተፈጸመ መርሸንቲ መንእሰያት፡ ኣብ ዓመተ 2016’ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ማእከል ከተማ ኣስመራ ንዝተፈጸሙ ተርእዮታት ሽዑ’ውን ሽፋን ማዕከን ዜና ከምዘይሃበሉ ዘዘኻኸሩ’ቶም ዜጋታት፡ እዚ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ድማ ሙሉእ ህዝቢ ፈሊጥዎ ክነሱ ዋላ ብዜና ኣቅሪቡ ሓዘኑ ዘይምግላጹ ከኣ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ከም ዘጋድዶ ኣነጺሮም፡፡

እዞም ብሰንኪ ሸለልትነታውን ጨካንን ኣታሕዛ ጉጅለ ህግደፍ ህይወቶም ተቐዚፎም ዘለው መንእሰያት ዝበዝሑ ትሕቲ ዕድመ ብምዃኖም ስድራ ግዳያት ጽንዓት ክህቦም ተመንዮም፡፡

—————————————////////////////——————————————

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 13/04/2018

ኣባላት ጸጥታን ስለያን ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ብምትሕብባር ካብ ቤተሰብ ዝተሰዱ ዜጋታት ገንዘብ ይዘምቱ ከምዘለው ተሓቢሩ፡፡

ብላዕ ሳዕሪሩላ ኣብ ዘላ ኤርትራ፡ ኣባላት ጸጥታን ስለያን መላኺ ኢሳይያስ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ እናተሓባበሩ ካብ ስድራ ናይቶም ገለ ክፋል ቤተሰቦም ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታት ገንዘብ ይዘምቱ ከምዘለው መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ገሊጻ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ማዕከን ዜና፡ ኣባላት ጸጥታ በቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኣሰጋገርቲ ናብ ኣባይቲ ናይቶም ደቆም ንስደት ዝኸዱ ወለዲ ብምኻድ፡ ንመሰጋገርቲ ዘይከፈልኩሞም ገንዘብ ክፈሉ ወይ ከኣ ክትእሰሩ ኢኹም እናበሉ የፈራርሕዎምን ገንዘብ ይዘምቱን ኣለው፡፡

ጉጅለ ኢሳይያስ ናብ ስደት ናይ ዝሰገሩ ደቅኹም ነፍሲ ወከፍ 50 ሽሕ ናቕፋ ክፈሉ እናበለ ንዜጋታት ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ቀይድን የእቱ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ተሓላቂ ኣሰጋገርቲ ክኸውን ብምፍታን ንሓደ ናብ ስደት ዝኸደ ሰብ ክሳብ 250 ሽሕ ናቕፋ ክፈልዎም እናበለ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ርኡይ በደል ይፍጽም ከም ዘሎ ’ውን ኣነጸራ’ላ፡፡

—————————————-////////////////—————————————–

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 13/04/2018

ህግደፍ ኤርትራውያን ካብ ዝሶጓ ሃገራት ካሕሳ ገንዘብ ምሕታቱ መርኣያ ናይቲ ዘይዓግብ ሽውሃቱ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

መላኺ ኢሳይያስ፡ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተማረራ ሃገራት ናብ ሃገራቶም ክሰድኦም ኣብ ዝገልጻሉ እዋን ንሓደ ስደተኛ ክንድ’ዚ ዝኣኽል ሽሕ ዶላር ክፈላ እናበለ ምሕታቱ መርኣያ ናይቲ ንገንዘብ ዘለዎ ልዑል ፍቅርን ዘይዓግብ ሽውሃትን ከምዝኾነ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጉጅለ ህግደፍ ስዊዘርላንድ ናብ ዓዶም ንእትሰጎም ኤርትራውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ዶላር ክትህቦ እማመ ምቅራቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ ህይወት ህዝቢ ንገንዘብ ምፍቓር ሓድሽ ባህሪ ህግደፍ’ኳ እንተዘይኮነ እቲ ግፍዕታቱ ግን ዝያዳ ዛይዱ ከም ዘሎ ኣነጺሮም፡፡

ህግደፍ ካሕሳ ስደተኛታት ገንዘብ ምሕታቱ ንዓዓቶም ሓልዩ ዘይኮነስ ውልቃዊ ጥቅሙ ስለዘቐደመ ጥራይ’ዩ ድሕሪ ምባል ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ብገንዘብ ክንቅይረካ ዝብል ሕቶ እንተዝቐርበሉ ’ውን ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን ብምባል ጠቒሶም፡፡

ስርዓት ኢሳይያስ እስራኤል ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትሰጎም እንተደልያ ንነፍሲ ወከፍ 50 ሽሕ ዶላር ክትከፍሎ’ለዋ ክብል ምግላጹ ኣይርሳዕን፡፡

ብኻሊእ ዜና ነቲ ስዊዝ ኣውጺኣቶ ዘላ ምጥራዝ ኤርትራውያን ህግደፍ ከምዝድግፎን፡ እቲ መስርሕ ንክቀላጠፍን ብስሩዕ መንገዲ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ሬድዮ ስምረት ገሊጻ’ላ፡፡

—————————————////////////////——————————————

 

 

 

 

ዓርቢ 13/04/2018

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ውን ሰላም ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንምዝራግ ይሰርሕ ምህላው ዝገልጹ ሓበሬታት ይወጹ’ለው፡፡

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቶኹቷዂ ተግባራቱ ኣብ ክንዲ ዝቑጠብ ሕጂ’ውን ሰላም ጎረባብቲ ንምዝራግ ድቃስ ስኢኑ ምህላው ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጹ’ለው፡፡

ኣቢሲንያን ቱዩብ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጎልጅ ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ዝለኣኾም ልኡኻት ጥፍኣት ኣብ ማይ ካድራ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ኢትዮጵያ ዘጻወድዎ 40 ግራም ቲኤንቲ ዝተባህለ ፈንጂ ጉድኣት ከየብጽሐ ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ክፈሽል ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ፡፡

እቶም ኣብ ጎልጅ ብህግደፍ ሰልጢኖም ናብ ኢትዮጵያ ዝተላእኹ ዳኛቸው ካሳሁንን ማሙሽ ደረጀን ዝተባህሉ ሰባት ተወለድቲ ወልቃይት ኮይኖም እቲ ብህግደፍ ዝተዋህቦም ተልእኾ ሽቶኡ ከይሃረመ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ’ውን ተገሊጹ’ሎ፡፡

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሰላም ክነብር ሕልንኡ ዘፍቅደሉ ስለዘይኮነ ኩሉ ግዜ ኣብ ዕግርግር ክሕባእ ዝህቅን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ፡፡

—————————————////////////////——————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 13/04/2018

ሃገራት ሱዳንን ደቡብ ኮርያን ቑጠባዊ ርክበን ዘደንፍዕ ዘተ ኣካይደን፡፡

ሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ልኡኻት ደቡብ ኮርያ ብምክትል ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ዩን ካን እናተመርሑ ናብ ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ሱዳን ዓብደል ጋኒ እናተመርሑ ንክልትኣዊ ቑጠባዊ ርክብ እተን ሃገራት ዘደንፍዕ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዘካየድዎ ዘተ ኣብ 3 ርብዒ ዓመት 2018 ኣብ ሲኦልን ካርቱምን ገዚፍ ቑጠባዊ ውዕል ክኽትሙ ቆጸራ ሒዞም ዘለው ኮይኖም፡ ሱዳን ብወገና ንትካላት ደቡብ ኮርያ ዝዕድም ድሙቕ ናይ ወፍሪ ሃዋህው ተካይድ ምህላዋ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ማዕቀብ ምሕጋዝ ንኣሸበርቲ ምልዓላ ስዒቡ ሃገራት ናብ ሱዳን ወፍሪ ከካይዳ ዝዕድም ኮይኑ ከምዘሎ ሱዳን ትሪቡን ወሲኹ ይገልጽ፡፡

—————————————-////////////////—————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 13/04/2018

ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኣይ ኤስ መጥቓዕቲ ኢንተርኔት ከምዝኸፈተት ገሊጻ፡፡

ከምሓበሬታ ቢቢሲ፡ ብሪጣንያ ኣብ ልዕል’ቲ እስላማዊ ምምሕዳር ንምትካል ይቓለስ ኣለኹ ዝብል ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ሳይበር ከፊታ’ላ፡፡

ብሪጣንያ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ንፈለማ እዋን ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ከፊታቶ ዘላ መጥቓዕቲ ድማ ነቲ ጉጅለ መጥቓዕቲ ናይ ምፍጻም መደቡ ይኹን ፕሮፖጋንዳ ናይ ምፍናው ዓቅሙ ዘጥፍእ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ፡፡

ዳይሬክተር ድሕነት እታ ሃገር ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ጀሚራቶ ዘላ ዘመተ ዓቢ ውጽኢት ከምጽእ ከምዝኽእል ገሊጹ’ሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ እቲ ጉጅለ ዝደለዮ መልእኽቲ ካብ ምትሕልላፍ ተኸልኪሉ ከምዝጸንሐ ብምጥቓስ፡፡

—————————————-////////////////—————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 13/04/2018

ኣሜሪካ ንመጥቓዕቲ ከሚካል ሶርያ ምላሽ ከምትህብ ትገልጽ ኣላ፡፡

ንልዕሊ 7 ዓመታት ኣብ ቅልውላው ትርከብ ሶርያ፡ ዝመርሓ ዘሎ ስርዓት ባሻር ኣልዓሳድ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከሚካላዊ መጥቓዕቲ ከምዘካየደ ይዝረበሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣሜሪካ ድማ ነቲ ዝተወስደ መጥቓዕቲ ምላሽ ከም ትህብ ካብ ዋይት ሃውዝ ዝወጸ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ኣቀባሊት ቃል ዋይት ሃውዝ ሳራ ሳንደርስ ኣሜሪካ ክትወስዶ ብእትኽእል ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ ውሳነ ዝተወድአ ነገር ከምዘየለ እንተኾነ ግን ቤት ምኽሪ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብሰፊሑ ክመያየጥ ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጻ፡፡

ከም ኣገላልጻ ተዓዘብቲ፡ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ብሓባር ንኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ሶርያ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዳ’የን፡፡

ኣሜሪካ ባሻር ኣልዓሳድ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ንዝፈጸሞ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ተሓታቲ ከምዝገበረቶ ይፍለጥ፡፡

—————————————-////////////////—————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here