ዝርዝር ዜና 13-08-2017

0
550

ብሽም ሃገራውነት ምሽቃጥ  ገበን’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

 

ሃገራዊ መሲልካ ንህዝብን ሃገርን ካብ ምብዳል ዝሓምቕ ተግባር የለን ዝበሉ ግዱሳት ዜጋታት እኳ ደኣስ ብምስምስ ሃገራውነት ንሃገር ኣሕሊፍካ ዝወሃብ እንተኾይኑ ብገበን ከም ዘሕትት ኣተሓሳሲቦም።

ንሃገር የዕኑዋ ምስ ዘሎ ምልካዊ ህግደፍ ዝመጻደቑ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ዝመውጽኢ ኣፎም ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ህዝቦምን ሃገሮምን እናተገፍዑ ከም ዘይረኣዩ ሃገር ጽቡቕ ከም ዘላ ኣምሲሎም ይምስክሩ ምህላዎም ዝጠቐሱ እቶም ግዱሳት፡ ነዚ ኩሉ በደላት ክሒዶም  ዝነዝሕዎ ዘለው ፕሮፖጋንዳ ጽባሕ ካብ ተሓታትነት ከድሕኖም ከም ዘይኮነ ኣዘኻኺሮም።

ብስም ደለይቲ ለውጢ ንውልቃዊ ረብሕኦም ዝንቀሳቐሱ ወገናት’ውን ከም ዘለው ዝጠቐሱ እቶም ግዱሳት፡ እዞም ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝተዋፈሩ ግለሰባት ንገዛእ ርእሶም ካብ ምቕሻሽ ብተወሳኺ ተግባራቶም ካብ ህግደፋውያን ዘይንኣኣስ ምዃኑ ፈሊጦም ኣደብ ክገብሩ ኣጠንቂቖም።

———————————/////////////————————–

ሰንበት 13/08/2017

ስደት ኤርትራዊ ጠጠው ክብል ስውርን ጉሁድን ቃልሲ ምስ ዝካየድ ጥራይ’ዩ ተባሂሉ፡፡

ብሰንኪ ኣረሜናዊ ጉጅለ ኢሳይያስ ተማሪሮም ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታትና ከምዝሓበርዎ፡ ስደት ኤርትራዊ ጠጠው ክብል ተኾይኑ ብስውርን ጉሁድን ተወዲብና ቃልሲ ምስ እነካይድ ጥራይ’ዩ ኢሎም፡፡

እቶም ዜጋታት መዓልታዊ ተሰዲድና መፍትሒ ዝመጽእ ተዝኸውን ኔሩ፡ ቅድሚ 30 ዓመት ተሰዲዶም ዘለዉ ዜጋታትና መፍትሒ ከምጽኡ ምኽኣሉ፡ እንተኾነ ግን ናብ ገዛእ መሬቶም ዘይሕጋዊ ግብሪ 2 ሚኢታዊት ከፊሎም’ዮም ክኣትዉ ዝግደዱ ዘለዉ ክብሉ’ዉን ጠቒሶም፡፡

ስደት መፍትሒ ጸገማትና ክኸውን ክሳብ ዘይከኣለ፡ ክንገብሮ ዘለና ኣካይዳ፡ ኣብ ሓደ ዓሲልናን ተወዲብናን ነቲ መብረሲና ዝኾነ ኣባይ ጉጅለ ክንኣልዮ ቃልስና ነበርትዕ ክብሉ’ዉን ብተወሳኺ ኣነጺሮም፡፡

——————————–///////////////————————–

ሰንበት 13/08/2017

ጉጅለ ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ዘቋሰሎ ዕቤትን ክብርን መምሃራን ብፕሮፖጋንዳ ኣይሓውን’ዩ ክብል ድምጺ ሰላምን ዲሞክራሲን ኤርትራ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ኤርትራ ዘይከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንተማሃሮ ዝወሃብ ትምህርቲ ኮነ ንመምህራን ዝወሃብ ስልጠና ኣብ ኤርትራን ብመንግስቲ ኤርትራን ጥራይ ዝግበር ዘሎ ካብ ሓልዮትን ሓላፍነታዊ ስምዒትን ዝነቅል ፖሊሲ’ዩ እናበለ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓሳት ነቲ ኮነ ኢሉ ዘቋሰሎ ዕቤትን ክብርን መምሃራን ኣየሕውን’ዩ ክብል ድምጺ ሰላምን ዲሞክራሲን ኤርትራ ገሊጹ፡፡

እዚ ህግደፍ ብመራኸቢ ብዙሓኑ ዝነዝሖ ዘሎ ወረ ሓሶት ምዃኑ መረጋገጺ ዝድለየሉ ኣይኮነን ልዕሊ ኩሉ ህሉዉ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ እንታይ ይመስል ኣብ ዘለኻዮ ኮፍ ኢልካ ምግምጋም እኹል’ዩ ክብል’ዉን ኣነጺሩ፡፡

ህግደፍ ንክብሪ መምህር ብኣፍልጦን ብመደብን መሬት ክዘብጥ ክነዓቕ ጌሩ ክነሱ ዓቕሚ መምሃራን ዘዕቢ ስልጠና ይህብ ኣለኹ ክብል ምግላጹ ነቲ ኮነ ኢሉ ዝዶቖሶ ኣፍልጦ መምህር ኣየሕውዮን’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

——————————-///////////////———————– 

 

ሰንበት 13/08/2017

ንተበግሶ ፈለግ ኒል ኢንተበ 3 ኣባል ሃገራት ኣጸዲቀኖኦ።

ታንዛንያ፡ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ንተበግሶ ፈለግ ኒል ኢንተበ ፈሪመን ብምጽዳቕ ወነንቲ እቲ ፈለግ ዝኾና ሃገራት ተፈጥሮኣዊ ሃብተን ፍትሓውን ምክንያታውን ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ምዓላ ክውዕል ከም ዝደልያ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ዳይሬክተር ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ቴክኒካዊ ጉዳያት ምብራቕ ፈለግ ኒል ፈቕ ኣሕመድ ነጋሽ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንተበግሶ ኒል ካልኦት 3 ኣባል ሃገራት ከቲመን እንድሕር ኣጽዲቐኦ ዘስገድድ ሕጊ እቲ ፈለግ ኮይኑ ከም ዝድንገግ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ንሱ ብተወሳኺ መንግስቲ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን እቲ ስምምዕ ኣብ ባይቶ ሃገራቶም ከጽድቑ ኣብ መስርሕ ከም ዘለው ኣረዲኡ ኣሎ።

ተበግሶ ፈለግ ኒል ኢንተበ ኣብ ዓመተ 2010 ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ፈለግ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ብምእላይ ብፍትሓዊ ኣገባብ ንምጥቃም ምዕላም 6 ሃገራት ዝኸተማሉ ስምምዕ ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ኢንተባ ከም ዘርቀቓ ዝዝከር’ዩ።

———————————-////////////————————— 

ሰንበት 13/08/2017

ላዕለዋይ በዓልስልጣን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ንምዕዛብ ክጎዓዝ’ዩ።

ንሓደ በዓለ መዚ ጉዳይ ስደተኛታት ብምጥቃስ ዥንዋ ኣብ ዘስፈሮ ዜና፡ ብሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፓ ግራንዲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ንምዕዛብ ናብ ሱዳን ከም ዘምርሕ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ዕላማ ዑደት ጉጅለ ልኡኽ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብኣካል ርኢኻ ቅልጡፍ ፍታሕ ንምምጻእ’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ዳርፉር ንዝርከቡ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ብምብጻሕ ዑደት ዝጅምር እቲ ብፊሊፓ ግራንዲ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ክራኸብ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

——————————–////////////////——————–

 

 

 

 

ሰንበት 13/08/2017

ቁጽሪ ተመረጽቲ ኬንያውያን ደቀነስትዮ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ በሪኹ።

ዘኢስት ኣፍሪካ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ቁጽሪ ተመረጽቲ ደቀንስትዮ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ምስ ዝሓለፈ ክነጻጸር እንከሎ ዝበረኸ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዓመተ 2013 ኣብ ዝተገብረ መስርሕ ባይቶኣዊ ምርጫ 16 ደቀንስትዮ ተመሪጸን ምንባረን ዘዘኻኸረ ዘኢስት ኣፍሪካ ኣብዚ ናይ 2017 ድማ እቲ ቁጽሪ ናብ 23 ክብ ከም ዝበለ ሓቢሩ።

እቲ ቁጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰኸ ይኸይድ ምህላው ዝጠቐሰ እቲ መርበብ ሓበሬታ ይኹን እምበር እቲ ዝድለ መጠን ተማሊኡ’ዩ ክበሃል ከም ዘይከኣል ኣነጺሩ።

ኬንያ ኣብዚ ቅንያት ብኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ፍትሓዊ ነይሩ ዝተባህለሉ መስርሕ ምርጫ ከም ዘሳለጠት ይፍለጥ።

———————————-//////////////————————

 

 

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY