ዝርዝር ዜና 13-09-2017

0
270

ኣብ ልዕሊ ልሉያት መራሕቲ ሃይማኖት ንዝወርድ ግፍዕታት ኩሉ ኤርትራዊ ሰሚሩ ክቃለሶ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትና ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንነጻነት፡ ሓርነትን ክብርታትን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ እምነታትና ብምድፋር ዝካየድ ቀጻሊ ኢድ ኣእታውነት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓደ ድምጺ ሓቢሩ ክኣልዮ ኣለዎ ኢሎም፡፡

እቲ ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ዝተዘርግሐ መዘኻኸሪ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ልሉያት መራሕቲ ሃይማኖታት ዝወስዶ ግፍዕታትን ማእሰርትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብትረት ከወግዞ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ዜጋታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ  መንፈሳዊ እምነት ዝካየድ ኢድ-ምትእትታው ብስቕታ ምሕላፉ ዘዋጽእ ኣይኮነን ብምባል ‘ውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ነቲ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ እምነታት ንዘመናት ክሰጋገር ዝጸንሐ ተኸባቢርካ ብሓባር ምንባርን ምትሕግጋዝን ዘውሕስ ብዘይምዃኑ ብተግባር ክንኩንኖን ክንቃዎሞን ‘ዩ ዝግባእ’ውን ኢሎም፡፡

————————————////////////////——————————————- 

ረቡዕ 13/09/2017

ክልተ መራሕቲ ሰራዊት ኣባላት ስለያ ጉጅለ ህግደፍ ተቐቲሎም ይበሃል ኣሎ።

ሌተናል ኮረኔል ጸጋዝኣብ ባርያጋብር (ኩሑል)ን ተለንተ ሰመረ ጉዕሽን ዝተባህሉ 2 ኣባላት ስለያ ብ3 መስከረም 2017 ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ከባቢ ኣዲባራ ሞይቶም ተረኺቦም ክትብል ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ።

ብመሰረት’ቲ ዝተዘረገሐ ሓበሬታ እዞም ኣብ ስለያ ምክልኻል ዝሰርሑ ዝነበሩን ኣብ ከረን ቤት ጽሕፈት ዝነበሮምን ዜጋታት ቀታሊኦም ብወግዒ’ኳ እንተዘይተገለጸ ገለ ምንጭታት ግን ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ስለያ እዚ ምዕራብ ተቐንጺሎም ዝብል ሓበሬታ በጺሕዎም ኣሎ።

እቶም 2 ግዳያት ብጠያይቲ ብሬን ኣካላቶም ተበሳሲዑ ከም ዝጸንሐ ዝተሓበረ ኮይኑ ቅድሚ ሰሙን ምስኦም ዝነበረ ዶክመንት ሒዞም ካብ ቤትጽሕፈት ተሰዊሮም ስለዘለው ተኸታተሉ ዝብል ሴርኩላር ካብ ምክልኻል ናብ ኩለን ኣሃዱታት ስለያ ተመሓላሊፉ ከም ዝነበረ ተጠቒሱ’ዩ።

——————————-//////////////—————————- 

ረቡዕ 13/09/2017

ኣሜሪካ ንኤርትራውያን ክትህቦ ዝጸንሐት ቪዛ ከምዘቋረጸቶ ይግለጽ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብጀካ’ቲ ብፍሉይ ዝወሃብ ገዲፍካ ንኤርትራውያን ናይ ስራሕን ምብጻሕን ቪዛታት ከም ዘይወሃቦም ገሊጹ’ሎ።

ኣሜሪካ ነዚ ሕግ’ዚ ተወጽእ ዘላ ገለ ሃገራት ዝተጠረዙ ዜጋታተን ክቕበላ ዘይደልያ ስለዝኾና ኮይኑ ብመሰረት ሕጊ ፌደራል እታ ሃገር ከኣ ነዞም ዜጋታት ክወሃብ ዝጸንሐ ቪዛ ክኸልከል ይኽእል’ዩ።

ምኽልካል ቪዛ ንኤርትራውያን ምስቲ ሃገርና ዓባይ ምንጪ ስደትን  ምንፋግ ሓርነትን ኮይናቶ ዘላ ተዛሚዱ ከቢድ ክገብሮ ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣሜሪካ ብጀካ’ዚ ንሰብ መዚ ካምቦድያ፡ ሰራልዮንን ጊኒን’ውን ካብዚ ሰሙን’ዚ ንደሓር ቪዛ ከም ዘይትህብ ገሊጻ’ላ።

———————————//////////////————————– 

ረቡዕ 13/09/2017

ቡዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣብ ስራሕ ኣመንዝራነት ይዋፈራ’ለዋ።

ከም ሓበሬታ ጋዜጣ ሀርትዝ ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ እተን 7000 ደቐንስትዮ ኮይነን ካብአተን ድማ እተን ዝበዝሓ ኤርትራውያን ኮይነን ኣብ ስራሕ አመንዝራነት ተዋፊረን ኣለዋ።

እተን ዝበዝሓ ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ብኸቢድ ጸገም ስደትን መቅጻዕቲ በረኻታት ሲናይን ዝሓለፋ ብምዃነን ከምኡ’ውን ብዘይስሩዕ ኣገባብ ውላድ ወሊደን ንጽል ኣዴታት ኮይነን ዝተረፋ ብምዃነን ኣብዚ ስራሕ ኣመንዝራነት ከዋፈራ ይግደዳ ከም ዘለዋ ተፈሊጡ’ሎ።

ብጀካ’ዚ እተን ደቐንስትዮ ምስ ኩሉ’ቲ ዝሓለፈኦ ጸገምን ሕጂ ዘጋጥመን ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገማትን ሕጽረት ገንዘብ’ውን ናብቲ ብኤርትራዊ ማሕበረሰብ ቅቡል ዘይኮነ ስርሓት ክኣትዋ ይግደዳ ከምዘለዋን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብዝሒ በዚ ስራሕ ናይ ዝመሓደራ ደቐንስትዮ እናወሰኸ ከም ዘሎ’ውን እታ ጋዜጣ ሓቢራ’ያ።

———————————////////////———————– 

ረቡዕ 13/09/2017

ብሪጣንያ ምፍሳስ ደም ደቡብ ሱዳናውያን ከብቅዕ ኣተሓሳሲባ።

ዓባይ ብሪጣንያ ብመገዲ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሮይ ስቲዋርት ኣቢላ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መተሓሳሰቢ ፡ ደቡብ ሱዳናውያን ካብ ዓመተ 2013 ጀሚሩ ደም የፋስሶም ንዘሎ ሓድሕድ ኲናት ሃገሮም ከብቅዕ ጸዊዓ።

እቲ ብሪጣንያዊ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ከባቢታት ጁባ፡ ላዕለዋይ ኒል፡ ስቴት ካፒታልን ማላካልን ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት ስራሕ’ዩ።

ሚኒስተር ሮይ ስቲዋርት ኣብ ጻውዒቱ ነቲ ቅልውላውን ደም ምፍሳስን ደው ኣብ ምባል ብቐንዱ ሓላፍነት መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስ መንግስቲ ጁባ ኣብዚ ጉዳይ ውሕሉል ኣገባብ ክኽተል ጸዊዑ።

———————————/////////////————————— 

ረቡዕ 13/09/2017

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተወሳኺ እገዳ ኣንቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ንጻውዒትን መጠንቀቕታን ማሕበረሰብ ዓለም ሸለል ብምባል ብተደጋጋሚ ፈተነ ምውንጫፍ ኒኩለራዊ ሚሳይል ተካይድ ብምህላዋ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ ማዕቐብ ኣንቢሩላ’ሎ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ፕዮንግዮንግ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ፈለማ ብምልክዕ ንድፈ ሓሳብ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ኮይኑ ባይቶ ጸጥታ ድማ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ተረዲኡ ብምርዓም ከም ዘጽደቖ ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ደገ እተእትዎ ነዳዲ ከምኡ’ውን ናብ ወጻኢ ሃገራት ብመልክዕ ሰደድ እትልእኾ ምንጪ ሸርፊ ወጻኢኣ ዝኾነ ምህርቲ ጨርቃጨርቅን ድማ ገለ ካብቶም ብባይቶ ጸጥታ ኣብቲ እገዳ ዝተኻተቱ ርእሰ ጉዳያት’ዮም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ድሕሪ እቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ፕዮንግዮንግ ዘንበሮ ማዕቀብ ኣብ ዝሃቦ ቃል እዚ ሕጂ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑን፡ ሰሜን ኮርያ ኣካይዳኣ እንተዘየዐርያ ካልእ ዝበኣሰ ስጉምቲ ክስዕብ ከም ዝኽእልን ኣጠነቂቑ።

——————————-////////////////————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY