ዝርዝር ዜና 13-11-2017

0
324

የማነ ማንኪ በዓል ደም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምዃኑ ኩሉ ክፈልጥ ከምዝግባእ ዳይሬክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጻ፡፡

ብስም ኤሪ ብለድ ዝቖመ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘይሕጋዊ ስጉምትታት ዝወስድ ዘሎ ጉጅለ ጥፍኣት ቀንዲ ተጸዋዕነቱ ብየማነ ማንኪ ከምዝኾነ ዝገለጸት ዳይሬክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም የማነ ማንኪ ንገዛእ ርእሱ በዓል ደም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦ ዝግባእ ጉዳይ ከምዝኾነ ጠቒሳ፡፡

የማነ ማንኪ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ሓደገኛ ሰባኻይ ኮይኑ መንፈሳዊ ዕዮ ብምዕያይ ህቡብነት ከጥሪ ክኢሉ ዝነበረ ውልቀሰብ’ዩ ዝበለ እታ ዳይሬክተር ሕጂ ከኣ ኩሉ ግዚኡ፡ ዓቕሙ፡ ጉልበቱን ክእለቱን ኣብ ምጽናት ህዝቡን ሃገሩን ዘውዕሎ ዘሎ ገበነኛ’ዩ ክትብል ገሊጻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎ በደላትን ብመርትዖ ዝተደገፈ ሰነድ ከምዘሎ ብምሕባር፡፡

እዚ ከምዘሎ ከሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደቆም ናብቲ ደም ኤርትራ ብዝብል ዝፍለጥ ህግደፍ ዘቖም ጉጅለ ጥፍኣት ከይጽንበሩ፡ ክከታተሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከቡ ብማንኪ ዝምርሑ ኣባላት መርበብ ስለያ፡ ምስ ህዝቦም ክውግኑ ፡ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ወከልቲ ህግደፍን ኣምባሳደራትን ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ኣንጻር ህግደፍ ዘመተታቶም ከቕንዑ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲባ’ላ፡፡

—————————————————-///////////////////——————————-

ሰኑይ 13/11/2017

ግዝያዊ ሙፍቲ ኤርትራ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ይበሃል ኣሎ፡፡

ከምሓበሬታ መድረኽ ህግደፍ ንቤት ትምህርቲ ዲያእ ምዕጻው ስዒቡ ኣብቲ ናይ ህግደፍ መትከል ደው ክብል ዝተሓተተ ብህዝቢ መጋበርያ ሃገራዊ ድሕነት ተባሂሉ ዝተኾነነ’ ኣብ ቀራና መንገዲ ተቐርቒሩ ዝጸንሐ ግዝያዊ ሙፍቲ ኤርትራ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ’ሎ፡፡

ንጹር መርገጺ ክወስድ ተጸጊሙ ዝነበረ ሙፍቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መስጊድ ኹለፋ ራሺዲን ከምዘይሰገደን ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ቅሬታ ኣሕዲሩ ከምዘሎን ተጠቒሱሎ፡፡

ብፍላይ ህዝቢ ኣኽርያ ኣዴታትን ቆልዑን ዝርከቦም ኣማኢት ዜጋታት ተኣሲሮም ከለዉ ኣብ ክንዲ እሱራት ይፍትሑ ኢሉ ዝማጎት በንጻሩ ሰባት ዘእስር ሙፍቲ’ዩ ኢሎም ስለዝሓምይዎን ዝጸልእዎን’ዩ እዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ናይ ጭንቀት ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ ዘሎ ክትብል’ዉን መድረኽ ሓቢራ’ላ፡፡

እቲ ሙፍቲ ነዚ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዱ ኣብ ምዕጻው እታ ቤት ትምህርቲ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ ከምዝነበረን ኮሚቴ እታ ቤት ትምህርትን ወለድን’ዉን ተሪር ደብዳቤ ከምዝጸሓፉሉን መድረኽ ብተወሳኺ ጠቒሳ፡፡

ብኻልእ ዜና መንግስቲ ሱዳን ኣብ ገዳርፍ ተኣሲሮም ዝነበሩ 137 ኤርትራውያን ብመንገዲ ኣዲባራ ናብ ኤርትራ ከምዝሰጎጎምን ነፍሲ ወከፎም ድማ 5 ሽሕ ጂነ ሱዳን ከምዘኽፈሎምን መድረኽ ገሊጻ’ላ፡፡

——————————————————/////////////////——————————-

ሰኑይ 13/11/2017

ግህሰት መሰል ኣብ ብዝሒ ዝምርኮስ ከምዘይኮነ ተገሊጹ፡፡

ግህሰት መሰል ሓደን ክልተን ከይበለ ንኩሉ ብማዕረ ዝበጽሐሉ ብኣጉኡ ክግታእ ዘለዎ ኩነት’ዩ ክብል ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

እቲ ሽማግለ ፡ ኤርትራ ናይ ኩልና ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለና ኤርትራውያን ምዃና ክንፈልጥ ይግባእ ብምባል ነዚ ድማ ኩልና ኣንጻር ፈላላይና ምልኪ ሓቢርና ደው ክንብል’ዩ ዝግባእ ኢሉ፡፡

ስለዝኾነ ተጀሚሩ ዘሎ ቁልዒ ንኸይቅህም፡ ንህግደፍ ኣሊና ርህውትን ሰላማዊትን ኤርትራ ከነረጋግጽን ኣብ ባህልን ክብረትናን ክንመውትን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ሎሚ ንተስእ ክብል’ውን ኣተሓሳሲቡ፡፡

———————————————-///////////////////————————————-

ሰኑይ 13/11/2017

ንህዝባዊ ሰልፊ ኣስመራ ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ሕጂ’ዉን ብውዕውዕ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ፡፡

ምንጭታትና ከምዝሓበርዎ ንህዝባዊ ሰልፊ ኣስመራ ዝድግፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝቕመጡ ደለይቲ ሓቂ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ’ዉን ኣብ ስያትል፡ ዋሽንግተን ፡ ቦስቶንን’ዉን ብዝሓየለ መልክዑ ይሰላሰል ኣሎ፡፡

ብህዝቢ ስያትልን ከባቢኣን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ሓድነታዊ ስኒት ኤርትራውያን ዝተንጸባረቐሉ ፡ ባህጊ ሓድነት ዝደመቐሉን ንሕና ምስ ህዝብና ፡ ህዝብና ምሳና፡ እሱራትን ይፈትሑ ቃል ሓጂ ሙሳ ሕቶ መሰል ኩልና’ዩ ብዝብል ጭርሖ ዝተማእኸለ ምንባሩ ተፈሊጡ፡፡

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ስቪካዊ ማሕበር ቦስቶንን ከባቢኣን ብወገኑ እዚ ኣብ ኣስመራ ዝተራእየ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምብታኑ ዝተወሰደ ጭካነ መቐጸልታ ናይቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተገበረን ዝቕጽል ዘሎን ቅሉዕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝብና’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

እቲ በቶም ተባዕ ኣቦ ዝተወሰደ ስጉምቲ ታሪኻዊ ኮይኑ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወይ ኣብ ወጻኢ ይሃሉ ዓቢ ትምህርትን ኣብነትን ኮይኑ ንቐጻሊ ክዝከርን ክኽበርን ከምዘለዎ ዝገለጹ እቶም ሰልፈኛታት፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሓቢሩ ክቓለስ ከምዘለዎ’ውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ብብዝሕነቱን ተሳታፍነቱን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ ኣብ ከተማ ኦስሎ’ዉን ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ብተወሳኺ ተገሊጹ፡፡

————————————————///////////////////////——————————

ሰኑይ 13/11/2017

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ UNHCR ብምትሕብባር ልዕሊ 20 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ኣግዒዙ

ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከም ቀንዲ መሰጋገሪት ኮይና ኣብ ዘላ ሃገረ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን በደልን ከምኡ’ዉን ሞት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንምንካይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ UNHCR ብምትሕብባር 25 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከምዘግዓዘ ሮይተርስ ካብቱኒስ ጸብጺቡ፡፡

እዞም ተጠቐምቲ’ዚ ፈላማይ ዕድል ጉጅለ ስደተኛታት ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተወጻጽኡ ወገናት’ዮም፡፡

ካብዞም 25 ስደተኛታት ፡15 ደቀንስትዮ፡ 4 ህጻናት እቶም ዝተረፉ 6 ከኣ ደቂተባዕትዮ ምዃኖም ተጠቒሱ’ሎ፡፡

ኣብ ሊብያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 43 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይድን ነጋዶ ደቂሰብን ተሓይሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ፡፡

————————————————–//////////////////////——————————

ሰኑይ 13/11/2017

ኡጋንዳ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ዓቃቢ ሰላም ናብ ሶማልያ ንምልኣኽ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጻ፡፡

ኣፈኛ ሰራዊት ኡጋንዳ ሪቻርድ ካረሜረ ምስ ሺንሁዋ ኣብ ዝገበሮ ዕላል ሃገሩ ተወሰኽቲ 5 ሽሕ ወተሃደራት ናብቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንምልኣኽ ድሉዉነታ ተረጋግጽ ምህላዋ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣፈኛ ኣብ ዕላሉ ኡጋንዳ ኣብ ትሕቲ ኣሚሶም ዝሕቖፉ ወተሃደራት ከምዘለዉዋ ብምጥቃስ፡ ርእሱ ክኢሉ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝወፍር ኣብ ሶማልያ ክህሉዋ ድልየት ኣለዋ ኢሉ፡፡

ሪቻርድ ካረሚረ ወሲኹ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ዕጥቅን ስንቅን ደገፍ እንተገይርሉ ኣብ ምድምሳስ ኣልሸባብ ኣንጸባራቒ ዓወት ናይ ምምዝጋብ ዕድል ዝሰፈሐ ብምዃኑ ኡጋንዳ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ትንቀሳቐስ ምህላዋ ኣነጺሩ፡፡

—————————————————/////////////////———————————-

ሰኑይ 13/11/2017

ኬንያ ንቀንዲ ጥርጡራት ኣሸበርቲ ኣብ ምትሓዝ ንዝተሓባበረ ሰብ ገንዘባዊ ሽልማት ኣዳልያ ምህላዋ ገሊጻ፡፡

ፖሊስ መንግስቲ ኬንያ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ድሕሪ መጋረጃ ብምዃን ኣብ ኬንያ ተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ቀንዲ ተወሳእቲ ንዝኾኑ ጥርጡራት ኣብ ምትሓዝ ንዝተሓባበረ ሰብ ናይ 20 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት ኣዳልየ ኣለኹ ኢላ፡፡

እቲ ፖሊስ ብፍላይ ዓሊ ዚራ ናይ ዝተባህለ ጥርጡር ገበነኛ ፎቶ ዘርጊሑ ከምዘሎ ብምጠቃስ ኣብ ምትሓዙ ኩሉ ዜጋ ክተሓባበር ተላብዩ’ሎ፡፡

ፖሊስ ኬንያ ንፎቶ ዓሊዚራ ዝዘርግሓሉ ምኽንያት ምስ ተሓባበርቱ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ንህዝብን ሃገርን ኣገደስቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ምቕንጻል ክነጥፍ ብምጽንሑ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ፡፡

—————————————————-//////////////////——————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY