ዝርዝር ዜና 14-02-2018

0
122

ስርዓት ህግደፍ ውህሉል ዕዳ መብራህቲ እናበለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተወሳኺ ከቢድ ሽግር ምፍጣር ይቕጽለሉ’ሎ፡፡

ነቲ ካብ ዝህልወሉ ዘይህልወሉ ግዜ ዝበዝሕ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ሃገርና ስርዓት ህግደፍ ናይ መብራህቲ ዘይተኸፍለ ውህሉል ዕዳ ኣለኩም እናበለ ኣብ ልዕል’ቲ ናብራ ከቢድዎ ዘሎ ህዝቢ ተወሳኺ ሽግር ይፈጥር ኣሎ፡፡

እዚ ሕጂ ህግደፍ ውህሉል ዕዳ ኢሉ ናብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ መዓት፡ ህዝቢ ናይቲ ብዘይ መብራህቲ ዝሓለፎ ግዜ ክኸፍሎ’ዉን ዘገድድ ኮይኑ ንሓደ ሰብ ድማ ካብቲ ዝተሓተ 300 ናቕፋ ክሳብ ዝለዓለ 1000 ናቕፋ በይኑ’ሎ ብመሰረት’ቲ ዝመጸና ሓበሬታ፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ድሕሪ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣኽርያ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ኣስመራ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ንገለ እዋናት ፈንዩ ከምዝነበረ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ብድሕሪኡ ግን እቲ ኩነታት ናብ ዝነበሮ ከምዝተመልሰን ሕጂ ውህሉል ዕዳ ኣለኩም ዝብለሉ ዘሎ ምኽንያት’ዉን መርኣያ ናይቲ ሕቡእን ጨካንን ባህሪኡ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የነጽር፡፡

——————————————-/////////////////////———————————–ረቡዕ 14/02/2018

ዕዳጋታት ኤርትራ ሕጂ’ዉን ብዝከፍአ መልክዑ ናህሩ ይውስኽ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ፡፡

ዕዳጋታት ኤርትራ ምስ ምዕጻው ዶብ ሱዳን ተኣሳሲሩ ሕጂ’ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ዋጋ ሃለኽቲ ብዝኸፍአ መልክዑ ናህሩ ይውስኽ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ይገልጹ ኣለዉ፡፡

ሱዳን ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ህግደፍ ጸጥታዊ ስግኣት ብዝሓደራ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ ብዘሎ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ዶባት ካብ ዝዓጽዎ ጀሚሩ ዕዳጋታት ኤርትራ መመሊሱ ናንቆልቆለ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ምኽኣሉ ዜጋታትና ዝሕብሩ፡፡

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብኩሉምሉ መነባብሮ ህዝቢ ሰማይ ብምዕራጉ ዜጋታት ብዓቕሊ ጽበት ንስደት ክነፍጹ ይግደዱ ምህላዎም ብተወሳኺ እቶም ዜጋታት ኣነጺሮም፡፡

መንግስቲ ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ቦታታት ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን ምውፋሩ ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር’ዩ፡፡

—————————————–////////////////////————————————-

ረቡዕ 14/02/2018

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ህግደፍ ካልእ ፈንቅል ይጽበዮ ኣሎ ክብል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ፡፡

ኣብ ምሕራር ምጽዋዕን ካልእ ከባቢታት ሃገርና ንሓይሊ መግዛእቲ ዝፈንቀሉ ስውኣትና ክብርን ሞጎስን ይብጽሓዮም ዝበለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ዘቤታዊ ባርነታዊ መግዛእቱ ዘስፋሕፍሐሉ ዘሎ እዋን ከኣ ካልእ ፈንቅል ይጽበየና’ሎ ክብል ገሊጹ፡፡

ምሕደራ ህግደፍ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክርአ ከሎ ካብ መግዛእቲ ፈሊኻ ዘይረአ፡ ጸረሰላም፡ ጸረ ልምዓትን ጸረዲሞክራስን’ዩ ዝበለ እቲ ሰልፊ ኣርዑት መግዛእቲ ህግደፍ ናይ ምፍንቃል ዕማም ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ ጉጅለ ህግደፍ ግን ኮነ ኢሉ ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ክረኽቦም ዝግብኦ ዝነበረ ጸጋታት ይነፍጎ ስለዘሎ፡ ህዝቢ’ዉን ካብኡ ዝጽበዮ ፍታሕ ስለዘየለ እቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ክነቕሓሉ ዝግባኣና ዕማም’ዩ ክብል ኣነጺሩ፡፡

ህግደፍ ከምፈንቅል ዝኣመሰለ ስርሒታት ዝዝክረሉ ምኽንያታት ንክብሪ’ቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ንምዝካር ዘይኮነስ ብዳንኬራን ሳዕሲዒትን ህዝቢ ጅሆ ንምሓዝ’ዩ ክብል’ዉን ብተወሳኺ ጠቒሱ፡፡

————————————-////////////////////—————————————

ረቡዕ 14/02/2018

ቁጽሪ ፍልሰት ዜጋታትና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ኣሎ፡፡

ካብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣራ ጨንፈር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ተማሪሮም ናብ ስደት ይፈልሱ ናይ ዘለዉ ዜጋታትና ቁጽሪ ካብ ገዜ ናብ ግዜ ይውስኽ ከምዘሎ ኣመልኪቱ፡፡

ካብ 5 ክሳብ 11 ለካቲት 2018 ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 580 ዜጋታትና ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩን ካብዚኦም እተን 218 ደቀንስትዮ ከምዝኾናን እቲ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ካብዚኦም 1 መራሒ ሓይሊ፡ 2 መራሕቲ ጋንታን 1 መራሒ መስርዕን ዝርከቡዎም 98 ኣብ ግዱድ ዕስክርና ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ክኾኑ ከለዉ፡ ኣላይ ዘይብሎም 109 ህጻናት ዝርከቡዎም 270 ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ ትሕቲ 17 ዓመት ቆልዑ’ዮም፡፡

እቶም ዝበዝሑ ካብ መባእታ ክሳብ ብደረጃ ኮሌጃት ክመሃሩ ከምዝጸንሑ ዝጠቐሰ እቲ ካብ ኣራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እቶም 17 ናይ ኮለጅ ትምህርቶም ዛዚሞም ብትርጉም ኣልቦ ክፍሊት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት እቲ ምልካዊ ጉጅለ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ኣብሪሁ፡፡

————————————-//////////////////////————————————-

ረቡዕ 14/02/2018

ገዛኢ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪቃ ANC  ፕረዚደንት ዙማ ስልጣኑ ክሓድግ ወሲኑ፡፡

ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ክሓድግ ተሓቲቱ ዝሓንገደ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ፡ ብገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ANC ክስግደድ ምዃኑ ቢቢሲ ጸብጺቡ፡፡

ሰልፊ ANC  ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ፡ ላዕለዎት ኣመራርሕኡ ድሕሪ ዝገበሩዎ ዕምቆት ዘለዎ ዘተ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ዙማ ሕጂ’ዉን ፍቓደኛ እንተዘይኮይኑ ብሓይሊ ንምእላዩ ክግደድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡

ፕረዚደንት ዙማ ካብ ስልጣኑ ክእለ ብANC ከይተረፈ ተጽዕኖ ዝግበረሉ ዘሎ ምኽንያት ብርክት ኣብ ዝበለ ብልሽውናታት ኢድ ኔሩዎ ዝብል ክሲ ስለዝቐረበሉ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ የነጽር፡፡

———————————///////////////////////—————————————-

ረቡዕ 14/02/2018

ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሶማልያ ንሬድዮ መደበር ኣሸባሪ ኣልሸባብ ደምሲሱ፡፡

ንቃል ኣዛዚ ሰራዊት ሶማልያ ጀነራል ዓብዱላሂ ዓሊ ብምጥቃስ ቢቢሲ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ሬድዮ ኣንዱሉስ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ሬድዮ መደበር ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝገበሮ ሓቢሩ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ስርሒት ሙባረክ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር እትርከብ ከተማ ዝተኻየደ ኮይኑ ነቶጉቲ ዝጸዓና 3 መካይን እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ’ዉን ዓንየን ኣለዋ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ሰራዊት ሶማልያ ምስ ሓይልታት ኣሜሪካ ተላፊኑ ኣብ ታሕታይ ሸበሌ፡ ንኣልሸባብ ይሃድን ከምዘሎ ጸብጻብ ቢቢሲ የነጽር፡፡

——————————-/////////////////////——————————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here