ዝርዝር ዜና 14-05-2018

0
189

ስርዓት ህግደፍ እቲ ወትሩ እናካየዶ ዘሎ ግፋ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ፡፡

 

ንህዝቢ ኤርትራ ብምርጋጽ፡ ብምእሳርን ብጥሜትን እናሳቐየ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ከካይዶ ከምዝጸነሐ ግፋን ሃድንን ዜጋታት ሕጂ’ውን ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ይሕበር ኣሎ፡፡

እቲ ብምኽንያት ጽንብል ናጽነት ዝግበር ዘሎ ግፋ ኣብ ቡዙሓት ከተማታትን ገጠራትን ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ኣስመራ እቲ  መስርሕ ግፋ መደብ ኣውጺኡ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር ዘሎ፡፡

በቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ቡዙሕ ህዝቢ ተቓውሞ የስምዕ ከምዘሎ እዚ ዓመት መጸ ኣብ ሃገራዊ በዓል ህዝቢ ብናጽነት ከይንቀሳቐስ ባይታን ምሕራም፡ ዝገብሮ ዘሎ ተግባራት ከኣ ዜጋታት ንምድንጋር ዘካይዶ ዘሎ ጽምብል ምዃኑ ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራ የነጽራ’ለዋ፡፡

————————————-//////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሶኒ 14/05/2018

ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ንህሉው ኩነታት ሃገር ዝኽሕድ መግለጺ ሂቡ፡፡

ብህግደፍ ትመሓደር ዘላ ኤርትራ ብግህሰት መሰልን ብምዕፋን ነጻ ፕረስን ኣብ ቅድሚት ካብ ትስራዕን መዛረቢት ማዕከናት ዜና ካብ ትኸውንን ነዊሕ ግዜ ወሲዳ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ግን ነዚ ሓቅ’ዚ ብምኽሓድ ኣብ ዓለም ኤርትራ ጥራይ’ያ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ተኽብር ሃገር ክብል ምስ ኤምባሲ ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ’ሎ፡፡

ኣብ ሃገሩ ዝነብር ኤርትራዊ ኩሉ ክረኽቦ ዝግብኦ መሰረታዊ ጠለባት ረኺቡ ብምቾት’ዩ ዝነብር ዘሎ ዝበለ ሚኒስተር ኣልኣሚን ንህይወት ወዲ ሰብ ድማ ካብዚ ዝዓቢ ናጽነት የለን ክብል ጠቒሱ፡፡

ኤርትራ ብቑጠባ ዝበልጸገት ሃገር ከምዝኾነት ምስ ካልኦት ሃገራት ከነጻጽር ዝፈተነ ኣቶ ኣልኣሚን ዜጋታት እተን ሃገራት ጠምዮም እናተደርበዩ ዲሞክራሲ ኣሎ ክበሃል ብምንታይ መለክዒ’ዩ ክብል ገሊጹ ኤርትራዊ ግን ብሰላም ክነብርን ካብን ናብን ክንቀሳቐስን ሙሉእ ናጽነት ኣለዎ ክብል ናይ ሓሶት ቃል ምስክርነት ብምሃብ፡፡

ብሰንኪ ቀያዲ ምሕደራ ህግደፍ ኤርትራ ብስደት ዜጋታት፡ ብግህሰት መሰልን ብምዕፋን ናጽነት ሕትመትን ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ከም ዘላ ማሕበረሰብ ዓለም ይኹን ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ብዝተፈላለየ መርትዖታት የረጋግጹ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ነቲ ርኡይ ሓቂ ብምኽሓድ ንህዝቢ ዝተፈላለየ ናይ ሓሶት መግለጺ እናሃበ ከደናግር ፈተነታት ከም ዘካይድ ይፍለጥ፡፡

————————————-//////////////////—————————————

 

 

 

 

ሶኒ 14/05/2018

ኣድያብ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝዕለሙ ዝነበሩ እሱራት ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ሴሮም ከም ዝሃደሙ ተሓቢሩ፡፡

ከም ሓበሬታ ድምጺ ኣሰና፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣድያብ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝዕለሙ ዝነበሩ እሱራት ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ስዓታት ቀትሪ፡ ማዕጾ ካንሸሎ ሴሮም ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ዕጡቓት ህዝባዊ ሰራዊት ብምህራሞም ካብቲ ከባቢ ተሰዊሮም፡፡

ደሃይ እቶም ዝሃደሙ ከመይ ከምዝኾነ ዘይገለጸት እታ መርበብ ሓበሬታ ብመራሒ ሓይሊ ወዲ ሳበ ዝምርሑ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 61 እሱራት ንምምላስ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ሓደ ሰብ ግዳይ ሞት ከምዝኾነ ኣነጺራ፡፡

እቲ ብሓለዋ ካብ ዝተተኮሰ ጥይት ዝሞተ መንእሰይ ኣብ 2003 ካብ ቤት ማእሰርቲ ገልዓሎ ወጺኡ ናብቲ መዕለሚ እሱራት ዝተዘዋወረ ዑመር ዑስማን ዝበሃል ኮይኑ፡ ካብቶም ቶኮስቲ ሓደ ድማ ሓው መዋቲ ኮይኑ ከምዝጸንሐን በቲ ኣብ ልዕሊ ሓው ዝተወሰደ ናይ ቅትለት መጥቓዕቲ ተበሳጭዩ ንገዛእ ርእሱ ሓዊሱ 7 ኣባላት ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝቀተለ’ውን ተጠቒሱ’ዩ፡፡

ጨካን ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ግዳይ ምምዝባልን ምጥፋእ ኣሕዋት ዜጋታትን ይኸውን ብምህላው’ውን ዘሕዝን ተርእዮ ምዃኑ እታ መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ’ላ ዝተሰምዓ ሓዘን ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡፡

ክቡራት ሰማዕትና ሬድዮ ወጋሕታ’ውን ዝተሰምዓ ሓዘን ትገልጽ፡፡

————————————-//////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

ሶኒ 14/05/2018

መዓልታዊ ናብ ኡጋንዳ ናይ ዝኣትው ዘለው ቁጽሪ ስደተኛታት ልዕሊ 300 በጺሑ፡፡

ከም ሓበሬታ ኒው ቪዥን እቲ ሃገር፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዝርከብዎም ልዕሊ 15 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣተው ዝሓበረ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ መዓልታዊ ናብታ ሃገር ናይ ዝኣትው ዘለው ቁጽሪ ስደተኛታት 310 ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ፡፡

ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ሃገሮም ኣጋጢሙ ብሰንኪ ዘሎ ሕድሕድ ኲናት ግዳይ ሞት ካብ ምዃን ሰጊኦም ናብ ኡጋንዳ ይስደዱ ምህላዎም ዝሓበረ ጸብጻብ እቲ ውድብ፡ ብተመሳሳሊ ዜጋታት ኮንጎ ክንዮ እቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ኣዕናዊ ግርጭት፡ ኣብ መጻኢ ንዝግበር ምርጫ ስዒቡ ዝመጽእ ናዕቢ ሰጊኦም ከምዝተሰደዱ’ዩ ዘነጽር፡፡

ኣብ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ኮንጎን ቡሩንድን ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ክትግምቶ ናብ ዘይትክእለሉ ህሞት ተበጺሑ ምህላው’ዩ ዝንገር፡፡

ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዝተሓተተ መጠን ገንዘብ ልዕሊ 470 ሚልዮን ዶላር’ኳ እንተነበረ ዛጊት ስጋብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ ግና፡ ኣስታት 46 ሚልዮን ዶላር’ዩ፡፡

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ስደተኛታትን ዘአንግድዎም ማሕበረሰብን ዝተመቻቸአን ዝሓሸ ህይወትን ንክመርሑ ዘኽእሎም ገንዘባዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ትካሉን ዓለምለኻውያን ገበርቲ ሰናይን ዝከኣሎም ዘበለ ናይ ምእማን ስራሕ ከምዝቕጽልሉ ገሊጹ፡፡

ኡጋንዳ ንኣስታት 1.5ሚልዮን ስደተኛታት ዑቕባ ብምሃብ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ኮይና፡ ካብዚኦም ብኣሽሓት ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ይነብሩ ምህላዎም ይፍለጥ፡፡

————————————-//////////////////—————————————

 

 

ሶኒ 14/05/2018

ትካል መመንጨዊ ማያዊ ጸዓት ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ማእከል መደብር ከፊቱ፡፡

ከም ሓበሬታ ጋዜጣ ሪፖርተር እታ ሃገር፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 60 ማእከላት ዝውንን ጀርመናዊ ትካል መመንጨዊ ማያዊ ጸዓት ኩባንያ ቮይት ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ንዝርከባ 9 ሃገራት ዘተኣሳስር ማእከል መደበር ጸዓት ኣብ ኢትዮጵያ ብወግዒ ከምዝኸፈተ ተፈሊጡ፡፡

ኩባንያ ማያዊ ጸዓት ጀርመን፡ ንኢትዮጵያ ማእከል ስሕበቱ ክገብራ ዘገደዶ ምኽንያት፡ ብዘለዋ ዕቑር ሃብቲ ጸጋታት ማያዊ ጸዓት ተመዝግቦ ብዘላ ድልዱል ቁጠባዊ ዕቤትን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጥኣ ምቹእ ብምዃኑን ’ዩ፡፡

እቲ ትካል ማእከሉ ኣብ ኢትዮጵያ ምግባሩ፡ ክንዮ እቲ ዘካይዶ ምምርቃሕ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን’ውን ርሑው ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥረሎም እቲ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኩባንያ ቮይት ኡዊ ቬንደር ሀርድት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትካሎም ንኢትዮጵያ ማእከል ገይሩ ምሕራዩ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዓቕሚ ምምንጫው ማያዊ ጸዓት ልዑል ዓቕሚ ክፈጥር ግዙፍ ተኽእሎ ኣለዎ ኢሉ፡፡

ጀርመናዊ ትካል መመንጨዊ ማያዊ ጸዓት ኩባንያ ቮይት ካብ ዓመተ 1940 ኣትሒዙ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ምህርቲ ምምንጫው ንጹህ ጸዓት ሓገዙ እናሃበ ዝመጸ ገዲም ትካል’ዩ፡፡

————————————-//////////////////—————————————

 

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here