ዝርዝር ዜና 14-06-2018

0
175

ጻውዒት ሰላም ኢትዮጵያ ናብ ውሑስ ሰላማውን ሕውነታውን ጉርብትና ዝመልስ ንክኸውን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ክሳተፉሉ ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኢህወደግ ነቲ ኣብ 2002 ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ውሳነ ከምዘለዎ ከምዝተቐበሎ ዝሓበረሉ ውሳነ እቲ መስርሕ ሰላም ናብ ሓድሽ መድረኽ ተስፋ ዝተሰጋገረ ይመስል ክብል ዝገለጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ነዚ ጻውዒት ሰላም ኣብ ግምት ብምእታው ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውሑስ ሰላማውን ሕውነታውን ጉርብትና ዝመልስ ክኸውን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዘለው ደለይቲ ለውጢ ክሳተፋሉ ጸዊዑ፡፡

ነዚ ተስፋ ሰላም ዝህብ ውሳነ ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናእድኡ ዝገለጸ እቲ ሰልፊ፡ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ዝናፍቕዎ ሰላም ክነግስ ድማ ምንዮት ገሊጹ፡፡

ቀሪቡ ንዘሎ ሕቶ ሰላም ስርዓት ህግደፍ ቅሩብነት ስለዘይብሉ እቲ መስርሕ ሰላም ሙልኡነት ክህልዎ ከምዘይክእል ብምጥቓስ ድማ ህግደፍ ምስቲ ብደረጃ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሰዋዲ ግብረ ሽበራ ምዃኑ ዝተነብረሉ ማዕቀብ ተዛሚዱ ነዚ ሕቶ ክቅበሎ’ዮ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ከኣ ሓቢሩ፡፡

ብኻልእ ዜና ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴቨን ዱካርክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ንምትግባር ዘሕለፎ ውሳነ ሓጎሱ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ንቅድሚት ንክኸይድ ድልየት ሕቡራት ሃገራት ’ውን ከምዝኾነ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ፡፡

———————————–///////////////////////———————————

ሓሙስ 14/06/2018

ቀትራዊ ሕልሚ ህግደፍ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ከመይ ኣቢለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝብል ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ሙሁራት ዜጋታት ንሬድዮና ኣብ ዝሃብዎ  ሓበሬታ፡ ቀትራዊ ሕልሚ ህግደፍ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራ ከመይ ኣቢለ ኣብ ስልጣን ኮይነ ንህዝቢ መከራ ዝደራርበሉን ጸጋ ሃገር ናባሕጎጉኩ ክጸንሕን  ዝብል ምዃኑ ገሊጾም።

ህግደፍ ኣብዚ ናይ 27 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ደረት ዘይብሉ ገበናትን በደላትን ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለው ዝበሉ እቶም ምሁራት እቲ ዝፈጸምዎ ገበናትን በደላትን ዘሕትትን ኣብ ታሪኽ ዓቢ በሰላ ዝገድፍን ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ በብእዋኑ መልኩዑ ናተቐያየረ ዝፍጽምዎ በደላት፡ ይቅሬታ ክሓቱን ሰልጣን ናብቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ከረክቡን ሓድሽ ጎደና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክፈጥሩ ድልውነትን ቅሩብነትን ይኹን ናይ ህዝቢ ሓልዮት ፍጽም የብሎምን ድሕሪ ምባል ግህሰትን መከራን ህዝቢ ዘብቅዕ ብመለኽቲ ዘይኮነ ብቅልጽም ሓፈሽ ህዝቢ’ዩ ክብሉ ኢሎም ።

———————————-///////////////———————————

ሓሙስ 14/06/2018

መላኺ ኢሳይያስ ህዝቢ ከደናግር ሓድሽ ምሁዞታት የጋውሐ ምህላው ይግለጽ ኣሎ።

ብፈጠራን ምድንጋርን ኣእምሮ ህዝቢ ጆሆ ክሕዝ ስነ ኣእምሮዊ ኲናት ብምፍጣር ንነዊሕ ዓመታት ከደናግር ዝጸነሐ መላኺ ኢሳይያስ ሕጂ’ውን መልክዑን ቱሑዝትኡን ብምቕያር ንህዘቢ ከደናግር ብድግደግታ ይሰርሕ ከምዘሎ ገለ ጉዱሳት ይሕብሩ።

እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ምብታን፡ ምትእምማንን  ምክብባርን ምጥፋእ ህዝቢ ብሓሰትን ብወረን ህግደፍ ኣእምሩኡ ምግባት ኣብ ዘይተጨበጠ ቤላቤሎ ክትሓዝ ብምግባር ዝሰርሐሉ ዘሎ ፍሻል ጎስጓስ ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ።

ብመሰረት ኣብ ዝቅንያ’ዚ  ብወገን ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ሰላም ጻዊዒት ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተስፋ ኣስኒቑ ምህላው ዝገለጹ እቶም ግዱሳት፡ ብወገን ህግደፍ ግን ሰቕታ ብምምራጽ ብውሽጢ ውሽጢ፡ ሰላም ክፍጠር ተኾይኑ ኣብ ዝባነይ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቐብ ክለዓል ኣለዎ ዝብል ቅድመ ኩነት ኣቕሚጡ ይሰርሕ ምህላው ኣተንቢሆም።

———————————-///////////////———————————

ሓሙስ 14/06/2018

መላኺ ኢሳይያስ ብውሽጥን ወጻእን ዝገጥሞ ዘሎ ብደሆታት ናሓየለ ብምኻዱ ዓቕለ ጸበታዊ ተግባር ይሰርሕ ምህላው ተሓቢሩ።

መላኺ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ብውሽጥን ወጻእን ዝገጥሞም ዘሎ ብደሆታትን ጸቕጥን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ካብ ግዜ ናብግዜ ናሓየለን ናበርተዐን ብምምጽኡ፡ ንብረትን ሃብትን ሃገር ክዘምቱ ዘለዎም ጥሪትን ደቆምን ካብ ኤርትራ ንኸውጽኡ ዓቅልጽበታዊ ተግባር ይሰርሑ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ክወርዶ ዝጸነሐ እልቢ ዘይብሉ መከራ ብስቕታ ክሓልፎ እኳ ተጸነሐ ካብ ቀረባ ግዜ ግን ተቓውሞኡ ብኹሉ መዳዩ እናሓየለ ከም ዝመጸ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ በዚ ድማ ኣብ ማይቤት ህግደፍ ፍልልይ ክዓዝዝን ዘይምትእምማን ክብርኽን ብምኽአሉ ግዑዙይ ኣካይዳ ክሰዕርር ከምዝኸኣለ ተጠቒሱ።

ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ዝጠፈአ ይጥፋእ ዝተኸፈለ ይከፈል ክሳብ ዕለተ ሞትና ካብ ተሓታትነት ክንድሕን መታን ዝሓዝና ሒዝና ንጥፋእ ዘዓነቱ ተግባር ይፍጽሙ ከምዘለው ምጭታትና ካብ ውሽጢ ዝረኸብዎ ሓበሬታ የነጽር።

———————————-///////////////———————————

ሓሙስ 14/06/2018

ካብ ሓደጋ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ልዕሊ 900 ስደተኛታት ካታንያ ከምዝኣተው ይሕበር ኣሎ፡፡

ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ወደባ ከይትዓርፍ ንዝኸልከለታ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣኳርየስ ናብ ስጳኛ ምምርሓ ስዒቡ፡ 932 ካብ ሓደጋ ምጥሓል ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ድማ ኣብ ካታንያ ሲሲሉ ምእታዋ ሰበስልጣናት እታ ሃገር ገሊጾም፡፡

ካብቶም ብሰላም ናብታ ወደብ ዝተጸግዑ 932 ስደተኛታት እቶም 208 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኮይኖም ብዘይኣላዪ ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ከምዝርከብዎምን 13 ካብ’ቶም ከኣ ነፍሰጾር ኣዴታት ከምዝኾናን ተጠቒሱ፡፡

እዞም ኤርትራ ካብ ትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሰዱ ዜጋታት ኣዝዮም ከምዝተዳኸሙን ካብ ብርቱዕ ሙቆት ዝተላዕለ’ውን ንሕማም ቆርበት ዝተቓልዑን ከም ዝኾኑ ወሃቢት ቃል ትካል ሴፍ ዘችልድረን ጂዮቫኒ ደ በነዲቶ ገሊጻ’ላ፡፡

እቶም ስደተኛታት ኣብ ወደባዊ ከተማ ካታንያ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ንትርፊ ካብ ዘይሰርሕ ትካል ዝተዋጽኡ ኣባላት ሕጊ ባሕሪ ይከበር፡ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደው ይበል ዝብል ጭርሖታት ብምሓዝ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ’ውን ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ኣህጉራዊ ትካል ሓካይም ብዘይዶ ዝውንና ኣስታት 600 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣኳርየስ ኢጣልያ ኣብ ወደባ ከይትዓርፍ ድሕሪ ዘሕለፈቶ ውሳነ፡ ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ግን ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስራሕ ከምዝቅጽል ኣፍሊጣ’ላ፡፡ ፍሎቲላ ዝተባህለ መርከብ ኢጣልያ ምስ መርከብ ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝጸዓንዎም ስደተኛታት ሒዘን ዝመጽእ ቀዳም ኣብ ውድብ ቫላንሽያ ስጳኛ ክበጽሓ ትጽቢት ከምዘሎ ብምግላጽ፡፡

ኢጣልያ 629 ስደተኛታት ንዝጸዓነት መርከብ ኣኳርየስ ኣብ ዶባታ ከይትጽጋዕ ከምዝኸልከለታ ይፍለጥ፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ኣውስትራልያ ንስደተኛታት ስሩዕ ዝኾነ ቋንቋ እንግሊዘኛ ክመሃሩን ክፈልጡን ዝሕግዝ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዘውጸአት ፌዴራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ፡፡

ሚኒስትሪ ባህልን ቋንቋን ሃገረ ኣውስትራልያ ነዚ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ እቶም ስደተኛታት ምስ ኩሉ ማሕበረሰብ ሃገረ ኣውስትራልያ ዘለዎ ርክብ ንምምሕያሽን ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ዘይምርድዳእን ካልእ ጸገምን ከይፍጠር ብዝብል ዝተበገሰ ሓሳብ ምዃኑ ይገልጽ፡፡

———————————–///////////////////////—————————–

ሓሙስ 14/06/2018

ምውጋድ ኣጽዋር ኒክለር ሙሉእ ብሙሉእ ስጋብ ዝውገድ እገዳ ሰሜን ኮርያ ከምዘይለዓል ኣሜሪካ ኣፍሊጣ፡፡

መደበር ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝዘርገሐ ሓበሬታ፡ ሰሜን ኮርያ ወኒናቶ ዘላ ኣጽዋር ኒክሌር ብሙሉእ ስጋብ ተዕንዎ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ ቁጠባዊ እገዳታት ኣይክላዓልን’ዩ ክብል፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፓምፔዮ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ከተማ ሲኦል ምስ መዘናታቱ ሚኒስተራት ወጻኢ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ብሓባር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ፡፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዕውት ታሪካዊ ኣኼባ ትራምፕን ኪም ጆንግን’ዩ ከምዚ ዓይነት ቃል ዘውጽአ፡፡

መራሕቲ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ሓድሽ ምሕዝነት ክጅምሩ ታሪኻዊ ሰነድ ዝፈረሙ ኮይኖም፡ ብፍላይ ፕረዚደንት ኪም ጆንግ ኡን ኣጽዋር ኒክሌር ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ምድረ ኮርያታት ከወግዶ ቃል ምእታው ይዝኸር፡፡

ሚኒስተር ማይክ ፓምፐዮ ካብ ሲንጋፖር ናብ ደቡብ ኮርያ ኣምሪሑ ኣብ ጉዳይ ዕውት ኣኼባ ትራምፕን ኪምን ኣድሂቡ መብርሂ ዝሃበ ኮይኑ ብፍላይ፡ ኣሜሪካ ምስ ደቡብ ኮርያ እተካይዶ ዝነበረት ሓባራዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ብዛዕባ ክቋረጽ ምዃኑ ድቦላ መግለጺ ሂቡ’ዩ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ኮርያ፡፡

———————————–///////////////////////——————————-

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here