ዝርዝር ዜና 14-07-2017

0
921

ኣብ ሃገር ወሪዱ ንዘሎ ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ህጹጽ ኣኼባ ተኻይዱ ይበሃል ኣሎ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ መሰል ብሄራት ደንጉዩ ዝተዘርገሐ ዝረኸብናዮ ዜና  ከምዝሓበሮ ኣብ ጎደናታት ኤውሮጳ ተራእዩ ንዝተባህለ ክስተትን ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ክሳራን ቅጽበታዊ ግብረ መልሲ ንምሃብ ብዝምልከት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ህጹጽ ኣኼባ ተኻይዱ’ሎ።

ናብቲ ዕጹው ኣኼባ ዝተጸውዑ ግለሰባት ብዝሒ ቑጽሮም ካብ 8 ዘይሓልፉ ኮይኖም ወላሓደ ካብ ኣታቶም ኣብ መስኮት ተለቪዥን ህዝቢ ብዕሊ ካብ ዝፈልጦም ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ከምዘይነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ እዞም ሰባት ካብ ዋህዮታት ውሽጣዊ ስርርዕ ፕረዚደንት ኮይኖም ፡ ነዚ ዕጹው ኣኼባ ኣብ ምስላጥ ድማ ኣብቲ ኣኼባ’ውን ዝተሳተፈ ኮረኔል ተስፋልደት ከም ዝነበረ ተጠቒሱ’ሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ሓሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ዝውሰዱ ዘሎ ስጉምትታት ምግታእን ድሕነት ላዕለዎት መራሕትን ስድራቤቶምን ምርግጋጽ ፍሉይ ኣቓልቦ ተዋሂቡ ክስርሓሉ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ተሓቢሩ’ሎ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ንቡዙሓት ኣብ ዲፕሎማስታዊ ተልእኾ ተዋፊሮም ዘለው ሓለፍቲ ናብ ኣስመራ ክጽውዑ ተኽእሎታት ከም ዘሎ‘ውን ንገለ ኣመታት ምንጭታቱ ብምጥቓስ መርበብ ሓበሬታ መሰል ብሄራት ገሊጹ’ሎ።

—————————-//////////////——————————- 

ዓርቢ 14/07/2017

ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ማሕዩር ዘለው ቀሺ ፍጹምን ዶ/ር ተኽልኣብን ይቅሬታ ክሓቱ ንዝቐረበሎም ሕቶ ከምዝነጸግዎ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እምነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዕዳጋ ሓሙስ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለው ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረን ፡ ዶክተር ተኽልኣብ መንግስተኣብን ነጻ ንክትልቀቑ ንህዝብናን መንግስትናን በዲልና ኢልኩም ይቅሬታ ሕተቱ ዝብል ብሃገራዊ ድሕነት ንዝቐረበሎም መብጽዓ ምፍታሕ ብትሪ ነጺጎም ክትብል ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ።

እዞም ብሰንኪ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ብጀካ’ቲ ኣካላዊ  ምዕባር ሰነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ‘ውን አስዒቡሎም ከም ዘሎ ዝንገረሎም እዞም 2 ኤርትራውያን ነቲ ብ8 ሓምለ ብኮረኔል ሶኮሎቭን ኮረኔል ራሻይዳን ክፍርሙሉ ዝተዋህቦም ናይ ጣዕሳ ወረቐት ብትሪ ከም ዝነጸግዎን ካብ እምነቶም ምንቅ ከምዘይብሉ ከም ዝመለሱሎምን ብመሰረት’ቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2017 ልዕሊ 345 ዝኾኑ ህጻናትን ነብስጾር ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣመንቲ ጰንጠ ቆስጣል ዝተኣሰሩ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ደቐንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ይወርድ ከም ዘሎን ብፍላይ ኣብ ኮሌጃት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘን ዘንበበን ሰብ ከምሓደገኛ ተራእዩ ፍሉይ ምክትታልን መቅጻዕትን ከም ዝካየደሉ ብሰንኪ እምነቶም ምስክር ወረቐት ስልጠና ንዝተኸልኡ 23 ኣመንቲ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ሬድዮ መድረኽ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

———————————-////////////————————— 

ዓርቢ 14/07/2017

መንግስቲ ሱዳን ኣብ መዓስከራት ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምምላእ ከም ዝዓዪ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ማዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ሓዊሱ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ተዓቂቦም ከም ዘለውን ፡ ንዐዖም ዘድሊ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምምላእ’ውን መንግስቲ ሱዳን ያዓዪ ምህላውን ሱና ዝተበሃለ ማዕከን ሓበሬታ እታ ሃገር ጸብጺቡ።

ምክትል ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሱዳን በክሪ ሓሰን ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብዛዕባ ህልው ኩነታት እቶም ስደተኛታት ብምዝርራብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቶም ኣብ ማዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ውሕስነቶም ክሕለወሎምን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክማላኣሎምን ይግባእ ኢሉ።

ኣብ ዞባ ምብራቅ ሱዳን ተዓቂቦም ካብ ዘለው ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዳያት መጭወይቲ ፡ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልኦት ገበናትን ኮይኖም ምጽንሖምን ከምኡ’ውን ከም ሽሮኽ፡ ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብብዝሒ ከም ዝጥቅዑን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ መንግስቲ ሱዳን ከኣ ነዚ ጸገማት ንምንካይ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ እቲ ዜና ወሲኹ የረድእ።

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ኡም ጉርጉቲን ከርኮራን ዝብሃሉ ማዓስከራት ብውሑዱ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብሕማም ሸሮኽ  ምሟቶምን ሓያሎ ድማ ምሕማሞምን ዝፍለጥ’ዩ።

——————————–////////////////————————- 

ዓርቢ 14/07/2017

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖሊሲአን ጥምየት ክወገደሉ ብዘኽእል መገዲ ክነድፈኦ ጻውዒት ቀሪቡ።

ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድርቅን ጥምየትን ብተደጋጋሚ ከም ዝኽሰት ብምጥቃስ ሃገራት እቲ ዞባ ንከምዚኦም ዝበሉ ሽግራት ክብድሃሉ ብዝኽእላሉ ኣገባባት ፖሊሲአን ክቐርጻ ጸዊዑ።

ወኪል እቲ ላዕለዋይ ትካል ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብድርቅን ጥምየትን እንዳተጠቕዐ ዝርከብ ዞባ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ሃገራት እዚ ዞባ ፖሊሲአን እንተመዓራርየንን ሙዕቡል ቴክኖሎጂካዊ ውጽኢታት እንተተኣታትየንን ብቀሊሉ ክብደህኦ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ።

ወኪል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት FAO ነዚ ዝገለጸ ኩነታት ጥምየት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከመይ የብቅዕ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተቓነዐ ጉባኤ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣስታት 26 ሚልዮን ህዝቢ እዚ ዞባ ንጥምየት ተቓሊዑ ምህላው ኣፍሊጡ።

——————————–//////////////—————————

ዓርቢ 14/07/2017

ሶማልያ ፡ ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ርክብ ኣለዎም ዝበለቶም 9 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒላ።

ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ምስ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ብዝተተሓዘ ኣብ ዘካየድዎ ምክትታል 9 ርእሰ መምሃራን ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ርክብ ከም ዘለዎም ብምርግጋጾም  ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘውዓልዎም ቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ርእሳነ መምሃራን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝውዓሉ፡ ስርዓት ትምህርቲ እቲ ንሳቶም ዘምህርሉ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ርእይቶ ዓለም ናይቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ክኸውን ብምግባሮም’ዩ።

ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሽበራዊ ኣተሓሳስብኡ ዘስርጽ ሓድሽ ናይ ባዕሉ ስርዓት ትምህርቲ ብምርቃቅን መጽሓፍቲ ብምሕታምን ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

—————————–//////////////////————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY