ዝርዝር ዜና 14-11-2017

0
370

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ፌስቲቫል ጅዳ ዘስመዖ መደረ መቐጸልታ እከይ ተግባራቱ ምዃኑ ተፈሊጡ፡፡

ካብ 1 ክሳብ 3 ሕዳር 2017 ኣብ ዝተሰላሰለ ፊስቲቫል ጅዳ ዝተረኸበ ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ህዝቢ ኤርትራ ብፍቅርን ስኒትን ልምዓታዊ መደባቱ ከሰላስል በቒዑ’ዩ ክብል ዘስመዖ መደረ መቐጸልታ ናይቲ ብውሽጢ ውሽጢ ህዝቢ ንምፍልላይ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓሶት ዘመተ’ዩ ክብሉ ምንጭታትና ገሊጾም።

ህግደፍ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ከይነብርን ብጉዳይ ሃይማኖት ክፈላልን ኣብ ሓያል ጻዕሪ ከም ዝርከብ ዝገለጹ ምንጭታትና ዓዲ ኣርሒቑ ክሕሱ ምፍታኑ ደገፍ እንተረኸበ ካብ ምሕሳብ ዝብገስ ከም ዝኾነ ኣነጺሮም።

እቲ ልኡኽ ህግደፍ ኣብ መግለጺኡ ምኹሉ ዝፍጠር ጸገማት ኢድ ሓያላን ሃገራት ከምዘለዎ  ከእምን’ኳ እንተጸዓረ እቲ ሓቒ ግን ብኣንጻሩ ስለዝኾነ ህዝቢ ከም ዝኸዓቦ’ውን ኣተምቢሆም።

———————————–/////////////////———————-

ሰሉስ 14/11/2017

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ውን ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ክብትን ተላዒሉ ምህላው ተቓሊዑ።

ኣብ ልዕሊ ኩለን ሃይማኖታት ኤርትራ ሰፊሕ ኢድ ኣእታውነት እናገበረ ሰፍ ዘይብል በደላት እነዳፈጸመ ዝርከብ ምልከዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ’ውን ንኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንሓድሕዶም ዘባልዕ ሜላታት የተኣታቱ ምህላው ቀሺ ማርቆስ ደባስ ኣቃሊዖም።

ምልካዊ ህግደፍ ንብጹእ ወቅዱስ 3 ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ካብ ቅድሚ 12 ዓመታት ጀሚሩ ብዘይፈጸሙዎ በደል ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣሲሩ ከም ዝበደሉ ክኣምኑን ይቕሬታ ክሓቱን ከገድዶም ጸኒሑ ከም ዘኮነሉ ዘዘኻኸሩ ቀሺ ማርቆስ ደባስ፡ ሕጂ’ውን ስም ኣቡነ እንጦንዮስ ናይ ምጽላም ወፍሪ ጀሚሩ ኣሎ ክብሉ ሓቢሮም።

ዕርቂ ተፈጺሙ’ዩ ክብል ከም ዘይጸንሐ መሊሱ  ናብ ቤት ማሕዩሮም ዝመለሶም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መንጎ እዞም ቅዱስ ኣቦን ብኦኦም ዝተቐብኡ ጳጳሳትን ካህናትን ከምኡ’ውን ምእመናንን ጽልኢ ንምፍጣር ናብ ስልጣነይ ምለሱኒ ዝብል ደብዳቤ ናብ ሓላፊ እቲ ኣንጻር ስሙ ዝጎዓዝ ዘሎ ሃገራዊ ድሕነት ዝኾነ ኣብራሃ ካሳ ከም ዝለኣኹን፡ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ሕነ ንምፍዳይ ቆሪጾም ተላዒሎም ምህላዎምን ኣምሲሉ ሽሞም እንዳጸለመ ጽልኢ ኣብታ ቤተክርስትያን ክነግስ ይሰርሕ ምህላው’ውን ኣቃሊዖም።

ንቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ንዘቃለሉ ሕጂ ዓቃቢ መንበረ ፓትሪያሪክ ንዘለው መሳርሒ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ዝኾኑ ኣቡከ ሉቃስ ስልጣን ፓትሪያሪክነት ንምትሓዝ ዕላማ ምልካዊ ህግደፍ’ዩ ዝበሉ ቀሺ ማርቆስ ህዝቢ ነዚ ነቒሑ ነውሪ ዝብል ድምጹ ከስምዕ ኣተሓሳሲቦም።

————————————-//////////////////————————–

ሰሉስ 14/11/2017

ኣብ በረኻታት ናሮ ተደርብዮም ዘለው ተማሃሮ 29 ዙርያ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ጥዕና ወዲቆም ኣለው።

ከም ሓበሬታ ሳክቲዝም ኣብ ዓዲ ሃሎ ድሕሪ ምምዳቦም ንዘልዓልዎ ሕቶ ስራሕ ብዓይኒ ተቓውሞ ብምርአይን ንኢሳይያስ ክሓልፍ ከሎ ጸሪፍኩም ብምባልን ብኣስገዳድ ናብ በረኻታት ሳሕል ዝተደርበዩ ተማሃሮ 29 ዙርያ ኣብ ኣዝዩ ሕማቅ ኩነታት ጥዕና ወዲቆም ኣለው።

እዞም ኣብ ትሕቲ ክፍላተ ሰራዊት 525፡ 22ን ተወዚዖም ብወተሃደራዊ ታዕሊማት ዝርብርቡ ዘለው 6076 ተማሃሮ ኣብቲ ሃንደበት ዝተደርበዩሉ ቦታ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መጽለልን መሻርፍን ብዘይምንባሩ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ሕጽረት ክሊማዊ ለውጢ ዛጊት ቡዙሓት ተማሃሮ ብሓካኪንን ዌልካምን ዝተጠቕዑ ኮይኖም እተን ደቀንስትዮ’ውን ምስቲ ሃሩር ናይ ጽሬት ኣቑሑ ስለዘይተዳለወለን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከም ዝርከቡ ብመሰረት’ቲ  ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ጉጅለ ህግደፍ ማዕረ’ቲ ኣብ ውሽጢ ዝልሕም ዘሎ ተቓውሞታት ኣብ ወጻኢ ዝረኣ ዘሎ ምንቅስቓሳት’ውን ሓያል ሻቅሎት ፈጢሩሉ ዘሎ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ውሽጥን ደገን ዝካየድ ዘሎ ህውከት ዕግርግርን ብምተእስሳር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሃገርን ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ኣመታቱን ምስ ኣቐዲሞም ዝተሓበርዎ መደባት ብምዝማድ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብመልክዕ ጸብጻብ ኣዳልዮም ክልእሉ ብ5 ሕዳር 2017 ብክታም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ናብ ኤምባሲታት፡ ሚሽናት ኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ቆንስላትን ህጹጽ መደብ ከም ዝተላእኸ’ውን ሳክቲዝም ብተወሳኺ ሓቢሩ’ሎ።

——————————–////////////—————————

 ሰሉስ 14/11/2017

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ አዲስ ኣበባ ኣኼቡኡ ኣሰላሲሉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ህልው ኩነታት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዳያእ ኣልእስላማያ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣድሂቡ ኣኼቡኡ ኣሰላሲሉ።

እቲ ሰልፊ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ክርስትናን እስልምናን ዘይፈሊ ኣልሚማ ህግሰቱ ምኾኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ተረክቦ ከፋፊልካ ግዚእ መሳርሒ ንኸይጥቀመሉ ኩልና ኤርትራውያን ክንጥንቀቓሉን ኣለና ኢሉ።

እቲ ሰልፊ ብተወሳኺ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደላዩ ፍትሒ ነቲ ናይ 31 ጥቅምቲ ፍጻመ ዘለዎ ደገፍ ኣመልኪቶም ሰፊሕ ብዛዕባ ዘካይድዎ መብርሂ ሂቡ’ዩ።

—————————————–/////////////////—————————

ሰሉስ 14/11/2017

ኡጋንዳን ሱዳንን ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝፍተሓሉ ዛዕባታት ዘትዮም።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ኡጋንዳዊ መዘንኡ ዩዌሪ ሙሰቬኒን ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ብዘላቕነት ኣብ ዝፍተሓሉ ኣገባባት ዓሚቕ ዘተ ከም ዘካየዱ ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዝርርብ ዘካየዱ ብፕረዚዳንት ሙሰቬኒ ዕድመ ዝተገብረሉ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ኡጋንዳ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ  ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ክልተኣዊ ርክባት ሱዳንን ኡጋንዳን፡ ሰላምን ጸጥታን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ካብ ምፍታሕ ቅልውላው  ደቡብ ሱዳን ብተወሳኺ ዝዘተይሎም ዛዕባታት’ዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘተኦም ብመንጎኝነት ኢጋድ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሳልቫኬርን ተቓውምቱን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ዝከኣሎም ከም ዝገብሩ ቃል ምእታዎም ጸብጻብ ዥንዋ የነጽር።

—————————————-//////////////////—————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY