ዝርዝር ዜና 17-08-2017

0
402

ንመሰረታዊ ለውጢ ምቅላስ ኣማራጺ ዘይብሉ መዋጽኦ’ዩ ክብሉ ግዱሳት ወገናት ጠቒሶም፡፡

 

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ገጢምዎም ካብ ዘሎ ዓመታት ዝወሰደ ባርነት ንምንጋፍ እቲ እንኮ ዘለዎም ኣማራጺ ካብ መሰረቱ ለውጢ ንምምጻእ ምቅላስ’ዩ ክብሉ ገለ ግዱሳት ወገናት ገሊጾም፡፡

ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ ነቲ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ጉጅለ ካብ ስሩ ቦንቂስካ ንምድርባይ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ደለይቲ ለውጢ ብምድጋፍ ከምዝኾነ ሸለል ክበሃል ዝግብኦ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ ኣለዉ፡፡

መምዘኒ ሃገራውነት ዝጠፍኦም ህግደፍን ህግደፋውያንን ንህዝቢ ከታልልዎን ጨሪሾም ከጥፍእዎን ካብ ተበገሱ ንሕና’ዉን ነታ ጽባሕ እንውንና ርህውቲ ሃገር ኣብ መጻኢ ተስፋና ኣንቢርና ንመሰረታዊ ለውጢ ከይተሓለልና ክንቃለስ ኣለና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

————————————————-///////////////////———————————————–

ሓሙስ 17/08/2017

ኣንጸባራቒ ዓወት ንምጉንጻፍ ጥርኑፍ ቃልሲ ዜጋታት ክሕይል ከምዝግባእ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትና ብኢመይልና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፡ ኩሉ ንሃገረይን ህዝበይን ይግደስ’የ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢኡን መብረሲኡን ዝኾነ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ናብ ግብራዊ ቃልሲ ክሰጋገር ጸዊዖም፡፡

ቅድም ክብል ንዝሓለፉ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ ንምእላይ ኩሉ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ኤርትራዊ ተጠርኒፉ ቃልሲ ብምክያድ እቲ ዝድለ ዓወት ከምዘምጸኦ ዘዘኻኸሩ እቶም ዜጋታት ኒሕ ትማሊ ኣንጻር ህግደፍ ይግበር ኣብዘሎ ቃልሲ’ዉን ክደግምዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ሰላምን ቅሳነትን ክንረክብ ዘበት’ዩ ብምባል ድማ ፡ ሓርነትና ኣብ መቓብር ህግደፍን ዘስረጾ መርዛም ኣተሓሳስባ ከምዝረጋገጽ ኣብቲ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣነጺሮም፡፡

————————————————–//////////////////————————————————-

ሓሙስ 17/08/2017

ኣብ ሱዳን ተቐይዶም ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ማሕበረሰብ ዓለም ኣቓልቦ ክህቦም ተማሕጺኖም፡፡

ካብ ጎደናታት ካርቱም ተገፊፎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሱዳን ተሓይሮም ዘለዉ ዜጋታትና ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ኤርትራውን ማሕበረሰብ ዓለምን ንሃለዋቶም ክሓትት ይምሕጸኑ’ለዉ፡፡

ልዕሊ 55 ሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓረቢ ተቐይዶም ዘለዉ ኮይኖም ብዘይ ድሌቶም ናብ ዓዶም ክስጎጉ ምዃኖም ስለዝተሓበሮም ኣብ ከቢድ ስግኣት ተሸሚሞም መዋጽኦ ዝረኽብሉ ኣገባብ ሃሰው ይብሉ’ለዉ፡፡

እዞም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሱዳን ተዳጕኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘለዎም እኳ እንተኾኑ ሱዳን ግን ናብ ዓዶም ክትጥርዞም’ያ ትሸባሸብ ዘላ፡፡

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታትና ብተደጋጋሚ ምፍርራሕ ክወርዶምን ብዘይ ድሌቶም’ዉን ናብ ዓዶም ክጥረዙን ይግደዱ ከምዘለዉ ክገልጹ ይስምዑ’ዮም፡፡

———————————————————///////////////———————————————

ሓሙስ 17/08/2017

ዕጡቓት ኣልሸባብ ኢዶም ክህቡ መንግስቲ ሶማልያ ጸዊዑ፡፡

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ንሰራዊት ሶማልያ ኢዱ ምሃቡ ስዒቡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ፡መግለጺ ዕጡቓት ኣባላት ኣልሸባብ ኣሰር መራሒኦም ብምስዓብ ኢዶም ናብ መንግስቲ ብሰላም ክህቡ ጸዊዑ ክብል ሸበሌ ሚድያ ኔትዎርክ ጸብጺቡ፡፡

ሚኒስትሪ ሓበሬታ፡ ባህልን ቱሪዝምን እታ ሃገር ኣብ ጻውዒቱ ኩሎም ዕጡቓት እቲ ኣሸባሪ ነቲ ብመንግስቲ ሶማልያ ተዋሂቡዎም ዘሎ ናይ ምሕረት ዕድል ክጥቀምሉ ምዒዱ’ሎ፡፡

እቶም ዕጡቓት ኢዶም ንመንግስቲ ሃገሮም ብምሃብ ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገሮም ተራኦም ከበርክቱ ዝጸውዐ እቲ ሚኒስትሪ፡ መንግስቲ ብተርኡ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ንዝወስዱ ኣሸበርቲ ዘዕግብ ግብረመልሲ ክህቦም ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ሎ፡፡

———————————————–////////////////////————————————————-

ሓሙስ 17/08/2017

ኡጋንዳ ጸዓት ኤሌክትሪክ ናብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክትልእኽ ምዃና ይንገረላ’ሎ፡፡

ኡጋንዳ ኣብ ዝቕጽሉ 3 ዓመታት መስመራት ኤሌክትሪክ ናብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምዝርጋሕ ጽዓት ንምሻጥ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ፡፡

እቲ መስመር ናብ ምብራቓዊ ክፋል ኮንጎ ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንህንጸቱ 150 ሚልዮን ዶላር ክሓትት ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ፡፡

ካብዚ እቲ 22 ሚልዮን ዶላር ብኡጋንዳ ዝሽፈን ኮይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ወጻኢ ድማ ብዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ዝሽፈን ከም ዝኾነ ዘ ደይሊ ሞኒተር ጸብጺቡ፡፡

ኡጋንዳ ጽዓት ክትሸይጥ ዘበጋገሳ ሓጽብታት መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ሃኒጻ ኣብ ምዝዛም ትርከብ ብምህላዋ ከምዝኾነ ጸብጻብ ደይሊ ሞኒተር የብርህ፡፡

———————————————————–///////////////////—————————————

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY