ዝርዝር ዜና 19-03-2017

0
1643

ፖለቲካዊ መርገጺ ጉጅለ ህግደፍ ነፋሒታዊ ባህሪይ ዝሓዘለ ምዃኑ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

ሰንበት 19/03/2017

ፖለቲካዊ መርገጺ ጉጅለ ህግደፍ ነፋሒቶኣዊ ባህርይ ዝሓዘለ ምዃኑ ዜጋታት ገሊጾም።

ገለ ግዱሳት ዜጋታትና ናብ ኢመይል ኣድራሻና ኣብ ዝለኣኹልና ርእይቶ፡ ፖለቲካዊ መርገጺ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝጭበጥ ዘይብሉ ቀጻሊ ዝገላበጥ ነፋሒቶኣዊ ባህርይ ኣለዎ ክብሉ ገሊጾም።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እቲ ጉጅለ ዑስማን ሳልሕን ብኣማኻሪ መላኺ ኢሳይያስ የማነ ማንኪን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሞሮኮ ምብጻሕ ብምክያድ ሞሮኮ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምምላሳ ዮሃና ምባሉ ዝጠቐሰ ሰናይ መሓሪ ካብ ሱዳን፡ ትማሊ ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ዓው ኢሉ ክዝልፍ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ብምምላስ ሞሮኮ ናብቲ ሕብረት ምሕጓሱ ንተገላባጢ ባህርይ እቲ መላኺ ጉጅለ ዘነጽር ‘ዩ ኢሉ።

ልኡኽ ምልካዊ ህግደፍ ምስ ሞሮካውያን ኣውፈርቲ ተራኺቡ ኣብ ኤርትራ ከውፍሩ ከም ዝተማሕጸኖም ዝጠቐሰ ኤፍሬም መሓረና ድማ ሞሮካውያን ሰብ ጸጋ የውፍሩ ኣየውፍሩ ብዘየገድስ ህግደፍ ሎሚ ምምጽዳቑ ምስቲ መላኺ ኢሳይያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2017 ምስ ልሳናቱ ዝገበሮ ንኣውፈርቲ ንዑ እናበልና ኣይነዋዓውዕን ዝበሎ ብምዝማድ ህግደፍ ፖለቲካዊ መርገጺኡ መትሓዚ ተሳኢኑዎ ምህላው ጉሉሕ መርኣያ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

—————————————-///////////////——————————————-  ሰንበት 19/03/2017

ዜጋታትና ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዘለው ዋሕዚ ብዘሰንብድ መልክዑ ይቕጽል ‘ሎ።

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ይኽተሎ ብሰንኪ ዘሎ ሕሱም ምሕደራ ዝተማረረ ህዝብና መዓልታዊ ናብ ስደት ይውሕዝ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ 1253 ዜጋታትና ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ከም ዝሰገሩ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወጋሕታ ሳሊና ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ካብዚኦም 331 ኣብ ግዱድ ወተሃደራዊ ጊላነት ተጸሚዶም ዝጸንሑ ኮይኖም 16 ድማ ካብ መራሒ መስርዕ ክሳብ ኣዛዚ ብርጌድ ሓላፍነት ዝነበሮም ‘ዮም።

ካብዞም ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ዘለው 1253 ዜጋታትና እተን 363 ደቂንስትዮ እየን ዝበለ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና፡ እተን 87 ኣብቲ ወተሃደራዊ ባርነት ተቖሪነን ዝጸነሓ ምዃነን ድማ ኣብሪሁ።

ብመሰረት እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ዶብ ኣቋሪጾም ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰገሩ 1253 ዜጋታት መምህራን፡ ተማሃሮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ይርከቡዎም።

—————————————-///////////////——————————————

ሰንበት 19/03/2017

ኣብ ምህናጽ ዴሞክራሲ ኤርትራ ህላዌ በዝሒ ሰልፍታት ወሳኒ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ዴሞክራሲ ህላዌ በዝሒ ሰልፍታት ወሳኒ ‘ዩ ኢሉ።

እቲ ሰልፊ ነዚ ዝበለ ካብ 80 ሃገራት ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 120 ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተረኽብሉ “መጻኢና ብናጽነት ፍትሕን ምትሕግጋዝን ንቅረጽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብ ዝተቓነዐ መድረኽ ዘተ ኮይኑ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ኣማራጺ ሰልፍታት ፖለቲካ ዘሳትፍ ስርዓት ምትካል ግዜ ዘይዋሃቦ ዋኒን ‘ዩ ኢሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮምን ኣባል ኣማራርሓን ምክትል ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢን ዶ/ር ኣኽሊሉ ግርማይ ከምዝተሳተፈ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

—————————————-///////////////——————————————-

ሰንበት 19/03/2017

ኤርትራውያን ነበርቲ ኔዘርላንድ ንፖሊሲ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ተቓውምኦም ገሊጾም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኔዘርላንድ ብ17 መጋቢት 2017 ኣብ ከተማ ሄግ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንፖሊሲ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ብትሪ ከምዝተቓወሙ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣቃሊሓ።

ኣብቲ ዝተቃነዐ ሰላማዊ ሰልፊ 150 ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተረኸቡ ኮይኖም መንግስቲ እስራኤል ንሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ዘለዎ ኣታሕዛን ምስጓግ ናብ 3 ወገን ሃገርን ግቡእ ኣይኮነን ብምባል ኣብ ኣታሕዛ ስደተኛታት ፖሊሲኡ ከዐሪ ጸዊዖም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማዕስከር ስደተኛታት ሆሎት እስራኤል ኣዲሞም ናብ ኔዘርላንድ ዝኣተው ኤርትራውያን ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ተሰለፍቲ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዳችን፡ እብራሳጥን ተቓውምኦም ከም ዘስምዑ ተፈሊጡ ኣሎ።

—————————————-///////////////——————————————-

ሰንበት 19/03/2017

ጃፓን ንግዳያት ድርቂ ደቡብ ሱዳን ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪታ።

መንግስቲ ጃፓን ንግዳያት ድርቂ ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ናይ ኣስታት 8.4 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ከም ዝበከተትን እቲ ሓገዝ ድማ ብመንገዲ ትካል መግቢ ዓለም ኣቢሉ ከም ዝሳለጥን ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

መንግስቲ ጃፓን ነዚ ሓገዝ ዝመደበ ብመሰረት ጻውዒት ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኮይኑ፡ ካብቲ ሓገዝ ኣስታት 74 ሚልዮን ብቐጥታ ንግዳያት ድርቂ ደቡብ ሱዳናውያን ክውዕል ከሎ እቲ ዝተረፈ ድማ ንመጓዓዝያ ኣየር እቲ ድጋፍ ዘሳልጡ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ተኸሲቱ ንዘሎ ደርቂ ብዘይ ገለ ሰብኣዊ ክሳራ ንምግታእ 781.8 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ ዛጊት ግን ካብ ትካላት ረድኤትን ድጋፍ ወሃብቲ ሃገራትን 47.9 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከም ዝተኣከበ እቲ ዜና ኣረዲኡ።

—————————————-///////////////——————————————-

ሰንበት 19/03/2017

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ንምዝታይ ኣብ ቻይና ከም ዝርከብ ተገሊጹ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ተደጋጋሚ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይል ምክያዳ ስዒቡ ውጥረት ብምፍጣሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ንምዝታይ ኣብ ቤይጂንግ ከም ዝርከብ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ርክስ ቲለርሰን ቅድም ኢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሰሜን ኮርያ ትገብሮ ካብ ዘላ ቀጻሊ ምትኩቷኽ እንተዘይተቖጢባ ሃገሩ ኣብ ልዕሊኣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም እትወስድ ኣጠንቂቑ ‘ዩ።

ቻይና ብተራኣ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ዝፍታሕ ብዘተ ጥራይ ‘ዩ ዝብል መርገጺ ሒዛ ዘላ ኮይና፡ ዕላማ ዑደት ሚኒስተር ርክስ ቲለርሰን ድማ ነዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ መርገጺ ንምትዕራቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ‘ዩ ጸብጻብ ቢቢሲ ዘመልክት።

—————————————-///////////////——————————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY