ዝርዝር ዜና 20-06-2018

0
264

ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ካብ ዘለዉ ብኣሻሓት ዝግመቱ ኤርትራውያን ን 20 ሰነ ማዓልቲ ሰማእታት ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከምዝጸምበልዎ ተሓቢሩ፡፡

ረቡዕ 20/06/2018

ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝቀረበላ ጻውዒት ሰላም ከም ትቅበል መላኺ ኢሳይያስ ብዕሊ ኣፍሊጡ።

ካብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ንዝቐረበሉ ዕድመ ጻውዒት ሰላም ክነጽግ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሎ ብዕሊ ገሊጹ።

ኢሳይያስ ነዚ ዝገለጸ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ ቓል ኮይኑ ኤርትራ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ተቐቢላ፡ ልኡኻታ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ትሰድድ ገሊጹ’ሎ።

ጉጅለ ኢሳይያስ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ፖለቲካውያንን  ደለይቲ ፍትሕን ጉጅለ ኢሳይያስ ቀሪቡ ንዘሎ ጻውዒት ሰላም ክቅበልን ንተግባራውነቱ ድሉው ክኸውንን ብተደጋጋሚ ምጽውዖም ይፍለጥ።

——————————–/////////////————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ረቡዕ 20/06/2018

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓመተ 2018 ንነጀው ንህልውንኡ ዘረጋግጽ ንጥፈታት የካይድ ከም ዘየለ ተሓቢሩ።

ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ከምዝሓበሮ ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ዓመተ 2018 ካብ ዝኣቱ ንነጆ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ከም ዘሎ መጠን ንህዝቢ ክብል ዘይኮነስ ንስለ ህላውኡን ቀጻልነቱን ክብል ኣብ ዘቤታዊ ኮነ ግዳማዊ ፖሊሲታቱ እዚ ዝበሃል ንጥፈታት አየሰላስለን።

መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዓዲሃሎ ዘሕልፎ ግዜ ከምዝበዝሕን ካልኦት ሚኒስትሪታትን ኣመሓደርትን ድማ ቤት ጽሕፈቶም ብኽፍቱ ኣብ ዝውዕልዎ ከምዘይፍለጥን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ኣብ ምምሕዳራዊ፡ ቑጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ መዳያት ትርጉም ዘለዎ ኣገልግሎት ስኢኑ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝኸፍኣ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑሉ ዘሎ ወቕቲ ምዃኑ’ውን ኣነጺሩ።

እቲ ብማዕከናት ዜንኡ ኣብ ማእቶት እዚ ተጌሩ ኣብ ቤት ትምህርቲ እዚ ተዓሚሙ ተባሂሉ ዝቐርብ ጸብጻብ ንመሸፈኒ ግዜ ተባሂሉ ዝቐርብ ከምዝኾነ ዝተገልጸ ኮይኑ ብዘይካቶም ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንወተሃደራዊ ነቑጣ፡ ባህርያዊ ማዕድናዊ ሃብቲ ድማ ንምጉሕጓሕ ቅሩብ ቑራቦ ገንዘብ እናሃቡ ኣብ ሕድሕዶም ክወዳደሩ ብዛዕባ ኤርትራ ጉዱሳት መሲሎም መግለጺ ዝህቡ ገለ መንግስታትን ምስ ኢትዮጵያ ዝዝረብን እንተዘይኮይኑ፡ ህግደፍ ከም መንግስቲ ሃለዋቱ ኣብ ዘጥፈኣሉ ኩነታት ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

ብኻልእ ዜና ኣብዚ ኣስታት 3ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ናይ ዝኾነት ሃገር ዘይምህላው፡ ህግደፍ ነቲ ካብ ዓለም ኣጋጢምዎ ዘሎ ተነጽሎ ዘረጋግጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዝኾነ ዓይነት ንጥፈታት መንግስቲ’ውን ደው ኢሉ ከምዘሎ’ውን እኹል መርትዖ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

—————————————//////////////———————————-

 

 

 

ረቡዕ 20/06/2018

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገዚፍ ናይ ተቋውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጡ ኣስታት 3ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ጸቕጥን ምፍርራህን ዝቋወም ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብቲ ቦታ ዝበጽሐና ሓበሬታ የመልክት።

እቶም ብኣሸሓት ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ተቋውሞ ሰልፊ ንሕና ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት’በር ናይ መግቢ ዕቁበኛታት ኣይኮነና ሰብኣዊ መሰላትና ይከበር ኢሳይያስ ካብ ሰልጣኑ ይታኣለ ድሌትና ናጽነትን ሓርነትን’ዩ ዝብሉ ጭርሖታት የጋውሑ ምንባሮም ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓሰርተታት ዝግመቱ ዜጋታት ስዊዘርላንድ ኣብ ጎኒ ድምጾም ዘስምዑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሰሊፎም ምንባሮም ተገሊጹ።

ኣወሃሃድቲ ናይቲ ሰልፊ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ዘስምዕዎ ዝነበሩ ቃል ድማ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዝርከብ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ኣሰሮም ክኽተል ዝጸውዑ ኮይኖም ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኣንጻር መላኺ ኢሳይያስ ከለዓል ጻውዒት ኣቅሪቦም።

————————————–/////////////////——————————

 

 

 

 

 

 

 

ረቡዕ 20/06/2018

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብኣማኢት ንዝግመቱ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ኣድሒኑ።

THE LIBYA OBSERVER ኣብ ዘቃለሖ ዜና ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ን115 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ንስክላ ከድሕንዎም እንከለው ሬሳ 5 ሰባት ድማ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሊብያ ረኺቦም ኣለው።

ከም ሓበሬታ ኣሃዱ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብዞም 115 ዝዳሓኑ ስደተኛታት 2 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን 22 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑን ኣነጺሩ።

ኣብዛ ሒዝና’ያ ዘለና ዓመተ 2018 ጥራሕ ብባሕሪ ሜዲተራንያን ኣቢሎም ናብ ኤውሮፓ ናይ ዝኣተው ስደተኛታት ኣሃዝ ልዕሊ 26 ሽሕ ምብጽሑ ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣፍሊጡ።

————————————-/////////////————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ረቡዕ 20/06/2018

ዓለምለኻዊ ኣሃዝ ስደተኛታት 68.5 ሚልዮን ምብጽሑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

መደበር ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣስታት 69 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኲናት ግርጭትን ዓፈናን ካብ መረበቶም ተፈናቂሎም ናብ ስደት ከምዘምርሑ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ 19 ሰነ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣብ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎን ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕድሕድ ኲናትን ዜጋታት ሮሂንግያ ካብ ምያንማር ዝገበርዎ ፍልሰትን ስጋብ ዓመተ 2017 ናይ ዝተመዛበሉ ቁጽሪ ስደተኛታት ዓለምና 68.5 ሚልዮን በጺሑ ምህላው ኣረዲኡ።

ካብዞም ብሚልዮናት ዝግመቱ ስደተኛታት 53 ሚኢታዊ ኣሃዝ ህጻናት ዝሕዝ ኮይኑ ካብዚኦም’ውን እቶም ዝበዝሑ ብዘይ ኣላይን  ሓብሓብን ዝተሰዱ ወለዲ ኣልቦ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ጥራይ ልዕሊ 16 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዛእ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉ ዝሓበረ እቲ ትካል ዓለምለኻዊ ሓድነትን ምትሕብባርን ከምዘድልዩ ብመገዲ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ኣቢሉ ኣነጺሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ 20 ሰነ 2018 ዝባዓል መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ዊዒሉ።

————————————///////////////———————–

 

 

 

 

 

ረቡዕ 20/06/2018

ኣሜሪካ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣንሳሒባ።

ቢቢሲ ኣብ ዘቃለሖ ሓበሬታ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃሊ ብሰሉስ 19  ሰነ 2018 ዕላዊ ኣብ ዝገበሮቶ ኣብ ልዕሊ ሃገረ እስራኤል ሱር ዝሰደደ ቄናን ፍርዲ ዝህብ ዘሎ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኣሜሪካ ስለዘነደረ ሃገራ ካብቲ ኣካል ኣንሳሒባ ኣላ ኢላ።

ኣብ ጎኒ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዩ ኮይና ኣብ ዋሽንግተን መግለጺ ዝሃበት ኒኪ ሃሊ ንሕና ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወሰደና ኣካል ናይቲ ግብዝና ዘለዎን ንገዛእ ነብሱ ጥራሕ ዘገልግልን ውድብ ክንኸውን ድሌትና ኣይኾነን ክትብል ድሕሪ ምግላጽ ሰብኣዊ መሰላት ዝቅየዐሉ ትካል’ዩ ክትብል ወቂሳቶ።

እንተኾነ ግዳ ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘይድ ራድ ዓሊሑሴን ንመግለጺ ምምሕዳር ትራምፕ ሲዒቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዋላ’ኳ ዘደንቅ ነገር እንተዘይብሉ ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ሕብረት ኤውሮፓን ዓባይ ብሪጣንያን’ውን ንተግባራት ኣሜሪካ ዝኾነና ኮይነን እስራኤል ግና ትብዓት ዘለዎ ስጉምቲ’ዩ ክትብል ኒኢዳቶ።

—————————————//////////////////—————————-

 

 

 

 

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here