ዝርዝር ዜና 21-12-2017

0
293

ኤርትራውያን መጋረጃ ፍርሕና ብዘይምትርባዕና ሰርቢ ጥፍኣትና ክዛይድ ክኢሉ ክብሉ ግዱሳት ገሊጾም፡፡

 

ንልዕሊ 26 ዓመታት ብዘይ ሕርያ ህዝቢ ስልጣን ብዝገበተ ስርዓት ህግደፍ እናተሳቐና ሕላገትና ንሞልቕ ዘለና ኤርትራውያን መጋረጃ ፍርሕና ብዘይምትርባዕና’ዩ ሰርቢ ጥፍኣትና ዝዛይድ ዘሎ ክብሉ ግዱሳት ገሊጾም፡፡

እቲ ብሰንኪ ፍርሕን ስቕታን ዝወርደና ዘሎ ሕሰማት ኣብ ከንዲ ብሓደ ኮይና ንጸላኢና ከነጥፍእ ንቃለስ ተኣኪብና ንስደት ብምምራሕና’ዩ መላኺ ስርዓት ዝዕንድር ዘሎ ኢሎም፡፡

እዚ ብኣልማማ ምስዳድ ንጎኒ ጌርና ሓቢርና ኣብ ሓደ ሰሚርና ንመጽነቲና ክንኣሊ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ምስ ንብገስ ጥራሕ’ዩ ዝተጨወየት ሓርነትና ዳግማይ ክንምልሳ ንኽእል ክብሉ ዜጋታትና ብተወሳኺ ኣወኪኦም፡፡

————————————————////////////////——————————— 

ሓሙስ 21/12/2017

ኣብ ኤርትራ ሕጂ’ውን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕን ምእሳር ይዛይድ ምህላው ተሓቢሩ፡፡

ከም ጸብጻብ ሬድዮ መድረኽ፡ ድሕሪ ፍጻመ 31 ጥቅምቲ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ኣብ ጭውያን ማእሰርትን ጥራይ ኣተኩሩ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ውን እቲ ብዘይ ዝኮነ ምኽንያት ምእሳር ዝቕጽለሉ ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ቅንት’ዚ ’ውን ኣብ ከባቢ ባሕቲ መስከረም ካብ ዝርከባ እንዳ ኢንተርኔታት 5 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው፡፡

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ብጀካ’ዚ ካብ 1 ክሳብ 9 ታሕሳስ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ጥራይ ክሳብ 18 ዝበጽሑ ሰባት ዶላር ሒዝኩም ጸኒሕኩም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ኮይኖም፡ እዞም ዜጋታት  ህግደፍ ኣብ እስራኤል፡ ሱዳን፡ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኮይኖም ሓዋላ ክሰርሑ ባዕሉ ቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘዋፈሮምን ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲኡ ዘስረሖምን።

ስርዓት ህግደፍ ንዘገልገልዎ ዜጋታት ናይ ምጥፋእ ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ድሕር’ቲ ኣብ ኤርትራ በሪ ሓርነት ዝኸፈተ ህዝባዊ ናዕቢ ከኣ ንቡዙሓት ሰባት ብዓይኒ ጥርጣረን ፍርሕን ኣብ ምቕያዶም ተዋፊሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ፡፡

———————————————–//////////////————————————-

ሓሙስ 21/12/2017

ስርዓት ህግደፍ ተረፍ መረፍ ደምሒት ኣብ መንጎ ኣማሓደርቲ ዞባታት ኣትዮም ክሰርሑ ጸቕጢ ይፈጥር፡፡

ከም ሓበሬታ ሬድዮ ስምረት፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብዳህ ከንቱ ፈተነታት ይገብር ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ከም መርኣያ ናቱ ድማ፡ ተረፍ መረፍ ደምሒት ኣብ መንጎ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣትዮም ንኽሰርሑ ጸቕጢ ይገብር ከም ዘሎ ተሓቢራ፡፡

እዚ ብተደጋጋሚ እንተተመሰለለይ ኢሉ ዘካይዶ ዘሎ እኩይ ተግባር ህዝቢ እናፈራራሕካ ንምምብርካኹ ዝዓለመ ፍሹል ፈተነ ምዃኑ እታ ሬድዮ ሓቢራ’ያ፡፡

እቲ ተረፍ መረፍ ደምሒት ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣትዮም ንክሰርሑ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት በቶም ዝበዝሑ ኣመሓደርቲ ኣበላት ደምሒት ኣብ ጉዳይና ዘእትዎም የለን ብምባል ተቓውሞኦም ከምዘስምዑ ዝሓበረት እታ ሬድዮ፡ ዝተበሃልኩምዎ ካብ ምፍጻም ሓሊፍኩም ሕቶ ሪኢቶ የለን ዝብል መልሲ ዝወሃቦም ዘሎ ኮይኑ ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታት ከምተኣሰሩ ድማ ብተወሳኺ ኣተንቢሃ፡፡

———————————————–//////////////————————————-

 ሓሙስ 21/12/2017

መርገጺ ሩዋንዳ ኣብ ጉዳይ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ብሱዳን ናእዳ ረኺቡ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሱዳን ዑደት ስራሕ ምስ ዝፈጸመ ሩዋንዳዊ መዘንኡ ፖል ካጋመ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ICC ንዘለዋ መርገጺ ከም ዝንእድ ምግላጹ ሱዳን ትሪቡን ዘወሃሃዶ ዜና ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ካጋመ ሃገሩ፡ ከም ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክትተሓባበር ግዴታ እኳ እንተለዋ ኣብ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣቶኲሩ ንዝግበር ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ዝመስል ግን ኣትሪራ ከም እትቋወም ኣነጺሩ።

ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣልበሽር ከም ዘይቅበሎ’ውን ፕረዚደንት ካጋመ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ንመርገጺ ሩዋንዳ ክብሪ ከም ዘለዎ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኣልሸበር፡ እቲ ቤት ፍርዲ ናብ ኣፍሪቃውያን ክሳብ ዘነጻጸረ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኣባልነት እቲ ውድብ ክስሕባ ጸዊዑ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ንዝረኣ’ዩ ዘይምርግጋኣት ኣብ ምፍታሕ ንጻዕሪ ሩዋንዳ ንኢዱ’ዩ።

————————————–//////////————————– 

ሓሙስ 21/12/2017

ዝምባብወ ተኣማኒ ምርጫ ክተሳልጥ’ያ ክብል ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ንቦታ ናይቲ ን37 ዓመታት ንዝምባብወ ዝመርሐ ወዲ 94 ዓመት ሮበርት ሙጋበ ዝተከኣ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኤመረሰን ምንናጋግዋ ኣብ  ዝሃቦ ቃል ሃገሩ ኣብዚ ክንኣትዎ ሒደት መዓልታት ተሪፈንኦ ዘለዋ ዓመተ 2018 ብደረጃ ሃገር ተኣሚኒ፡ ናጻን ዲሞክራሲያውን ምርጫ ክተሳልጥ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኤመርሰን ኣብ ቃላቱ፡ መንግስቲ ሃገሩ፡ እቲ ዝሳለጥ ምርጫ ዜጋታት ሃገሩ ዝዓግብሉ፡ ካብ ሕሜታ ዝነጻሀ ኮይኑ ንክዛዘም ዝከኣሎ ኩሉ ከም ዝገብር ምምጽብዑ ዥንዋ ኣብ ዘዋሃሃደ ዜና ዝረኸብናዮ ጸብጻብ የነጽር።

ንሱ ኣብቲ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቱ ዲሞክራሲያዊ፡ ኣብ ምክእኣል ዝኣምን ንምክብባር ቀዳምነት ዝህብ ሰላምን ምርግጋእ ኣብ ምርግጋጽ ዝሰርሕ፡ ብሓበራዊ ስርሑ ምዕብልትን ወናኒት ድልዱል ቁጠባ ዘለዋን ዝምባብወ ንምህናጽ ከይተሓላለ ከም ዝስርሕ ኣረጋጊጹ።

ውጥናት መንግስቲ ብዜጋታት ምስ ዝዕመም ዝለዓለ ውጽኢት ናይ ምምዝጋብ ዕድሉ ዝለዓለ’ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ኢመርሰን፡ ህዝቢ ሃገሩ’ውን ንውጥናቱ ብሙሉእ ድልየት ከም ዝቕበሎ እምነቱ ምሉእ ምህላው ኣተምቢሁ።

———————————-/////////////////———————-

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here