ዝርዝር ዜና 22-12-2017

0
277

ስርዓት ህግደፍ ኣባይቲ ዜጋታት ንምፍራስ ኣዕናዊ ውጥን የውጽእ ኣሎ፡፡

ከም ሓበሬታ ግዱሳት ወገናት፡ ቅድም ክብል ብዝሒ ዘለዎ ኣባይቲ ንጹሃት ዘዕነወ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ውን ንቀጻሊ ብኣማኢት ዝቑጸር ኣባይቲ ከፍርስ ኣዕናዊ ውጥን የውጽእ ኣሎ፡፡

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እዚ ብህግደፍ ተወጢኑ ዘሎ ኣዕናዊ ትእዛዝ ልዕሊ 700 ኣባይቲ ክፈርስ ካብቲ ጉጅለ ናብ ማዛጋጃ ቤት ትእዛዝ ተመሓላሊፉ’ሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸር ኣባይቲ ከም ዘፍረሰ ዝፍለጥ ኮይኑ ብሰንኩ ድማ ቡዙሓት ስድራቤታት ግዳይ’ቲ ጨካን ውሳኒኡ ከምዝኾኑ ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዝከር፡፡

————————————-///////////////////————————————–

ዓርቢ 22/12/2017

ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ምሻጥ ባጤራ ናቕፋ ተዋፊሮም ከም ዘለው ተፈሊጡ፡፡

መጠን ንዘይብሉ ብልሽውና ሰፊሕ ዕድል ተፈጢርሎም ዘለው ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብዝተፈላለየ ሜላታት ዝወርስዎ ዘለው ገንዘብ ህዝቢ ሎሚ ድማ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምሻጥ ባጤራ ናቕፋ ተዋፊሮም ኣለው ከም ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና፡፡

እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዝሒ ዘለዎ ሓድሽ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ እናወረዱ ብገንዘብ ሱዳንን ብዶላርን ይሸጥዎ ከም ዘለው ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

ኣብ ባንክታት ገንዘቦም ዝተሓየሮም ህዝብን ነጋዶን ግዳይ ናይቲ ብሓለፍቲ ህግደፍ ዝሽየጥ ዘሎ ባጤራ ይኾኑን ንዘለዎም ጸገም ገንዘብ ንምቕራፍ ድማ ምስኣቶም ይሻየጡ ከም ዘለውን ገሊጾም፡፡

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓይኒ ንዘእተውዎም ነጋዶ ብዘይምኽንያት እናኣሰሩ ሃብትታቶም ይዕምጹ ከምዘለው ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዝከር፡፡

————————————-///////////////////————————————–

ዓርቢ 22/12/2017

መንግስቲ ሆላንድ ንኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ክዓጽዎ ከም ዝኽእል ይግለጽ’ሎ፡፡

ጉዳይ ኤርትራ ብቀረባ ንዝከታተል ማርቲን ፕላውት ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ገጻ ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ፡ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ውን ንዜጋታት ኣገዲዱ 2 ካብ ሚኢቲ ግብሪ ክኸፍሉ የገድዶም ብምህላው ኣብ ሆላንድ ዘሎ ኤምባሲኡ ክዕጾ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣሚታ፡፡

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተገዲዶም ክልተ ሚኢታዊ ግብሪ ከይኸፍሉ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ብባይቶ ጸጥታ ካብ ዝተነብሩ ማዕቀባት ሓደ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን ውሽጢ ውሽጢ ብኣስገዳድ ካብቶም ስደተኛታት ግብሪ ይእክብ ኣብ ርእሲ ምህላው ብሕሱም ምሕደርኡ ተማሪሮም ናብ ስደት ንዘምርሑ ዜጋታትና ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ይደፋፍኦም ምህላው ዘርኢ ሓድሽ መርትዖ ተረኺቡ ምህላው ኣነጺራ፡፡

ባይቶ ሆላንድ ነቲ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ ድማ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ዝዕጸወሉ መስርሕ ይካታዕ ምህላው ጸብጻብ ኣሰና ይሕብር፡፡

————————————-///////////////////————————————–

 ዓርቢ 22/12/2017

6 ጥርጡራት ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ናይ 30 ዓመታት ማእሰርቲ ክብየኖም ከምዝኽእል ይግለጽ’ሎ፡፡

ዜግነት ሶማልያ ዘለዎም ኣብ ሽፍትነት ባሕሪ ተዋፊሮም ዝጸንሑ 6 ጥርጡራት ናብ ሲሸልስ ድሕሪ ምግዓዞም ክሳብ 30 ዓመታት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክጽበዮም ከምዝኽእል ኣገልግሎት ዜና ሲሸልስ ጸብጺቡ፡፡

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ማዕከን ዜና፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ መራኽብ ተጻዒኑ ንዝነበረ ኮንተይነራት ከዕንውን ናውቲ መግፈፊ ዓሳ ክዘምቱን ’ዮም´ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡፡

ዓቀብቲ ሕጊ ሲሸልስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሶማላውያን ገበነኛታት ምዃኖም ዘእምን መረጋገጺ ከም ዘለዎም ኣነጺሮም ኣለው፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምንቅስቓስ ሽፍትነት ባሕሪ እንዳነከየ ይመጽእ ምህላው ’ዩ ዝንገረሉ፡፡

————————————-///////////////////————————————–

 ዓርቢ 22/12/2017

ወትሃደራዊ ሰጉምቲ ኣብ የመን ንዘሎ ኲናት ማዕልቦ ክገብር ከምዘይክእል ኣሜሪካ ኣፍሊጣ፡፡

መደብር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፡ ካብ ዓመተ 2015 ኣትሒዛ ኣብ ሕድሕድ ኲናት ተሸሚማ ኣብ እትርከብ የመን፡ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ስጉምቲ መፍትሒ ከምዘይኾነ እትገልጽ ዘላ ኣሜሪካ፡ ኣጋጢሙ ንዘሎ ቅልውላው እቲ ዝበለጸ መገዲ ኣዝዩ በዳሂ ጻዕሪ ዝሓትት ዲፕሎማስያዊ መስርሕ’ዩ ኢላ ከምትኣምን ገሊጹ፡፡

ክፍሊ ስቴት ዲፓርትመንት ኣሜሪካ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣንጻር መንግስቲ የመን ዝቃለሱ ዘለው ዑጡቓት ተቓለስቲ ሑቲ፡ ናብ ሃገረ ስዑድ ዓረብ ዘወንጭፍዎ ዘለው ሮኬታት ደው እንድሕር ዘብልዎ ኮይኖም፡ ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ህዱእ ዘተ ባይታ ኣለዎም’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

ምክትል ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ኣሜሪካ ቲም ለንደርኪንግ፡ ወሲኹ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሉ ኣብ ኲናት የመን ዝሳተፍ ዘሎ ኣካል ናብ መስርሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክኣትው ክንዲ ዝካኣለና ንጽዕት ኣለና ክብል ገሊጹ’ዩ፡፡

ዑጡቓት ተቛወምቲ የመን ሑቲ፡ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ ልዕሊኦም የውርዶ ንዘሎ ጽዑጹዕ ደብዳብ ነፈርቲ ሕነ ንምፍዳይ ዝዓለመ ኣብ ቀረባ እዋናት ጥራሕ፡ ናብ ከተማ ሪያድ ዘቅንዖ ብዓሰርተታት ዝግመት ብላስቲክ ሚሳኤል ከምዘወንጨፈ’ዩ ዝሕበር፡፡

————————————-///////////////////————————————–

 ዓርቢ 22/12/2017

ሳተላይት ናብ ጠፈር ናይ ዝውንጭፋ ሃገራት ኣፍሪቃ ቁጽሪ እናወሰኸ ይኸይድ ’ሎ፡፡

ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ኣልጀርያ ምስ ቻይና ብምትሕብባር ዝሰረሓታ ሳተላይት ናይ ምውንጫፍ ተግባር ዘሰላሰለት ኮይና፡ ሕጂ ድማ ኣንጎላ ስርሓት ሩስያ ምዃና ዝተኣመነላ ሳተላይት ናብ ጠፈር ክትውንጭፍ ምዃና ዥንዋ ጸብጺቡ፡፡

ተልእኾ እታ መጻኢ ሰሉስ እትውንጨፍ ሳተላይት ኣብ ዓንኬል ከፊላዊ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ሓበሬታ ንምእካብ ከምዝኾነ’ውን ሚኒስተር ቴሌኮሚኒኬሽንን ሓበሬታን ኣንጎላ ጆሴ ክራቫሎ ገሊጹ፡፡

ህንጸት እታ ብሩስያ ዝተሰርሐት ሳት-1 ዝተባህለት ሳተላይት ኣብ ዓመተ 2012 ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ብዝሰልጠኑ መሃንዲሳት ስለእትእለ ውጽኢታውነት ስርሓ ኣተኣማማኒ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

ናይጀርያ፡ ሞሮኮ፡ ኣልጀርያ፡ ግብጽን ደቡብ ኣፍሪቃን ቅድም ኢለን ናይ ባዕለን ሳተላይት ናብ ጠፈር ዘወንጨፋ 5 ሃገራት ኮይነን ሕጂ ድማ ኣንጎላ ተጸንቢራተን’ላ፡፡

————————————-///////////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here