ዝርዝር ዜና 24-05-2018

0
182

መበል 27 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብድሙቕ ኣገባብ ተጸንቢሉ፡፡

ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ማይዓይኒ፡ ዓዲ ሓሩሽ፡ ሽመልባን ሕጻጽን ተዓቊቦም ዝርከቡ ብ10ተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ኤርትራውያን ነታ ሉኡላውነት ዘግሃደት መበል 27 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድሙቕ ኣገባብ ጸንቢሎማ ኣለው፡፡

ኣብቲ እምቢ ንምልኪ እወ ንሓርነት፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የብቅዕ፡ ዘተ ሰላም ንህዝቢ ብህዝቢ፡ ንሕና ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ኢና ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ቴማታትን ጭርሖታትን ዝተኻየደ ናጽነታዊ ጽንብል፡ ክንዮ እቲ ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ዜጋታት፡ ዕድመ ዝተገበረሎም ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርቲ ማይዓይኒ’ውን ተሳቲፎም’ዮም፡፡

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና፡ ናይዚ ዝርዝር ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ልኡኽ ሬድዮ ወጋሕታ ሳሊና ከምዚ ዝስዕብ ሰዲዱልና ኣሎ፡፡

—————————————////////////////——————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 24/05/2018

ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ኣርዑት ባርነት ህዝቢ ንምስባር ሕጂ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ፈቲሾም ብጽንዓት ክቃለሱ ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ኩናማ ኤርትራ ኣቶ ቀርኔሎስ ዑስማን ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ምስ ሬድዮና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብሓፈሻ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ብፍላይ ኣርዑት ባርነት ህዝቢ ንምስባር ሕጂ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ሃገር ብግቡእ ፈቲሹ ኣንጻር ህግደፍ ብጽንዓት ክቃለስ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ንሱ ብምኽንያት መበል 27 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ዝበለ ኮይኑ ብፍላይ’ቶም ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ዜጋታት ግን እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘሎ ገለገለ ድኽመታት ካብ ቃልሲ ክውጽኦም ዘይኮነስ ኣብኡ’ዉን ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ብምክያድ ሃገራዊ ሓርነት ንምርግጋጽ ከተርንዖም’ዩ ዝግባእ ኢሉ፡፡

ደምበ ተቓውሞ ሰልፍታት ኤርትራ ከምቲ ኣብ ኩሉ ከጋጥም ዝኽእል ዝተፈላለየ ጸገማት ከጋጥም ንቡር እዩ ዝበለ ኣቦ መንበር ደምሓኩኤ ኣብ ውሽጢ እቲ ደምበ ዝርአ ክፍተት ኢሉ’ዉን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘሎ ኣርዑት ክስበር ዝኽእል ግን ብምህዳም ዘይኮነስ ኣብ ፍልጠት ምኽኑይነት ተመስሪትካ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ደው ኢልካ ብጽንዓት ምስ እትቃለስ’ዩ ኢሉ፡፡

ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ጉጅለ ብሓይሊ ብረት ጥራይ’ዩ ክወርድ ዝኽእል ዝብል መትከል ሒዙ ምእንቲ ተወከልቲ ብሄረ ኩናማ ኢሉ’ዉን ምእንቲ መላእ ህዝብታት ኤርትራ ዝቃለስ ዘሎ ውድብ’ዩ፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታትና’ውን ብምኽንያት ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ምስ ሬድዮና ኣብ ዝገበርዎ ዕላል፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ሰኒቖም ዝተመንዝዐት ሓርነቶም ክምልሱ ጻዊዒት ኣቕሪቦም’ዮም፡፡

ኣንጻር ጸላኢ ብደለይቲ ፍትሒ ዘይተሓለለ ቃልሲ ይካየድ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ዜጋታት፡ እንተኾነ ግን ብህይወት ብኣሸሓት ዜጋታት ዝመጸት ሓርነታዊት ናጽነት ክሳብ ’ዛ ዕለት እዚኣ ክትረጋገጽ ኣይከኣለትን ኢሎም፡፡

ነዛ ክብርቲ ዕለት ክንዝክር ከለና፡ ብዳንኬራን ጓይላን ዘይኮነስ፡ ሰማእታትና ብሕልናዊ ጸሎትን ሽምዓ ብምውላዕን ኢና ንዝክራ ዘለና ድሕሪ ምባል እቶም ሕልንኦም ሸይጦም ምስቲ ስርዓት ዳንኬራ ወሊዖም ዝዕንድሩ ዘለው ግን ጽባሕ ብታሪክ ክሕተቱ ምዃኖም ተረዲኦም ብኣግኡ ቅኑዕ መንገዲ ክሕዙ ጸዊዖም፡፡

—————————————————-/////////////////////——————————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 24/05/2018

ስርዓት ኢሳይያስ ብሽፋን 24 ግንቦት ብኩፖን ባንን ሽኮርን ኣቢሉ ገንዘብ ከምዝዘመተ ተፈሊጡ፡፡

ከምሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና፡ ስርዓት ህግደፍ ብሽም ምሽብሻብ መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ገንዘብ ከተዋጽእ ጥብቂ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ኮይኑ፡ እቲ ዘመተ ገንዘብ ድማ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ሓንቲ ስድራቤት ሽኮርን ባንን ንምውሳድ ብእትግልገለሉ ኩፖን ኣቢላ 80 ናቕፋ ከተዋጽእ ዝእዝዝ መምርሒ ዝወጸሉ ምኽንያት ጉጅለ ኢሳይያስ እናወዓለ እናሓደረ ኣብ ህዝቢ ተኣማንነትን ክብረትን እናሰኣነ ብምምጽኡ ከምዝኾነ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ፡፡

እዚ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ምስምስ እናገበረ ካብ ህዝቢ ዝዘምቶ ዘሎ ገንዘብ፡ ካብቲ ኣብ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ንላዕሊ ኮይኑ ነቲ ህዝቢ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ኣውዲቕዎ ከምዘሎ’ዉን ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ካብ ነበርቲ ብምስምስ ናይ ጓሓፍ፡ ናይ ጽሬት እናበለ ገንዘብ ከምዝዘመተን ነዚ ዘየተግበረ ዜጋ ከኣ ኩፖኑ ክምንጠል ከምዝገበረ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንዝወጸ መረረ ህዝቢ ከም ኣብነት ብምቕራብ ምግላጽና ይዝከር፡፡

————————————————-//////////////////————————————————–

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 24/05/2018

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንኣባላትን ሓለፍትን ማሕበረ ኮም ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ፡፡

ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ከምዝገለጾ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዴም ኣብ ዝበሃል ቦታ ንዝነበሩ ሓለፍትን ኣባላትን ማሕበረ ኮም ህግደፍን ብኣባትር እናቐጥቀጡ ብመካይን ጽዒኖም ከምዝወሰድዎም ሓቢሩ፡፡

እቲ ማሕበረ ኮም ንስለያዊ ንጥፈታት ህግደፍ ከገልግል ዝጸንሐን ንብዙሓት ደላሎ መቋመርን መቋጸሪ ቦታን ኮይኑ ምጽንሑን ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብ22 ግንቦት ሃንበደት ብዘካየድዎ ተፍትሽ ድማ 40 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ክኢሎም ኣለዉ፡፡

ኣብቲ ብፖሊስ ዝተታሕዙሉ ሰዓት ከኣ ባጤራ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ጁባታት ናይቶም ሓለፍቲ ኣባላትን ምስኦም ዝተሓባበሩ ነጋዶን ከምዝተረኸበ ተጠቒሱ’ዩ፡፡

ብጀካ’ዚ’ዉን ሓደ ሌተናል ኮለኔል ዝርከቦም 7 ንሕክምና ናብ ካርቱም ዝኣተዉ ዜጋታት ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ’ዉን ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኣፍሊጡ’ሎ ዝርዝርሩ ምስ በጽሖ ናብ ህዝቢ ከምዝዝርግሖ ብምሕባር፡፡

—————————————————/////////////////////———————————————-

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 24/05/2018

ሱዳን፡ ንዕጡቃት ተቓወምቲ ኤርትራ ትድግፍ’ያ ተባሂሉ ዝቐረበላ ክሲ ኣዝዩ ከምዘነደራ ተገሊጹ፡፡

ከምሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፡ መንግስቲ ሱዳን ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ ብሮቡዕ 23 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ምስ መንግስቲ ቀጠር ተሓባቢረን ንዕጡቓት ጅሃዳዊ ተቓወምቲ ኤርትራ ኩለንተናዊ ሓገዝ ክገብራ ተሰማሚዔን ኢሉ ብ14 ግንቦት ብዘቕረቦ ክሲ፡ ኣዝዩ ከምዘነደሮ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝቐረበ ክሲ፡ ዝተሰነዔን መሰረት ዘይብሉ ጥርዓንን’ዩ ክብል ገሊጽዎ፡፡

እቲ መግለጺ ፡ ከምዘነጸሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካርቱም ምብጻሕ ገይሩ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ዘድሃበ ዝርርብ ከካይድ እንከሎ፡ ግልጽን ንማዕከናት ዜና ዞባና ኣህጉርናን ዓለምናን ክፉቱን’ዩ ነይሩ ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሱዳን ኣካል ጸገሙ ካብ ምግባር ተቖጢቡ፡ ኣጋጢምዎ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው ክፈትሕ ጻዊዒት ኣቕሪቡ፡፡

ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ዉን፡ ብመሓመድ ጁማ ንዝምርሑ እስላማዊ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ መዓስከር ከፊታ ንዝብል ክሲ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ፡ ውጹእ ሓሶት ክብል ከምዝኾነኖ ይፍለጥ፡፡

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዝቐረበሉ ክሲ’ዉን፡ ብመገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያቱ ኣቢሉ ከምዝነጸጎ ይዝከር፡፡

—————————————————–/////////////////———————————————

 

 

 

 

 

ሓሙስ 24/05/2018

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፍርቂ ደሞዙ፡ ንደገፍ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዘውዕሎ ቃል ኣትዩ፡፡

ከምሓበሬታ CGTN AfRica ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ማታሜላ ሰይሪል ራማፎዛ፡ ኣብ ፓርላማ ሃገሩ፡ ንምጽዳቕ በጀት ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣድሂቡ ይካየድ ንዝነበረ ክትዕ ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፍርቂ ደሞዙ፡ ንደገፍ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክልግሶ ምዃኑ ዕላዊ ገይሩ’ዩ፡፡

ወዲ 65 ዓመት ራማፎዛ፡ 18 ሓምለ ኣብ ዝኽበር ዕለተ ልደት ክቡር ሓርበኛ ኔልሰን ማንዴላ፡ ዕላዊ ሓገዙ ከበርክት ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ እቲ ዝልገስ መጠን ገንዘብ ድማ፡ ብትካል ገባሪ ሰናይ ፋውንዴሽን ኔልሰን ማንዴላ ዝመሓደር’ዩ፡፡

እዚ ሕጂ ክልግሶ ወሲነዮ ዘለኹ መጠን ገንዘብ ውልቃዊ ተበግሶይ’ዩ ዝበለ ራማፎዛ፡ ዜጋታት፡ ካብዚ ተበግሶ ወሲዶም፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ልዑል ግደ ከበርክታ ንዝኽእላ ጽላታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ደገፍ ክገብሩ ጻዊዒቱ ኣቕሪቡ፡፡

ዕድመ ንእስነቱ ስለ ናጽነት ደቡብ ኣፍሪቃ ክብል ኣብ ማሓዩር ዘብለየ፡ ነፍስሄር ኔልሰን ማንዴላ፡ ዝመጽእ 18 ሓምለ 2018፡ መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ልደቱ፡ ኣብ መላእ ሃገሩን ዓለምን ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ክኽበር ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ፡፡

—————————————————///////////////////———————————————–

 

 

 

 

 

 

ሓሙስ 24/05/2018

ኢራን፡ ሓያላት ሃገራት ኤውሮጳ ከተግብርኦ ዝግባእ ዝርዝር ጠለብ ኣቕሪባ፡፡

ኢራን፡ ብላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ካማኒ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምስ ሓያላት ሃገራት ዓለም ኣብ ዘካየደቶ ኑክሌራዊ ስምምዕነት ከጽንሕዋ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ቅድመ ኩነታት ኣንቢራ ምህላዋ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ፡፡

ኢራን ኣብቲ ኣብ ዓመተ 2015 ንጉዳይ ኑክሌር ኣድሂባ ምስ 6 ሓያላት ዓለም ዝኣተወቶ ስምምዕነት ጸኒዑ ክቕጽል፡ ሓያላት ሃገራት ኤውሮጳ ንዕዳጋ ነዳዲ ኢራን ከውሕሳ፡ ዘካይድኦ ዘለዋ ዕድጊ ድፍድፍ ነዳዲ ክቕጽልኦ ፡ ንእገዳ ኣሜሪካ ከየተግብራ፡ ባንክታት ኤውሮጳ፡ ምስ ኢራን ዝገብርኦ ንግዳዊ ምልውዋጥ ሓለዋ ክገብራሉን፡ ኣብ ጉዳይ መደብ ባለስቲክ ሚሳኤል ኢራንን ዞባዊ ምንቅስቓሳትን ናብ መድረኽ ምድርዳር ከየምጽኦኦ ቃል ክኣትዋን ወዘተ ዝብሉ ቅድመ ኩነት ኣቕሪባ ኣላ፡፡

እዞም ቀሪቦም ዘለዉ ቅድመ ኩነት፡ ኣብ ተግባር ክውዕሉ ተዘይተገይሩ፡ ሃገሩ፡ ኣብ ምብልጻግ ዩራንየም ኣበርቲዓ ክትቅጽለሉ ምዃና፡ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ዓሊ ካማኒ ኣተሓሳሲቡ’ዩ…. ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ እትገብሮ ስምምዕ ከምዘብቀዐ ብምጥቃስ፡፡

ኣሜሪካ፡ ካብ ስምምዕነት ኑክሌር ኢራን ካብ እተንሳሕብ ንነጀው፡ ኣብ ዓመተ 2015 ንዘልዓለቶ እገዳን ካልኦት ንፊናንሳዊ ዓቕሚ ኢራን ዘዳኽሙ ተወሰኽቲ ስጉምትታትን ከምእትገብረላ ትገልጽ፡፡

ኢራን ግና ብታህዲድ ኣሜሪካ ድምብርጽ ከምዘይብላን፡ ኣብ ልዕሊኣ ንዝግበር ተጽዕኖ፡ ዝያዳ ካልእ እዋን ክትብድሆ ተዳሊያ ምህላዋ’ያ ተደጋጋሚ ተፍልጥ ዘላ፡፡

————————————————–///////////////////——————————————–

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here