ዝርዝር ዜና 24-11-2017

0
232

31 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ መላኺ ኢሳያስ ዝፈጠረቶ ቑልውላው መመሊሱ ይብእስ ከምዘሎ ተፈሊጡ፡፡

 

እታ ንፈለማ እዋን ኣብ ኤርትራ ጩራ ሓርነት ዘበሰረት 31 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን ማሓውራቱን ፈጢራቶ ዝጸንሐት ቅልውላው ሕጂ’ውን መመሊሱ ክብእስ ትገብሮ ከም ዘላ ምንጭታትና ኣፍሊጦም፡፡

ድሕሪ  እቲ ፍጻመ ምሕራቕ፡ ምቑጣዕ፡ ምጽራፍን  ቀልባዕባዕ ምባልን ርኡይ ባህርያት መላኺ ኢሳይያስ ኮይኖም ከም ዘለው ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ድማ ንድሕነት ህይወቱ ስለዝሰግአ ብወዲ መምህር ዝምራሕ ተወርዋሪ ሰራዊት ቀንዲ ዕማሙ ነቲ መላኺ ኣብ ምሕላው ተዋፊሩ ከም ዘሎ ኣነጺሮም፡፡

ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ተሸሚሙ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ብፍላይ ንዑዑ ኣስጋእቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ቓርማታት እናዋፈረ ልዑል ምክትታል ክግበር ይእዝዝ ከም ዘሎን ብተደጋጋሚ ’ውን ኣኼባታት ምክያድ የብዝሕ ከም ዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

ብፍላይ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ኢንተርኔታት ካፌ ምክትታል ክግበረለን፡ እቲ ዝጥቀም ሰብ ድማ ፎርም ክመልእ ዝብሉ ሓደሽቲ ተኣታትዮም ዘለው ሕግታት ህግደፍ ምዃኖም ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ እዚ ድማ ህግደፍ እቲ ንኩነታት 31 ጥቅምቲ ኣመልኪቱ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ማዕከናት ተቓወምትን ዝለኣኽ ዘሎ ምስሊ ቪድዮ ንምቑጽጻርን ህዝቢ ድማ ንምፍርራሕን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም ኣለው፡፡

ዝተፈጥረ ኩነታት  ንህግደፍ ዘይተጸበዮ መኻልፍ ኮይንዎ ከም ዘሎ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ንጉሆ ንጉሆ ሓድሽ ተርእዮታት ምፍጣር ሻቕሎታዊ ሃለዋት እቲ ስርዓት ዘረጋግጽ ፍጻመ ከምዝኾነ ኣተንቢሆም፡፡

—————————————/////////////////—————————————

 

 

ዓርቢ 24/11/2017

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣኽርያ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ይቅጽለሉ’ሎ፡፡

ድሕር’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ዝተራእየ ናዕቢ ኣብ ጭንቀት ተሸሚሙ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣኽርያ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ሕጂ’ውን ዝቅጽሎ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልታት ጥራይ 39 ሰባት ተኣሲሮም ከም ዘለው ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ፡፡

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እዞም ተኣሲሮም ዘለው መብዛሕትኦም ደቒ ኣኽርያ ኮይኖም ብዓፈንቲ ጉጅለታት ሃገራዊ ድሕነት ከካብ ገዛውቶምን ስርሖምን ከም ዝተወሰዱን ካብኣቶም 6 ደቂንስትዮ ኣብ እንዳ ኢንተርኔት ዝሰርሓ ከምዝኾናን ተፈሊጡ’ሎ፡፡

እቶም ግዳያት ድሕሪ ማእሰርቶም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ስእልታት ንዝሰኣሉ ሰባት ርቑሑ ተባሂሎም ይቕጥቐጡ ከምዘለውን ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘየለ እንተሓበሩ’ውን ብጀነራል ፊሊጶስ ብዝተላእኩ መርመርቲ ብኸቢድ ይቅጥቐጡ ’ለው፡፡

ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣኽርያ ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ’ዚ ከኣ ኣብ ኣኽርያ ጥራይ ኣብ ምጽንጻንን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያትን እናኸዱ ንኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖት ዘባእሱ ቓርማታት ተዋፊሮም ኣለው፡፡

ኣብ መስጊድ ጃምዕ ብርክት ዝበለ ቡንባታት ተረኺቡ፡ ኣብ መስጊድ መደሽቶ’ውን ናይ ዳዕሽ ባንዴራ ተረኺቡ ዝብሉ ገለ በቶም ቓርማታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ ኮይኑ፡ ግዝያዊ ሙፍቲ ኤርትራ ዘሎ ሸኽ ሙኽታር ከኣ ኣብዚ ጉዳይ ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ከም ዘሎ መድረኽ ወሲኻ ገሊጻ’ላ፡፡

—————————————/////////////////—————————————

 

 

 

 

ዓርቢ 24/11/2017

ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ልዕሊ ማንም እዋን ሎሚ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክስከም ዜጋታት ጸዊዖም፡፡

ህግደፍ ብዓቕለጽበት ንህዝብን ሃገርን ተማላሊኡ ንኽጠፍእ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ይገብር ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ልዕሊ ማንም እዋን ነቒሑ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክስከም ዜጋታትና ጻዊዒት ኣቕሪቦም፡፡

ዕምሪ ህግደፍ ንምሕጻርን ሞቱ ንምቅልጣፍን ይጽናሓለይ ከይተባህለ ክኽየድ ዘለዎ ጉዕዞ’ዩ ዝበሉ እቶም ዜጋታት ሓድሕድ ኤርትራዊ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምድላይ ህዝባዊ ሓርነትን ክጽንበርን እጃሙ ከበርክት ተበጉሶ ክወስድን እቲ እዋን ሎሚ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ናብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓል ኩሉና ብሓባር ንተስእ፡ ብምባል ድማ ምእንቲ ’ዚ ንቕሓትና ነበርኽ ብምባል ጻዊዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

—————————————/////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 24/11/2017

ኣባላት ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዕውት ናይ ፕሮፖጋንዳ ውዳበን ወፍርን ኣካይዶም፡፡

ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ኣብ ዝዘርገሐቶ ዜና ዕጡቓት ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዕውት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውዳበን ወፍሪ ከምዝፈጸሙ ሓቢራ፡፡

እቲ ወፍሪ መልእኽቲ ህዝባዊ ዲሞክራስን ካልኦት ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎ ውጽዕ ህዝብና ዝገልጹ ጽሑፋትን ኣብ ከባቢ ማይምነን ዓድዃላን ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ መስሓል ኣኽራን ኣብ ዝኣመሰሉ ቦታታት ብምዝርጋሕ ዕላማታቱ ንጹር ከምዝገበረ’ውን ኣነጺራ፡፡

ህግደፍ በቲ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ ከምዝተሰናበደን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ተመሃሮን ነበርቲ ናይተን ዓድታትን ኣኪቡ ከፈራርሖም፡ ነቲ ዝተበተነ ጽሑፍ ኣኪቦም ንከረክቡ ብምእዛዝ ይሃድኖም ምህላው፡ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ብተወሳኺ ኣገንዚባ፡፡

—————————————/////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 24/11/2017

ሕብረት ኣፍሪቓ ኣብ ሊብያ ንዝካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብትሪ ኮኒኑ፡፡

ኣባል ሃገራት ነቲ ዘድሊ ጸጋታተን ብምልላይ ኣንጻር ስቓይ ስደተኛታት ክሰርሓ ዝጸውዐ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቓ ሙሳ ፋቒ ማሃመት፡ እዚ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብልን ከብቅዕን ጸዊዑ’ሎ፡፡

ቀንዲ ጸገም ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከይጣየሱ፡ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር መብዛሕትአን ሃገራት ኤምባሲታተን ኣብታ ሃገር ስለዝዓጸዋ ምዃኑ ጠቒሱ’ዩ፡፡

ብጀካ’ዚ ፕረዚደንት ፈረንሳ’ውን ነዚ ኣብ ልዕሊ ደቒ ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ርኡይ ግህሰት ብምኹናን ቀደም ዝተረፈ ድሑር ተርእዮ’ዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ፡፡

—————————————/////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 24/11/2017

ካብ ስልጣኑ ዝተሰናበተ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ናይ ዘይምኽሳስ ውሕስነት ተዋሂቡዎ፡፡

ንመግለጺ ሰራዊት ዝምባብወ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሲ ኤን ኤን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ን37 ዓመታት ነታ ሃገር ብፕረዚደንትነት ክመርሓ ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ ስልጣኑ ብፍቓዱ ክሓድግ ድሉው ምዃኑ ስዒቡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋበ ናይ ዘይምኽሳስ ውሕስነት ተዋሂብዎ’ሎ፡፡

ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር፡ ሙጋበ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ብዝፈጸሞም ጌጋታት ክኽሰስ’ዩ እናበለ ዝጸነሐ ኮይኑ፡ ፓርላማ እታ ሃገር ’ውን ኣብ ልዕሊ ሙጋበ ተመሳሳሊ ክሲ ከቕርብ ምዃኑ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ፡፡

እንተኾነ ሮበርት ሙጋበ ስልጣኑ ብሙሉእ ፍቓዱ ከምዝሓደገ ምርግጋጹ ስዒቡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ተዋሂቡዎ’ሎ፡፡

በዚ መሰረት ንሮበርት ሙጋበን በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋበን ኣብ ርእሲ እቲ ዝረኸቡዎ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ውሕስነት ድሕነት’ውን ተዋሂቡዎም’ሎ፡፡

—————————————/////////////////—————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዓርቢ 24/11/2017

መራሕቲ ሩስያ፡ ቱርክን ኢራንን ቅልውላው ሶርያ ዘላቒ መዕለቢ ክግበረሉ ንዝቐረበ ንድፈ ሓሳብ ደገፈን ገሊጸን፡፡

መራሒ ሩስያ ቪላድሚርፑቲን፡ ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሓኒን ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋንን ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ ንዓመታት ዝቐጸለ ቅልውላው እታ ሃገር ንከብቅዕ ኣብ መንጎ ስርዓት ባሻር ኣልዓሳድን ተቓወምቱን ንዘሎ ኣፈላላይ ዝኣሊ ዘተ ክህሉ ንዝቐረበ ንድፈ ሓሳብ ከም ዝድግፉ ምርግጋጾም ኣልጀዚራ ጸብጺቡ’ሎ፡፡

ፕረዚደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ገለ ተቓወምቲ መንግስቲ ሶርያ ተዛራሪቡ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ቅርጽን ሶርያ እትመሓደረሉ ሓድሽ ቅዋም ምጽዳቕን ድማ ገለ ካብቶም ንፖለቲካዊ ቅልውላው እታ ሃገር መፍትሒ ክኾኑ ተስፋ ዝተነበረሎም ርእሰ ጉዳያት ምዃኖም ኣነጺሩ፡፡

መራሕቲ ሰሊስቲአን ሃገራት ድሕሪ እቲ ዘካየዱዎ ርክብ ኣብ ዝሃቡዎ ሓባራዊ መግለጺ ካብ ወገን ክልቲኦም ሓይልታት ተኣሲሮም ዘለው እሱራት ክፍትሑን ንስለ ድሕነት ህዝቢ ቀጻልነት ሃገርን ቀዳምነት ክሰርሑ ተላብዮም ኣለው፡፡

—————————————/////////////////—————————————

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY