ዝርዝር ዜና 25-07-2017

0
996

ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊስ ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ይዳለዉ ኣለዉ፡፡

ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታትና፡ ንዓርቢ 11 ነሓሰ 2017 ኣንጻር ገበነኛ ጉጅለ ህግደፍ ዝቐነዐ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላዋቶም የጻፍፉ ምህላዎም ይገልጹ ኣለው፡፡

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝሕተት ስለዝኾነ መንግስቲ ስዊዝ ዲፕሎማሲያዊ ርክባቱ ምስ ህግደፍ ከቋርጾ፡ ቤት ፍርድን ቤትጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ስዊዝ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ውሳኔ ንመሰል ስደተኛታትና ዘየገናዘበን ንምስሊ ገበነኛ ህግደፍ ዘጸባብቕን ስለዝኾነ ዳግመ ግምት ክገብረሉ፡ ኣብታ ሃገር ዘለው ተርጎምቲ ኢና በሃልቲ፡ ንምስክርነት ሓተትቲ ዑቕባ ጠምዚዞም የቕርቡዎ ብምህላዎም ክንቃሓሎም ንምጽዋዕ ዝዓለመ ’ዩ፡፡

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ብተወሳኺ ኣብ ስዊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ረኺቦም ከብቅዑ ምስቲ ጠንቂ ስደቶም ዝኾነ ምልካዊ ህግደፍ ጥቡቕ ምሕዝነት ዝፈጠሩ ዜጋታት ከም ዘለው ብምጥቃስ ገና ኣብ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ንዝርከቡ ሓደሽቲ ስደተኛታት ከይተረፈ ግብሪ 2 ሚኢታዊት ክኸፍሉ የገዱዱዎም ብምህላዎም መንግስቲ ነዚኦም ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክብይነሎም’ውን ገለ ካብ ዕላማታት እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ምዃኑ ኣነጺሮም፡፡

—————————————-///////////////——————————————-

ሰሉስ 25/07/2017

ውድባት ኤርትራ ብጀካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብለን ይሕበር ኣሎ፡፡

ብ22 ሓምለ 2017 ብሓድነትና ንሓድነት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስኣበባ ሰሚናር ዘካየደ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ውድባት ኤርትራ ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ መዋጽኦ የብለንን ክብል ጠቒሱ፡፡

ምትፍናን ውድባት ከምዚ ዘለዎ እንተቐጺሉን ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ምስቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ምትእኽኻብ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ መዕገቲ እንተዘይተጌሩሉን ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣብ ዘስግእ መድረኽ ተበጺሑ ከምዘሎ’ዉን ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ኣቶ ዓብዱራሕማን ጠሃኑር ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡

ኣብቲ ሰሚናር ካብ ዝተሳተፉ ኣቦመንበር ስምረት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ብወገኑ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ናብዚ ኣትይዎ ዘሎ ደውታ ዘውደቕዎ ምኽንያታት ድሕሪ ምዝርዛሩ ብሓባር ከስርሕዎ ዝኽእሉ ነጥብታት ድማ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ምእላይ፡ ብሓጺር ግዜ ኩሉ ዝሳተፈሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ከምኡ’ዉን ንልዕልና ሕጊ ተኣማኒ ብምዃን ብህዝባዊ ምርጫ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት’ዮም ክብል ኣብሪሁ፡፡

ብጀካ’ዚ ኣብቲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝጸውዖ ሰሚናር ዝተሳተፉ ሓለፍቲ’ዉን ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባ ዘተኮረ ጽሑፋት ኣቕሪቦም’ዮም፡፡

———————————————/////////////—————————————-

ሰሉስ 25/07/2017

ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን መንግስታዊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ካብ ሃገር ከይወጹ ከምዝተኸልከሉ ይሕበር ኣሎ፡፡

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ካብ ሃገር ከይወጹ ብጥብቒ ምክትታል ዝግበረሎም ዝርዝር ኣስማት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዘለው ሰባትን ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምኽልኻልን ተላኢኹ ክትብል ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ሬድዮ፡ እቲ ሊስታ ብመላኺ ኢሳይያስ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ካብ መጀር ጀነራል መዓርግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣብ መንግሰታዊ ትካል ዝሰርሑ ድማ ክሳብ ዳይሬክተር ጀነራል ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነት ናብ ወጻኢ ምጋሽ ከምዘይፍቐዶም ገሊጹ’ሎ፡፡

ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ዝተጠቐሰሉ ሊስታ ምኽንያት ናይቲ መምርሒ’ኳ ዘይጠቕስ እንተኾነ ኣብ መልእኽቱ ግን ብሕማም ኣመኽኒካ ዝግበሩ መገሻታት ዝብል ከምዝርከቦን ብሕክምና ኣመሳሚሶም ኣብ ወጻኢ ዝተረፉ ብቅልጡፍ ናብ ሃገር ክኣትውን ብመንገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ዝወሃቦም ዝነበረ መሻርፍ ’ውን ደው ክብል ተሓቢሩ’ሎ፡፡

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ተኸልኪሎም ዝበሃሉ ዘለው ሰባት ግን ኣይተገልጸን፡፡

—————————————-///////////////——————————————-

 ሰሉስ 25/07/2017

ኢትዮጵያን ጁቡትን ንወራሪ ተግባር ህግደፍ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክሓልፍ ምግባረን ሓላፍነታዊ ኣገባብ’ዩ ተባሂሉ፡፡

ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ንጋዜጣ ሪፖርተር ጠቒሳ ከምዝሓበረቶ ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ፈጻሚ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ፒተር ቪሮማን፡ ኢትዮጵያን ጁቡትን ነቲ ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዘሎ ጎንጺ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከምርሕ ምግባሮም ቅኑዕ’ዩ ሓላፍነቶም ከምዝተዋጽኡ ድማ የመልክት ክብል ገሊጹ፡፡

ንሱ ነዚ ዝበለ ሰላምን ጸጥታን ናይ ምስፋን ጉዳይ ሓባራዊ መርገጺ ካብ ኮነ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ጁቡትን ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኣሜሪካ እንታይ ከም እትብል ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ’ዩ፡፡

ኢትዮጵያን ጁቡትን ድሕሪ ምውጻእ ቀጠር ዳግማይ ናብ ምስሕሓብ ምእታወን ስዒቡ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምብጽሑ ግቡእ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ኩሉ ግዜ’ዩ ኵናት ዝጽሕትር እቲ ጉዳይ ቀልጢፉ ናብቲ ክበጽሖ ዝግባእ ምብጽሑ ግን ሓደ ካብቲ ቅኑዕ ኣገባብ’ዩ ክብል ኣብሪሁ፡፡

—————————————-///////////////——————————————-

ሰሉስ 25/07/2017

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኤኮዋስ ኣብ ኣቡጃ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ጉባኤ ኣቃኒዖም፡፡

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ምትሕብባር ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኤኮዋስ ኣብቲ ዞባ ወፍሪ ንምዕባይን ኣወፈርቲ ርእሰ ማል ንምትብባዕን ዝዓለመ ጉባኤ ከም ዘቃንዑ Cgtn ሓቢሩ፡፡

እቲ ዝተቓነዐ ጉባኤ ኣብ ወፍሪ ብሓፈሻ ኣብ ዕደና ከኣ ብፍላይ ርእሰ ማሎም ከፍስሱ ንዝኽእሉ ሰብ ሃብቲ ምትብባዕን ኣብቲ ጽላት ዝርኣዩ ሓደ ሓደ ሕጽረታት ንምእላይን ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ከምዝተማየጥሉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ብዘይካ እዚ እቶም መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢኮዋስ ምንቅስቓስ እቲ ምትሕብባር ዝግምግም ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘጠነኻክር ተልእኾ ብምጥያስ ብዜጋታት ሴራልዮንን ላይበርያን ክምራሕ ከም ዝመረጹ እቲ ብCgtn ዝተቃለሐ ዜና የረድእ፡፡

—————————————-///////////////——————————————-

ሰሉስ 25/07/2017

ቀጠርን ቱርክን ቅልውላው ወሽመጥ ዓረብ ንምህዳእ ዘትየን፡፡

ህሉው ኩነታት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ቅልውላው ከም ዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሃገራት ቱርክን ቀጠርን ድማ እዚ ቅልውላው ተፈቲሑ ናብ ንቡር ምርግጋእ ክምለስ ኣብ ዝከኣለሉ መዳይ ከም ዝዘተያ ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ፡፡

ኣሚር ቀጠር ሼኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልጣኒን ፕረዚደንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶጋንን ኣብ ደሓ ተራኺቦም እቲ ኣብ መንጎ ቀጠርን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ከመይ ይፍታሕ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ ዓሚቕ ዘተ ኣካይዶም ኣለው፡፡

ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብሓባር ከም ዝሳተፉ ዝጠቐሱ እቶም መራሕቲ ኩዌት ነቲ ቅልውላው ንምውጋድ ተካይዶ ንዘላ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ድማ ንኢዶም፡፡

ቀጠር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሉኡላውነታ ብዘየድፍር ኣገባብ ምስ ሃገራት ስዑዲ ዓረብ፡ ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንዘለዎ ዘይምርድዳእ ክትፈትሕ ድልውቲ ምህላዋ ኣረጋጊጻ’ያ፡፡

—————————————-///////////////——————————————-

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY