ዝርዝር ዜና 25-09-2015

0
297

ኔዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል’ያ ይበሃል ኣሎ፡፡

 

ኔዘርላንድ ብግልጺ’ኳ ዕላዊ እንተዘይገበረቶ ብጉዳይ 2 ሚኢታዊት ግን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከም ትኽእል ባይቶ እታ ሃገር ብዝጠለቦ መሰረት ዝቆመት ጉጅለ ኣፍሊጣ’ላ።

እዚ ብስርዓት ህግደፍ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ምእካብ ዘይሕጋዊ ግብሪ ክልተ ሚኢታዊ ንሕጋውነቱ ዝመልከት ወግዓዊ መግለጺ ብህግደፍ ክወሃበሉ’ኳ እንተሓተተት ንሱ ግን በንጻሩ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንዕቀት ዘመልክት’ዩ ክብል  ገሊጹ’ሎ።

እታ ኣብ ኔዘርላንድ ፡ ኢጣልያ፡ ኖርወይ፡ በልጅም፡ ጀርመን ሽወደንን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ረኺበዮ ዝበለቶ ጸብጻብ ምርኩስ ጌራ ተጽንዕ ዘላ ጉጅለ ዝኾነ ኤርትራዊ 2 ካብ ሚኢቲ ዘይሕጋዊ ግብሪ ክኸፍል ዘገድድ ምፍርራሕ እንተገጢምዎ ብቅጽበት ኣብ ከባቢኡ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከመልክት ተማሕጺና’ላ።

———————————////////////////————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሶኒ 25/09/2017

ኣብ ኩሉ ማሓውራት ህግደፍ ምትፍናን ሕጂ’ውን ይቅጽል ኣሎ ተባሂሉ።

ብሰንኪ ዘየቃዱን ዘየሳንን ፖሊሲ ህግደፍ ፡ ኣብ ኩሉ ማሕውራት ዝርከቡ ላዕላዎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እቲ ምትፍናኖም ሕጂ’ውን ይቅጽል ከምዘሎ ገለ  ዜጋታት ገሊጾም።

እቲ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ዘይምስምማዕ ናብቶም ታሕተዎት ወሪዱ ኣብ ውሽጢ ህግደፍ እሙንን ዘይእሙንን፡ ተባሂሉ ዓይኑ ዘፍጠጠ ፍልልይ ማዕቢሉ ኣሎ ዝበሉ እቶም ጉዱሳት፡ በዚ ድማ ብልሽው ኣካይዳ እናሳዕረረ ካብ ዝግመቶ ንላዕሊ ኮይኑ ምህላው ሓቢሮም።

በዚ ደርገፍገፍ ኣካይዳ እቲ ምትፍናን መሊሱ ከም ዝውላዕን ዕምሪ እቲ ስርዓት ከም ዘብቅዕን ብምግላጽ፡ ንዘይተርፍ ለውጢ ነፍሰወከፍ ኤርትራዊ ቅሩብ ክኸውን ድማ ኣተሓሳሲቦም።

—————————–///////////////——————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሶኒ 25/09/2017

ሓደገኛ ጉዕዞ ህግደፍ ንምዕጋት ሓላፍነት ናይ ኩለን ደምበታት ተቓውሞ’ዩ ተባሂሉ።

ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 8 መደብ ዓመታዊ ኣኼብኡ ኣብ ዘሰላሰለሉ እዋን፡ ንሓደገኛ ጉዕዞ ህግደፍ ንምዕጋት ሓላፍነት ናብ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ናይ ኩለን ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ዘገድሰን ደምበ ተቓውሞ ሓለፍነት’ውን’ዩ ክብል ገሉጹ።

እቲ ኣኼባ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምዕ ከነስምዕ ብዝብል ጭርሖ ከም ዝተሰላሰለ ዝሓበረ እቲ ሰልፊ፡ ሓቢርካ ንህልው ኩነታትካ ምስራሕን ድሕነት ሃገር ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ እጃም ንምብራኽን ዝለዓለ ምኻኑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ሓቢርካ ምስራሕ ወሳኒ ዝኾነሉ ግዜ ጸቢብ ውልቃውን ስሚዒታውን ቅድሚት ሰሪዕካ ቀይዲ ፖለቲካዊ መንገዲ ምምራጽ ክሳብ ክንደይ ግዳይ ህግደፍ ንምዃን ዘቃልዕ ምኻኑን ፡ ካብዚ ንምድሓን ከኣ ከይንመናናዕ ንጽናዕ ብምባል እቲ ኣኼባ ብዓወት ከምተዛዘመ ይሕብር።

——————————–////////////////————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሶኒ 25/09/2017

ኢትዮጵያን ሱዳንን ርክባተን ዝያዳ ከስጥማ ተሰማሚዐን።

ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን ዝንገረለን ጎራባብቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንክልተኣዊ ርክበን ናብ ዝበረኸ ዳረጃ ከዕብያ  ኣብ ስምምዕ ምብጸሐን ካብ  ክልቲእን ሃገራት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እተን ሃገራት ናብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለይን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ታባን ደንግን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከመይ ብዘላቕነት ይፍታሕ ኣብ ዝብል ድማ ቀንዲ ካብ መዘራረቢ ዛዕባ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝነበረ ይንገረሉ።

———————————////////////—————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሶኒ 25/09/2017

ኣንጌላ መርክል ን4 ግዚኣ ቻንስለር ጀርመን ኮይና ተመሪጻ።

ኣብ ጀርመን ብ24 መስከረም 2017 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ን3 ተኸታተልቲ ግዝያት ቻንስለር ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ኣንጌላ መርክል ን4 ግዚኣ ከም ዝተመርጸት ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቢቢሲ ኣንጌላ መርክል እትመርሖ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ካብ ዝረኸቦም ውጽኢታት እዚ ናይ ሕጂ ዝተሓተ ኮይኑ ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ዝኽእል ድምጺ ግን ረኺቡ’ሎ።

ኣንጌላ መርክል ምዕዋታ ስዒቡ ንደገፍታ  ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ምስ ህዝባ ኮይና ዝሓሸት ጀርመን ክትህሉ ኣበርቲዓ ከም እትሰርሕ ኣረጋጊጻ።

———————————–///////////////————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሶኒ 25/09/2017

ቻይና ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ማዕቀብ ኣንቢራ።

ኣብ ንግዳዊ መዳይ ሓንቲ ካብ ቀንዲ መሓዙት ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ቻይና ፕዮንግዮንግ ጻውዒት ሰላም ማሕበረሰብ ዓለም ጸማም እዝኒ ብምሃብ ተኸታታሊ ምውንጫፍ ኒኩለራዊ ሚሳይል ተካይድ ብምህላዋ ኣብ ልዕሊኣ ናይ ነዳድን ጨርቃጨርቅን ማዕቀብ ክተንብር ከም ዝተገደደት ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

ናብ ቻይና ካብ እትልእኾም ምህርትታት ዝለዓለ ኣታዊ ክትረክብ ዝጸንሐት ሰሜን ኮርያ፡ ነቲ ማዕቀብ ስዒቡ ኣብ ቁጠባኣ ዓቢ ቅልውላው ከጋጥማ ከም ዝኽእል ድማ ግምት ብዙሓት ኮይኑ’ሎ።

ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ፈተነ ምውንጫፍ ሃይድሮጅን ኒኩለሳዊ ቦምብ ምክያዳ ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ ማዕቀብ ክንበረላ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ንድፈ ሓሳብ ብሙሉእ ድምጺ ከም ዘጽደቆ ይዝከር።

———————————–///////////////———————–

 

 

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY