ዝርዝር ዜና 26-06-2018

0
282

ልኡኻት ሰበስልጣናት ኤርትራ ኣዲስኣበባ ኣትዮም ኣብ ጉዳይ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ከምዝዘተዩ ተገሊጹ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ህግደፍ የማነ ገብርኣብን ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ናይ ሰላም እማመ ንምዝርራብ ሰሉስ 26 ሰነ ኣዲስኣበባ ብምእታው ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝምልከቶም ኣካላትን ተዘራሪቦም ክብሉ ተዓዘብቲ ገሊጾም፡፡

እቶም ልኡኻት፡ ኣዲስኣበባ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን፡ ላዕለዎት ሰበስልጣናት መንግስቲ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፡ ኣትሌታት፡ ፍሉጣት ሰባትን ተወከልቲ ህዝብታትን ከምዝተቐበልዎም’ዮም እቶም ተዓዘብቲ ዝሕብሩ፡፡

ፈጻሚ ኣካል ኢህወደግ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ንስምምዕነት ኣልጀርስ ብምቕባል ንትግባረ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከነፈጽም ተዳሊና ኣለና ዝበለ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ ድማ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ኣብያ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 20 ከምዝተቐበሎ ይፍለጥ፡፡

————————–///////////////////—————————————-

ሰሉስ 26/06/2018

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሕንጻጽ ኣብ ኤርትራ ሙሉእ ሰላም ተረጋጊጹ ማለት ኣይኮነን ተባሂሉ።

ናብ ዶባት  ኤርትራን ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ማዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝበጸሐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ዶ/ር በረኸት ብርሃነ ምስ ኣስና ኣብ ዝገበሮ ዕላል ከምዝሕብሮ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሕንጻጽ ኣብ ኤርትራ ሙሉእ ሰላም ተረጋጊጹ ማለት ኣይኮነን ክብል ገሊጹ።

ዶ/ር በረኸት ኣብ ዕላሉ፡ ሰላም ኢልካ ሰላም ስለ ዝኣወጅካ  ሰላም ክመጽእ ማለት ኣይኮነን፡ ደላይ ሰላም ተኾንካ ኩሉ እቲ ዝነበረ ምፍሕፋሕ ንጎኒ ጌርካ ኣፈላላይካ ኣጽቢብካን ስምረት ፈጢርካ ምስ እትጓዓዝን’ዩ ተዓዋቲ ትኸውን ኢሉ።

ጻዊዒት ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቢ ተስፋ ኣስኒቑ ምህላውን ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ለውጢ ድማ ኩሉ ክሳተፈሉ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ከኣ ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ሙሁር ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን’ዚ ድምጹ ዓው ከብልን፡ ስደተኛ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ክውደብን ንለውጢ ክብገስን ሓቢሩ ።

ኣብ መወዳእታ ዶ/ር በረኸት፡ ጻዊዒት ሰላም ኢትዮጵያ ህግደፍ ምቕባሉ ጽቡቕ ስጉምቲ‘ዩ እንተኾነ ግን ከም ኤርትራዊ ዘሕፍርን ንኽልተ ህዝቢ ዘየቃዱ ዘረባ ምዝራቡ ንሰላም ዘለዎ ተበግሶ ኣብሕቶ ምልክት ዘእትው’ዩ ድሕሪ ምባል ኩሉ ኤርትራዊ ኣብዚ ትኩረት ሂቡ ንሐቀኛ ሰላም ክንቀሳቐስ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

——————————-///////////////////———————————–

ሰሉስ 26/06/2018

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ኤርትራ ዝያዳ ቆላሕታ ክገብረሉ ጻዊዒት ቀሪብሉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ 47 ልኡኻት መበል 38 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጅኔቫ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከምዘየርኣዩ ብምሕባር ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ነቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝወሰኖ ውሳነ ኣብ ምትግባር ኣድላይ ኣስተዋጽኦ ንክገብር ጸዊዑ።

እቲ ሰልፊ፡ ነዚ ኩነታት ክትከታተል ዝጸነሓት ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ሽላ ኪታሩዝ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ 6 ዓመት ተልእኾኣ ኣብ ምፍጻም ስለትርከብ ፡ ነቲ ተልእኮ ምሕዳስ ኮነ ኣብ ክንዳአ ካልእ ምትካእ ኣድላይ ግምት ንክወሃቦ ዘዘካከረ ኮይኑ፡ ምስቲ ተልእኮ ምሕዳስ ብስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ብደሆ ከጋጥም ምኾኑ ግምቱ ሂቡ’ዩ።

ብተወሳኺ ብ21 ሰነ 2018 ናብ ኣቶ ዘይድ ኣልሑሴን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዝተለአኸ መልእኽቲ ብጀካ ምሕዳስን ሓድሽ ኣካል ምምዛዝን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ብገበን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝጥርጠሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስድ’ውን ብትሪ ጸዊዑ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወይዘሮ ኪታሩት ኣብቲ ብ26 ሰነ 2018 ዝኻየድ ዝነበረ ኣኼባ ተረኺባ ኣብ ዘሰመዖቶ መደረ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ኤርትራውያን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብመርተዖታት ዝተሰነዩ ሓበሬታታት ሒዞም ከይተሓለሉ ክቕጽሉ ከምዝግቦኦም ገሊጻ።

—————————–//////////////////////———————————

ሰሉስ 26/06/2018

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ተፊሊጡ፡፡

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ሓርነት ብ23 ሰነ 2018 ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ከምመቐጸልታ ንዝሓለፈ ዓመታት ውደብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንዘቕረቦ ጸብጻብ ንትግባሩኡ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሉ ጭርሖታት ከምዝነበሩን ንሳቶም ድማ ኣብ ኤርትራ ደረት ዘይብሉ ጉልበታዊ ምዝመዛ ባርነት ጠጠው ይበል፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ ግህሰትን ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ተሓተቲ’ዮም፡ ብዘይፍርድን ክስን ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት መራሕቲ ሃይማኖት ይፈትሑ፡ ፈጸምቲ ገበንን ዓመጽን ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ ግዜ ሕጂ’ዩ´ዝብሉ ከምዝነበሩ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ የነጽር፡፡

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተረኸቡሉ ውዕውዕን ድሙቕን ምንባሩ ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡

—————————-/////////////////————————————-

ሰሉስ 26/06/2018

መራሕቲ ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ፊትንፊት ኣብ ካርቱም ተራኺቦም፡፡

ከምሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፡ ድሕሪ 2 ዓመት፡ ኣብ ኣዲስኣበባ ንፈለማ እዋን ገጽንገጽ ዝተራኸቡ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪርን ኣውራ ተቐናቓኒኡ ሪክማቻርን፡ ላዕለዎት መራሕቲ ዞባናን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ብሰንበት 24 ሰነ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣብ ካርቱም ንካልኣይ ግዜ ኣካይዶም ኣለዉ፡፡

ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ 2 ዙር ናይ ምርኻብ መስርሕ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒን ከምዝተረኸቡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ዝርዝር ናይቲ ኣኼባ ግና ስጋብ ሕጂ ዝተባህለ ነገር የለን ኢሉ፡፡

ዩዌሪ ሙሰቬኒ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣንጸላልዩ ዘሎ ቅልውላው መዕለቢ ንክገብሮ ናብ ካርቱም መጺአ ዘለኒ ሓገዝ ከበርክት’የ ድሕሪ ምባል፡ ካብቲ ዝካየድ ዝርርብ ኣወንታዊ ውጽኢት ክርከብ ተስፍኡ ምዃኑ ገሊጹ’ዩ፡፡

ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዝተነበረ እገዳ፡ መፍትሒ ጸገም ክኸውን ስለዘይክእል ንቃወም ኢና ዝበለ ኮይኑ፡ መራሕቲ ተቐናቐንቲ እታ ሃገር ድማ፡ ንውልቃዊ ኣጀንደኦም ንጎኒ ገዲፎም ፈለማ ድሌት ህዝቦም ከቐድሙ ይግባእ ኢሉ፡፡

መራሕቲ ኢጋድ፡ ን3 ዙር ርክብ ሳልቫኪርን ሪክማቻርን መራሒ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ከተኣናግድ ወሲኖም ኣለዉ፡፡

———————————//////////////////////————————-

ሰሉስ 26/06/2018

ፈረንሳ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ምቕባል ዝሓንገዳ ሃገራት ቁጠባዊ እገዳ ክንብረለን ጸዊዓ።

መደበር ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ብሓፈሻ ሃገራት ኤውሮፓ ብፍላይ ድማ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ከይጽጋዓ ይገብረኦ ንዘለዋ አብያ ዝቐጽዕ ቁጠባዊ እገዳ ክግበረለን ይግባእ ክብል ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ጻዊዒቱ ኣቅሪቡ’ዩ።

ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ንዝነበሩ ኣስታት 200 ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓና ናብ ደቡባዊ ቺቺልያ ክትጽጋዕ ኣብ ዝሓተተትሉ እዋን መንግስቲ ኢጣልያ ነጺግዎ’ዩ።

ፈረንሳ ንመብዛሕትኦም ስደተኛታት፡ ክትቕበሎም ምዃና ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ ድማ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዋሕዚ ስደተኛታት ቀኒስሉ ኣብ ዝርከብ ጊዜ ከም በዓል ኢጣልያ ዝበላ ሃገራት ኤውሮፓ ንፖለቲካዊ መክሰብ ይጥቀማሉ ኣለዋ ብምባል ይወቅስ።

ብመግለጺ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣዝዩ ዝነደረ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት 650 ሽሕ ስደተኛታት ሃገሩ ከምዝተቐበለት ድሕሪ ምዝኽኻር ፈረንሳ ኣብ ክንዲ ናብ መጥቃዕቲ እትሰጋገር መዓልታዊ ናብ ኤውሮፓ ይውሕዙ ንዘለው ስደተኛታት ዶባታ ርሕው ብምግባር ግብራዊ ስጉምቲ ከተርኢ ጻዊዒት ኣቅሪብላ ኣሎ።

ከምዝፍለጥ 630 ስደተኛታት ዝጻዓነት መርብ ኣኳርዮስ መንግስታት ማልታን ኢጣልያን ናብ ገማግም ባሕረን ከይትጽጋዕ ኣብ ዝኣገዳሉ እዋን መንግስቲ ስፓኛ ሓንጓፋይ ኢሉ ከምዝተቐበላ ገሊጽና ምንበርና ይዝከር።

—————————–/////////////////———————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here