ዝርዝር ዜና 26-12-2017

0
402

ዝሓለፉ ዓመታት ዝተታለልናሉ መድረኽ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ከብቅዕ ለበዋ ቀሪቡ፡፡

 

ዓመት መጸ ንህዝቢ መብጽዓ ምእታው ዘይሰልችዎ ህግደፍ ሎሚ ዓመት’ውን ከምቲ ልሙድ ብኣእምሮና ክጻወተሉ ዘኽእሎ መጻወድያኡ ክዝርግሕ’ዩ ዝበሉ ምስቲ መላኺ ጉጅለ ቅርበት ዘለዎም ዜጋታት፡ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተታለልናሉ መድረኽ ሕጂ ከብቅዕ ኣለዎ ክብሉ ገሊጾም።

ህዝቢ ብመደናገሪ ሜላ ህግደፍ ዘይኮነ በቲ ሕጂ ጀሚርዎ ዘሎ ድምጹ ናይ ምስማዕ መገዲ ክቕጽል’ዩ ዝግባእ ብምባል ድማ ሎሚ ናይ ለውጢ’በር ናይ ጓይላን ዳንኬራን እዋን ኣይኮነን ክብሉ ኣገንዚቦም።

ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሊብያ ክሳብ ብኣካል ምሻጥ በጺሖሙሉ አብ ዘለውሉ መድረኽ ኮይና ህግደፍ ብዝብሎ መደናገሪ ሜላታት ከይንታለልን ካብ ዝጀመርናዮ መንገዲ ክንስናኸል የብልናን ክብሉ’ውን ተላብዮም።

——————————-///////////////////—————————–

 ሰሉስ 26/12/2017

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ሳይበር ኲናት ተኣዊጁ ስለዘሎ ጥንቓቐ ክግበር ዝብል ጽዑቕ ኣኼባታት የካይድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥዋይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ሳይበር ኲናት ተኣዊጁ ስለዘሎ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ጽዑቕ ኣኼባታት ተጸሚዱ ከም ዘሎን ቀንዲ ዕላማ’ዚ ዘመተ ድማ ህዝብን ስራሕተኛታት መንግስትን ኩሉ ኣቓልቡኦም ናብ ቅሬታን መረረን ስለዘድሃበ ከምዝኾነ’ዩ ክትብል ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ።

ህዝቢ ቀጻሊ ኣብ ትሕቲ ፍርሒ ክነብር መታን ወግሐ ጸብሐ ወያነ ኣብ ልዕሌና ኲናት  ክትከፍት’ያ፡ ሃገራት ይቐንኣልና ስለዘለዋ ኲናት ክህሉ’ዩ እናበለ ህግደፍ ዘመትኡ ሕጂ’ውን ይቕጽለሉ ከምዘሎ ዝገለጸት መድረኽ፡ እንተኾነ ግን እዚ መደናገሪ ሜላ’ዚ ህዝቢ ስለዝሰልቸዎ ህግደፍ ብኻልእ ጥበብ ኣቢሉ ካልእ ዘመተ ይስንዕ ኣሎ ክትብል ኣነጺራ።

እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ወያነ እስራኤል ዝሃበቶ መሳርሒ ሳይበር ጌሩ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ’ሎ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ከኣ ንስኻትኩም’ውን ትጥርጠሩ ኢኹም ብምባል ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወፈራ ጀሚሩ’ሎ።

——————————-///////////////////—————————–

 ሰሉስ 26/12/2017

ብዴሞክራሲያዊ መዳይ ዝወደቐ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፋሕተርተር ይብል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ መዳይ ፍጹም ውድቀት ገጢሙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣለኹ ዝዓይነቱ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ርክባት ክገብር ፋሕተርተር ይብል ከምዘሎ ኣነጺረን።

እዚ፡ ብሰንኪ ጉዕዙይ ኣካይድኡን ሸበራዊ ዕላማታቱን ብማሕበረሰብ ዓለም ዝወረዶ ተነጽሎታት ንምኽዋልን ከምዘየለ ንምምሳልን ንህዝቢ ንምድንጋርን ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ሽርሒ’ዩ  ክብል ኣተንቢሀን።

ስርዓት ህግደፍ ብዓቕልጽበት ዝተፈላለዩ ሽርሕታት እናፈጠረ በቲ ዝወደቐ ዲፕሎማስያዊ ርክባቱ ከተዓራሪ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ይሰርሕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዝከር።

——————————-///////////////////—————————– 

ሰሉስ 26/12/2017

ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ካብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ኣይወጽእን ኢሎም ተባሂሉ።

ስርዓት ህግደፍ ዳጒንዎም ዝጸነሐ ጅግና ኣቦ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ብዋሕስ ክወጹን ከምናይ ገዛ ሕዩር ኮይኖም ኣብ ገዝኦም ክጸንሑን ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ስርዓት ከምዝተመሓላለፈ ምስተነገሮም ኣይወጽእን ከምዝበሉ ጀበርቲ ደይ ሚድያ ጉሩብ ሓቢሩ።

እቶም ተባዕ ኣቦ፡ ነቲ ትእዛዝ ብትሪ ብምቅዋም ኣነ በይነይ ዝወጸሉ ምኽንያት የለን ምሳይ ዝተኣሰሩ ኣሕዋተይ ኩሎም እንተዘይተፈቲሖም ካብዚ ቤት ማእሰርቲ ሬሳይ እምበር ብሂወተይ ኣይወጽእን ብምባል ፡ ትብዓቶም ሕጂ’ውን ደጊሞሞ።

እዚ ተባዕ ስጉምቲ ዝስምዐ ስርዓት ህግደፍ ድማ መልሲ ከይሃበ ነቶም ንመሰሎም ድምጾም ዓው አቢሎም ተቓውምኦም ዘስምዑ ተማሃሮ ዲያእ ምቅብጣር ጀሚሩ ምህላው’ውን ተሓቢሩ።

ስርዓት ህግደፍ ነቶም ተማሃሮ፡ ናብ ዓዲ ሃሎ ብኣውቶቡሳት ብምውሳድ እዚ ኢና ንሃንጸልኩም ዘለና ንምዕባለ ሃገር ንጹህ ዝስተማይ ካብዚ’ዩ ዝመጸኩም ዘሎ እናበለ ዲጋ ዓዲ ሃሎ ከዛውሮም ከምዝወዓለ ዝተሓበረ ኮይኑ እዚኸኣ ኮንደኾን በዚ ይደህለሉ ይኾኑ ካብ ዝብል ተስፋ ዝነቅል ምዃኑ ተፈሊጡ ።

——————————-///////////////////—————————–

ሰሉስ 26/12/2017

ኤውሮጳዊ ሕብረት ቁጽሪ ካብ ሊብያ ናይ ዘውጽኦም ስደተኛታት ክውስኽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኩነታት ናይቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ምብጽሑ ብማዕከን ዜና ሲኤን ኤን ካብ ዝግለጽ ንነጀው ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕትኡ ኣብቶም ስደተኛታት ምግባር ጀሚሩ’ሎ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝበዝሑ ህጻናትን ደቀንስትዮን ንዝርከበኦም 162 ስደተኛታት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ኣውጺኡ ናብ ኢጣልያ ዘሰጋገረ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ቁጽሪ ናብ 10 ሽሕ ከዕብዮ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ዓለም ይገልጻ ኣለዋ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍቃደኛታት ንዝኾኑ 30 ሽሕ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መደብ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ’ሎ።

——————————-///////////////////—————————–

ሰሉስ 26/12/2017

ግብጺ ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ ህዳሰ ብክፉት ልቢ ክትዛተ ከም እተደሊ ገሊጻ።

ኣፈኛ ፕረዚደንት ግብጺ ባሳምራዲ፡ ኣህራም ኦንላይን ንዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ኣብ ዙርያ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግኒል ትሃንጾ ዘላ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት  ዝስራዕ ሓጽቢ መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ሕዳሰ ብክፉት ልቢ ንምዝታይ ድልውቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣፈኛ ኣብ ቃላቱ ግብጺ ኣብ ምትሕግጋዝን ሕውነትን ዘድሃበ ካብ ቅንዕና ዝምንጩ ዝርርብ የድልያ’ሎ፡ ግዚኡ ድማ ሕጂ’ዩ ኢሉ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር’ውን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓንኬል እቲ ንክልቲአን ሃገራት ዘሰሓሕብ ሓጽቢ ተቛሪጹ ንዝጸንሐ ዝርርብ ዳግም ንምጅማር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳመሕ ሹክሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

——————————-///////////////////—————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here