ዝርዝር ዜና 27-05-2018

0
219

ኣብ ትግራይ ትርከብ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኢትዮጵያውያንን ብሓባር ዝማሃሩላን ዝሙሁሩላን ቀደማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማይ ዓይኒ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ጽቡቕ ውጽኢት ካብ ዘምጽኣ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ሓንቲ ብምዃና ካብ ብዙሓት ዜጋታት ኣድናቖት ረኺባ፡፡

ሰንበት 27/05/2018

ኣብ ጽንበል 24 ግንቦት ሓርነት ህዝብን ብሩህ መጻኢ ወለዶን ንክውሓስ መብጽዓ ክሕደስ ከምዝግባእ ተገሊጹ፡፡

ንዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋገጾ ናጽነት ናብ ህዝባዊ ልኡላውነትን ሓርነትን ኣብ ክንዲ ዝሰጋገር ናብ ምልካዊ መግዛእታዊ ባርነት ብምእታው፡ መሰረታዊ ሸቶ ሰውራ ዝኾነ ሓርነት ህዝብን ዝተኸፍለሉ መስዋእትን ተጠሊሙ’ዩ ዝበለ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት መግለጺኡ ዝዘርገሐ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ድማ ዝተጨወየ ሓርነት ህዝብን ብሩህ መጻኢ ወለዶን ንክውሓስ ኩሉ ዜጋ መብጽዕኡ ከሐድስ ተላብዩ፡፡

ምድራዊ ናጽነትና ን27 ዓመታት ብኢድ ውሑዳት ጠላማት ተጨውዩ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምልካዊ መግዛእታዊ ብምእታው ብመንጽር’ቲ ነጻነትን ልኡላውነትን ዝኸፈቶ ዕድላትን ተስፋታትን ዝነበሩን ዘለዉን ብድሆታትን ብብቕዓት ብምርዳእ ብኣድማዒ ስሙር ቃልሲ፡ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ክንብገስ 24 ግንቦት ትጽውዓና’ላ ክብል ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቶም ዘይተዛዘሙ ዕማማት ሓርነት፡ ፍትሕን ህዝባዊ ልኡላውነትን ክሳብ ዘይተረጋገጹ ነጻነትን ልኡላውነትን ትርጉምን ትሕዝቶን የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጉልባብ ባርነት፡ ብርሰትን ህልቂትን ከይከውን ብኣንክሮ ክንልውጦን ከም ዜጋታት ዝድዕነነና ብድሆ ክንገጥሞን እዛ ክብርቲ ዕለት ናይ ወትሩ ለበዋኣ ከምዝኾነ’ዉን ኣነጺሩ፡፡

———————————————-/////////////////////————————————————-

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 27/05/2018

ህግደፋዊ ጽንብል ብምኽንያት ዕለተ ናጽነት ዝቐረበ ትሕዝቶን መደረን ህዝቢ ከምዝነጸጎ ተገሊጹ፡፡

ገለ ግዱሳት ዜጋታት ናብ ኢመይልና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፡ ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ህግደፍ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ሓሳባቱ ክብል ብዘብለጭልጭ ሕብርታት ንዘካየዶ መደረን ትሕዝቶን ህልዉ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይገልጽ’ዩ ክብሉ ገሊጾም፡፡

ስርዓት ህግደፍ ዘቕረቦ መደረ ከምቲ ልሙድ ንኩሉ ባዕላዊ ሕመቕን ስንፍናን ንምኽዋል ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝዓለመ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ጽንብል ምስሉይነት’ዩ ኢሎም፡፡

ዘረባ ህግደፍ 27 ዓመታት ከምመቓልሕ ዝተደጋገመ ንህዝቢ ኤርትራ ዘረብረበ ምሱሉይ ’ዩ ብምባል ድማ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ስርዓት ምሕደራ ምትካል ደኣምበር እናሻዕ ብዘየለ ከምዘሎ ዝንየት ዓመት መጸ ምድህላል ኣይኮነን ክብሉ ብተወሳኺ ኣብሪሆም፡፡

———————————————–///////////////////———————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 27/05/2018

ካብ ባርነት ወጺእና ኣብ ናጻ መሬት ጎረቤት ሃገር ናጽነትና ክነኽብራ በቒዕና ክብሉ ኤርትራውያን ገሊጾም፡፡

ብሰንኪ ባርነታዊ መግዛእቲ ህግደፍ፡ ኣብ ሃገርና ከነኽብራ ዝተሓረምናያ ናጽነት ኣብ ናጻ መሬት ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፈለ ናጽነትና ክነኽብራ በቒዕና ክብሉ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታትና ገሊጾም፡፡

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ተሓሪሙ ዝነበረ ሓርነትን ናጽነትን ብምርግጋጽ እኳ እንተነበረ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተራእየ ተግባር ግን ብኣንጻሩ ኮይኑ’ዩ ተረኺቡ ዝበሉ እቶም ዜጋታት፡ እዚ ድማ ብሓደ ቆጽሊ ዘይተነበሮ ስርዓት ዘይተሓሰበ ዘቤታዊ መግዛእቲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቶም ዜጋታት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ማይን ጸባን ኮይኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝነበረ ባዕዲ ክኣልዩ ዝኸኣሉ ኣህዛብ’ዮም ብምባል፡ኤርትራውያን ዝተሓረምናዮ መሰል ኣብ ሃገሮም ከነብዕልን ንሶም’ዉን ልክዕ ከም ናቶም ጌሮም ሓቢሮምና ከብዕሉ ምኽኣሎምን ሕውነትና ዝለዓለ ምዃኑ ዘመላኽት’ዩ ክብሉ ብተወሳኺ ገሊጾም፡፡

————————————————//////////////////////————————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 27/05/2018

ኣብ ሊብያ፡ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ግዳይ መቑሰልትን ሞትን ኮይኖም፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ሊብያ፡ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣስታት 100 ስደተኛታት፡ ካብ ተሓይሮሙሉ ዝጸንሑ መዓስከር ፈንጢሶም ኣብ ዝሃደሙሉ እዋን ፡ ካብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ግዳይ መቑሰልትን ሞትን ከምዝኾኑ ቢቢሲ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ፡፡

ካብቶም፡ መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም ዘምለጡ 25 ስደተኛታት ድማ ኣብ ከተማ ባኒ ዋልድ ኣብ እትርከብ ሆስፒታል ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ምህላዉ፡ ወኪል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣፍሊጡ፡፡

መብዛሕቲአን ደቂኣንስትዮ ዝርከቦኦም 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝሓበረ ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ 7 ብኪቢድ ዝተወግኡን ኣዕጽምቶም ዝተሰበረን ዜጋታት ከኣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ኣለዉ፡፡ 18 ዜጋታት ድማ ቀዳማይ ረድኤት ከምዝወሰዱ ብምንጻር፡፡

እዞም ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ሕክምናዊ ረድኤት ዝወስዱ ግዳያት፡ መብዛሕቲኦም ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም፡ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ሓሊኖም ዝነበሩ ዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሶማልያን ምዃኖም’ዩ እቲ ገባሪ ሰናይ ዝሕብር፡፡

—————————————————–//////////////////////——————————————-

 

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 27/05/2018

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መራሒ ጉንበት 7 ንዝርከቦም ብኣማኢት ንዝቑጸሩ እሱራት ብናጻ ክፍትሑ ወሲኑ፡፡

ከምሓበሬታ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ጉጅለ ተባሂሉ ናይ ዝተፈረደ ጉጅለ ጉንበት 7ን  ላዕለዋይ መራሕን ምስ ስርዓት ህግደፍ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮን ኣንዳርጋቸው ጽጌ ዝርከቦም 745 እሱራት፡ ብምሕረት ክፍትሑ ከምዝተወሰነ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ከም መግለጺ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተኸሲሶም ዝነበሩ 576 ውልቀሰባት ፡ ብፍሉይ ኩነታት ምሕረት ተገይሩሎም ከምዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብዚኦም 18 ደቂኣንስትዮ ምዃነን ኣነጺሩ፡፡

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው፡ ምሕረት ናይ ዝተገበረሎም ዜጋታት ኣሃዝ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ምብጽሑ’ዩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝሕብራ፡፡

—————————————————–/////////////////////////—————————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰንበት 27/05/2018

ንጉስ ሞሮኮ ኣብ ዝመጹ ኣዋርሕ ናብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ክገብርዩ፡፡

ከም ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፡ ሻድሻይ ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ፈላሚ ታሪካዊ ዑደት ናብ ካርቱም ከምዘካይድ ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ሱዳን ኣሕመድ ሳዓድ ዑመር ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ሞሮኮ ናይ 3 መዓልታት ዑደት ገይሩ፡ ምስ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሱዳን ባኽሪ ሓሰን ሳልሕ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ዝተረኸበ ውጽኢት ኣድሂቡ መግለጺ ኣብ ዝገበረሉ እዋን’ዩ፡፡

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝተቓለሐ መግለጺ፡ ሚኒስተር ኣሕመድ ሳዓድ ምስ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍትን ሚኒስተራትን ሞሮኮ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕነት፡ ብዛዕባ ናብ ባይታ ዝትግበረሉን፡ ተወሰኽቲ ንዝምድንአን ዘድንፍዑን ክልትኣዊ ረብሓታት ኣድሂቡ ዓሚቑ ውጽኢታዊ ዘተ ከምዘካየደ’ዩ ተነጺሩ፡፡

ሱዳን፡ ካብተን ንሉኡላውነት ሞሮኮ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ኣፍልጦ ዝሃባ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ’ያ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ፡ ክልቲኤን ሃገራት ብርክት ዝበሉ ንግዳዊ ስምምዕነት ዘለወን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዜጋታተን ብዘይ ቪዛ ካብን ናብን ብናጽነት ከምዝንቀሳቐሱ’ዩ ዝሕበር፡፡

————————————————//////////////////—————————————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here