ዝርዝር ዜና 27-06-2018

0
229

ሉኡኻት ሰበስልጣናት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገራዊ ቤተመንግስቲ ኣዲስኣበባ ናይ ድራር ግብዣ ተገይርሎም፡፡

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ዋና ጸሓፊ ፖለቲካዊ ህግደፍን የማነ ገብርኣብን ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ብ26 ሰነ 2018 ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ቤተመንግስቲ እታ ሃገር ድማ ድሙቕ ናይ ድራር እንግዶት ተገይሩሉ ኣሎ ከምሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ዘላቒ ሰላም ክዓስል ብወገን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ገዚፍ ድሌት ኣሎ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ልዕሊ ኩሉ ፍቕሪ ጸሚኡና ነይሩ ክብል ገሊጹ፡፡

ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ክንዮ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ምትዕርራቕ ሃዋህው፡ ምስ ኩለን ጎረባብትና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ፍጹም ዕርቂ ኣውሪድና ብሰላም ክንነብር’ዩ ድሌትና ኢሉ’ዩ፡፡

 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ በሪ ሰላም ተኸፊቱልና ኣሎ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ተኸፊቱ ዘሎ በሪ ድማ ናይ ሰላም ናይ ልምዓት ክኸውን ትምኒቱ ገሊጹ’ዩ፡፡

ኣቶ ዑስማን ኣብ መደርኡ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ስለዝኾኑ ድሌትና ብሓባር ክንነብር’ዩ ዝበለ ኮይኑ ዶብ ዝጋርደና ኣይኾነን ከምቲ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝራኣናዮ ሓጎስ ኣብ ኣስመራ’ዉን ክንደግም ኢና ኢሉ’ዩ፡፡

——————————–//////////////////////—————————–

ረቡዕ 27/06/2018

ኣብ ዶባት ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራ ሻቕሎት የርእዩ ኣለዉ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ዶባት ክልተ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራ ኣብቲ ተበጊሱ ዘሎ ትግባረ ብይን ኮምሽን ዶብን ውዕል ኣልጀርስን መጻኢ ዕድሎም ብዝምልከት ሻቕሎት ይፈጥረሎም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ፡፡

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኣብ ገለ ከባቢታት ብመዳይ ኤርትራ ብፍላይ ብወገን ጾሮና ዛላንበሳ፡ ልዕሊ 10 መበቆሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ ዓድታት ናብ ኢትዮጵያ ገጽ ተጠሪሩ ከምዘሎ ዝገለጸት ሬድዮ ስምረት ንነዊሕ ዓመታት ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ብወገን ህግደፍ ዝተገበረ ቅድመ ሓበሬታ ይኹን ምዝርራብ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘየለ ኣነጺራ፡፡

እዚ ዘስዓቦን ብመዳይ ህግደፍ ነቲ ጉዳይ ክዛረበሉ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑን ነበርቲ እቲ ዝተጠቐሰ ህዝቢ ሻቕሎቶም ሰማይ ይዓርግን መጻኢ ጉዕዞኦም ብሩህ ብዘይምዃኑ ኣብ ከቢድ ስግኣትን ሰንፈላልን ዝኾነ ህሞት ከምዝርከቡ’ዉን ብተወሳኺ ሓቢራ’ያ፡፡

————————–/////////////////////////—————————

ረቡዕ 27/06/2018

ልኡላውነት ህዝቢ ዘየኽብር መንግስቲ ልኡላውነት መሬት ከኽብር ፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን ተባሂሉ፡፡

ህግደፍ ብባህሪኡ ወራሪ’ዩ፡ ንውልቃውን ጉጅለኣውን ረብሕኡ ደኣምበር ንህዝብታት ኤርትራ ክርብሑ ክኽበሩ ኢሉ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘየለ ዝሓበሩ ገለ ኤርትራውያን ልኡላውነት ህዝቢ ዘየኽብር መንግስቲ ልኡላውነት መሬት ከኽብር ፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን ክብሉ ገሊጾም፡፡

እቶም ኤርትራውያን ካብ መሬት ሰብ ይዓቢ፡ ህይወት ሰብ ይኸብር ክብሪ ሰብ ኣዋሪዱ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰል ጨፍሊቑ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኢ-ሰብኣዊ ስቅያታዊ መግረፍቲ እናፈጸመን ንብረት እናራሰየን እንከሎ ልኡላዊ ግዝኣት ንምኽባር ተገዲደ ኣብ ኵናት ኣትየ እንተበለ፡ ናይ ከኣልናዮ ላግጺ’ምበር ዝእመን ፍረ የብሉን ኢሎም፡ ብሸነኽ ባድመ ንትርጉም ዘይብሉ ኣብራሲ ኵናት ዝወለዐ ህግደፍ ምዃኑ ብምግላጽ፡፡

ድሕሪ እቲ ኣዕናዊ ኵናት ምግትኡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተጀመረ መስርሕ ሕጊ ነዊሕ ተጓዒዙ፡ መሊሱ ኣብ ሰንፈላል ካብ ዝኣትወሉ ክሳብ ሎሚ ኣብ ክልቲኦም ሃገራት ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ ድሕሪ ምባል እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ግቡእ ትኹረት ክግበረሉን ንምፍትሑ ብቕንዕና ንኽሰርሕ ኩሉ ደላይ ሰላም ክረባረብን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ን27 ዓመት ብዘይ ዕረፍቲ ሃገራዊ ሰላሙ ተዘሪጉ ሕግን ሕጋውነትን ጠፊእዎ፡ ስድራቤታት ተበታቲነን ኣብ ክንዲ ዳስ ሓጎስ ዳስ ሓዘን እናተኸለ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ተተፋኒኑ ክነብር ተገዲዱ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ፡፡

————————–////////////////////————————-

ረቡዕ 27/06/2018

ኣብ እስራኤል ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ሓርነት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘለዉ ተቓለስቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ ንዝሓለፈ ተኸታተልቲ ዓመታት ብቐጻሊ ዕቱብ ውዳበታት ብምግባር፡ ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ከሰላስሉ ምጽንሖም ናይ ቀረባ ተመክሮ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫን ካልኦትን፡ ጽዑቕ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ፡፡

ከም መቐጸልታ፡ እቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝግበር ዘሎን ዝጸንሐን ድማ ኣብ ሃገረ እስራኤል ተቓለስቲ ሓርነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣዝዩ ሓያል ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ደረት ዘይብሉ ገበናትን ጅምላዊ ግህሰትን ጠጠው ክብል ጸዊዖም፡፡

ብተወሳኺ ወኪል ዕሉል ስርዓት ህግደፍ ኣብ እስራኤል ኤርትራውያን ሓድሕዶም ንክናቖቱን ክፈላለን ዘካይዶ ዘሎ ፍሹል ተግባር ብምኹናን ሃገረ እስራኤል ነዚ ኣራዊታዊ ተልእኾ ዝፍጽሞ ዘሎ ልኡኽ ካብ እስራኤል ንከባርሮ’ዉን ኣብቲ ሰልፊ ጻዊዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኤርትራውያን ዘይውክል ስርዓት’ዩ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ተሓታቲ’ዩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ክሲ መስርሕ ክደፍኣሉ ከምዘለዎ፡ ህግደፍ ሕጋውነት ከምዘይብሉን ምልኪ ህግደፍ ንክሰዓር ህዝቢ ንሓርነቱ ክቃለስ ኣለዎ ዝብሉ ጭርሖታት ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብዓውታ ናተቓሉሑ ከምዝነበሩ’ዉን ደንጉዩ ዝወጸ ሓበሬታ የነጽር፡፡

———————-/////////////////////////——————————

ረቡዕ 27/06/2018

ሱዳን ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይርአ ንዘሎ ኣወንታዊ ምዕባለታት ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ገሊጻ፡፡

ልኡኻት ኤርትራ ኣዲስኣበባ ምእታዎም ስዒቡ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕባለታት፡ ንሱዳን ኣዝዩ ባህታ ከምዝፈጠረላ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የነጽር፡፡

እቲ መግለጺ፡ ክልቲኤን ሃገራት ዝጀመረኦ ርክብ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣዝዩ ከምዘሐጎሶን ብዓጀባ ከምዝቕበሎን ዘነጸረ ኮይኑ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ሕውነት ርክቦም ዘበሰረ ምዃኑ’ውን ዘመላኽት’ዩ ኢሉ፡፡

መንግስቲ ካርቱም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልተኣዊ ርክቦም ብምዕቃብን ድሌታት ህዝቦም ኣብ ባይታ ብምርግጋጽን፡ ኣብ ዞባና ውሑስ ጸጥታን ምርግጋኣን ከምዝፈጥሩ እምነቱ ገሊጹ’ዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ነዊሕ ዓመታት፡ ብፊልድ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንክፍጠር ተደጋጋሚ ጻዕሪ’ኳ የካይድ እንተነበረ ብወገን ኤርትራ ዝዋሃቦ ዝነበረ መልሲ ግና፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ፈለማ ካብ ባድመ ይውጽኡ ዝብል ምንባሩ፡ እቲ መግለጺ የዘኻኽር፡፡

————————///////////////////——————————

ረቡዕ 27/06/2018

ኢጣልያን ማልታን፡ ኣብ  ምድሓን ስደተኛታት ንዝተዋፈረት መርከብ ጽላል/ጸግዒ ክህባኣ ተሰማሚዔን

ከምሓበሬታ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፡ 230 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሜዲተራንያን ን5 መዓልታት ንዝተዓነደት መርከብ ኣድሕን፡ መጽለሊ ክህብኣ፡ ኢጣልያን ማልትን ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ከምዝበጽሐ ተነጊሩ፡፡

እታ 230 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ላይፍላይን፡ ኣብ ወደብ ማልታ መዓሸጊ ቦታ ክዋሃባ ኣብ ምርድዳእ ዝተበጽሐ ኮይኑ ኢጣልያን ፈረንሳን ዝርከብአን ካልኦት ሃገራት ድማ፡ ነቶም ስደተኛታት ክቕበለኦም ምዃነን ተነጺሩ፡፡

ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ኢጣልያ ማትዩ ሳልቪኒ፡ መርከብ ገበርቲ ሰናይ፡ ንስደተኛታት ኣገልግሎት ታክሲ ዝህባ’የን ብምባል ዝወቐሰ ኮይኑ ድሕሪ ደጊም ኣብ ወደብ ኢጣልያ እትጽጋዕ መርከብ ኣድሕን ኣይክትህልዉን’ያ ብምባል ኣስሚሩሉ፡፡

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሃገሩ ብደርዘን ንዝቑጸሩ ስደተኛታት ክትቕበል ምዃና ገሊጹ’ሎ ከምሓበሬታ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡፡

ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2018 ጥራይ፡ ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝኣተዉ ኣሃዝ ስደተኛታት ልዕሊ 35 ሽሕ በጺሑ ምህላዉ ትካል ስደተኛታት ዓለም IOM ገሊጹ፡፡

————————————////////////////////——

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here