ዝርዝር ዜና 27-08-2017

0
457

ውጽኢት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝኾነ ማሽነሪታት እናሃለወ ብጉልበት ሰብ ባዴላን ጭዃሮን ይሰርሕ አለኹ ምባል ኣሽካዕላል’ዩ ተባሂሉ፡፡

 

ድምጺ ሰላምን ዲሞክራሲን ኤርትራ ኣብ ዘስፈሮ ዜና፡ ገዚፍ ሓይሊ ጉልበት ዘለዎ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዘፍረዮ ምዕቡል ማሽነሪታት ኣብ ተግባር ይውዕል ኣብዘለወሉ መዋእል ብባዴላን ጭዃሮን ልምዓተይ የቃላጥፍ ኣለኹ ንዝብል ፕሮፖጋንዳ ምልካዊ ህግደፍ ኣሽካዕላል ክብል ገሊጹዎ፡፡

ቅኑዕ ስትራተጂ ልምዓት ምቕራጽ፡ በዚ ስትራተጂ ድማ ንህዝቢ ኣብ ጎንኻ ኣሰሊፍካ ከበድቲ ማሽነሪታት ተጠቒምካ ዓበይቲ ልምዓታዊ ፕሮጀክታት ምስላጥ ሓደ ዲሞክራሲያውን ህዝባዊን መንግስቲ ክገብሮ ዘለዎ’ዩ ዝብለ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራሲን ኤርትራ፡ ህግደፍ ግን ንዝደኸመ ጉልበት ሰብ ምስ ድሑር መሳርሒ እናተጠቐመ ክነሱ ዓዲ እከለ ብጉልበቶምን ገንዘቦምን ክንድዚ ኪሎሜትር ጽርግያ ሰሪሖም እናበለ ብዝነዝሖ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ውድቀት ሃገር ንዘለዎ ልዑል ተራ ይምስክር ከምዘሎ ኣነጺሩ፡፡

ከምዚ ዓይነት ፍሹል ፕሮፖጋንዳ ብህግደፍ ሓድሽ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራሲን ኤርትራ፡ ኣብ 90ታት’ዉን ከዕርፉ ዝግበኦም ብእርጋን ሕቖኦም ዝጎበጠ ሽማግለታት ኣቦታት እናተጠቐመ ተበታቲኑ ንዝጸንሐ ሓጻውን መገዲ ባቡር/ ሓዲድ/ ክእክቡ ኣዋፊሩዎም ነይሩ’ዩ ክብል ኣዘኻኺሩ፡፡

——————————————————-///////////////———————————————–

ሰንበት 27/8/2017

መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ፡፡

መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ሮማ ተዓቚቦም ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዝበዝሑ ዜጋታትና ዝርከቡዎም ስደተኛታት ብዝወሰዶ ዘይሓለፍነታዊ ስጉምቲ ኣዝዩ ከምዘሓዘነ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ኣፍሊጡ፡፡

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መልእኽቲ ስጉምቲ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዘለዎ ዝምድና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ንዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብዘይምእታው ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዝዮም ሓዚኖም’ዮም ዝበለ እቲ ሰልፊ ኢጣልያ ነዚ ጉዳይ ብግቡእ ንኸጽንዖ’ዉን ጻዊዒቱ ኣቕሪቡ’ዩ፡፡

እቲ ብ25 ነሓሰ 2017 ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ ዝቐረበ መጸዋዕታ፡ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝያዳ ክትግደስ ሞራላዊ ግዴታ ከምዘለዋ’ዉን ጠቒሱ’ዩ፡፡

እቶም ኣብ ከተማ ሮማ ተደርቢዮም ዘለዉ ፡ ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም 800 ሰባት ኣብ ጥቓ መንገዲ ባቡር ተደርቢዮም ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ’ዩ፡፡

————————————————–//////////////////————————————————-

ሰንበት 27/8/2017

ጉዳይ ዞባ ኣቤይ ቅልጡፍ መዕለቢ ክግበረሉ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ጸዊዑ፡፡

ጉዳይ ናይታ ንክልቲአን ሱዳን ንልዕሊ 10 ዓመታት ክተሰሓሕብ ዝጸንሐት ዞባ ኣቤይ ውጽኢታዊ ዝርርብ ብምክያድ ቅልጡፍ መዕለቢ ክግበረሉ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምዝጸወዐ ዘኢስት ኣፍሪካን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጸብጺቡ፡፡

ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ዘተ ብመሪሕነት ክተማእዝኖ ድማ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ስልጣን ተዋሂቡዋ’ሎ፡፡

ጉዳይ ኣቤይ ቅልጡፍ መዕለቢ ክግበረሉ ዝጥለበሉ ዘሎ ምኽንያት ምስ ምንዋሕ ግዜ ዘየድሊ ሳዕቤን ሒዙ ከይመጽእ  ካብ ምስጋእ ዝብገስ’ዩ ከም ጸብጻብ ዘኢስት ኣፍሪካን፡፡

————————————————–//////////////////———————————————–

ሰንበት 27/8/2017

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፍ ዝጸንሐ ሓደ ሊብያዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡፡

ኦብዘርቨር ዝተባህለ ሓደ ማዕከን ዜና ሊብያ ከምዝገለጾ ኣብታ ሃገር ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፍ ዝጸንሐ ሓደ ኣሰጋጋሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ ኣሃዱ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት እቲ ሊብያዊ ኣሰጋጋሪ ኣብዚ ቁሩብ መዓልታት ዝተታሕዘ ኮይኑ ናብ ፍርዲ ክቐርብ’ዉን ትጽቢት ይግበር፡፡

ኣሰጋገርቲ ብዙሕ እቶት ዝረኽብሉ እዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ከም ቀዋሚ ስርሖም ከምዝሓዝዎን ንኤርትራውያን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ኣብ ትሕቲኦም ተዓሲቦም መጻኢ ዕድል ኣሕዋቶም ከምዘበላሸዉን ይፍለጥ፡፡

——————————————————-//////////////////——————————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY