ዝርዝር ዜና 28-05-2018

0
210

ስርዓት ህግደፍ ሃገር ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ከምትርከብ ዘምስል ሰርኩላር ናብ ሓይልታት ክወርድ መደባት ሓንጺጹ ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ህሉዉ ኩነታት ሃገርን ዞባን ኣድሂቡ ኣኼባታት ንኽካየድ መደባት ሓንጺጹ ዘሎ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍ፡ ናብ ሓይልታት ዘውረዶ 4 ገጻት ዝሓዘ ሰርኩላር ሃገር ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምትርከብ ዝገልጽን ሰራዊት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ዘጠንቅቕን ከምዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነሓሳብ ሳክቲዝም ገሊጹ’ሎ፡፡

ኣብቲ ሰርኩላር ምስ ሱዳን ዝጸንሐ ዶባዊ ወጥሪ ሕጂ’ዉን ከምዝተጋደደ ንሰራዊት ክሕበር፡ ሱዳንን ቀጠርን ኣንጻር ኤርትራ ውዲታት ይኣልማ ምህላወን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጻራዊ ምርግጋእ’ኳ እንተሃለወ እታ ሃገር ግን ናብ ዝኸፍአ ቀቢላዊ ጎንጽን ምትፍናንን ከምተምርሕ ከምኡ’ዉን ስርዓት ህግደፍ ምስ ሃገራት ከልጅን ምስርን ዘለዋ ዝምድናታት ዝያዳ ብምጥንኻር ንዞባውን ኣህጉራውን ምርግጋእ ይጽዕር ምህላዉን ምስ ኣሜሪካ ዘሎ ርክባት’ዉን ቀስ ብቀስ እናተመሓየሸ ይመጽእ ከምዘሎን ዝገለጹ ጽሑፋት ዝተኻተቱ ኮይኖም፡ ንሶም ናብ ሰራዊት ንምውራድን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብጉጅለታት ህግደፍ ኣቢሉ ንምጉስጓስ መደባት ተሓንጺጹ ከምዘሎን ኣነጺሩ፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ካብ ባሕሪ ኤርትራ ተበጊሶም ኣብ ልዕሊ መሬት የመን ደብዳብ ዘካይዱ ዘለዉ ሓይልታት ኢማራት ሕጂ’ዉን ብኣየርን ብባሕርን ቀጺሎሙሉ ከምዘለዉን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ መንግስቲ ኢማራት ሓይሊ ባሕሪ ንምጥንኻር ብዝብል ክሳብ 9 ሽሕ ቶን ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ዘለወንን ካብ 40 ክሳብ 60 ሜትሮ ንውሓት ዝወነናን ስርሓት ቻይና ዝኾና 11 ጀላቡን መራኽብን መጥዩ ከምዘሎ’ዉን ኣፍሊጡ’ሎ፡፡

—————————————————//////////////////////———————————————

 

 

 

 

ሰኑይ 28/05/2018

ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ናጽነት ሃይማኖት ደው ክብል ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ተረኺቦም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት መሰል ሃይማኖት ብዝርዝር ንዘቕረቡ ወከልቲ ሃይማኖት ዝሰምዐ እቲ ባይቶ ስርዓት ህግደፍ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝኾኑ ዜጋታት ዘካይዶ ዘሎ ግህሰት ደው ከብሎ ጸዊዑ፡፡

እቶም መራሕቲ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ዝኾኑ ተወከልቲ ኣብ ኤርትራ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ መእመናን ኣብ ማሕዩር ተዳጕኖም ብዙሕ ስቓይ ይረኽቡ ከምዘለዉ ዝተፈላለየ መርትዖታት ድሕሪ ምቕራብ’ዮም ባይቶ እታ ሃገር ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክትገብር ዝጽውዕ ዘሎ፡፡

ብጀካ’ዚ ብሪጣንያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቖመ ፍሉይ ልኡኽ መርማሪ ኮሚሽን ዕድመ ስልጣኑ ንክናዋሕ ክትጽዕርን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ መሰል ዜጋታት ይግህሱ ንዘለዉ ውልቀሰባት ዝሓተሉ መስርሕ ክትሕግዝን ባይቶ እታ ሃገር ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡

ብህግደፍ ኣብ ትመሓደር ኤርትራ ብኣሸሓት ዝግመቱ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝኾኑ ዜጋታት ንዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማሕዩር ተዳጉኖም ሕማቕ ሃለዋት የሕልፉ ምህላዎም ይፍለጥ፡፡

————————————————-///////////////////————————————————

 

 

 

 

 

ሰኑይ 28/05/2018

ዕጡቕ ኣሃዱታትን ጉጅለ ባህልን ግሃድኤ ሕድሪ 24 ግንቦት ብድምቀት ጸንቢሎም፡፡

ብመሰረት ግሃድኤ ሕድሪ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ዕጡቕ ኣሃዱታትን ጉጅለ ባህልን እቲ ግንባር ንመበል 27 ዓመት ጽንብል 24 ግንቦት ብልዑል ፍናንን ድምቀት ኣኽቢሮማ ውዒሎም፡፡

እቲ ሃገራዊ በዓል ፡ ብውድባዊ መግለጺ ግሃድኤ ሕድሪ ዝፈለመ ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ብሓንሳብ ዝተጠምራ 4 ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ኤሃግ ከኣ ብላዕለዎት ሓለፍተን ኣቢለን ነቲ በዓል ዝገልጽ ግንባራዊ መግለጺ ከምዘቕረባን ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ግሃድኤ ሕድሪ’ዉን ዝተፈላለዩ ስነጥበባዊ ፍርያቶም ናብ ዕዱማት ከምዘቕረቡን ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ኣብቲ ጽንብል ብዙሓት ዕዱማት ኣጋይሽ ከምዝተረኽቡን ሞራል ዘስንቕ ደገፎም ከምዝገለጹን’ዉን ቤትጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ ሕድሪ ገሊጹ’ዩ፡፡

————————————————/////////////////////———————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 28/05/2018

ኢትዮጵያ፡ ኩሉ ኣፍሪቃዊ፡ ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ኣብ ቀረባ እዋን ከተፍቅድ ምዃና ተገሊጹ፡፡

ኣብ ኦል ኣፍሪቃ ዳት ኮም ዝሰፈረ ዜና ከምዝሕብሮ፡፡ ኢትዮጵያ ኣሰር ሃገረ ሩዋንዳ ብምኽታል፡ ኩሉ ኣፍሪቃዊ ዜጋ ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገራ ዝኣትወሉ እዋን ቀረባ ምዃኑ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ሕጂ ዝሕንጸጽ ዘሎ ፖሊሲ፡ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንበጻሕቲ ኣፍሪቃውያን ርሑው ዝገብር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዘይጥርጥር ንናጻ ምንቅስቓሶም ከምዘቕልሎን፡ ኣብ ዕቤት ቱሪዝም ዞባናን ኣህጉርናን ገዚፍ ኣበርክቶ ከምዝህልዎን’ዩ ተሓቢሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን ነዚ ውጥን’ዚ ክትግብሮ ምዃኑ ከምዝገለጸ ዝሓበረ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ እንኮላይ ኣብ ምክልኻልን፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየርን ዝርከብዎም ብርክት ኣብ ዝበሉ ጽላታት ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ኣለዉ፡፡

ሩዋንዳ፡ ካብ ጥሪ 1 2018 ጀሚራ፡ ንትግባረ ሓድሽ ስርዓተ ቪዛ ኣብ ተግባር ከምዘውዓለቶ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኩሎም ዜጋታት እዛ ኣህጉርና ሩዋንዳ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት መሕለፊ ሰነድ ይርከቡ ምህላዎም ይዝከር፡፡

————————————————–///////////////////////—————————————-

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 28/05/2018

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን እገዳ ኣንቢሩ፡፡

ከምሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ዝጥሕስ ተግባር ፈጺሙ ንዝበሎ ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ክዋል ማንያንግ ጁክ፡ እገዳ ኣንቢሩ ከምዘሎ ገሊጹ፡፡

ኣብ ትሕቲ ጀነራል ክዋል ጁክ ዝምእዘዝ ሰራዊት ግንባር ህዝቢ ሱዳን SPLA፡ ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ሞንጎ መንግስትን ተቓወምትን ንዝተኻየደ ተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕነት፡ ምውሓስ ድሕንነት ሲቪክ ዜጋታትን፡ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዛትን ንክዋሃብ ባይታ ምጥጣሕን ዝብሉ ምርድዳኣት ከምዝጣሓስዎ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ መግለጺኡ ኣገንዚቡ፡፡

እቲ ጀነራል፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን ሰራዊት ሰሜን SPLM-A-N ተቓወምቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ንዝዓረደሉ ከተማ ፓጋክ ከጥቅዕዎ ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝገበረሎም’ዩ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ደቡብ ሱዳን ማርቲን ኢሊያ ሎምሮ፡ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ጋዜጠኛታት እታ ሃገር ብሰንኪ ዝገበሮ ምፍርራሕ ንሱ’ዉን ኣካል እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብወገን ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ጀነራል ኮ ኣንግ ራምባንግ ቾ ኣብ ዞባ ቢየህ ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብምምርሑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ማዕቀብ ተነቢሩሉ ኣሎ፡፡

ብሰንኪ ስስዐ ስልጣን ዘስድዖም መራሕትን ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ዘካይድዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ግርጭት፡ ብፍላይ ህጻናትን ደቅኣንስትዮን እታ ሃገር ግዳይ ሞት ፡መቑሰልትን ስደትን ይኾኑ ምህላዎም ብተዳጋጋሚ ይሕበር፡፡

—————————————————–///////////////////////——————————————

 

 

ሰኑይ 28/05/2018

ሓይሊ ባሕሪ ስፓኛ፡ ብኣማኢት ንዝግመቱ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ኣድሒኑ፡፡

ኣገልግሎት መድሕን ሓይሊ ባሕሪ ስፓኛ፡ ኣብዚ መወዳእታ ሰሙን፡ ብመገዲ ባሕሪ ሜዲተራንያን ሓደገኛ ጉዕዞ ክገብሩ ንዝፈተኑ 366 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ከምዘድሓኖም፡ ኣብ US news ዝሰፈረ ዜና የረድእ፡፡

ከምሓበሬታ እቲ ትካል ኣድሕን፡ ትማሊ ሰንበት፡ ብ4 ጀላቡ ንዝጓዓዙ ዝነበሩ 73 ስደተኛታት ዓጊቱ ከድሕኖም እንከሎ፡ ብቀዳም 26 ግንቦት ድማ ካብ 9 መራኽብ ን293 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ኣትሪፍዎም ኣሎ፡፡

ብሰንኪ ኣዕናዊ ግርጭትን፡ ሕሉፍ ድኽነትን ዝተማረሩ፡ ብ10ተታት ኣሸሓት ዝግመቱ ስደተኛታት፡ ዓመታዊ ብጀላቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ እናገበሩ ባሕሪ ሜድተራንያን ሰናጢቖም ናብ ስፓኛን፡ ሃገራት ደቡብ ኤውሮፓን ከምዝኣትዉን፡ ብሰንኪ እተን ውሕስነት ዘይብለን ጀላቡ ድማ፡ ብኣሸሓት ዝግመቱ ስደተኛታት ከምዝጥሕሉን ሓበሬታ እቲ ትካል የነጽር፡፡

ከምሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ዓመተ 2018 ንነጀው፡ ገማግም ባሕሪ ኤውሮፓ ናይ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣሃዝ ልዕሊ 22 ሽሕ ከምዝበጽሑ፡ ካብዚኦም ልዕሊ 4 ሽሕ ጥራይ ስፓኛ ከምዝኣተዉን 636 ድማ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዓመተ 2017 ኤውሮፓ ንምእታው ሓሊኖም፡ ኣብ ባሕሪ ሜድተራንያን ናይ ዝጠሓሉ ቁጽሪ ስደተኛታት 3100 ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

——————————————————-/////////////////////——————————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here