ዝርዝር ዜና 28-07-2017

0
799

ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ስምዒት ዓሲልና ክሳብ ዘይተቓለስና ፍትሒ ክመጸልና ክንጽበ የዋህነት’ዩ ክብሉ ግዱሳት ገሊጾም፡፡

 

ሃገራዊነት ብልሳን ጥራይ ኣይኮነን ክግለጽ ዘለዎ ዝበሉ ገለ ሓበሬታ ዝለኣኹልና ግዱሳት ወገናት ሓቀኛ ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ኣብ ውሽጥና ክሳብ ዘይዓምበበ  ሃገር ሃገር ስለ ዝበልና ጥራሕ ዘላቒ ፍታሕ ክመጸልና ንጽበ እንተኾይና የዋህነት’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ስቓይ ህዝብና  ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን በደልን ስቓይን ዘይበጽሓ ኤርትራዊት ስድራ የላን ዝበሉ እቶም ወገናት ምንጪ ስቓይናን መከራናን ህግደፍ ምዃኑ ኩልና እንረዳዳኣሉ ክነሱ፡ ኣብ ምእላዩ ስምረትና ነላሕልሕ ብምህላውና መከራና’ውን ብኡ መጠን ይናዋሕ’ሎ ኢሎም ።

ዓሌታውነት፡ ብሄር፡ ከባቢን ሃይማኖትን ገለ ካብቶም ህግደፍ ንሓድሕድና ክንከፋፈል፡ ብዓይኒ ጽልእን ጥርጣረን ክንጠማመት ዝጥቀመሎም መሳርሒታት’ዮም ብምባል ድማ እቶም ወገናት፡ እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ዘመነ ስልጣን ህግደፍ ዝተረብሐ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ  ስለ ዘየለ ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ንመሰሉን ቀጻልነት ሃገሩን ሓድነቱ ኣትሪሩ የብርሶ ንዘሎ ምልካዊ  ጉጅለ ክኣልዮ ሓላፈነት ኣለዎ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

————————————//////////////———————–

ዓርቢ 28/07/2017

ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ብሄረ ኩናማ ናይ ምብስባስ ተግባሩ ሕጂ’ውን ኣበርቲዑ ይቅጽለሉ’ሎ።

ውልቀ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ኩናማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘውርዶ ዘሎ በደላት ሕጂ’ውን ዝቅጽለሉ ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ብዝብል  ምኽንያት መእሰሪኦም ብዘይተፈልጠ ኣገባብ ብርክት ንዝበሉ ዜጋታት የሳቕዮም ከምዘሎ ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ደምሓኩኤ ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ዝኾብለሉ ኣባላት ሰራዊት ክሕዝ ብዝብል ምኸንያት ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ አደ ብሰንኪ ወዲ ውላደን ምስዋሩ ክእሰራ ከለዋ ኣቦኺ ኮብሊሉ ዝተባህለት ጓል 15 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ድማ ብኣባላት ስርዓት ህግደፍ ተወሲዳ ከምዘላ ተነጺሩ’ሎ።

ብጀካ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ንዝርከባ ደቀንስትዮ ብሄረ ኩናማ ብስቱር ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ካልእ እናቀያየረ የሳቕየን ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

———————————–///////////////———————– 

ዓርቢ 28/07/2017

ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣንጻር ዓሌታውነት ሓድነቱ ከትርር ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ብ27 ሓምለ 2017 ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሰራዊት ሃገሩ ኣንጻር ዓሌታውነት ሓድነቱ ከትርር ኣተሓሳሲቡ ክብል ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።

ፕረዚደንት ኪር ነዚ መተሓሳሰቢ ዘመሓላለፈ ኣብ መኽፈቲ 6 ጉባኤ ሰራዊት ምስ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ዘተ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ንብሄሩ ወይ ንከባቢኡ ጥራሕ ዘይኮነ ስለ ሃገርን ህዝብን ተኣማንነቱ ከበርኽ ከም ዘለዎ፡ ጸዊዑ።

ንናጽነት ኣብ ዘካየድናዮ ቃልሲ ኩልና የዕሩኽ ነይርና ዓሌታውነት ኣብ ውሽጥና ይንጸባረቕ ኣይነበረን ዝበለ ፕረዚደንት ሳልቫኬር፡ እቲ ክብርታት ሕጂ’ውን ክሸራረፍ ከም ዘይብሉ ኣዘኻኺሩ።

——————————//////////////—————————-

 

ዓርቢ 28/07/2017

ኢጣልያ መራኽባ ናብ ክሊ ማያት ሊብያ ክትልእኽ ትሕተት ኣላ።

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይነጥፉ ንዘለው ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ንምህዳን ኢጣልያ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክትልእኸ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሓቲቱ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፉይዝ አል ሲራጂ ነዚ ዝበለ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ኮይኑ ብተወሳኺ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ነቲ ኣብ ሓለዋን ምቑጽጻር ስደተኛታትን ዝጸዓና ጀላቡ ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ቴክኒካዊ ሓገዝ ክህብ ጸዊዑ’ሎ።

ኢጣልያ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ግብራዊ መልሲ እንተሂባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ’ዩ።

መንግስቲ ሊብያ ነዚ ጻውዒት ዘቅርብ ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ 10ታት ሰባት ሬሳ ድሕሪ ምርካቡን ልዕሊ 130 ሰባት ድማ ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሕሪ ምድሓኑን’ዩ።

———————————-////////////—————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY