ዝርዝር ዜና 28-08-2017

0
632

ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ባንኪ ህንዲ ዘቐመጦ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ደስኪሉ ይበሃል ኣሎ፡፡

 

ሃይደርኣባድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ኣንዳራ ኣብ ዝተባህለ ባንክ ህንዲ ቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቐሚጥዎ ዝጸንሐ 43.7 ሚሊዮን ዶላር ኣብ መጀመርታ ዕለታት ናይዚ ንውድኦ ዘለና ወርሒ ደስኪሉ’ሎ ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ።

እዚ ገንዘብ ዝደስከለሉ ምከንያት ላዕለዋይ ፈጻሚ በዓል ስልጣን እቲ ባንክ ኣብቲ ብቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝንቐሳቐስ ሚልዮናት ዶላር ዘሎ ዘይንቡር ዋሕዚ ገንዘብን ግሉጽነት ዝጎደሎ ምእታውን ምውጻእን ገንዘብ ስለዝተራእየሉ ኮይኑ እዚ ጉዳይ ብመርመራ ክሳብ ዝጻረ ደው ከምዝብል ተፈሊጡ’ሎ።

ብጀካ’ዚ እቲ ባንክ ሰነዳት ዘይብሎም ብሓጎስ ክሻ ዝኣትውን ዝወጹን ዶላራት ንምጽራይ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ኮይኑ ካብቲ ባንክ ዝግበሩ ናይ ቸክ ይኹን ናይ ሕሳብ ምዝውዋር ተግባራት’ውን ደው ክብሉ ኣዚዙ’ሎ።

እቲ ባንክ ብጀካ’ዚ፡ ቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ካብ ህንዲ ናብ ሃገራት ኣንጎላ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘከፋፍሎ ዘይቲ፡  ዓደስ፡ ሩዝን’ውን ብኸመይ ኣገባብ እታው ይገብር ንምርግጋጽ ይሰርሕ ኣሎ ከም ሓበሬታ መድረኽ።

—————————–///////////////————————– 

ሶኒ 28/08/2017

መንግስቲ ኢጣልያ ዜጋታትና ኣብ ልዕሊ ዝርከብዎሞ ስደተኛታት ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዜጋታቱ ከይተረፈ ተኾኒኑ።

ብ19 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ሓደ ህንጻ ዝነበሩ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ብሃንደበት ካብቲ ህንጻ ነኽወጹ ምእዛዙን ኣዝዩ ዘሕዝን ኢሰብኣዊ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኦም ምፍጻሙን ብዜጋታቱ ከይተረፈ ከም ዝተኾነነ፡ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ገሊጸን።

ብመንግስቲ ኢጣልያ  ኢሰብኣዊ ግፍዒ ቡዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተጎድኡን ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ጎደናታት ብጸሓይን ቁርን እንዳተቆፍቖፉ ከም ዝርከቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ህይማን ራይትስ ዎችን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ትካላትን’ውን፡ ነዚ ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ስጉምቲ ዝኹንን መግለጺ ምውጸኦም ብተወሳኺ እተን ማዕኸናት ዜና ሓቢረን’የን።

———————————/////////////————————— 

ሶኒ 28/08/2017

መንግስቲ  ኢጣልያ ንምጥያስ ስደተኛታት ብዝምልከት ሓዱሽ ሕጊ ከጽድቕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ቅድም ክብል ፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ዝበዝሑ ኤርትራውያን  ዝርከቡዎም ስደተኛታት ብሃንደበት ካብቲ ዝተዓቛቡሉ ህንጻ ብኢሰብኣዊ ግፍዒ ክወጹ ከምዝገበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ንምጥያስ ስደተኛታት ብዝምልከት መንግስቲ ሃገር እታ ሓድሽ ሕጊ ከጽድቕ’ዩ ።

እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብቲ ዝተዓቋቡሉ፡ ወጺኦም ኣብ ጎደና ክደርበዩ ድሕሪ ምግባር ፡ ፖሊስ ኢጣልያ ካብቲ ዝተደርበይሉ ጎደና’ውን ብኣዝዩ ዝሕዝን ግፍዕታት ክእለዩ ዝገበረ ኮይኑ ንዑዑ ስዒቡ’ውን ዝተፈላለዩ ተጠበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ተግባር ኮኒኖም’ዮም።

ብተወሳኺ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ከምዚ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተኣየ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከይድገም፡ ስደተኛታት ዝዕቆቡሉ ኣባይቲ ኣቐዲሙ ከዳሉ ዝሕግዝ እማመ ኣብ ምሕንጻጽ ከምዝርከብ’ውን ማዕኸናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን ኣለዋ።

ብኻልእ ዜና፡ መንግስቲ ኖርወይ ብዝሒ ናብ ሃገሩ ዝኣትው ስደተኛታት ስለዝጎደለ 17 ማእከላት መቐበሊ ስደተኛታት ክዓጽው ምዃኑ ዳይሪክተር ጉዳይ ስደተኛታት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ።

——————————–////////////—————————– 

ሶኒ 28/08/2017

ሶማልያን ጅቡትን ኣብ ጉዳይ ኣገልግሎት ፋይበር ኢንተርኔት ዘድሃበ ስምምዕ ከቲመን።

ሶማልያ ካብ ጅቡቲ ልዑል ቅልጣፈ ዘለዎ ኣገልግሎት ፋይበር ኢንተርኔት ንምርካብ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐት ካብ  ክልቲአን ሃገራት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ ሚኒስተር ቴሎኮሚኒኬሽን ሶማልያ ኣብ ጅቡቲ ናይ 4 መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ዘሳልጠሉ እዋን’ዩ።

እዚ ብልዑል ፍጥነቱ ዝፍለጥ ኣገልግሎት ፋይበር ኢንተርኔት ቅድም ኢሉ ተዘርጊሑ ምጸንሑ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ብዘጋጠሞ ቴክኒካዊ ጸገም ሶማልያ ን21 መዓልታት ብዘይ ኣገለግሎት ኢንተርኔት ምጽንሓ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ቴሌኮሚኒኬሽን ሶማልያ ዓብዲ ኣሹር ሓሰን ኣብ መግለጺኡ እዚ ኣብ መንጎ ጅቡትን ሃገሩን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብካልኦት ሃገራት እዚ ከባቢ’ውን እንተተሳዒቡ ንህዝብታት እዚ ዞባ ብኩሉ መዳዩ ንክተኣሳሰርን ቅልጡፍ ሓበሬታ ክለዋወጥን ዝለዓለ ግደ ክህሉዎ’ዩ ኢሉ።

—————————–///////////////————————- 

ሶኒ 28/08/2017

ኣልሸባብ ላዕለዋይ ኣመራርሕኡ ብነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ከም ዝተቐትሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይዚ ዓመት ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣልሸባብ ብነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ከም ዝተቐትለ ተቓሊሑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ እቲ ቅትለት ሓቂ ምዃኑ ባዕሉ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ተኣሚኑ’ሎ።

እቲ ዓሊ መሓመድ ሑሴን ዝተባህለ ዓሊ ጃባል ብዝብል ካልእ ስም ዝፍለጥ ላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ ብነቶጉቲ ንዝፍጸሙ ሽበራዊ ተግባራት ብዕቱብ ክህንድስ ዝጸንሐ ምዃኑ ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።

ንሞት እቲ ኣሸባሪ ስዒቡ መንግስቲ ሶማልያ  ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመጠኑ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ክንኪ ከም ዝኽእል ኣብሪሁ ምንባሩ ይዝከር።

——————————–//////////////——————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY