ዝርዝር ዜና 28-12-2017

0
316

ዘይትግበሩ መብጻዓታት ብምብዛሕ ስልጣን ከናውሕ ኣይክእልን ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

 

ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ስልጣን ገቢቱ ዝዕንድር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብዘይትግበሩ መብጽዓታት ስልጣኑ ከናውሕ ከምዘይክእል ዜጋታትና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም፡፡

እቲ ዓመት መጸ ገበናዊ ተግባራት ንምፍጻም እምበር ዝኣተዎ ቃል ንምፍጻም ዓቕምን ክእለትን ዘይብሉ ስርዓት ወትሩ ብናይ ክንሰርሕ ኢና ከምዚ ወጢና ኣለና ብዝብሉ ምስሉያት ዘረባታት ንህዝቢ ዘዳህልል ዘሎ ክብሉ’ውን ጠቒሶም፡፡

ዘይትግበሩ መብጽዓታት ናሰመዐ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራዊ ዜጋ ጥራሕ’ዩ ዝበሉ እቶም ዜጋታት ነዚ ሕማቕ ምስሊ ንምቕያር ዓመተ 2018 ነጥቢ መቐይሮ ንግበራ ኢሎም፡፡

—————————————————////////////////////———————————————–

ሓሙስ 28/12/2017

ፍትሕን ዲሞክራስን ንምስፋን ደለይቲ ፍትሒ እዛ ንቕበላ ዘለና ዓመት ነጥቢ መቐይሮ ክንገብረላ ይግባእ ክብሉ ገሊጾም፡፡

ንዓመታት ፍትሕን ዲሞክራሲን ንምስፋን ደለይቲ ፍትሒ እዛ ንቕበላ ዘለና ዓመተ 2018 ነጥቢ መቐይሮ ክንገብራ ኣለና ክብሉ ገሊጾም፡፡

እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣንጻር ጸላኢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ደለይቲ ለውጢ ብዝተወሰነ መልክዑ ለውጢ ኣምጺኡ’ዩ ድሕሪ ብምባል፡ እንተኾነ ግን መሊኡ ነቲ ስርዓት ህጣሙ ከጥፍኦ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ተግባራቱ ንምኽዋል ተግባራዊ ዘይኮነ ዘረባ ናነዝሐ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጸነሐ ስርዓት ኣብዛ ሓዳሽ ዓመት መሊኡ ንኽጠፍእ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክረባረብ’ዉን ጻዊዒት ቀሪቡ፡፡

ሎሚ ደለይቲ ፍትሒ ካብቲ  እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ ናቐጸለ፡ ምልኪ ለጊሱ ፍትሕን ዲሞክራሲን ዝሰፈና ሃገር ንክትፍጠር ቀላጽምና ነተርንዓዮ ክብሉ ብተወሳኺ ኣነጺሮም፡፡

————————————————–//////////////////———————————————-

ሓሙስ 28/12/2017

ጉጅለ ኣሜሪካውያን ንተፈናቐልቲ ኤርትራውያን መንግስቲ ኣሜሪካ ንኤርትራውያን ናይ ምጥራዝ መደቡ ክስርዝ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጉጅለ ኣሜሪካውያን ንተመዛበልቲ ኤርትራውያን ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ናብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክጥርዝ ኣውጺእዎ ንዘሎ መደብ ክስርዝ ጸዊዑ’ሎ፡፡

እቲ ዕድል ፡ ተስፋ፡ ክብረትን ትምህርትን ዝመለለይኡ ገባሪ ሰናይ ትካል ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ መንግስቲ ኣሜሪካ ን700 ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክጥርዞም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ፡፡

እቲ ምስ 78 ካልኦት ተመሳሳሊ ተልእኾ ዘለዎም ኣህጉራውያን ትካላት ብምዃን ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ ማሕበር ኣሜሪካውያን ንኤርትራውያን ተፈናቐልቲ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምስ ዝስጎጉ ብጉጅለ ህግደፍ ከጋጥሞም ዝኽእል ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ብምጥቃስ መንግስቲ ኣሜሪካ ንውጥኑ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ተላብዩ’ሎ፡፡

————————————————-////////////////////————————————————

ሓሙስ 28/12/2017

ኢትዮጵያ ኩሉመዳያዊ ህይወት ስደተኛታት ክተመሓይሽ ምዃና ይግለጽ’ሎ፡፡

ኢትዮጵያ ኩሉ መዳያዊ ህይወት ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ውጥን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዕላዊ ምግባራ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ድማ ናብ ተግባራውነቱ ትሰጋገር ከምዘላ ዘሚግራንት ፕሮጀክት ጸብጺቡ፡፡

ትምህርቲ፡ ስልጠና፡ ዕድላት ስራሕን ካልኦትን ድማ ገለ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማኢት ኣሸሓት ስደተኛታት ህይወቶም ከመሓይሽሎም ዝተመደቡ ትልምታት ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣነጺሩ፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ የመንን ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 850 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር ይህነጻ ኣብ ዘለዋ ኢንዳስትሪ ፓርክታት ድማ ናይ ስራሕ ዕድል ክፍጠረሎም ምዃኑ ኣብቲ ውጥን ሰፊሩ’ሎ፡፡

—————————————————–////////////////////———————————————

ሓሙስ 28/12/2017

ሩስያ ሓድሽ ስርሓት ባሊስቲክ ሚሳይል ናይ ምውንጫፍ ፈተነ ኣካይዳ፡፡

ማዕከን ሓበሬታ ፕረስ ቲቪ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ሩስያ ንነዊሕ ርሕቐት ናይ ዝጎዓዝ ፈተነ ምውንጫፍ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዘካየደት ገሊጹ፡፡

እቲ ብሩስያ ፈተነ ዝተኻየደሉ ሓድሽ ሚሳይል RS-12 ዝብል መለለ¥ ዘለዎ ሚሳይል፡ ህሉዉ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሩስያ ንምፍታሽ ዝዓለመ ኮይኑ ብዕውት ኣገባብ ከምዝተሳለጠ ድማ ጸብጻብ ፕረስ ቲቪ የነጽር፡፡

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ  ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይል ብርክት ዝበሉ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ተረኺቦም ምንባሮም ተፈሊጡ’ሎ፡፡

——————————————————-//////////////////——————————————–

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here