ዝርዝር ዜና 29-08-2017

0
232

ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ውን ስቡሕ መሬት ሕርሻ ህዝቢ ይምንዝዕ ኣሎ፡፡

ዓመት መጸ ህዝቢ ካብ ዝረኽቦ ኣታዊ ይኹን፡ ደሓን ዝበሃል እቶት ካብ ዝረኸበ መሬት ሃብቲ ህዝቢ ክምንዝዕ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ’ውን ዝቅጽለሉ ዘሎ ኮይኑ ከም መቐጸልታ ናቱ ድማ ኣብ ገለ ከባቢታት ኤርትራ ዝርከብ ስቡሕ መሬት ገቢትዎ’ሎ ከም ሓበሬታ ምንጭታትና፡፡

ህግደፍ ብስም ትካል ጥሪትን ዘራእትን ኣብ ከባቢ ኣፉምቦ፡ ሂምቦልን ዓዲ ዑመርን ዝርከብ ስቡሕ መሬት ሕርሻ ሓዚኡ ኣብ ረብሓ ተማእዘዝቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊቱ የውዕሎ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ማንጁስ ተቆጻጺርዎ ንዘሎ መሬት ሕርሻ ከም ኣብነት ብምጥቓስ ኣረጋጊጾም፡፡

ብዋንነት ምዕራባዊ እዚ ኣብ ከባቢ ዓዲ ማእለል 50 ሄክታር መሬት ንግምባር ተባሂሉ ብ7 ትራክተር ዝተሓርሰ ኮይኑ፡ ሕድሕድ ክፍላተ ሰራዊት ’ውን ነናተን ሕርሻዊ ቦታ ይውንና’ለዋ፡፡

ብፍላይ ብበራጊድን ቦጦሎንን ዝሰላሰል ዓውዲ ሕርሻ ብናጻ ጉልበት ወተሃደራት ኮይኑ ኣብ ምቑጥቛጥ ምጽሃይን ምዕጻድን ተጸሚዶም ኣለው፡፡

እዚ ከምዚ ’ሉ ከሎ ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቡ ካብ ሰራዊት ቡዙሕ ሕቶታት’ኳ መጺኡ እንተኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ከም ኣመሉ ካብዚ ዝርከብ ኣታዊ ንመማቅርቲ ክኾነና’ዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ንስድራኹም ብሕሱር ዋጋ ኣገልግሎት ክወሃቦም’ዩ ዝብል ዘይትግብሮ መብጽዓ እናኣተወ ሕጂ’ውን ነቲ ሰራዊት ብናጻ ጉልበቱ ይምዝምዞ’ሎ ከም ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና፡፡

————————————–////////////////////————————————

 ሰሉስ 29/08/2017

ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ የመን ይድብድባ ምህላወን ይሕበር ኣሎ።

ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሓደ ሓደ እዋን ብነፈርቲ ኤርትራ ዝበዝሐ ግዜ ከኣ ከም ኣካል ታዕሊም ፓይሎታት ኢማራት ዓረብ ብምዃን ኣብ የመን ደብዳብ የካይዱ’ለው ክትብል ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ።

ኣብዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ረብሓ ዘይህብን ቡዙሓት  ደቐንስትዮን ህጻናትን ዝቐዝፍ ዘሎ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ከም ተፈታዊ ኮይኑ ምስታፉ ዘሕዘን ተግባር ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ብኣብርሃም ኢሳይያስ ዝመሓደርን ዝእዘዝን ዘሎ ኮይኑ ነቲ ቦታ ክበቕዑ ዝኽእሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ከም ዘለው ብተወሳኺ ኣነጺራ’ያ።

ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምሃብ ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝተገብረ ውዕል ንሓይሊ ኣየር ኤርትራ ወኪሉ ኣብረሃም ውዕል ከምዝፈረመ ይዝከር።

——————————————–////////////——————————————–

           ሰሉስ 29/08/2017

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወሰዶ ስጉምቲ ቆላሕታ ክገብረሉ ጸዊዑ፡፡

ብ25 ነሓሰ 2017 ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኣንቶንዮ ኣልፋኖ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምግላጽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ’ዞም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ዝበጽሐ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብምኹናን ቆላሕታ ክገብረሉ ተማሕጺኑ፡፡

መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከም ሓደ ህጹጽ ተረኽቦ ብግቡእ ከጽንዖን ቆላሕታ ክገብረሉን ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ካብ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝምድና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ብዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ቡዙሓት ኤርትራውያን በቲ ስጉምቲ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ጠቒሱ፡፡

ኢጣልያ ብጀካ’ቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝያዳ ክትግደስ ሞራላዊ ግዴታ ከምዘለዋ ’ውን ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡

ቅድሚ 2 ሰሙን ፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ሓደ ዓቢ ህንጻ ይነብሩ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሓይሊ ከምዘባረሮም ይፍለጥ፡፡

————————————–////////////////////————————————

 ሰሉስ 29/08/2017

ኣንጎላ ኣብ ዘሳለጠቶ ሃገራዊ ምርጫ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ከም ዝተዓወተ ተገሊጹ፡፡

ኣንጎላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየደቶ ሃገራዊ ምርጫ ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ከም ዝተዓወተ ንኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ጸብጺቡ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ካብ ጠቕላላ ድምጺ ህዝቢ ገዛኢ ሰልፊ ነቲ 61 ሚኢታዊት ተዓዊትሉ’ሎ፡፡

ቀንዲ መናሕንሕቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ ድማ 27 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺቡ ስዕረቱ ተኣንጊዱ ’ሎ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነታ ሃገር ብፕረዚደንትነት ን38 ዓመታት ንዝመርሐ ጆሴ ዶሳንቶስ ተኪኡ ጆአዎ ሎረንሶ ስልጣን ፕረዚደንትነት ተረኪቡ ’ሎ፡፡

————————————–////////////////////————————————

 ሰሉስ 29/08/2017

ሰሜን ኮርያ ሕጂ’ውን ሚሳይል ካብ ናይ ምውንጫፍ ተግባራታ ከም ዘይተቖጠበት ይግለጽ ’ሎ፡፡

ብሰንኪ እንኽተሎ ፖሊሲ ኒኩለሳዊ መደባታ ምሰ ጎረባብታን ሃገራት ምዕራብን ተሳንያ ዘይትፈልጥ ሰሜን ኮርያ፡ ሕጂ እውን ካብ ተግባራታ ከም ዘይተቖጠበት ጸብጻብ ቢቢሲ ገሊጹ፡፡

ሰሜን ኮርያ ሰሉስ 29 ነሓሰ 2017 ሓደ ሚሳይል ናይ ምውንጫፍ ፈተነ ዘካየደት ኮይና፡ እቲ ዝተወንጨፈ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጃፓን ንእትርከብ ሆካይዶ ዝተባህለት ደሴት ኣቋሪጹ ኣብ ባሕሪ ከም ዝዓለበ ተሓቢሩ ’ዩ፡፡

ድሕሪ እቲ ምውንጫፍ ሚሳይል ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተግባራት ፕዮንግዮንግ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ ብምጥቃስ ኮኒኑዎ’ሎ፡፡

ባይቶ ጸጥታ ብተርኡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ከም ዝኽእል ኣሚቱ’ሎ፡፡

————————————–////////////////////————————————

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY